መራኸቢ-ብዙሃን (ማስ መዲያ)፡ ዝሓለፈን ዘሎን ( ሓንቲ ዓለም) ብ ኣማኑኤል ሳህለ

ኣማኑኤል ሳህለሓቂ ክብርትን ብቐሊሉ ዘይትርከብን ጥሪት ስለ ዝኾነት፡ ብቝጠባ ክንጥቀመላ ይግበኣና። ስለዚ ኣብ ሓደ ብሓሶት እተጋዕተ ምግቢ፡ ቅሩብ ጨው ሓቂ ፈይ ኣቢልካ እንተ ዘይኮይኑ፡ ንሓቂ ብኹላ ብሓደ ግዜ እንተ ደኣ ተጠቒምካላ፡ ቀልጢፋ ኢያ እትውዳእ።

እቲ ጎበልስ እተባህለ ናይ ሂትለር ናይ ፕሮፓጋንዳ ሚኒስተር፡ እቲ ቓላት ልክዕ እኳ እንተ ዘይኮነ፡ ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ከምዚ ዓይነት ዘረባ ኢዩ ዚዛረብ ነይሩ።

መሊሱ’ውን ይብል ጎበልስ፣ “ንሓሶት ሓቂ ከተምስሎ እንተ ደኣ ደሊኻ፡ ብምሉእ ሓይልኻን መንፈስካን ብተወፋይነትን ብድፍረትን ደጋጊምካ ከይተሓለልካ ኣቃልሓዮ”። ዓይኒ ዘንቁር ሓሶት ሓሱ ማለቱ ኢዩ። መሬትን ሰማይን ዘላግብ ሓሶት።

ኣብ ኩለን እተን ብዲክታቶርያዊ ስርዓት ዚመሓደራ ሃገራት፡ ጎበልስ ከም ዓቢ መምህር ኢዩ ዚረአ። ብዙሓት ደቀመዘምራንን ሃዋርያትን ከኣ ኣፍሪዩ ኢዩ።

ሓደ ካብኣታቶም እቲ ብግዜ ሳዳም ሑሰን ሚኒስተር ሚኒስትሪ ዜና ኢራቕ ዝነበረ ወናም ሰብኣይ ኢዩ። ወረርቲ ኣመሪካውያን ብዓወት ናብ ባቕዳድ እናኣተዉ ኸለዉ፡ ደጊም ኣመሪካውያን ዝተረፎም የብሎምን፡ ሃሊቖም ኢዮም እናበለ ስራሑ ይቕጽል ነበረ እምበር ኣይተዳህለን። ንሃገሩ ንምግልጋል ክሳዕ መወዳእታ እሙን ኮይኑ ብምርካቡ፡ ፕረሲደንት ቡሽ ከይተረፈ ንኢዱዎ። ንሃገሩ ብሓሶት ዘገልገለ እሙን መደናገሪ!

ኣብ ሃገርና፡ ናይቲ ሚኒስትሪ ዜና ጭርሖ፡ “ሰርቪን ዘ ትሩዝ”፡ ወይ ከኣ “ንሓቂ ንምግልጋል” ዚብል ኢዩ። ግን ኣብ ኩሉ ዲክታቶርያዊ ስርዓት፡ ሓሶት ኢያ እተገልግለካ እምበር፡ ንሓቅስ ዘገልግላ የልቦን። ከመይሲ ፕሮፓጋንዳ ብመሰረቱ ሓቂ ኣየዛርበካን ኢዩ።ንሓቂ ደኣ ነዊሕ ከይከድካ ኣብ ማርሻበዲ እንዲኻ እትረኽባ። ሓቂ ደኣ ኣብ ፈቐዶ ባራትን እንዳ ስዋን እንድያ ክትዝረብ እትውዕል። ንሓቅስ፡ ሚኒስትሪ ዘድልያ ኣይኮነን። ንሓሶት ኢዩ ሚኒስትርን ፍሉይ ባጀትን ዘድልያ።

ጋንታ ኵዕሶ ኤርትራ ንህግደፍ ራሕሪሖም ናብ ከንያ ምስ ሰገሩ፡ መራሒ ሃገርና ብዛዕባኦም ተሓቲቱ ነይሩ። ንሱ ዝሃቦ መልሲ ንኹሉ ሰብ ግልጺ ኢዩ። ውረድ ደይብ ዘይብላ ቀጣን ኣሉ።

ንጆሽዋኸ ትፈልጦዶ ተባሂሉ’ውን ተሓቲቱ። ሕጂ’ውን ዋጋ ዕዳጋ ዘይብላ ቀጣን ኣሉ። እሞ እቲ ንሓቂ ኢና እነገልግላ ዚብል ጭርሖ ደኣ ናበይ ኣበለ?

