ማትሪክ – ኣብ ሓቀኛ ፍጻሜ ዝተመርኮሰ ሓጻር ዛንታ

ፈይሰል ዝለበሶ ጋውን ስለዝነውሖ ብእግሩ ከይረግጾ ብጸጋማይ ኢዱ ጨቢጡ ንላዕሊ ብምስሓብ’ዩ ዚንቃሳቀስ። ስልማት ዛግረ ወናኒ $40 ሽሕ ናቕፋ መዳልያ ኮይኑ ኪሓልፍ ጥርጥር ኣይነበሮን።ኣብቲ ብላቭ ሱኬር ዝፍለጥ መራኸቢ ቦታ ካብ ካልእ ዝተፈላለያ ዝበዝሑ ቤተሰብ ተመረቕቲ’ያ ኣአንጊዳ።

ፈይሰል ጌና በዚ ቀዳማይ ዲግሪ ብዙሕ ከይተሓጎሰ ገና ብድሕሪ ሕጂ ክውስኽ ምዃኑ እንዳተተስፈወ’ዩ ካብን ናብን ዝንቀሳቐስ ዘሎ። ስድርኡ ምስ’ታ ካብ ስዑድያ ዝመጸት ሓብቱ ክልተ መኪና ሒዞም’ዮም  ኣብ’ቲ መመረቕታ ቦታ ተረኺቦም።

መእተዊ ትኬት ንሓደ ተመራቒ ክልተ( 2) ስለ ዝፍቀድ፡ ተወሳኺ መእተዊ ካብ’ቶም ቤተ-ሰቦም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ’ዩ በብ $ 100 ናቕፋ ገዚኡ ኣምጺኡሎም።  ኣብ ህይወቱ ከምኡ ዓይነት ስእልታት ተሳኢሉ ኣይፈልጥን።  ማሕታታት ካሜራ ብተደጋጋሚ ኣብ ዓይኑ ይዓርፍ።  ምስ ኣዕሩዅቱ፣ መማህራኑን ደቂ ዲፓርተመንቱን ደጋጊሙ ይስኣል።  ብቐጻሊ ከኣ “ congra (ዮሃና )“ ትብል ናይ እንግሊዝኛ ቃል ትደጋገም። ማርቺን ባንድ ኣብ ዝተመደበሎም ቦታ ኮፍ ኢሎም ነጎዳ ብዝጥዕም ድምጺ ሙዚቆኦም ኪድሕድሕዎ እንከለዉ ተሰምዐ። መሻይኽ፣ ካህናት፣ሚኒስተራት፣ልኡኽ መራሒ ሃገር፣ዲፕሎማሰኛታትን ማሕበረ ኮም’ቲ ዩኒቨርሲትን ቦቦቶኦም ኪሕዙ ፈይሰል ይዕዘቦም ነበረ። ብደገ ከኣ ነቲ ዕልቕልቕ ንምቅላል ሓደ ዓቢ ሰብኣይ ምስ ክልተ ተሓጋገዝቶም ትራፊክ ወረቀት ናይ ነጻ ምንቅስቓስ እናረኣዩ ነቶም ናይ ክብሪ ዕዱማት የእተውዎም።

ፈይሰል መስርዑ ሒዙ ምስ’ቶም ናይ ኮምፒተር ሳይንስ ተመረቕቲ ኪሓልፍ እንከሎ ነታ ካብ ዓሽራይ( 10) ክፍሊ ኣትሒዙ ዝጥምታ ዝነበረ ጓል ርእዩ ኢዱ ወስ ወስ ኣበለላ። ብሙዚቃ ተዓጂቡ ኣብ ቦትኡ ኮፍ ኪብል ዝያዳ ፍስሃ ዝዓሰሎ መሰሎ። ኩሉ መደባት ሓደ ብሓደ እንዳተዛዘመ ከደ። ናይ’ቲ ዓመት ተመረቕ’ቲ ብመዓርግ ዝምረቑ ኣስማት ክርቋሕ ከኣ ጀመረ። ካብ ተፈጥሮ ሳይንስ (natural science) ካብ ኮምፒተር ሳይንስ እቲ ዚልዓለ ነጥቢ  3.96 ብምምጻእ ዚተዓወተ ፈይሰል ዑስማን ዝብል ድምጺ ካብ’ቲ ሳንዱቕ ማክሮፎን ኣቃልሐ።

