ከም በዓል ሃይለስላሴ ዝኣመሰሉ ውልቀምልካውያን ኣብ ኮረሻ ናይ ስልጣን ኮፍ ኢሎም፡ ንፈትወካን ትፈትወናን ህዝብና እናበሉ ብምውርዛይ ክሳብ መዓልቶም ዝኣክል ጸኒሖም።
ከም በዓል ጃንሆይ ዝኣመሰሉ ናይ ቀደም ምልካውያን ንህዝቢ ብቐሊሉ’ዮም ዘታልሉዎ ነይሮም። ብፍላይ እቲ መንቋሕቋሕታ ዘይነበሮ ህዝቢ ሰላማዊ ሰልፊ ክንገብር ከለና፡ “ሳላ’ዞም ንጉስ እዚኦም ዝተሳእነ ዘየሎ፡ ተመሃሩ እንተ በሉኹም ፊዕ ፊዕ ኢልኩም ጸጊብኩም!” ይብለና ነይሩ። ሃይለስላሴ ሓደ ባዕዳዊ ገዛኢ ክነሶም ኣደታት ኤርትራ ሰኣን ንቕሓተን፡ “እዞም ብሩኽ ንጉስ! ጸሎት ክገብሩ’ዮም ዝሓድሩ ኢሎሞም፡” ይብላ ከም ዝነበራ እዝክር። ምኽንያቱ ናብ ኤርትራ እናኽመጹ ብመስኮት መኪናኦም ዓለባ ጀዲድ እናደርበዩ ኣብ ርእሲ ምኻድ፡ ኣደታት ከበሮ ሒዘን ኣብ ወሰን ጽርግያ ክቕበላኦም ከለዋ፡ ንነፍስወከፈን ሓደ ብር ይዕድሉ ነይሮም። ብናይ ሎሚ ሸርፊ ዕስራ ናቕፋ ማለ’ትዩ። ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ዝኾነ ህዝቢ ምስ ሓይሊ ዘለዎን ረብሓኡ ምስ ዝሕልወሉን ስለ ዝኾነ ድማ፡ ደርግ መጺኡ፡ ንኸምስል ደሞክራሲ ኢሉ ምስ ጨርሐን፡ ጃንሆይ ህዝቢ ወሎ እናጠመየ ከሎ ነኽላባቶም ስጋ እናብልዑ ኸለዉ ኣብ ቴለቪዥን ከም ዝርአዩ ድሕሪ ምግባር ምስ ቀተሎም እቲ፡ “ጃንሆይ እንተ ሞይቶም ኢትዮጵያ ክትበታተን’ያ፡ ዕግርግር ክኸውን’ዩ፡ መሬት ድማ ክትጽልምት’ያ፡” ዝብል ዝነበረ ህዝቢ፡ “ኢትዮጵያ ትቅደም!” ክጭርሕ ከም ዝጀመረ እቶም ሽዑ ዝነበርና ንፈልጦ ታሪኻዊ ሓቂ’ዩ። ኣደታት ኤርትራ ድማ ነቲ ኣቐዲመን ዝብልኦ ዝነበራ ረሲዐን፡ “እዚኦምስ የድርቐሎም’ባ ደኣ! ህዝቢ እናጠመየስ ኣብቲ ዓዲ ወጻኢ ብዙሕ ገንዘብ ኣግዒዞም ጸኒሖም ኢሎሞም፡” ክብላ ተሰሚዐን። እዚ ድማ ኣብ ዝኾነ መድረኽ፡ ውልቀ መለኽቲ ከም ዝቕል ቀሉን ግዜኦም በሊዖም ብኽፉእ ከም ዝጠፍኡን የረድኣና።
ህዝቢ ወይ ሓፋሽ ምስ ጥቕሙ ከም ዝጐዓዝ ጭቡጥ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ኣሎ ። ህዝቢ ሃገሩ ክፈቱን ንሃገሩ ክስዋእን ንቡር’ዩ። ኣብ ስርዓታት ዘለዎ እምነት ግን ተገላባጢ’ዩ። ንሓደ ስርዓት ወይ ውልቀ መላኺ ከም ኣምላኽ ክኣምኖ ከም ዘይጸንሐ ረብሓኡ ክትንከፍ ከሎ ግልብጥ ኢሉ ኣንጻሩ ይትስእ። ናይ ብዙሓት ሃገራት ኣብነት ነዚ የረጋግጸልና። ስርዓት ኑመሪ ብሰንኪ ኣብ ዋጋ ነዳዲ ዓሰርተ ሳንቲም ምውሳኽ ካብ ስልጣን ተኣልዩ። ሓደ ስርዓታት ወይ መንግስቲ ብፍላይ ኣብቲ መጀመርያ ስም እንተ ረኺቡ፡ ነቲ ህዝቢ ንዘልኣለም ዝነብር ኮይኑ ይስምዖ። ምኽንያቱ፡ ሓንሳብ ኣብ ትሕቲ መለኽቲ ምስ ተጐንብሑ ቀኒዖም ክርእዩ ስለ ዘይክእሉ፡ ኣብኣቶም ዘለዎም እምነት ምስ ደሞም ይወሃሃድሞ፡ ነቶም ውልቀ መለኽቲ ትሕቲ ኣምላኽ ዘሎ ንእሽቶ ኣምላኽ ገይሮም ይቘጽሩዎም። ናይ ሂትለር ቀሊል ኣብነት’ዩ። ዳርጋ ምሉእ ህዝቢ ጀርመን ከም ዝኣምነሉ ስለ ዝገበረ እቲ ስርዓት ንሽሕ ዓመት ክጸንሕ’ዩ ዝብል ጭርሖ ከም ሓቂ ተወሲዱ። ሃይለስላሴ’ውን የጸሃዩ ንጉስ (ናይ ጸሓይ ንጉስ) ዘይተባህለ ኣይኮነን። ሃይለስላሴ ይሙቱ ተባሂሉ’ውን ይመሓል ነይሩ’ዩ። ኵሉ ዘንጸባርቕ ወርቂ ኣይኮነን ከም ዝብሃል ግን ኩላቶም ውልቀ መለኽቲ ግዜኦም በሊዖም ኣብ ናይ ታሪኽ ጐሓፍ ተደርብዮም። እንተ ተዘከሩ ድማ ብሕማቕ ጥራይ ክዝከሩ ይነብሩ ኣለዉ።
ስርዓት ሃይለስላሴ ግን ወላ’ኳ መግዛእታዊ ስለ ዝኾነ ክትዝክሮ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ፈጺሙ እንተ ኾነ፡ ኣብ ገለ መዳያት ካብዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዝሓሸ ነይሩ ክንብል ንኽእል። ስለምንታይ እንተ ተባህለ፡ ሃይለስላሴ ካልእ እንተ ተረፈ ቅዋምን ባይቶን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብግቡእ ዝሰርሕ ካቢነ’ውን ነይሩዎ። ካልእ ይትረፍ ሕጂ እዞም ንኤርትራ ዝጭፍጭፉ ዘለዉ መራሕቲ ኢና በሃልቲ ኣንጻር ሃይለስላሴ ዝተጠቕሙሉ ኣብ ዩንቨርሲቲ ነጻ ናይ ምውዳብን ምዝራብን መድረኽ’ውን ፍቑድ ነይሩ። ኣብ ህግሓኤ ዝተሰለፉ መንእስያት ይኹን ማሕበር ተመሃሮ ኢትዮጵያ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ከም ድላዮም ኣንጻርቲ ስርዓት ይዛረቡን ይምድሩን ይእከቡን ይወደቡን ነይሮም። ሕጂ ድሕሪ ኣርባዓ ዓመት፡ እቶም ሽዑ“ ሃይለስላሴ ኣድሓርሓሪ’ዩ፡ ንሕና ግን ገስገስቲ፡” ዝብሉ ዝነበሩ ውልቀሰባት፡ ሕጂ ህዝቢ ክጭፍልቑን ከጋፍዑን ንዕዘብ ኣሎና። ኢሰያስ ብዛዕባዚ እንተ ዝሕተት እንታይ ኢሉ ክምለስ ይኽእል። ንመንእሰያት ኤርትራ መሰሎም ስለ ዝሓተቱ ጥራይ ኣደዳ ማእሰርቲ፡ መግረፍትን ሞትን ከም ዝኾኑ ገይሩዎም። ሃይለስላሴ ግን ነቶም ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስኣበባ ኮይኖም ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ኣይኮነትን ኢሎም ዝጭርሑ ዝነበሩ መንእሰያት ጽንጽያ ዓይኖም’ውን ኣየንፈረሎምን። ተመሃሮ ከለና ኣብ ኤርትራ ኣንጻር