ብታሪኽ ምሽቃጥ ( ሓንቲ ዓለም) ብ ኣማኑኤል ሳህለ

Amanuel Sahle መነሊክ ንጣልያን ኣብ ዓድዋ ምስ ሰዓሮም፡ ኣብ ኤርትራ ውሑዳት ወትሃደራት ጣልያን ኢዮም ተሪፎም ነይሮም ይብሃል። ኣትዩ ከሳጉጎም ይኽእል ነይሩ። ግን ንኤርትራ ገጹ ኪቕጽል ኣይደልየን። ዓሻኽሩ ኣኻኺቡ ንሽዋኡ ደኣ ተመልሰ።


ዕላማኡ ነቶም ዘስግኡዎ ዝነበሩ ተጋሩ ናብ ገማግም ባሕሪ ብምኻድ ኣጽዋር እናሸመቱ ከይርብሹዎ ንምዕጻው ደኣምበር ካልእ ኣይነበረን። እንተ ንኤርትራ፡ ከም ዘይናቱ ኢዩ ዚርእያ ነይሩ።

ብሓጺሩ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጣልያን ኮይና ቀጻሊ ክትነብር ንፖለቲካኡ ምቹእ ኢዩ ነይሩ። እምበኣር፡ ኤርትራ ናጻ ብዘይምንባራ ንነዊሕ ዘመናት ተሸጊራን ተሳቒያን ኢያ። ሓደ ካብቲ ምኽንያት ድማ ጀዮግራያዊ ኣቀማምጣኣ ኪኸውን ይኽእል። ባሕሪ ምህላዋን፡ ኣብ ጥቓ’ተን ብሰንኪ ኣመሪካን እንግሊዝን ህውከት ዘይበተኸለን ሃገራት ኣዕራብ ምዃና’ውን ተነቃፊት ገይሩዋ ኢዩ። እቲ ኣብ 50ታት ዚረአ ዝነበረ ምስፍሕፋሕ ኮሙኒዝም’ውን ጀዮግራፊያዊ-ፖለቲካዊ ተራኡ ተጻዊቱ ኢዩ።

ዝኾነኾይኑ፡ መነሊክ ሞይቱ ሃይለስላሴ ምስ ነገሰ፡ ኤርትራ ናትና ኢያ ኪብሃል ተጀሚሩ። ስሳ ዓመት ኣብ ትሕቲ መግዛኣቲ ጣልያን ከላ ቍሊሕ ኢሎምዋ ዘይፈልጡ፡ ጥቕሚ ባሕርን ወደባትን ደንጒዩ ግዲ ተሰቝሩዎም ኮይኑ፡ ምስ ኣመሪካን እንግሊዝን ኮይኖም፡ ኤርትራ ክፋል ኢትዮጵያ ኢያ ዚብል ሓድሽ መዝሙር ከፊቶም። ኢትዮጵያ ካብ ጥንቲ ባሕርን ወደባትን ነይሩዋ ኢዩ እናተባህለ ተለፍሊፉ። እዚ ኹሉ ግን ሓሊፋ። ኤርትራ ናጻ ሃገር ኮይና። እቲ ናይ ጥንቲ ጸገማትን ሕንቅሊተይን ድማ ተፈቲሑላ።

ግን ንሓሞት ኢሎም ዝሓረዱዎስ ሓሞት ሰኣኑሉ ኾይኑ ኩነታቱ። ኤርትራ ናጻ ወጺኣ ኢልካ ናብ ዓድኻ ኣብ ክንዲ ምምላስ ካብ ዓድኻ ምህዳም ልሙድ ኮይኑ። ናይ ዘመናት ኲናት ከይኣክልስ፡ ተደጋጋሚ ምትዅታዅን ባእስን ህውከትን በዚሑ። መንእሰያት ገና ናጽነት ከየስተማቐሩ፡ ናብ ዓውደኲናት ተላኢኾም። ፍረ ዘይብሉ ኲናት። መወዳእታ ዘይብሉ ህውከት። ናይ ሓደ ሰብ  ህልኽን ቂምታን።