ኣደ ፈይሰል ዕንባብአን ሒዘን ክወርድ እንከሎ ከቐብልኦ ብወገን ጸጋሙ ተዓዘበን። ፈይሰል ብድሙቕ ጨብጨባን ጣቒዒትን ካብ ብጾቱ እንዳተለገሰሉ ናብ ደረጃ ናይ’ቲ መድረኽ እናተቐረበ ከደ። ኣብ የማናይ ወገኑ ሓይሊ ፖሊስን ጋዜጠኛታትን ይርኣዩ ነበሩ። ክንዲ’ዚ ዝኣኽሉ ቪድዮ ዘልዕሉ ቤተ-ሰብ ተመረቕቲ ክርኢ ንፈለማዩ ምንባሩ ኣብ ገጹ ናይ ኣድናቖት ምልክት ኣርኣየ። ሓዉ’ውን ነታ  350 m ዝዓይነታ ቪዲዮ ካሜራ ተሰኪሙ ረኣዮ።

ፈይሰል ነታ ኣብ ክሳዱ ትጠልቕ መዳልያ ብሃንቀውታ’ዩ ዝዕዘባ ዘሎ። ኣብ ጥቕኡ ሓደ ገዚፍ ፖሊስ ሰማያዊ ስረን ካምቻን ለቢሶም ሰለስተ ብሩራዊ ሕንጻጻት ኣብ መንኩቦም ሰቒሎም ብርቱዕ ፊስካ ዘስምዑ መሰሎ።

“ኤ! ኣታ ተንስእንዶ!! ተንስእ እስከ……! “ ዚብል ድምጺ ዳግማይ ተሰምዐ። ” ኣላህ   ዎ ኣክበር!  ፈይሰል ዘስምዖ ድምጺ’ዩ። እንታይ ዓይነት ሸግር’ዩ በለ።

ዘለዎ ገፊሕ መጽለሊ ንሱን ዑዱማት ኣጋይሸን ዘጽለልሉ ዳስ፤ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ደው ዝበለ ድማ መዳልያ ከጥብቐሉ ዝጽበዮ ዘሎ ኩቡር ጋሻ መስሎ።  ስቕ ኢሉ ጠመቶ።  ኣዒንቱ እናሓሰየ፡ ” ተጠንቀቕ! ሰጥ በል…” ዚብል ትእዛዝ ምስ ሃበ ግን ዝያዳ ነጸረሉ። እቲ ፋሲካ ናይ ትንሳኤ’ዩ፡  እቲ ሰብ ከኣ ዓላሚኡ’ዩ። ብጾቱ ተንሲኦም ካብ ዝስርዑ ሓያሎ ደቓይቕ ሓሊፉ’ዩ።  ፈይሰል ግን ኣብ ሓያል ሕልሚ ናይ መመረቕትኡ’ዩ ተጸሚዱ ኔሩ።

ፊስካ ዝሓዘ ባሻ በጦሎኒ ደጋጊሙ ድምጺ እናስምዐ በቲ ጥቓ’ቲ መዕረፊ ኪሓልፍ እንከሎ ገና ሰዓት  5፡ 00 ወጋሕታ’ዩ ኔሩ። ጉዕዝኦም ናብ ምእራይ ዕንጸይቲ’ዩ ። ዕንጸይቲ ኣርዮም ምስ መጹ ኣብ ጽላሎም’ዮም ክውዕሉ።  “ኣላህ  ዎ ! ኣክበር !! “ ደገመ ፈይሰል ኮንጎ ሳእኑ እንዳወደየ። ትምህርቲ ኣብ ልዕሊ ሕጽሩ ኣድቂቕዎ’ዩ።  ምቾት መነባብርኡ ዝገልጻ ፍሩያት የዒንቱን ኣብ ሳዋ ምስ ወረደ ዝጸለማ መዓጉርቱን ግን ፍሉይ መልክዕ  ይህቦኦ።  ናብ ሳዋ ወሪዱ መበል  15 ዙርያ ኮይኑ ኪዕለም  ካብ ዚጅምር ኩሉ ግዜ ሕልሙ ብዛዕባ ዩኒቨርስቲ ኣቲኻ ምምራቕ’ዩ።  ውጺኢት ማትሪክ ከም ዝመጸ ብጽንጽንታ ሰለ ዚሰምዐ፤ ገና ኣብ ቀጽሪ’ቲ ዩኒቨርስቲ ኣትዩ ዘጋጥሞ ብድሆታት ከም ከቢድ ከይቆጸረ፤ ናብ ሎሚ ዘወግሐት ለይቲ  ድሕሪ ነዊሕ ናይ ሓሳብ ውረድ-ደይብ ምስ ደቀሰ እዩ ብዛዕባ ኣገባብ ጽንብል መመረቕትኡ ዝሓለመ።  እተን ብሚሒር ጭንቀት ቀይሔን ዝነበራ የዒንቱ፡ ኣብ ድቃስ ወይ ኣብ ሃተፍተፍ ከም ዝጸንሐ ንማንም ብሩህ ስለ ዝነበራ እቲ ዓላሚኡ ኣይቀጽዖን።