ሃይለስላሴ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዝገበርናሉ እዋን’ውን፡ በዓል ኣስራተ ካሳ ንስድራቤትና ንደቅኹም ለምኑዎም፡ ኣረድ ኡዎም ብምባል ካብ ቤትማእሰርቲ ከም ንወጽእ ገይሮም። እዚ እቲ ስርዓት ምስ ህዝቢ መታን ከይብኣስ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ሜላ’ዩ። ቀንዲ ዕላማኡ ኣብ ቦታኡ ከም ዘሎ ርዱእ’ዩ።
ሕጂ ቴለቪዥንን ሬድዮን ዝወነኑ በዓል ኢሰያስ ግን ነቲ ታሪኽ ብዝምችኦም ጥራይ’ዮም ዝገልጹዎ። እቲ ሓቂ ግን፡ ኣብ ዘበነ ሃይለስላሴ ዓድታት ነዲዱ፡ ኣብ ገጠር ዝነብር ህዝቢ ተቐቲሉ፡ ጥሪቱ’ውን በሪሰን’የን። መግዛእቲ ስለ ዝኾነ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክትፍለ የብላን ብምባል ጨካን ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዘይኮነ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ዘይብሃል ግፍዕታት ከም ዝፈጸመ ብግብሪ ዝርከብናሉ’ዩ። ሃይለስላሴ ምስቲ ገዛኢ ስርዓት ምዃኑ እቲ ግፍዒ ከም ንቡር ንውሰዶ። እሞኸ ደኣ፡ ህግደፍከ ህዝቢ ኤርትራ ህዝቡ ስለ ዘይኮነ ድዩ ዝገፍዖን ዝጭቍኖን ዘሎ?? ኢሰያስ ከምቲ ሃይለስላሴ ዝገብሮ ዝነበረ ዓድታት ከንድድን ከጽንትን ኣይክእልን’ዩ። ሎሚ ዘበነ ኢንተርኔት፡ ዘበነ ሓበሬታ ስለ ዝኾነ ከምኡ እንተ ገይሩ፡ ብቕጽበት ከምዚ ናይ ቻርለስ ተይሎር ኣብ ፍርዲ ክቐርብ’ዩ። ሰራዊት ኤርትራ ንባዕሉ ከም ዘይቅበሎ ይፈልጥ’ዩ። ኵሉ ግዜ ብምስጢር ምስራሕ ስለ ዝፈቱ ግን ንህዝቢ ኤርትራ ብሰላሕ መላሕ ኣብ ፈቐዶ ስንጭሮን ጕድጓድን እናእተወ የጽንቶ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ እቲ መንእሰይ ኣዝዩ ስለ ዝመረሮ ድማ ካብ’ዚኣቶም ደርግ ይሓይሽ ኣብ ዝብለሉ ደረጃ ብምብጻሕ ሃገሩ ገዲፉ ይስደድ ኣሎ። ማእለያ ዘይብሉ ሰብ ህይወቱ ጨቢጡ፡ ጠቕሊሉ ናብ ኢትዮጵያ ይኹን ናብ ሱዳን ክሃድም ከሎ እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ኵነታት ክሳብ ክንደይ መሬት ዘቢጡን ኣብ ሓደገኛ ኵነታት ከም ዘሎን የግህደልና። ምስሉይነት ምስ ውልቀ መለኽቲ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዛ ስለ ትኸይድ ግን፡ መራሕቲ ህግደፍ ነቲ ዘውርዱዎ ዘለዉ ሞት፡ ግፍዒ፡ ሕሰምን መከራን ሓቢኦም፡ “ኤርትራ ከምዚ ምዕባለ ኣርእያ፡ እዝን እዝን