ካብ ኩሉ ዘስግእ ግን፡ ንኤርትራኸ ትፈልጣዶ ኢሎም ከይሓቱዎ’ሞ፡ ኣይፈልጣን ከይብል ኢዩ። ግን ከኣ ሓቂ ብምዝራቡ ብዙሕ ሰብ ምነኣዶ ነይሩ።

እቲ ጭርሖስ ከምዚ ኪኸውን ነይሩዎ። በትሪ ሓሶትስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን። ሓሶት ተዛረብ ኣብ ወርቂ ዓራት ደቕስ። ንሓሶት ብእግራ እንተ ቀበርካያ፡ ብርእሳ ወጺኣ ብዙሕ ፍረታት ትህብ።

ሓደ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዚጥቀመለን ክልተ ቀንዲ ነገራት ኣሎዋ። ንሳተን ከኣ መራኸቢ ብዙሃንን ሃገራዊ ድሕነትን ኢየን። እታ ሓንቲ ሓበሬታ፡ እታ ካልአይቲ ድማ በትሪ። እታ ሓበሬታ ንጸሊም ከም ጻዕዳ ገይራ እንተ ኣቕረበቶ፡ ምርዳኡ ድማ እንተ ጸጊሙካ፡ ብበትሪ ምስ ተደከርካ፡ ጸሊም ከም ጻዕዳ ጥራይ ዘይኮነስ ብሱሩ ጸሊም ዚብሃል ሕብሪ ከም ዘየሎ ትግንዘብ። ኣብ ኩሉ እናዘርካ ድማ ኣብ ዓለም ጸሊም ዚብሃል ነገር ከም ዘየሎ ትምህርን ትሰብኽን።

እቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኮይኖም ተለቪዥንን ጋዜጣን ህግደፍ ዚከታተሉ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ንጸሊም ጻዕዳ ኢዩ እናበሉ ኢዮም ኪሰብኩ ዚውዕሉ ዘለዉ። እሙናት ሓሰውቲ ዶ ኽንብሎም?

እስከ ድማ ናብቲ ዝሓለፈ ዘመናት ተመሊስና ኣብ ኤርትራ መራኸቢ-ብዙሃን ከመይ ይመስል ከም ዝነበረ ንመልከት፣

ጣልያን ኣብ ኤርትራ ምስ ኣተዉ፡ ደሞክራስያዊ ባህሊ ዘይነበሮም ኮይኖም ይኹኑ ወይ ድማ ንሓደ ኣፍሪቃዊ ዝኾነ ድሑር ህዝቢ ቀበጥበጥ ኣየድልዮን ኢዩ ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ ይኹኑ፡ ኣትዮም ክሳዕ ዚወጹ፡ ምስ ህዝቢ ዘራኽብ፡ ወይ ናጻ ሓሳብ ዘተሓላልፍ ጋዜጣ ወይ ራድዮ ኣይመስረቱን። እቲ ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝነበረ ጋዜጣታት ነቲ ናታቶም ርእይቶ ዘብርህን፡ ናይ ጣልያን ባህልን ስልጣነን ዘጕልሕን፡ ጸኒሑ ንፋሽስታዊን ዓሌታውን ኣካይዳ ዘጠናኽርን ኣብቲ ህዝቢ ናይ ትሕተ-ደረጃ መንፈስ ዘስርጽን ኢዩ ዝነበረ።

መንግስቲ ጣልያን ኩሉ እቲ ናይ መራኸቢ-ብዙሃን መሓውራቱ ነቲ ህዝቢ እሺ በሃሊ ኪገብርን ከንበርክኽን ዝዓለመ ኢዩ ነይሩ። ይኹን’ምበር፡ ሓደ ናብ እንዳማቱ ኣትዩ ኪዘምት ዝሓለነ ጸላኢ ናይቲ ህዝቢ መንፈስ ክብ ከብልን ብታሪኹ ከም ዚዀርዕ ኪገብሮን ዕላማ ኣለዎ ኢልካ ምሕሳብ ኣይከኣልን። ብሓጺሩ ባዕዳዊ መግዛእቲ ወይ ኮሎኒያሊዝም ምስ ደሞክራስን ግሉጽ ምሕደራን ኪኸይድ ኣይክእልን።