እንታይ ኢዩ ጉዱ ኢሉ ብልቡን ብመልሓሱን ዘይሓተተ ሰብ የልቦን። መልሲ ግን ኣይተሳእነን። ብሓሶት እተባዕጠ ደኣ ኾይኑ እምበር። ኩሉ መናፍሓት ፕሮፖጋንዳ ተኸፊቱ። ሰብ ተመንዩዎ። እቲ መሪሕነት ግን ኣይተመነዎን። ኪነብር ብማለት ዘይመሃዞ ሓሶትን ተምሳልነትን የልቦን።

ካብቲ ተምሳልነት ክልተ ምጥቃስ ይከኣል፣ 1ይ. ንወራር ወያነ ምስ ናይ ኣመሪካ ታሪኽ ምውድዳር። 2ይ. ንግዜኣዊ ዕድል ኤርትራ፡ ምስቲ ዝሓለፈ ጥልመታትን ተንኰላትን ምምስሳል።

እስከ ነዚ በብሓደ ንርኣዮ።

ኣመሪካ ብ1781 ንእንግሊዝ ብምስዓር ናጽነታ ምስ ኣረጋገጸት፡ እንግሊዛውያን ደም እናጠዓሞም ኢዮም ካብ ኣመሪካ ኣልጊሶም። ዳርጋ ንምሉእ ዓለም ዚቈጻጸሩ ዝነበሩ ገዛእቲ፡ ብኣመሪካውያን ተጸፊዖም ገሊኦም ናብታ ኣማኒቶም ዝኾነት ካናዳ ገሊኦም ድማ ናብ ዓዶም ተመሊሶም። ግን ንገለ ዓመታት ደኣ ቍስሎም ይልሕሱ ነይሮም እምበር ንኣመሪካ እንደገና ምምብርካኽሲ ቀንዲ ሕልሞምን ትልሞምን ኢዩ ነይሩ።

ብ1812 ድማ እቲ ዝሓልሙዎ ዝነበሩ ምቹእ ግዜ መጺኡሎም። ናብ ኣመሪካ ኣትዮም ድማ ነቲ ዋይት ሃውስ ኣንዲዶምዎ። ኣመሪካውያን ግን ከም ብሓድሽ ተወዳዲቦም፡ ተቓሊሶም ንሃገሮም ንኻልኣይ ግዜ ናጻ ኣውጺኦምዋ። ብድሕሪኡ፡ እንግሊዝ ኢዳን እግራን ኣኪባ ይፍትሓላ ብምባል ንሕልማን ትልማን ደማሲሳ ክትነብር መሪጻ።

እምበኣር ካብዚ ተበጊሱ ኢዩ ሓደ ናይ ህግደፍ ኣባል፡ ነቲ ናይ ‘ወያነ ወራር’ ምስ ናይ ኣመሪካ ካልኣይ ወራር ከዛምዶ ዝፈተነ። ኣነ’ውን ኣሚነዮስ ኣብ ጽሑፋተይ’ውን ኣስሚረሉ ነይረ። ግን ቀጻሊ ምስ ሓሰብኩሉ ሓቂ ዘይኮነስ ውጹእ ፕሮፓጋንዳ ምዃኑ በሪሁለይ።

እቲ ካብ 1998 ጀሚሩ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራ እተኻየደ ኲናት፡ ብዛዕባ ዶብ ወይ’ውን ብዛዕባ ጌና ዘይበጻሕናዮ ሕቡእ ኣጀንዳታት ደኣምበር፡ ብዛዕባ ናጽነት ኤርትራ ዚምልከትሲ ኣይነበረን። ኤርትራ ብ1993 ብረፈረንደም ናጽነታ ብወግዒ ምስ ኣወጀት፡ ኢትዮጵያ ኣሚናትሉስ ንባንዴራኣ ኳ ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ዚርከብ ኤምባሲኣ ኣምበልቢላታ ነይራ። እቲ ሓርነታዊ ውድብ ኢትዮጵያ’ውን ጌና ኣብ ሜዳ ኸሎ ነቲ ናጽነት ኤርትራ ይኣምነሉ ነይሩ ኢዩ። ኣብቲ ናይ ሓኒሽ ግርጭት’ውን ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ደው ከም ዝበለት ኩሉ ሰብ ዚፈልጦ ሓቂ ኢዩ።

ብኣንጻሩ ግን ኣብቲ ናይ ኣመሪካ ታሪኽ ምስ እንምለስ፡ እንግሊዝ ብዝኾነ መገዲ፡ ማለት ብመንግስቲ ይኹን ወይ ብውድብ መልክዕ ነቲ ናይ ኣመሪካ ናጽነት ካብ ጥንቲ ኣይኣመነትሉን። ኣመሪካ ናጽነታ ምስ ኣወጀት’ውን ኣይኣመነትሉን። በዚ ምኽንያት’ዚ ኢያ ንኣመሪካ ንኻልኣይ ግዜ ዝወረረታ።

ኣብ ሃገርና ተመሊስና ምስ እንርኢ፡ እቲ ንፕሮፓጋንዳ ተባሂሉ ብህግደፍ ኪዝርጋሕ እተደልየ ሓበሬታ ንጹር ኢዩ። ንሕና እንዋጋእ ዘሎና፡ ነቶም ንናጽነትና ከም ብሓድሽ ከሕድጉና ሒዅ ዚብሉ ዘለዉ ቀናኣት ተጋሩ ወይ ኢትዮጵያውያን ንምምካት ኢዩ፡ ስለዚ ኩሉ ህዝቢ ንናጽነቱ ደው ይበል፡ ማለቶም ኢዩ። በዚ መሰረት’ዚ ድማ፡ ነቲ ውግእ፡ ካልኣይ ናይ ኤርትራ ሓርነታዊ ውግእ ዚብል ስም ብምልባስ፡ ምስ ናይ ኣመሪካ ሓርነታዊ ታሪኽ ከመሳስሉዎ ፈቲኖም። ባዕላቶም ዝፈጠሩዎ ህውከትሲ ንታሪኽ ከላግቡሉ ደልዮም። ክሳዕ ክንደይ ኢዮም ግን ነቲ ህዝቢ ከም ዓሻን ዳንደን ወሲዶምዎ? ዘይፈልጥ ዲዩ መሲሉዎም?

ናብቲ ካልኣይ ነጥቢ ክንሰግር። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ህግደፍ ዛጊት ዘዘውትሮ ዘሎ ፕሮፓጋንዳ፡ ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ምስቲ ብግዜ ሃይለስላሴ ዝነበረ ኩነታት ብምውድዳር ዓለም ንኤርትራ ትዘርያ ከም ዘላ ከእምን ምፍታኑ ኢዩ። በዚ ድማ ብዙሕ ከም ዘገረሞን ዘስደመሞን ብድራማን ብደርፍታትን የቃልሖ ኣሎ። እስከ ነቲ ናይ ሃይለስላሴ ግዜን ነዚ ድሕሪ ናጽነት ዘጓነፈ ኩነታት ቅርብ ኢልና ንርኣዮ።

ብግዜ ሃይለስላሴ፡ እቲ ናይ ዓለምና ፖለቲካዊ ስእሊ ምስዚ ዘለናዮ እዋን ብፍጹም ዚመሳሰል ኣይኮነን። ኣብቲ እዋንቲ ናይ ኣመሪካ ኢምፐሪያሊዝም ኣብ ስግኣት ወዲቑ ብምንባሩ፡ ናይ ኤርትራ ስትራተጂያዊ ኣቀማምጣ ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ ነይሩ። እቲ እዋን’ቲ ኮምዩኒዝም ቀጻሊ ይስፋሕፋሕ ብምንባሩ፡ ኣመሪካ ንኹለን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ጽልዋኣ ንኸተእቱ ብኹሉ ዓቕማ ትጽዕረሉ ዝነበረት ግዜ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን’ቲ፡ እታ በቶም ምኩሓት ንጉሳውያን ገዛእቲ እትምራሕ ዝነበረት ኢትዮጵያ፡ ናይ ባሕርን ወደባትን ሕቶ ብቐዳምነት ኢያ ሰሪዓቶ ነይራ።