ናይ ልምዓት ወፍሪ ተኻዪዱ፡” እናበሉ ኣዝኒ ዘደንቍር ንሓቂ ዘየንጸባርቕ ዜና ከስምዑና ይፍትኑ ኣለዉ። ግን ከኣ ሓቃቶም’ዮም፡ ገለ ሰንኰፋትን ምስ ጥቕሞም ዝጐዓዙ ሰማዕቲ ስለ ዝረኽቡ ተስፋ ኣይቈርጹን’ዮም። እቲ ሕቶ ግን እቲ ዘይጠቅም ጌርናዮ ዝብሉዎ ገሊኡ ዝደጋገም ስራሓት፡ ካበይ ብዝመጸ ገንዘብ ተሰሪሑ? ንዝብል ሕቶ ድማ፡ ካብ ህብን ካብ ማዕከን ዳግመ ተሃድሶ ናይ ኤውሮፓዊ ሕብረትን ብዝተረኽበ ገንዘብን ብጕልበት ብዘይደሞዝ ዝሰርሑ ዋርሳይን ዝብል መልሲ ንረክብ። ስለዚ፡ ኣየናይ ዓቢ ስራሕ ሰሪሑ ናይ ወጻኢ ሰርፊ ስለ ዝኣከበ’ዩ መንግስቲ ክሳብ ክንድኡ ዝጅሃር!! ሓደ ሰብ ብገዛእ ገንዘብካን ጕልበትካን ሓደ ኣቕሓ እንተ ገዝኣልካ ዓቢ ነገር ኣይኮነን። በንጻሩ እቲ መራሕቲ ህግደፍ ይኹኑ ኣምባሳደራት ዘተፋፍኡዎ ዘለዉ ናይ ህዝቢ ውጽኢት ግን ኣይግለጽን’ዩ።
ዕጫ ኤርትራ እዚ ካብ ኮነ፡ ኢሰያስ ክጋደል ኢሉ ክሓስብ ከሎ እንታይ ነይሩ ዕላማኡ? ዝብል ሕቶ ክንምልስ እምበኣር፡ ርሑቕ ከይከድና ነቲ ሕጂ ዝገብሮ ዘሎ ጸይቂ ምዕዛብ ክኣኽለናዩ።
ኢሰያስ፡ ንነብሱ ኣብ ስልጣን ከደይብ፡ ምናልባሽ’ውን ከምዚ ኣቦና ሃብተማርያም ዝብሉዎ ካልእ ተልእኾ ስለ ዝነበሮ፡ ናይ ሓደ ዝተጋደለ ሰብ ስራሕ ዘይኮነ፡ ንሃገራውያን ክኣስር፡ ንንጹሕ ህዝቢ ክጭፍልቕ፡ ብዘይ ክሲ መንእሰያት ይኹኑ ኣረጋውያን ክኣስር፡ ባይቶ ዓዲ ይኹን ሃገር ክድምስስ፡ ባህልናን ሃይማኖትናን ከም ዘይነበር ክገብር፡ ቍጠባና ከዕኑ ብሓጺሩ፡ ነቲ ኣብ ግዜ ፈደረሽን ከይተረፈ በጺሕናዮ ዝነበርና ምዕቡል ሕብረተሰብ ደምሲሱ፡ ኣብ ክንድኡ ናይ እሺ በሃልቲ፡ ብደናቍር ጥራይ ዝተመልአት ኤርትራ ክምስርት’ዩ ዝደሊ ዘሎ። ሓደ ሰላምን ምዕባለን ዝደሊ መራሒ፡ ባይቶ ኣፍሪሱ፡ ውፉያት መራሕቲ ሰብ ኣብ ዘይረ ኽቦም ኣሲሩ፡ ቍጠባ ሃገር ሓኒቑ ምስ ዓለም ኣይበኣስን’ዩ። ውሑዳት ሰባት ወይ ፍሉያት ብሄራት ብፍሉይ ጥቕሚ ምስ ሓደ መንግስቲ ክብኣሱ ይኽእሉ’ዮም። እዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ንርእዮ ዘሎና ኵነታት ግን ሓደ ርኡይ ዝኾነ ኣንጻር ህዝብን ባህልን ኤርትራ ዝዓጠቐ ስርዓት’ዩ። እቲ ዝያዳ ግርምቢጥ ዝኾነ ነገር ድማ፡ ሓደ ሰብ ተቓውሞ ክጽሕፍ ከሎ በቶም እራይ ምራይ ደገፍቲ ህግደፍ ዓጋመ ወይ ወያኔ ዝብል ቅጽል ስም ይወሃቦ። ኣነ ብመስረቱ ንሰብ ብተግባሩ’የ ክመዝኖ ዝመርጽ። ብዙሓት ተጋሩ ወይ ኢትዮጵያውያን ንኤርትራ ተቓሊ ሶምላ’ዮም፡ በንጻሩ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣድምዮማ። ዓጋመ ወይ ወያኔ ጸርፊ ዘይኮነ ክነሱ ከምኡ ካብ በሉ ግን፡ “እሞ ከምኡ ትኣምኑ እንተ ዄንኩም፡ ነቲ ዝመርሓኩም ዘሎ ኢሰያስን ንሰዓብቱን ኢኹም ትጸርፉ ዘለኹም፡” ኢና ንብሎም። ንእግረ መንገደይ ግን ወላ ምስዚ ኣርእስቲ ዝተኣስሰር ኣይኹን፡ ዮናስ ዝብሃል ሓዉ ኢሰያስ ምስ ወያኔ ከይተባኣስና ኸለና ፡ ኣብ ሜዳ ንሓደ ደበሳይ ዝብሃል ዓርኩ ዝነበረ ብጻይና ዘዕለሎ ክደግመልኩም።
“ኣቦ ሓጐይ ኣብ ትግራይ ሰብ ምስ ቀተለ ሃዲሙ ናብ ኤርትራ ብምምጻእ መጀመርያ ኣብ ድርፎ ሰፊሩ። ድሕሪኡ ጥልያን ምስ መጸ ምስ ገለ ካልኦት ተጋሩ ኣብ ደፖዚቶ ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ጸሎት ብምኻድ ኣብኡ ሰፊሩ። ኣብ ትግራይ ናይ ዝነበረ ህድሞና ዑና ድማ ክሳብ ሕጂ ኣሎ፡” ክብል ኣዕሊሉዎ። እቲ ዘገርም ሓደ ኣቦና ዝኣኽሉ ተጋዳላይ ድማ ብኻልእ ኣጋጣሚ ከምዚ ክብሉ ኣዕሊሎምኒ፡ “ኣብ ግዜ መግዛእቲ ተጋሩ ኣብ ደፖዚቶ ክነብሩ ድሕሪ ምጽናሕ ቤተክርስታይን ደልዮም። ሽዑ ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ኢጣልያዊ ኣመሓዳሪ፡ ጸሎት ንገብረሉ ቦታ ደሊና ኢሎሞ። ንሱ ድማ፡ “እንታይ ማለት’ዩ ጸሎት?” ክብል ሓቲቱዎም። ኣስተርጓሚ መጺኡ፡ “ኪየዛ” ደልዮም ምስ በሉዎ፡ ጸሎት ኣብቲ ንየው ኪደኩም ግበሩ፡ ኢሉዎም ብኢዱ ናብዛ ሕጂ ጸሎት ትብሃል ዘላ ዓዲ እናመልከተ። ሽዑ ጸሎት ውሑዳት ስድራቤታት ጥራይ ስለ ዝነበሩዋ ነቶም ኣጋይሽ ኣይተቓወሙዎምን፡” ከም ሓቂ ነቲ ዛንታ ኣሚነዮ፡ ምኽንያቱ ንሓደ ወዲጸሎት ምስ ኣዘራረብኩ’ውን፡ ስድራቤት ኢሰያስ ሓወቦና ኢሎም ዝጽውዑዎ ሰብ ከም ዘይብሎም፡ ኣቦሓጎኡ ኣእዱግ ዓዲ ይሕልዉ ከም ዝነበሩ ኣዕሊሉኒ። ደቂ ዓዲ ግን ንነብሶም ስለ ዝፈርሑ ብዛዕባዚ ምስ ዝኾነ ሰብ ክዛረቡ ኣይደልዩን፡ ክብል ሓደ ሰብ ኣዕሊሉኒ። ዘገርም’ዩ! ኣድጊ ካልእ እንተ ተረፈ ኣኮይ ፈረስ ክብል ይኽእል። ኢሰያስ ግን ወላ በደኡ እንተ መጻና ጽሩይ ኤርትራዊ ስለ ዘይኮነ ናይ መንነት ቅልውላው ኣለዎ። ዘርኡ ኣገዳሲ ኮይኑ ዘይኮነ፡ እቲ ንሱ ከም መልሰ ተግባር ናይ መንነት ቅልውላዉ’ዩ ዝገብሮ ዘሎ ጸይቂ’ዩ ዘዛርብ ዘሎ።