ነቶም ተሰሪዖም ዝጽበዩዎ ዝነበሩ ደቂ ሓይሉ ብተብተብ’ዩ ተጸንቢሩዎም። እቲ ሕልሚ ሓቂ ዘይኮነሉ ግን ኣመና’ዩ ጉህዩ። ኣብ ዕንጨይቲ ዝነበሮ ቦታ በጺሖም ገሊኦም ስኩፋት ኣኽብድ ኣቢሎም፡ ገለ ተረርቲ ቆርበት ድማ ኣፍኩስ ኣቢሎም ተሰኪሞም ጸሓይ ገና ንጎልጎል ሳዋ ከየሞቖቶ እንከላ ናብ ቦትኦም ተመልሱ። ውጽኢት ማትሪክ ከም ዝመጸ ብዕሊ’ዩ ዘይተነግረ እምበር ሕሹኽሹኽሲ ካብ ቅድም ሕጂ ይገድድ። ፈይሰል ቀልጢፉ ናብ ገዝኡ ተመሊሱ ትምህርቱ ኪቕጽል ኣመና’ዩ ተሃንጥዩ።

ኣብ ቀዳማይ ዓመት ዝመሃርዎ ዓይነት ትምህርቲ ዳርጋ ምስ ናይ ውልቂ መምህሩ ኮይኖም ኣፋሪቖሞ ኢዮም። ሓንቲ ካልኩላሰ ትብል ዓባይ መጽሓፍ ከኣ ኣብ ዩኒቨርስቲ ምስ ኣተወ ዝመሃረላ ብልጽቲ ምዃና ስለዝተነግረቶ  ገዚኡ ሒዝዋ’ዩ ናብ ሳዋ መጺኡ።

መቐረት መስተ፡  ምሕሻሽ ገንዘብ፡  ሳዕሲዒትን ዙረት ምስ ደቂ ኣንስትዮን ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ምናልባት’ውን ናይ ማህደረ ትምህርቲ ረኺቡ ናይ ዶክተረይት ዲግሪ ሒዙ ምስ መጸ’ዩ ክፈልጦ። ኩሉ ህይወት ዩኒቨርሲትን ክገብሮ ዝግብኦ ጥንቃቐን ካብ  10ይ ክፍሊ ኣትሒዙ ምስ መምህሩ ወዲኦሞ’ዮም። ውጽኢት ማትሪክ ምምጽኡ ድሕሪ ፋዱስ ከም’ዝንገሩ መራሕቲ ሓይልታቶም ዘምለቝዎ ምስጢር ድሮ ኩሉ ተዓላማይ ፈሊጥዎ’ዩ።  “በቃ! ካብ ጽባሕ ኣብ ሳዋ የለኹን! ማሻላህ ረቢ ጥዑም’ዩ በስ ! “በለ ንበይኑ። ሰዓት ኣኺሉ ተሰራዕ ተባሂሎም መመስርዖም ሒዞም ናብ’ቲ ባህልን ኣገደስቲ ኣኼባታትን ዚግበረሉ ቦታ ኣምርሑ። ኣስታት  8 ሸሕ ዝኾኑ ተምሃሮ ከኣ ፍርዶም ኪሰምዑ ሃንቀው በሉ።

ማትሪክ ኣብ ሳዋ ፍሉይ ቦታ’ዩ ዘለዎ።  ነፍስ ወከፍ ሰብ ከኣ ልዕል’ቲ ኣብ ገዝኡ ኮይኑ ዝጽበያ ኮይኑ’ዩ ብኣኣ ክሓስብ ዝቕኒ።  እቶም ዝርዝር ኣስማት ዝሓዙ ግቡእ ወተሃደራዊ ልብሲ ዝለበሱ ኣባላት‘ቲ መዓስከር እናዞሩ ይቆጻጸሩ።   ዝርዝር ኣስማት ናይ ዚሓለፍ ብተርታ ፍደላት እንግሊዘ ኪጽውዑ ጀመሩ።  እቲ ድምጺ ካብ ማክረፎን ስለ ዚወጽእ ብንጹር እዩ ዚስማዕ።

ፈይሰል፡  ሓሳቦም ቀይሮም ተበገስ ከይበሃሉ ድኣ ሰጊኡ’ምበር ከም ዝሓልፍን ምሉእ ኣርባዕተ ነጥቢ ከም ዘምጽእስ ተኣማሚኑ’ዩ መጺኡ።  ብ ኤይ(A) ዝጀመረ ኣጸዋውዓ ናብ ኤፍ(F) በጽሔ።  ፍረወይኒ፡  ፊልሞን፡  ፍስሃ፡  ዝብሉ ኣስማት ተረቝሖም ናብ ጂ(G) ሓለፉ። ፈይሰል ስሙ ኣይተጸወዐን ። ኣብ ነብሱ ገለ ናይ ፍርሒ ስምዒት ተሰመዖ። እንተኾነ  ግን ኣብ ድሕሪት ኣለኹ ማለት’ዩ ብምባል  2000 ዝኾኑ ተማሃሮ ክሳብ ዝጽውዑ ብምዕልባጥ ተጸበየ።  ኮፍ ኢሉላ ዝነበረ እምኒ መመሊሳ ትኩርኩሖ እሞ ይትንስእ፣ኮፍ ይብል።  እቲ ግዜ ግን ክልተ ሰዓት ክነሱ ከም ዓመት ነውሖ።  ሓደ ካብ’ቶም ዝጽውዑ ዝነበሩ ዓለምቲ ነቶም ዝሓለፉ እናጠመተ፡  “ኣሕ! እዚኤንሲ ብቝልዕነተን ዩኒቨርሲቲ ክኣትዋ’የን ማለት ድዩ ? “ይብል ነበረ።

ጻውዒት ተወዲኡ ስም ፈይሰል ግን ኣይተረቝሐን። ዚርእዮን ዚረግጾን ኣይፈልጥን፤ ከም ዓይነ ስውር ደንበርበር እንዳበለ ናብ’ቶም ዓለምቲ ቀረበ።   ኣብ ጥቕኡ ቅርብ ኢሉ፡ ተደፊኡ፡ ብምቕልል ዝበለ ቃላት “ ፈይሰል ዑስማን መሓመድ ዝብል ስም’ባ ረኣየለይ “ በሎ ።  እቲ ወተሃደር ተገቲሩ፡  “ደናቑር ጌርካና! ዋላ’ኳ ብእንግሊዘኛ ይጸሓፍ እምበር ከማኻ ተማሂርና ኢና”  ክብልን ፤እቲ ካልኣዩ ተቐቢሉ “ሕለፍ ኣታ ወዲ! ሕለፍ! ናብ መዓሰከርካ “ በሎ።  ማለተይ’ሲ ኣነ ከም ዘምጽእ ሹር’የ (ርግጸኛ’የ)፡ ስለ’ዝስ ………..በጃኻ ርኣየለይ ብምባል ልመንኡ ኣቕረበ።

“ኪድስከ ! ዝሓለፉ ሰባት እዚኣቶም ‘ዮም፡ ካልእ የሎን፡  ኪድ! “ ኢሉ ብኢዱ ነው ኣበሎ።   “በቃ ! “ ፈይሰል ተሪፈ ማለት’ዩ ! ካምፓስ እቶም ኣነ ዝሕግዞም ዝነበርኩ ክረግጽዋ ኣነ ኣይበጽሓን’የ።  “ ኣብ ውሸጢ ኣካላቱ ሓዊ ተነዝሖ- – -ኣካላቱ ቀጥቀጥ በለ፡  ሓይሉ ዓሶ ከም ዝጀመረቶ ሕሙም ረሸሸ በሎ።  ኣብ ዓንደ ሕቁኡ ገለ ነገር ጨቢጡ ሓዞ፡ _ _ _ ብደገፍ ብጾቱ ናብ መዕረፊኡ በጽሐ።  ጎቦ ኮይኑ ኮበርታ ኪሽፈን ግዜ ኣይወሰደሉን።  ፈይሰል ምትራፉ ዝፈለጡ ተማሃሮ ተመሳሳሊ ናይ ቀደም ተመክሮ ብምልዓል ወጃዕ ክብሉ ኣምሰዩ።

እቶም ሰለሰተ ኣስማት ዝጽውዑ ዝነበሩ ብዛዕባ ናይ ፈይሰል ሹር’የ፡  “ ሹር’የ ከኣ ይብል “ በለ እቲ ዩኒቨርስቲ ምእታው ምሒር ዘቕንኦ ወተሃደር።  ‘እሞ ሹር ኪኸውን ይኽእል’ዩ ኮ፡  ንምንታይ ዘይትርእየሉ ዝነበርካ? ብምባል እቲ ደሓን ናይ ምስትውዓል ክእለት ዝነበሮ ግን ከኣ ናይ ምጽዋዕ ሓላፍነት ተነፊጉዎ ዝነበረ ቶማስ ዝተባህለ ተሓጋጋዚ ተዛረበ።

በጃኻ ኢለካ ክንደይ ማትሪክ ክንሓልፍ ኢና ኢሎም ዘይፈከሩ፡  ከልየና (ግደፈና) ጥራሕ ትም በል።   መለሰ አቲ ሓደ።

“ሰሙ ትዝክሮ ዲኻ?”

“እወ እዝክሮ !”

“ እሞ ብ ካሳ ቢራ ዘይነትሕዝ”

“ ክላ በጃኩም ኢለኩም ማትሪክን ቀበሌን እኮ ዝሰርሓሎም  ኣይፈትዉን ኢዮም ተባሂሉ’ዩ”። ስለዚ እዚ ወዲ ወይ ኣብ ምጽላም ተጋግዩ ኣሎ፡  ወይ’ውን ማይ ሓዊሱ ተዳሂሉ ይኸውን “ በሎም።  እቲ ሳልሳይ ኣብ መንጎ ከም መታዓረቒ ሓሳባት ብምቕራብ፡ “  ደሓን ካብ ክለብ  ካሳ ቢራ ነምጽእ፡  ስሙ _ _ _ጥራሕ ኣመዝግበና መጀመርያ፡  ደገመ ብኹነታት ፈይሰል ዝተደናገጸ ዓላማይ።

“ ደሓን’ሞ መን’ዩኸ ስመይ ኢሉኳ”? ሓተተ ሸምጋላይ

“ ፈይሰል ዑስማን ዝብል ኔሩ” መለሰ እቲ ዘንብብ ዚነበረ።

“ በቃ  ሃቡሞ ኣትሕዙ ሽዑ እቲ ስም ንፍትሾ” ብድሕሪ ምባሉ  ብሓያል ኒሕ ናይ ሓንቲ ካሳ ቢራ ገንዘብ ኣትሓዙ።

ስም ምድላይ ብዙሕ ግዜ ኣይወሰደሎምን፡ ከይደንጐዩ ከኣ ፈይሰል ዑስማን  ሕመድ ዝብል፡  ኣብ መንጎ ፍረወይንን ፍሰሃ ነጋሲን ዝብል ረኸቡ።  “ ቪቫ ተሳዒርካ !! ነዓ ጥራይ ቢራ ኣምጽኣልና “ታሕጓሱ ገለጸ።

እቲ ብፈይሰል ሓዚኑ ዝነበረ ወዲ።

“ እዋእ እንታይ ትብል!!”

“ እንሄልካንዶ ብዘይ ምልክት ተሓሊፋ፡ ናይ’ቶም ሳዋ ዘይወረዱ(x) ናይ’ቶም ዝወረዱ ድማ (—) ኢያ ዘላ፡ ናይ’ዚ ቆልዓ ግን ባዶ ስለዝኾነትስ ኣይተጸውዓትን ማለት ኢዩ።

ፈይሰል ብሚሕር ጭንቀት’ዩ ዘዕለብጥ ዘሎ።  ኣብ ነፍሲ ወከፍ  ምንቅስቓስ  ልክዕ ከም’ታ ንካሊኢት ትሕብር ዘንጊ ስዓት መንደቕ ደድሕሪ ቁሩብ ግዜ _ _ _ _ቲክ_ _ _ቲክ_ _ _እናበለት ቦትኣ ትቕይር፡  ፈይሰል’ውን ደጋጊሙ ይገላበጥ ካብ’ቲ ሓደ ቦታ ናብ’ቲ ሓደ ቦታ የዕለብጥ ናብ ካልእ መሊሱ ይቕይር፡  ናብኣ ድማ መሊሱ ይምለስ። እቶም ምሕላፍ ዘበሰሩ ምትራፍ ዘርድኡ ሰለስተ ዓለምቲ ናይ’ቲ ምሸት’ቲ  ነበብቲ ፍርዲ ዓለምቲ ቢራ ዘልዓሎ ረስኒ፡ ዝተፈላለየ ኣርእስታት ከፍትሹ ግዜ ፍርቂ ለይቲ ኮነ።

“ እሞ ጽባሕ ምስ’ቶም ዝብገሱ ኪኸይድሲ ኣንጊህካ ኣጸውዓዮ ተበሃሂሎም ነቲ ስም ፈይሰል ዝሰገረ ወዲ ኣረከቡዎ። ከይደንጐዩ ድማ ነናብ መደቀሲኦም’ዮም  ከይዶም።

ወጋሕታ ኪኸውን ተሪፈን ዝነበራ ስዓታት ተዛዚመንሲ ዳርጋ ስዓት  9፡  00 ናይ ንግሆ ኮይኑ። ሸሕ’ኳ  ሰኑይ መዓልቲ ታዕሊም ትንበር፡ ዝሓለፉ ተምሃሮ ናብ ኣስመራ ዝብገሱላ ግዜ ሰለዝኾነት ታዕሊም ኣይነበረን። ሓላፍነት ምንጋር ዝተሰከመ ተኽልዝጊ ንፈይሰል ከበስሮ ካብ ዝደቀሰሉ ዓራት እንዳባዕገገ ተንሲኡ ንግሆ ዘሎ ስለዝመሰሎ እምበር ቀቲሩ’ዩ እኳ ኔሩ ካብ ናይ ቤ/ጽ ዛሬባ ወጺኡ ጽርግያ ክቖርጽ ክብል ሓንቲ ቶዮታ መጺኣቶ ደው በለ።  ንሳቶም’ውን ኣይሓለፍዎን ደው በሉ ።

“ ኢሂ’ታ ተኽሊኖ_ _ _ _” ስሙ ጸዊዖም ተዳሃይዎ።

“ ኣበይ ደኣ ጸኒሕኩም “ ብሕቶ ፈለመ ዘረባ

“ ኣብ መቃብር ሓርበኛታት  “

“ ናይ ደሓን ! “

“ ሓደ ኤክስ ዝገበረ ኔሩ”

“ እንታይ ዝኾነ’ንታ ? “

“ ኣንታ ካብ’ዞም ተዓለምቲ’ዩ።  ንፉዕ ኔሩ ግን ማትሪክ ሰለዘይሓለፈ ብጓሂ ሞይቱ ሓዲሩ ኢሎሙና። ንሕና’ኳ ሬስኡ’ምበር ብህይወቱ ኣየርከብናዮን።

“ እዋእ ! እንታይ ትብል ወደይ መንከ ይብሃል ? “  “ፈይሰል ይመስለኒ፡ ፈይሰል እወ ሓቀይ ?”  ኣሕ ! እዋይ ፈይሰል ኣብ ክንዲ ጋውን ዩኒቨርሲቲስ በቃ ሓመድ ሳዋ ለቢሱ።

ማትሪክ ብ መኮነን ዘቢሄረ ሚሺጋን

By EYGM Media


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>