ኣብ 50ታታን 60ታትን ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ገዛእቲ ሓይልታት ደኣ’ምበር ናጻ ሃገር ኣይነበረትን። መንግስቲ ኣይነበራን። ናታ ናይ ምክልኻል ሓይሊ ኣይነበራን። ጥርኑፍ ፖለቲካውን ማሕበራውን ሕብረተሰብ ኣይነበራን። ከምተን ንግዝኣተን ኣሕሊፈን ኪህባ ዘይፈቐዳ ከም በዓል ፈረንሳን እንግሊዝን ድማ ዚማጐተላ ሓይሊ ኣይረኸበትን። እታ ንስሳ ዓመት ዝገዝኣታ ጣልያን ከይተረፈት ክትከላኸለላን ክትማጐተላን ኣይከኣለትን ጥራይ ዘይኮነስ ድልየት’ውን ኣይነበራን። ስለዚ ኤርትራ ከምታ ትም ኢላ ናብ ማሕረዲ እትኸይድ በጊዕ ኢያ ኾይና ነይራ። ብኹሉ ተጠሊማ፡ ናጽነታ ድማ ተኸሊኣ።

እስከ ናብዚ እዋን’ዚ ድማ ንስገር። ኣብዚ እዋን’ዚ ኢምፐርሊያሊዝም ኣመሪካ እናተዳኸመ ኣብ ዚኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኮሚኒዝም ኣብ ዘየለወሉ ወቕቲ፡ ኢትዮጵያ ናይ ባሕሪ ህርፋና ጸልሚቱ ኣብ ዘለወሉ ግዜ፡ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተስፋ ኣብ ዘንበራሉ ወቕቲ፡ ኤርትራ ድልዱል መንግስቲ ሒዛ ትርከብ ኣላ። ወናኒት ዕድላ ኾይና ኣላ። ጽኑዕ ናይ ምክልኻል ሓይሊ ኣለዋ። ብቑዕ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣለዋ። ህዝባ’ውን ሳላ እቲ ንሰላሳ ዓመታት እተኻየደ ሓርነታዊ ኲናት፡ ጥርኑፍን ሕቡርን ኢዩ። ኪሰርሕ በሃልን ህርኩትን ህዝቢ ኢዩ። እሞ እንታይ ደኣ’ዩ እቲ ጸገም? ስለምንታይ ደኣ’ዩ ኤርትራ ኣብ ሕብረተሰብ ዓለም ከም ረባሺትን ሃዋኺትን ኮይና ትጥቀስ ዘላ? ስለምንታይከ እገዳ ተበዪኑላ? ስለምንታከ’ዩ ኣብ መብዛሕትኡ መራኸቢ-ብዙሃን ዓለም ስማ ከፊኡ ዘሎ?

ህግደፍን ሰዓብቶም ነዚ ንምምላሽ ንነፍሲ ዘድክምን ንኣእምሮ ዘሰልቹን ዜማ የስምዑና ኣለዉ። ቀኒኦምልና። እቲ ብግዜ ሃይለስላሴ ዝነበረ እዋን ኢዩ ዚድገም ዘሎ። ባሕርና ኢዮም ኪምንጥሉዎ ደልዮም። ዓለም ደኣ ኩሉ ግዜ ንኤርትራ ምስ ከሓደታ እንድያ። ካብ ዓለም ደኣ እንታይ ትጽበዩ። መኣስ ሎሚ ኾይኑ ፈለማያ። ኣመሪካ እንድያ እዚ ኹሉ ትገብር ዘላ። ነቲ ብግዜ ሃይለስላሴ ዝነበራ ጽልኢ እንደገና ትነዝሓልና ኣላ፡ ወዘተ….