ኵላቶም’ኳ እንተ ዘይኮኑ ገለ ውሑዳት ደቀባት ዘይኮኑ ሰባት ነቲ ዘዕበዮምን ዘምሃሮምን ሕብረተሰብ ክጐድኡ ስለ ዝብገሱ፡ ኢሰያስ ካብኣቶም ሓደ ከም ዝኾነ ብብዙሕ መንገዲ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ምኽንያቱ ገለ ሰባት ከም ዘዕልሉዎ፡ መስተ ከብዝሕ ከሎ፡ “ምስዚ ከዳዕ ህዝቢ ክንርአአ ኢና! ድሕረይ ኤርትራ ሶማል እንተ ኾነት ኣይግደስንን’ዩ! ዓጋመ ከም ትብሉኒ እፈልጥየ! ግን ከርእየኩም’የ ደሓን!” ይብል’ዩ። እዚ ዘረባዚ ብዙሕ ግዜ ዝደጋገምን ካብ ብዙሓት ዝስማዕን ስለ ዝኾነ፡ ትም ኢክልካ ዝህንደስ ኣይኮነን። “ኣደታት ኤርትራ፡ ንሱ ኣንበሳ ዓሻክሩ ነብሪ፡” ኢለን ከም ዘይደረፋሉ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ሪጋ ባኒ ምስ በዝሐ፡ ፊኖ ምስ ተሳእነ፡ ወሊደን ናብ መኻናት ምስ ተቐየራ፡ “ይንቀሎባ ደኣ!” ይብላ ስለ ዘለዋ፡ ኣልሚሙ ንህዝቢ ኤርትራ ከዳዕ ክብሎ ሓቁ’ዩ። እቶም ነዚ ዘይፈልጡ ኣብ ስዊዘርላንድ ሰላማዊ ሰልፊ ዝገብሩ ጭራ ዘይብሎም እንስሳ ዝቝጸሩ፡ ኤርትራውያን ክትብሎም ዝይትደፍር ግን፡ “ኤርትራ ንሱ’ዩ፡ ንሱኸኣ ኤርትራ፡” ክብሉ ተሰሚዖም። ብኣበሃህላኦም ኢሰያስ እንተ ዘየሎ ኤርትራ የላን፡” ዘስምዕ’ዩ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ’ውን እቶም ከይደኸሙ ዘጣቕዑሉ ካድረታቱ፡ “ኢሰያስ ካብ ስልጣኑ እንተ ተኣልዩ ኤርትራ ከም ሶማል ክትከውንያ!” እናበሉ ብውሽጢ ውሽጢ የጐሳጕሱ ኣለዉ። ብወገነይ፡ እዚ ብመደብ ንህዝቢ ንምፍርራሕን ንምድንጋርን ብህግደፍ ዝንዛሕ ግጉይ ሓበሬታ (ዲሲንፎርመሽን) ገይረ’የ ዝወስዶ። ብዙሓት መንግስታት ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ዝኣረገ ሜላ’ዩ ድማ። ኣብ ዓለም ብዙሓት ውልቀ መለኽቲ ብኸምኡ ንብዙሕ ዓመታት ኣታሊሎም’ዮም። እዚ ሜላዚ ግን ግዜኡ ኣሕሊፉ ዝተደርበየ ምዃኑ ክፈልጡ ኣለዎም። ዘበነ ኢንተርኔትን ቅልጡፍ ሓበሬታን’ዩ፡ ኣይትድከሙ ድማ ንብሎም።
ኣብ መጨረሽታ እታ ኣፈኛ ህግደፍ ሓዳስ ኤርትራ፡ መላእ ዓለም ብዛዕባ ቱኒዝያ ጥራይ እናተዛረበ፡ ከይትዛረብ ብፍሉይ ቤትፍርዲ ግዲ ተከልኪላ ወይ እቲ ዜና ሰምቢዱዋ፡ ሃይቲ ዝተጠልመ መብጽዓ፡ መድቨደቭ ደሞክራሲ ከም ዘለዎ ዝቕዳሕ ኣይኮነን ኢሉ፡ ሊባኖስ ብዓሌት ዝተጐጃጀለ መንግስቲ ወዘተ ዝብል ርሱዕ ዜና ሒዛ ትቐርብ ኣላ። ህዝቢ ካብ ካልእ ናይ ዜና ምንጭታት ከም ዝረኽቦ ርዱእ ክነሱ ናይ ህግደፍ ማዕከናት ዜና ግን ድፍረት ስኢነን። ህግደፍ ሓቁ’ዩ ነቲ ዜና ክኽልክሎ፡ ምኽንያቱ ግፍዐኛ ስርዓት ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ ሓደ ተፋ ዝቘረጸ ዋርሳይ ኣብ ጐደና ሓርነት ነብሱ እንተባርዐ ኢሰያስ ውሕስነት የብሉን።
ንህዝቢ ቱኒዝያ ዝሃበ ይሃበና!
ዝኽሪ ንስዉኣትና!
ዘመንፈስ በራኺ