ሓላፊ ኢሚግሬሽን ኢትዮጵያ ምስ ተሳተፍቲ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብምርኻብ መንግስቱ ኩነታት ኤርትራውያን ንምምችቻእ ብዛዕባ ዘለዎ መደባት መግለጺ ሂቡ።

ሓላፊ ኢሚግሬሽን ኢትዮጵያ ኣቶ ኢሳያስ ምስቶም ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምስታፍ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጋቢኣኦም ዝቐነዩ ልዕሊ 300 ኤርትራውያን ብምርኻብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንኩነታት ናይቶም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለየ መዓስከራት ስደተኛታት ተዓቝቦም ንዘለዉ ልዕሊ 50 ሽሕ ኤርትራውያን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝነብሩ ዜጋታት፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ‘ሞ ከም ቱሪስት ናብ ኤርትራ ክበጽሑን ኣብ ኢትዮጵያ ከውፍሩን ንዝደልዩ ኤርትራውያን ዜጋታት ንምምችቻእ ዝተፈለየለ መደባት ኣውጺኡ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ። ነቲ መደባት እተተግብር ኮሚተ ኣውጺኡ ከምዘሎ ‘ውን ኣገንዚቡ።

በዚ መሰረት፡ እቶም ኣብ መዓስከራት ዘለዉ መብዛሕትኦም መንእሰያት ዝርከቡዎም ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ነጻ ናይ ትምህርትን ስራሕን ዕድል ክወሃቦም እዩ። እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኤርትራዊ ይኹን ኢትዮጵያዊ ዋሕስ እንተረኺቦም ወይ ድማ ርእሰይ ይኽእል እየ ኢሎም እንተረጋጊጾም፡ ብላዕለዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ( ) ናይ ስደተኛታት ተፈላጥነቶም ተሓልዩ ካብቲ መዓስከራት ወጺኦም ናብ ዝደለዩዎ ከባቢታት ኢትዮጵያ ክኸዱ ፍቓድ ከወሃቦም እዩ።  ነቶም ኣብ መዓስከራት ዘለዉ ይኹን ካብኡ ክወጹ ዝደልዩ መንእሰያት ከኣ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮም ትምህርታዊ ድሕረባይታ ኣብ ግምት ዘእተወ መደብ ትምህርቲ ክዳለወሎም እዩ።

ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዜጋታት ብዝምልከት፡ ከም ኩሉ ወጻኣተኛታ ሰሪሖም ክነብሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኩነታቶም ብፍሉይ ተራኣዩ፡ ናይ ትምህርትን ጥዕናን ኣገልግሎት ከም ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ክረኽቡ፡ መሬት ዝነበሮም ከኣ ክምለሰሎም እዩ። ብምኽንያት ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝሰዓበ መስጎግቲ ንብረቶም ተወሪሱ ወይ ብኻልኦት ተወኒኑ ዝጸንሐ ኤርትራውያን ንምምላስ ወይ ንምኽሓሶም ኣቐዲሙ ዝወጸ መደብ ‘ውን ኣብ ቦትኡ ኣሎ።

ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ከም በጻሕቲ ወይ ኣውፈርቲ ፡ ከምኡ ‘ውን ምስ ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ክሰርሑ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ምስ ዝደልዩ ክፉት ዕድል ክፍጥረሎም እዩ ።

ሓላፊ ኢሚግሬሽን ኢትዮጵያ ኣቶ ኢሳያስ ኣብ መግሊጹኡ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ንኤርትራውያን ዝምልከት መደባት ዘውጻአ ነቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ሕውነታዊ ዝምድና ናብ ንቡር ንምምላስ ካብ ዘለዎ ዕላማ ተበጊሱ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ፡ ኣብ ከባቢ ትግራይ ኣብ ሰለስተ መዓስከራት ፡ ልዕሊ 30 ሽሕ ኣብ ከባቢ ዞባ ዓፈር ከኣ ኣብ ክልተ መዓስከራት ልዕሊ 20 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቝቦም ኣለዉ። ብመንግስቲ ግብጺ ናብ ኤርትራ ክስጎጉ ተሓሲቦም ዝነበሩ 1450 መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተቀበሎም። ካላኦት 1500 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከኣ ካብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ከምዘለዉ ተፈሊጡ።


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>