እዚ ናይ ህግደፍ መሃልየመሃልይ መብዛሕትኡ የዋህ ኤርትራዊ ኣሚኑዎስ ኪዝምሮን ኪቓንዮን ይውዕል ኣሎ። ስለምንታይ ኣብዚ ግዜ’ዚ ንኤርትራ ከምዚ ዝበለ ጸገም ወሪዱዋ ምህላዉ ግን ንህግደፍ ጥራይ ዘይኮነስ ንምሉእ ዓለም ኢዩ ገሪሙዎ ዘሎ። ይኹን’ምበር እቲ ናይ ህግደፍ ምግራም ኣብ ተዋስኦን ኮሜዲን ኣሽካዕላልን እተመስረተ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ናይ ዓለም ምግራም ግን ካብ ሓልዮትን ጽቡቕ ድልየትን ልቦናን ዝነቐለ ኢዩ። መስኪነይቲ ሃገር፡ መራሕታ ተጻዊቶምላ ካብ ዚብል ሓልዮትን ርህራሀን እተበገሰ ኢዩ።

እቲ ጸገም፡ ኣብቲ ኣካይዳን ባህርያትን መሪሕነት ኤርትራ ኢዩ ዘሎ። ምሒር ስድነትን ግትርነትን። ምሒር ትምክሕትን ኣሽካዕላልን። ምሒር ዕንደራ ጽላለን። ምሒር ንዕቀት ህዝቢ። ምሒር ምትዅታዅን ጸፋዕፋዕን።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ህውከትን ራዕድን። ኣብ ሶማል ጦብሎቕሎቕ። ኣብ ጂቡቲ ዕግርግር። ኣብ ዳፉር ወጠምጠም። ኣብ ስሪላንካ ቀንጠብጠብ። ኣብ የመን ሕልክስክስ። ሕጂ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ትሙስሙስ። እዚ ኹሉስ እንታይ ኣምጸኦ?

ብድሕርዚ፡ እዚ ኹሉ ጸገማት ከም ዘይናትካ ርኢኻ፡ ይገርመናሎ ምባል፣ እቲ ብግዜ ሃይለስላሴ ዝነበረ ግዜ ኢዩ ከም ብሓድሽ ዚገሃድ ዘሎ እናበልካ ምልጋጽ፣ ዓለም ክሒዳትና እናበልካ ንህዝብኻን ንነብስኻን ምጥባር።

እቲ ሓቂ ዚገሃደሉ እዋን ግን ርሑቕ ኣይኮነን። ቀሪቡ ኢዩ። ኤርትራ ብመራሕታ ተዋሪዳ። ጌና ኣብ ውልዶኣ፡ ጌና መዓንጣ ከይቈጸረት፡ ካብ ዓለም ነጺሎምዋ። ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳ መራሕታ፡ እገዳ ተበዪኑላ። ናይ ኣፍሪቃ ኣብነት ክትከውን ኩሉ ዓለም ተስፋ ዘንበረላ ሃገር፡ ብሰንኪ ዕንደራ መራሕታ ክትዝለፍን ክትሕመን ትውዓል ኣላ።

ኣብ እተወሰነ ታሪኻዊ መስርሕ፡ መራሕቲ ሃገር ንገለ ክፋል ህዝቢ ንውሱን ግዜ ከታልሉዎ ይኽእሉ ኢዮም። ንኹሉ ህዝቢ’ውን ስሕት ኢሎም ከታልሉ ይኽእሉ ይኾኑ። ንኹሉ ህዝቢ ግን ኩሉ ግዜ ከታልሉዎ ኣይክእሉን።

ንኹሉ አእዋኑ ኣለዎ። ኣብዛ ኣብ መመዓልቲ እትቕየር ዘላ ዓለም፡ ኣብዛ በብግዜኡ እትነቅሕ ዘላ ዓለም፡ ኩሎም ንህዝቢ እናኣታለሉን እናገፍዑን ዚመርሑ ዘለዉ ግዜ ዝሃቦም ጠለምቲ-ሃገር፡ ንነዊሕ ከም ዘይከዱ ኩሉ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ኪፈልጦን ኪግንዘቦን ይግባእ።

VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0.0/5 (0 votes cast)
VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0 (from 0 votes)

What do you think?

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>