ኪዳን ምስ መን? …(መበል 14 ክፋል)

ኪዳንኤፍሬም፡ (ሃንደበት ስምብድ ኢሉ ሰገጥ ይብል። ክልቲኡ ኣእዳዉ ንድሕሪት ናብኣቶም ዘርጊሑ) እስከ፡ እስከ ኩሎኹም በጥ በሉ (ኢሉ የብሩኽ።) እዚኣ ደኣ ባንዴራ ኢትዮጵያ እንድያ! (ፍርሕን ስምባደን ሕርቃንን ተሓዋዊሱዎ) እቲ ኣብ ኩሎም ተዋህሊሉ ዝጸንሀ ተስፋ ብኡ ንብኡ ክበንን ይረአ።

ትርኢት 30


ወዲ መሓመድን ወዲ ሕድሩን፡ ኣብ ጻሕ ዝበለ ህይወት ዘይረኣየሉ ምድረበዳዊ ቅርጺ መሬት፡ ብረሃጽ ተሓጺቦም ዘፍ ኢሎም ይረኣዩ። ምስ ሓደ ገመል ዝውጥጥ ገባር ተራኺቦም ክዘራረቡ ‘ውን ይረኣዩ። (ወዲ ሕድሩ ካብ ሓርቢ ማይ እናሰተየ፡)


ወዲ መሓመድ፡  ሚ ርኤካ?


ገባር፡ ኩሉ ኣማን


ወዲ መሓመድ፡ ሚ ሰማዕካ


ገባር፡ ደሓን ዎ ኣማን


ወዲ መሓመድ፡ እትሊ ኣካን ገለ ሰለስ ኣጀኒት ይረኤካኒ?


ገባር፡ ዋላ ሓበት ይረኤኩኒ


ወዲ መሓመድ፡ ዋላ ሓበት


ገባር፡ ኣበደን


ወዲ መሓመድ፡ ቃሮራ ሱዳን ንገይስ ህሌና ከም ሰዓ ነስእ ግልና?


ገባር፡ ዮምክን ሓቴ ሰዓ


ወዲ መሓመድ፡ ነቲ ገባር ይፋነዎ።



መበል 31 ትርኢት


ኣሕመድ እቲ ናይ ጻሕ ዝበለ ምድረበዳ ተስፋ ዘቝረጾ እናመሰለ ብዓይኒ ቅብጸት ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ተነጺፉ ዝነበረ ኣሰልቻዊ ቅርጸ መሬት ቀዚዙ ንርሑቕ ከማዕዱ ይርአ።


ብማዕዶ፡ ሕብራ ከለልዮ ዘይከኣለ ባንዴራ ከተምበልብል ዘስተብሃለ ኮይኑ ‘ውን ተሰምዕ፡ ኣያመነን፡ ዓይኑ ደጋጊሙ ጸቒጡ ኣተኵሮኡ ብምውዳብ መሊሱ የማዕዱ።



መበል 32 ትርኢት


ወዲ መሓመድ፡ ሕጂ ‘ሞ ቃሩራ ሱዳን ቀሪብና፡ ካላሺን ሒዝና ክንኣቱ ኣይከኣልን ኢዩ።


ወዲ ሕድሩ፡ ገለ ብረት ከጽንሑልና ዝኽእሉ ገባር ኣይንረክብን ዶ?


ወዲ መሓመድ፡ ኪትቀበር ኣለዎ ኢምበር፡ ከመይ ንኣሚን ኣብ ውሽጢ ሶዳን


ወዲ ሕድሩ፡ ገለ ንሕና ንዝክሮ ምልክት፡ ጌርና ‘ሞ ንቕበሮ ደሃይ ፈሊጥና ቅልጥፍ ኢልና ንምለስ፡


ክልቲኦም ብረቶም ብኩሹኽ እናጠቕለሉ ኣብ መሬት ከብርኹ ይረኣዩ።


 


መበል 33 ትርኢት


ኣሕመድ፡ ኣዝዩ ተኻኢሉ እግሩ ኣብ ሑጻ ሽኽል ሽኽል እናበለ ናብ በዓል ኤፍሬም ክጎዪ ይርአ፡ እናላህለሀ፡ ኤፍሬም ንወዲ ገዛኢ ይከታተሎ ኣሎ።


ኣሕመድ፡ ‘ያ ጀማዓ፡ ባንዴራ ሱዳን ርእየ ኣለኹ፡ ማይ ግን ኣይረኸብኩን፡ ተጸሚምና ንኺድ፡ ቀሪብና ኢና፡ ንበገስ ንኺድ፡ ንኺድ! ይብል ሃንደበት፡ ካብ’ቲ ተስፋ ብዝረኸቦ ተስፋ ድምጹ ክብ ኣቢሉ።


ኤፍሬም፡ ብድድ ኢሉ፡ ዓሽ ያዓኸ።


ኣሕመድ፡ ወላሂ፡


ኤፍሬም፡ ናብ ወዲ ገዛኢ ገጹ እናጠመተ ፍሽኽ ብምባል፡ ጽምእና ምበር ኣርዊኻዮ ኣሕመድ


ወዲ ገዛኢ፡ ርእሱ ኣቕንዕ ኣቢሉ ቁሩብ ተስፋ ከንጸባርቕ ይርአ


ኣሕመድ፡ ንኺድ ኢሉ ንወዲ ገዛኢ ብሓደ ኢዱ ይሕዞ፡ ኤፍሬም ውን ከምኡ ይገብር። ወዲ ገዛኢ ‘ውን ተስፋ ረኺቡ ፈለኽለኽ ይብል። ተደጋጊፎም ጉዕዞ ይቕጽሉ።



መበል 34 ትርኢት


ኣብ ሓደ ትሕቲ ጽላል ሰለስተ ክዳን ኣምሓራ ዝለበሱ ብረት ዝዓጠቑ ሰባት፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ናይ ዋርድያ ቦታ ሒዞም ይረኣዩ። ሓደ ካብኣቶም፡ ክሻፋ (መነጸር ማዕዶ/ ሚኒኮለ)ሒዙ ይኸሽፍ። ገና ክሻፋኡ ካብ ዓይኑ ከየውረደ ብምግራም፡


ወተሃደር 1፡ እንዴ! እንዴ! ምንድ ነው፡ ወንበዴዎች ! ውንድሙ ወንድሙ፡ (ኣናተዛረበ ኸሎ፡ ደቂቕን ሃሳስን ምስሊ ናይ ብዓል ኤፍሬም ኣብ መነጸሩ ይርአ)


ወተሃደር 2 (ወንድሙ)፡ ጓደኛየ የፍራት ነገር እንዳይሆን፡ በዚህ ሰኣት በዚያን ምድረበዳ እንኳን ሰው ግመል እንኳን መንቀሳቀስ ኣልችልም። …ኢሉ እናኣቃጨጨ ክሻፋ ይቕበሎ። (እንደገና፡ ንዕኡ ውን ምስ ተራእዩዎ) ኤረ.. እውነትህ ነው፡ ዎምበዴ፡ ዎምበዴ! እናበለ ብዓውታ ይጭድር።


ኩሎም ወተሃደራት ሸበድበድ ኢሎም መመዝገቦም ይሕዙ። ሓደ ድማ ብድሕሪት ሬድዮ ሒዙ  ሃለው ሃለው እናበለ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ይርአ።


ኣሕመድ፡ ሹፍ! ሹፍ! ባንዴራ ሱዳን፡ (ብሓጎስ ይጭድር)


ኤፍሬም፡ (ሃንደበት ስምብድ ኢሉ ሰገጥ ይብል። ክልቲኡ ኣእዳዉ ንድሕሪት ናብኣቶም ዘርጊሑ) እስከ፡ እስከ ኩሎኹም በጥ በሉ (ኢሉ የብሩኽ።) እዚኣ ደኣ ባንዴራ ኢትዮጵያ እንድያ! (ፍርሕን ስምባደን ሕርቃንን ተሓዋዊሱዎ) እቲ ኣብ ኩሎም ተዋህሊሉ ዝጸንሀ ተስፋ ብኡ ንብኡ ክበንን ይረአ።


ወዲ ገዛእን ኣሕመድን ብቕጽበት በጥ ኢሎም ቕዝዝ ይብሉ።


ወዲ ገዛኢ፡ እንታይ ትብል!? እንታይ ደኣ ኪንገብር ኢና፡ እቶማይ ሜትና ማለት እዩ። ነገር ተወዲኡ…


ኤፍሬም፡ (ርእሱ ጸቒጡ እናኣመልከተ፡ ብታህዋኽ) እዚኣ ቃሩራ ኤርትራ እያ፡ ቃሩራ ሱዳን ድማ እታ ስግር ሩባ። ያላ እግርና ከምዝሃበና ‘ዛ ሩባ ንቝረጻ። ያላ ንኺድ ከከም ኣግርና!


ሰለስቲኦም ብቕጽበት ብግስ ይብሉ። ብኡ ንብኡ ድማ ናብኣቶም ዝቐንዐ ጽዕጹዕ ቶኽሲ ይዘንብ።


ወዲ ሕድሩን ወዲ መሓመድን ኣብ ርሑቕ ቦታ፡ ብሓደ ብርኮም ተምበርኪኾም ብረቶም እናወልወሉ ከለዉ፡


ወዲ መሓመድ፡ ወላሂ እዘን ፖላይስ ሶዳን ሻጢረናና፡ ሓቢኤናኦም ኣለዋ ወላሂ


ወዲ ሕድሩ፡ እስከ እስከ ወዲ መሓመድ፡ ቶኽሲ ዶ ትሰምዕ ኣለኻ?


ወዲ መሓመድ፡ ሹፍ! እሮማይ ጠፊኤን ቆልዑ፡ ናብ መዓስከር ጠላኢ ኣትየን።


ወዲ ሕድሩ፡ (ብረቱ ብሰደፋ ናብ መሬት እናኣጋጨወ፡ ርእሱ ኣድኒኑ እናነቕነቐ) ኣሕ ጠፊኤን! ጠፊኤን ቆልዑ! ጠፊኤን ….


ይቕጽል……


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>