ኤውሮጳዊ ሕብረት ንውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ 122 ሚልዮን ይሮ ክምውሎ ወሲኑ።

LMሓደ ካብቶም ዝኸፍኡ ውልቀመለኽቲ ስርዓታት ኣፍሪቃ ኮይኑ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሳቒ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ካብዚ ዓመት’ዚ ጀሚሩ ክሳብ 2013 ዝኽፈል ናይ 120 ሚልዮን ይሮ ሓገዝ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ክቕበል ምዃኑEuropeanVoice.com ዝብሃል ናይቲ ሕብረት መርበብ ኢንተርነት ኣፍሊጡ።

ኤውሮጳዊ ሕብረት ናይቲ ዝባኑ ዝቐልዐ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝዓበየ ደጋፊ ኮይኑ ምርካቡ፡ ኣብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ንዘለዎ ሸለልትነት ዘመልክት ምዃኑ ብዙሓት በቲ ስጉምቲ ዝተቖጥዑ ተዓዘብቲ ገሊጾም።

እቲ ኣብ ቴለቭዥን፡ “ኢትዮጵያ፡ ብኢንተንዚቭ ኬር ኣመሪካ እያ ትጻናሕ ዘላ፡ ብትኳቦ 'ያ ትናበር” እናበለ ወትሩ ብምውርዛይ ህዝቢ ከደናግር ዝፍትን ኢሳይያስ፡ ብቐደሙ ‘ውን ለሚኑ ‘ምበር ኣፍርዩን ሰደድ ልኢኹን ዘካየዶ ቁጠባ የልቦን። ንርእሱ ብኢንተንዚቭ ኬር ኢውሮጳዊ ሕብረትን ማእከላይ ምብራቕን እዩ ዝናበር። ነቲ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ትካቦታት ክረክብ፡ ክሳብ ምስ ብግብረሽበራ ዝጥርጠሩ ውድባት ክተሓባበር ከሎ፡ ጉንዖ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንምልቝማጽ ከኣ፡ “ብድሕሪ መጋረጃ ተሓቢኡ” ጫማ ሊዊስ ሚቺኤል ክልሕስ ነይሩዎ። ነቲ ብህዝቢ ኤርትራ ተኻዒቡ ዘሎ ስርዓት ግን ይሮ ካብ ውድቀት ኣይከድሕኖን እዩ። ይሮ ክቕበል ሎሚ ፈለምኡ ኣይኮነን። ንሱ ዝጠቕሞ እንተዝኸውን ኣብዚ ሕጂ ተገምጊሙዎ ዘሎ ደረጃ ውድቀት 'ውን ኣይምበጽሐን ነይሩ።  

ምእንቲ ስርዓት ህግደፍ ክወድቕ፡ ህዝቢ ብጥምየት ክመውት ፍጹም ኣይንደልን። ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ብኽቱር ጥምየት ኣብ ደረጃ ሞት በጺሑሉ ዘሎ እዋን ህጹጽ ረዲኤት መግቢ ክበጽሖ ኣለዎ። እንተኾነ፡ እቲ ገንዘብ መሐለው ትንፋስ ናይቲ ክመውት ጀሚሩ ዘሎ ህዝቢ ‘ምበር፡ መናውሒ ስልጣን ናይቲ ብሰንኪ ዓንዳሪ ፖሊሲኡ ቀንዲ ጠንቂ ጥምየትን ሞትን ህዝቢ ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ከይከውን ኤውሮጳዊ ሕብረት ግሉጽነትን ምትሕትታትን ዘለዎ ናይ ምቍጽጻር ስርዓት ከዋድድ ኣለዎ። ከምኡ እንተዘይገይሩ፡ ብዓል ፈረቓ ናይቲ ውልቀመላኺ ስርዓት ብምዃን ሞራላውን ሕጋውን ሓላፍነት ክስከም እዩ።


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>