እንግሊዝ ምስ ኣተወ ግን ኣብ ኤርትራ ኣብ መራኸቢ-ብዙሃን ገለ ናይ ደሞክራስያዊ ኣንፈታት ኪረአ ክኢሉ። በዚ መሰረት’ዚ ምምሕዳር እንግሊዝ፡ እንተ ኽኢሉ ነታ ሃገር ፈላሊዩን ኣብ መንጎ ኣሕዋት ሓዊ ኣእትዩን ኪኸይድ ደኣ’ምብር፡ ነቲ ኣብ ባዕዳዊ መግዛእቲ እተመርኰሰ ናይ ኣፍ ምዕባስን ናይ ምንብርካኽን ሜላስ ብዙሕ ኣይተጠቐመሉን።

ህዝብታት ብሃይማኖትን ብቐቢላን ኪፈላልን ህውከት ፈጢሩ ንኺኸይድን ብማለት ግን፡ ነቲ መራኸቢ-ብዙሃን ከንቀሳቕሶ ክኢሉ። ይኹን’ምበር ከም ናይዚ መስርሕ’ዚ ኣወንታዊ ሳዕቤን፡ ኣብ ኤርትራ ንመጀመርታ ግዜ፡ ሰሙናዊ ጋዜጣ፡ ደሃይ ኤርትራ፡ ራቤጣ ኣል ኢስላሚያ፡ ሓዳስ ኤርትራ ወዘተ… ዚበሃላ ናይ እተፈላለያ ሰልፍታት ጋዜጣታት ፈርየን።

ዝኾነኾይኑ እተን ኣብቲ እዋንቲ ዝነበራ ናይ ሰልፍታት ጋዜጣታት፡ ነቲ ህዝቢ ኣፉ ከፊተናሉ፡ ድሌቱን ዕላማኡን ራእዩን ድማ ብናጻ ኪገልጽ ኣኽኢለንኦ።

ድሕሪ ምፍራስ ፈደረሽንን መግዛእቲ ሃይለ ስላሴን ግን፡ ከምቲ ጣልያን ዚብሉዎ፡ ኤርትራ ብቝጠባን ብምሕደራን፡ ቸንቶ ኣኒ ኢንዲየትሮ፡ ማለት ሚእቲ ዓመት ንድሕሪት ተመሊሳ። ጋዜጣታት ተኸልኪለን፡ ሰልፍታት ፋሕፋሕ ኢሉ፡ ኩሉ ናይ መራኸቢ-ብዙሃን ኣውታር ድማ ኣብ ትሕቲ ንጉሳዊ መንግስቲ ሃይለ ስላሴ ኣትዩ። እምበኣር ኣብቲ እዋን’ቲ ኢዩ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ውዳሴ-ማርያም ብግልጺ ዝኣተወ።

ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝነበራ ውሑዳት ብመንግስቲ ዝውነና ግዜጣታት፡ ንሃይለ ስላሴ ከም ኣምላኽ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ከም መለኮታዊት መንግስቲ ጌርካ ምውዳስ ከም መትከልን ፖሊሲን ተታሓሒዘንኦ ነይረን። ግንከ ፈቲኽንዶ ንጉስ ትምርቓ ስለ ዝነበረ፡ ብዙሕሲ ዘገርም ኣይነበረን። ካብ ሓደ ንጉስን፡ ካብቲ ብኣምላኽ እየ ተሰይመ ዚብል መራሕን ደኣ እንታይ ክትጽበ ይከኣል ኮይኑ።

ግን ከኣ ታሪኽ ይደጋገም ኢዩሞ፡ እቲ ኣብ ግዜ ሃይለ ስላሴ ዝነበረ ኣተሓሳስባስ ኣብዚ ግዜ’ውን ኣብ ኤርትራ ይገሃድ ኣሎ። ስለዚ ኸኣ ፖለቲካዊ ውድሰ-ማርያምን፡ ፖለቲካዊ ተኣምረ-ጻድቃንን ብእተፈላለየ መልክዑን ቅርጹን ኪቕጽል ንርእዮ ኣሎና።

መንግስቲ ደርጊ ንሃይለ ስላሴ ገልቢጡ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ንኤርትራውያን ይትረፍዶ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ናጽነት ኪህብሲ፡ ከም ሰብ ኪነብሩ’ውን ዚደልዮም ኣይነበረን። ግን ከኣ ደርጊ ከምኡ እንተ ገበረስ እንታይና ኾይኑ። ይትረፍዶ ንኣናስ ነቶም ናተይ ኢዮም ዚብሎም ዜጋታቱ እኳ ኣየናሕሰየሎምን። ብሒም ዝበለ ይተሓጎም ዚብል ዘረባ ሽዑ ኢዩ ተሰሚዑ። ትም ኢልኩም ረኣዩን ስምዑን ማለት ኢዩ። እዚ ኣካይዳ’ዚ ክሳብ ሎሚ ኣብ ሃገርና ይስርሓሉ ኣሎ።

እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ውድብ፡ ብጥንቲ’ውን እንተኾነ፡ ዝኾነ ይኹን ተቓውሞ፡ ብዝኾነ መልክዓቱን ቅርጽታቱን፡ ማለት ንፖሊሲታቱ፡ ንትልምታቱ፡ ንመደባቱ፡ ንራእዩ፡ ንኣሰራርሓኡ፡ ንኣካዪዳኡ፡ ንኣተሓሳስባኡ ወዘተ፡ ዚጻረር ወይ ዘናሹ ነገራት ኪጻወሮ ስለ ዘይክእል፡ ምዕምጻጽ ፕረስ ብኣጋኡ ከም ቀንዲ ዕላማኡ ገይሩ ኢዩ ወሲዱዎ ነይሩ።

በዚ መሰረት’ዚ ኣብ ኣከባቢ 2001 እቶም ነቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ንግዜኡ ተራሕዩ ዝነበረ ደሞክራስያዊ ናይ ሕትመት መሰላት ተጠቒሞም ኣብ ብሕቲ እተፈላለያ ጋዜጣታት ሓሳባቶምን ርእይቶኦምን ኪገልጹ ዝፈተኑ ጋዜጠኛታት፡ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዳጒኑዎም። ካብዚኣቶም ሓያሎ ኪሞቱ ኸለዉ፡ ገለ ኸኣ ዶብ ኪሰግሩ ኸለዉ ተቐቲሎም።

ብሸነኽ ስነ-ጥበብ እንተ ተመልከትና’ውን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዳርጋ መብዛሕትኡ ስነጽሑፍን ኪነ-ጥበብን ሃገርና ንበዓላት መዳምቕቲ ተባሂሉ ኢዩ ዚፈሪ። ብፍላይ ንበዓል ናጽነት። ሽሕኳ ናይ ናጽነት መዓልቲ ዓቢ ኣጋጣሚ እንተኾነ፡ ኩሉ ስነጥበብ ናብ ሕሉፍ ጥራይ ከተኵርን ብዛዕባ ዝሓለፈ ኲናትን ዓወትን ጅግንነትን ጥራይ ኪትርኽን ከዘንቱን ከም እንኮ ዕላማኡ እንተ ደኣ ወሲዱዎ ግን፡ ብዝኾነ መምዘኒ፡ ምዕባለ ከርኢ ኣይክእልን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሃገርና ኣብ ናጻ ፈጠራን ድራኸን እተመርኮሰ ዝኾነ ዓይነት ስነጥበባዊ ፍርያት የልቦን። መብዛሕትኡ ጋዜጣዊ ዓንቀጻት፡ ግጥምታት፡ መብዛሕትኡ ተዋስኦታት፡ ሓተታ፡ ትንተና፡ ቅብኣ፡ ምውቃር፡ ደርፊ፡ መዝሙር፡ ቪደዮ ወዘተ. ኩሉ ነቲ ውድብ ንኺውድስ ጥራይ ኢዩ ዚፈሪ ዘሎ።

ይኹንምበር፡ ሕጂ’ውን እቲ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ዚህሉ ደሞክራስያውን ፍትሓውን ኣሰራርሓ፡ ኣብተን ሕጂ ዚነጥፋ ዘሎዋ ተቓወምቲ ስልፍታትን ውድባትን ኪረአን ኪስረሓሉን እንተ ደኣ ዘይክኢሉ፡ ሳዕቤኑ ሓደገኛ ኪኸውን ኢዩ።

ብኣጋኡ ደሞክራስያዊ ባህርያት ዘየኻዕበተ፡ ብኣጋኡ ናጻ ርእይቶን ነቐፌታን ንምቕባል ዚጽግሞ፡ ኣነ ጥራይ እየ ዝፈልጥ፡ ንኣይ ጥራይ ስገዱለይ ዚብል ውድብ ወይ ምንቅስቓስ፡ ስልጣን ምስ ሓዘ ነቲ ድጉል ባህርያቱ ኪልውጦ ስለ ዘይክእል፡ ሕጂ ገና ግዜ ኸሎ ኩሉ’ቲ ናይ ደሞክራሲ መሰላትን ግዴታን፡ ቅዋማዊ መትከላትን ምሕደራን ከም ባህሊ ተራዒሙ ኣብተን ተቓወምቲ ውድባት ጐሊሁ ንኸንጸባርቕ ዘይተሓለለ ጻዕርታት ምክያድ ኣገዳሲ ኢዩ።

VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0.0/5 (0 votes cast)
VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0 (from 0 votes)

What do you think?

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>