መገዲ መንእሰይ (ሳልሳይ ክፋል) (ሓንቲ ዓለም) ብ ኣማኑኤል ሳህለ

Amanuel እዛ ዓለም ከም ቁሸት ጌርና እንተ ደኣ ርኢናያ፡ እቲ ኣብኣ ዚነበር ህዝቢ ዳርጋ ኣብ ካንሸሎ ይነብር ከም ዘሎ ጌርካ ምርኣዩ ዘሸግር ኣይኮነን።


ኣነ ንእሽቶ ከሎኹ ማለት ኣብ 50ታት፡ ኣብ ካንሸሎ ኢና እንነብር ዝነበርና። ማለት ኣብ ሓደ ቀጽሪ፡ ኣርባዕተ ነኣሽቱ ገዛውቲ (ዓራትን ኣርማድዮን ዘእትዋ)፡ ኣርባዕተ ስድራቤታት፡ ሓንቲ ስድራ ቤት ብገምጋም ሰሰለስተ ቈልዑ፡ ስለዚ ኣብታ ካንሸሎ ምስ ኣቦን ኣደን ሓዊስካ ዳርጋ 16 ነፍሳት ይነብሩ ነይሮም። ገለ ካብቶም ኣቦታት፡ ከም ዋርድያ፡ ከም ሚኒዋለ፡ ከም ጸረብቲ ወይ ካርበንቴረ፡ ከም ነደቕቲ፡ ከም ኹብራረ ወይ ከም ቢያንቶነ ኪሰርሑ ከለዉ፡ እተን ኣዴታት ግን ኣብ ገዛ ኢየን ዚውዕላ ነይረን።

ንሕና ከም ህጻናት መጠን፡ ኣዴታትና ናብ ዕዳጋ ኺወርዳ ኸለዋ፡ እተን ናብ ዕዳጋ ዘይወረዳ ኣዴታት ይኣልያና ኔረን። ገለ ዓንተራት ምስ ዚህውኹና፡ ዓበይቲ ኣያታትና ይዘርዩልና ነይሮም። ካብቶም ሰብ ሓዳር ምስ ዚበኣሱ፡ እቶም ሽማግለታት ዓገብ ይብሉን የተዓርቑን ነይሮም። ብለይቲ ሰረቕቲ ምስ ዚቕልቀሉ፡ ሓቢርካ ትጐዮም፡ ማለት ምስቲ ታርዛን ወይ ባሩድ ዚብሃል ኸልቢ ዄንካ።

እምበኣር፡ ህጻናት ከሎና፡ ዓለምና እታ ካንሸሎ ኢያ ነይራ። ኣብ ኰኵርናዑ`ውን ተመሳሰልቲ ካንሸሎታት ነይረን። ኣብኣተን ኸኣ ድኻታትን ሃብታማትን፡ ኣስላምን ክርስትያንን፡ ከኒሻን (ስድራቤተይ) ተዋህዶን፡ ተጋሩን ኤርትራውያንን፡ ምስ ኢትዮጵያ ዚብሉን ምስ ጣልያን ዚብሉን፡ ኣንድነት ዚብሉን ራቢጣ ኣል ኢስላምያ፡ ደቂ ከበሳን ደቂ ቆላን፡ እተፈላለዩ ብሔራት`ውን ከም ኩነታቱ ይነብሩ ነይሮም።

ኣብቲ እዋንቲ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካንሸሎ ስኒት ነይሩ፡ ፍቕሪ ነይሩ፡ ምጽውዋር ነይሩ። እዚ ስነት`ዚ ደኣ ካበይ መጺኡ? ካብ ምጽውዋር፡ ካብ ምርድዳእ፡ ካብ ኣእምሮኻ ምስፋሕ። ኣብቲ ግዜ`ቲ ናይ ሃይማኖት ጥሩፍነት ኣይነበረን። ከምዚ ናተይ እምነት እንተ ዘይኣመንካ ናብ ሲኦልካ ኢኻ እተምርሕ፡ ክትድሕን እንተ ደኣ ደሊኻ ግን ነዚ ኣነ ዝኣምኖ እምነት እመን.. ዚብል ወጣምን ገታርን ነግራምን ደፋርን ኣዘራርባ ኣይነበረን። ትግራዋይ ኢኻሞ፡ ኤርትራዊ ኣይኮንካን ዚብል ኣረኣእያ ኣይነበረን። አረ ገሊኦምስ፡ ካብ ትግራይ ዘይተወልደስ ኣይጭዋን ኪብሉ ይስምዑ ነይሮም።

ኣነ ከም ከኒሻ፡ ስጋ ክስታን ስጋ ኣስላም ዚብል ግጉይ ባህሊ ከይተመከርኩ እየ ዓብየ። ቀንድን መንፈሳውን ዓርኪ ኣቦይ (ስድራይ ከኒሻ ኢዮም)፡ ቀሺ ገብረእግዚኣብሄር ዚበሃሉ ተዋህዶ ኢዮም ነይሮም። እምነትና ተገንዚቦም ግዲ ኾይኖም መስቀል ኣየሳልሙናን ነበሩ። ቀንዲ ተኻፋሊ ጸገምና ድማ ሳሊሕ እተባህለ ኣስላማይ በዓል ድኳን ኢዩ ነይሩ።

ኣቦይ፡ ኣነ ከም ዝፈልጦ፡ ኣብ ከባቢኡ ዝነበሮ ኣረኣእያ፡ ንኹሉ ዚሓቍፍን ንኹሉ ዚጻውርን፡ ስኒትን ሓድነትን ዝዓብለሎ ኢዩ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ርእየዮ ኣይፈልጥን ግን ካብቶም መጽሓፍ ቅዱስ ክጠቕሱን ኪዝምሩን ዚሓድሩ ንላዕሊ ኣምላኽ ዚፈትዎ ስራሕ ይሰርሕ ከም ዝነበረ ብጾቱ የረጋግጹዎ ኢዮም። ኣብ ጽቡቕ ምግባር እምበር፡ ኣብ ጸቢብ ሃይማኖታዊ ኣተሓሳስባ እተቐየደ ኣይነበረን። በዚ ድማ ኣብታ ካንሸሎ፡ ከም መተዓረቒ ኮይኑ`ውን ኣገልግሎቱ የበርክት ከም ዝነበረ ሰብ ይምስክረሉ ኢዩ።

ኣብቲ ካንሸሎ ሽሕኳ ብስራሕ፡ ብሞያ፡ ብመዓርግ፡ ብደረጃ፡ ብትምህርቲ፡ ብባህሊ፡ ብቛንቋ፡ ብእምነት ፍልልያት እንተ ነበረ (እዚ ኸኣ ባህርያዊ ኢዩ)፡ ናይ ሓደ ባህሊ ወይ እምነት ወይ ቋንቋ ካብ ናይቶም ካልኦት ባህሊ ወይ ቋንቋ ወይ እምነት ይበልጽ ወይ ይትሕት ኢልካ ምሕሳብ ግን ኣይነበረን። ናይ መን ባህሊ ኢዩሞ ንመን ኪውርዝየሉ? ናይ መን እምነት ኢዩሞ ንመን ኪዕበየሉ? ናይ መን ቋንቋ ኢይሞ ንመን ኪዕብልለሉ? ኩሉ በብወገኑ ነቲ ዋንኡ ከም ወርቂ ኢዩ። ኩሉ በብመገዱ ነቲ ዋንኡ ብሉጽ ኢዩ። ናተይ ባህሊ ወይ ቋንቋ ወይ እምነት ዝበለጸ ኢዩሞ ናተይ ደኣ ተቐበል፡ እዚ ናትካስ ዋጋ የብሉን ማለት ህውከትን ሕንፍሽፍሽን ምዝራእ ማለት ኢዩ።

እምበኣር እታ ካንሸሎ ከምዚ ኢያ እትመስል ነይራ። ደሓር ኢያ ደርጊ ምስ መጹ እልፊ ሰለይትን ፈላለይትን ሻረኛታትን ትምክሕተኛታትን ኪኣትዉዋ ዝጀመሩ። ቀስ እናበለት ከኣ ፈሪሳ።

እዛ ዓለምና ኸኣ ከምኡ ኢያ። ኣፍሪቃውያን፡ ኣመሪካውያን፡ ኤውሮጳውያን፡ እስያውያን፡ ምስ እተፈላለየ ባህልታቶም፡ ቋንቋታቶም፡ እምነታቶም፡ ኣመለኻኽታኦም፡ ሕብሮም፡ ቁመቶም፡ ቍጠባዊ ደረጃኦም፡ ፖለቲካዊ ዝንባሌታቶም፡ ራኢታቶም፡ ሕሉፍ ታሪኻቶም፡ ያታኦም ወዘተ. ኣብዛ ናብ ካንሸሎ ተለዊጣ ዘላ ዓለም ኢዮም ዚቕመጡ ዘለዉ። ገሊኣቶም ንሕና ጥራይ ኢና ፈላጣት ንኣና ጥራይ ስምዑና ዚብሉ፡ ገሊኣቶም ኣምላኽ ንኣና ኢዩ መሪጹናሞ ንኣና ደኣ ተኸተሉ ዚብሉ፡ ገሊኣቶም ብዘይ ብኣና ዓለም ናብ ገደል ክትኣቱ ኢያ ዚብሉ፡ ገሊኣቶም ኩሉ ናባና ግደፉዎ ባዕልና እቲ ዝሓሸ ቍጠባዊ መገዲ ከነርእየኩም ኢና ዚብሉ፡ ገለ ናንዳማቶም ንብረት ኪሰርቁ ዚውዕሉ፡ ገለ ህውከት ጥራይ ዚፈጥሩ፡ ገለ ዓለም ጸቢባቶምስ ምስ ጐረባብቶም ኪበኣሱ ግዜኦም ዘሕልፉ፡ ገለ ንገዛእ ህዝቦም ኪቕጥቅጡ ዚውዕሉ፡ ወዘተ.

ከምዚ ባህሪ ዘለዋ ካንሸሎ እንታይ ኢዩ መጻኢ ዕድላ? ሕንፍሽፍሽን ውድቀትን። እንታይ ኢዩኸ ፈውሳ?

ኣብዚ ነጥብዚ ብዙሓት ውልቀሰባት ወይ ጕጅለታት ወይ ሃገራት ከም ሓከምቲ ኮይኖም ኪቐርቡ ይፍትኑ። እዛ ዓለም ክትድሕን እንተ ደኣ ኾይና ከምዝን ከምዝን ኢዩ ዘድልያ፡ ኣይፋልን ከምዚባ፡ ኣይፋልን ንዓይ ግደፉለይ ኣነ እየ እቲ ፈውሲ ዝፈልጦ፡ ኣይፋልካን መን ስልጣን ሂቡካ፡ ወዘተ. ኪበሃሃሉ ይነብሩ ኣለዉ።

እቲ ፈውሲ ግን ቀሊል ኢዩ። ንሱ ኸኣ ተጻዋርነት፡ ኣእምሮኻ ምስፋሕ፡ ንፍልልያት ከም መርገም ዘይኮነስ ከም ምርቓ ጌርካ ምውሳድ፡ ናይ ብጻይካ ኣረኣእያን ኣመለኻኽታን ምኽባር፡ ናይ ብጻይካ እምነት ከም ናትካ ጌርካ ግቡእ ክብሪ ምሃብ፡ ነቲ ምስ ናትካ ራኢ ዘይከይድ ነገራት ዘይምቍንጻብ፡ ንብጻይካ ከም ነብስኻ ምፍታው፡ ወዘተ…

ኣብታ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናያ ካንሸሎኮ እዚ ፈውስዚ ኢዩ ስኒት ኪፈጥር ዝኸኣለ። ኣደይ ለቱ ምስ ኣደይ ሓጀር ብሃይማኖት ኪመናጨታ እንተ ዚውዕላ ነይረን፡ ኣቦይ ሰቛር ድማ ምስ ኣይተ ገብረጻድቕ ብብሔር ኪናቘቱ ዚውዕሉ ነይሮም እንተ ዚኾኑ፡ ኣስበቶረ እልፉ ንሚኒዋለ ግርሙ ይንዕቁዎም እንተ ዚነብሩ፡ ብላታ ገብሩ ድማ ንሸቃ ባይሩ ይዕበዩሎም እንተ ዚነብሩ፡ እታ ካንሸሎ ምዓነወት ነይራ። ግን እቲ ኩነታትስ ከምኡ ኣይነበረን። ኩሉ ተኸባቢሩን ተሳኒዩን ተፋቒሩን ኢዩ ዚነብር ነይሩ። ክሳዕ እቲ ንፍልልያት ከም መሳርሒ ገይሩ ዚጥቀመሉ ዝነበረ ደርጊ ዚመጽእ።

ትምክሕቲ ኣደ ህውከትን ውድቀትን ኢያ። ብእግራ እንተ ቀበርካያ ብርእሳ ኢያ እትበቁል። ብኹሉ ዓይነት መገዲ ከኣ ኢያ እትቕልቀል። ከም ