መዓልቲ ነጻ ፕረስ አብ መላእ ሽወደን ብፍላይ ድማ አብ ከተማ የቶቦሪ ብድምቐት ተኸቢሩ!

pressብምክንያት ዓለምለኻዊ መዓልቲ ነጻ ፕረስ ሎሚ ኣብ ከተማ የቶቦሪ ብድምቀት ከምዝተኸብረን አብቲ በዓል ብርኽት ዝበሉ ኤሪትራውያንን ሸውደናውያንን ከምዝተረኽቡ ኽፍለጥ ተኻኢሉ::


አብቲ ብዝተፈላለያ ናይ ሸወደን ሰልፍታትን ማሕበራትን ዝተዳለወ ማኒፈስት: ኤሪትራውያን:  ናይ ሽወደን ናይ ፓርላም አባላት: ናይ ሰልፍታት ወከልቲን ናይ ማሕበር ጋዜጠኛታት ሓለፍቲን መደረ ከምዘስምዑን ብፍላይ ድማ አቶ አርኣያ አስገዶም ንማሕበር ጥርናፈ ኤሪትራውያን ንፍትሕን ዲሞክራስን አብ የቶቦሪብ ምውካል  ኩሎም ናይ ሕልና ኡሱራት ብዘይ ቅድመ ኹነት ክፍትሑን መንግስታትን ማሕበርሰብ  ዓለም ብዝያዳ አብ ልዕሊ ዲክታቶር ኢሰያስ ጸቕጢ ክገብሩ  ጸዊዑ::

ከምኡውን ኤሪትራውያን  ጋዜጠኛታት  ኻልድ ዓብዱን ኣማንኤል ሳህለን  ብዛዕባ ኩነታት ኤሪትራን ኤሪትራውያን ኡሱራትን ከመይ ከምዝመስል ሰፊሕ መግለጺ ንሽወደናውያንን ንጋዜጠኛታትን መብርሂ  ሂቦም::
ብተወሳኺ ሲሲልያ  ቪግስትሩም ካብ ሰልፊ ፎልክ ፓርትን  አባል ፓርላማ ሽወደን:    
ኣነሊ ኤኖክሶን  ሰልፊ  ክሪስት ዲሞክራትን  አባል ፓርላማ ሽወደን :   
ሲስሊያ ማግንሶን ካብ ሰልፊ ሞደራት:  
ካርል ኣክሰል ዩንሶን   ካብ ማሕበር ጸሓፍቲ :
ቢዮርን ቱንቤክ ካብ  ማሕበር ደረት አልቦ ሪፖርተርስ:   
ዮናስ ኤኽ ካብ ካተድራል ከተማ የቶቦሪ:    
ኢሰያስ ኢሳቕ ካብ ማሕበር ነጻ  ዳዊት

በብተራ ኤሪትራዊ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕን  ኩሎም ናይ ሕልና ኡሱራትን  ነጻ ክፍትሑ ብምጽዋዕ እቲ ማኒፈስት ብዓወት ተዛዚሙ::


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>