ስርዓት ህግደፍ፡ “ ካብ ኤርትራ ዝወጸ ኩሉ ኤርትራዊ ብዘይ ጸገም ናብ ኤርትራ ክኣቱን ክወጽእን ፈቒድና ኣለና” ይብል።

ብፖለቲካዊ ተነጽሎን ሕጽረት ሸርፊ ወጻእን ተጠቒዑ፡ ብህዝቢ ኤርትራ ተኻዒቡ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ “ ካብ ኤርትራ ኣብ ዝኾነ እዋን፡ ብዝኾነ መንገዲ ናብ ስደት ዝኸደ ኤርትራዊ ብሓፈሻ፡ ናብ ኤርትራ ክኣቱን ካብ ኤርትራ ክወጽእን ኣፍቂድና ኣለና” ዝብል ጎስጕስ ብኣኼባታት መልክዕ ከካይድ ጀሚሩ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ሰበስልጣ ህግደፍ፡ እቶም ኤርትራውያን፡ ኣውፈርቲ ናብ ኤርትራ ክዕድሙ፡ ንሳቶም ‘ውን ኣብቲ ናይ ቢሻ ዕደና ወርቂ ብርክታት ክገዝኡ ‘ይጎስጉሱ፡ ጎኒጎኒ ናይዚ ጎስጓስ ከኣ፡ ነቶም ኣኼበኛታት፡ ነቲ ብባይቶ ጸጥታ ዝተበየነ እገዳ ዝዅንን ናብ ፕረዚደንት ኣመሪካ ባራክ ኦባማ ዝለኣኽ ናይ ምሕጽንታ ደብዳበ ክፍርሙ ንኣኼበኛታት ይድርኹዎም ኣለዉ።

ነዚ ኩነታት ዝተኸታተሉዎ ተዓዘብቲ፡ “ወዲ ድሙ ነይገድፍ ግብረ እሙ” ኢሎም ዘረባኦም ብምጅማር፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ግዝያዊ ጸገማቱን መዋጥሩን ንምቅላል ዝመሃዞ ሜላ ምዃኑ ድሕሪ ጠቒሶም። ዝሓዘ ምስ ሓዘ፡ ከም ኣመሉ ንምብርክታት ናይቶም ግሩሃት ስደተኛታት ኤርትራውያን ከምምቲ ናይ ትማሊ ክዘምቶም፡ ንዝእሰሩ ‘ውን ክኣስሮምን ከሕቅቖምን ምዃኑ የጠንቅቑ።

ብንጽህና ናይ ፖሊሲ ለውጢ ዝገብር እንተዝኸውን፡ ኣብ ክንዲ ነቶም ኣብ ዶባት ኤርትራ ካብ ድብያታቱ ኣምሊጦም ዝተሰዱ፡ ‘ከዳዓት’ ኢሉ ዝውንጅሎም ዘሎ ኤርትራውያን፡ ነቶም ኣብ ኤርትራ ንልዕሊ 10 ዓመታት ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ሓይሩዎም ዘሎ ‘ዋርሳይ’ ኢሉ ዝጽውዖም ከም ገላዩ ዝምዝምዞም ዘሎ ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ነጻ ክለቆም ምተገብኦ” ኢሎም።

ስርዓት ህግደፍ፡ ብየማነ ጸጋም መሓልፎ ስኢኑ ዓቕሉ ስለዝጸበቦ፡ ነቲ ክዒቡዎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዳግማይ ኣታሊሉ ናይ ስልጣን ዕድሚኡ ንምንዋሕ ዝተለሞ ኣጉል ስልቲ ምዃኑ ብምግንዛብ ከኣ፡ ሓደ ድሕሪ ሓደ ከምዚ ዝኣመሰለ ተዋስኦታት ክቕጽል ምዃኑ ኣሚቶም።

 

VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0.0/5 (0 votes cast)
VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0 (from 0 votes)

What do you think?

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>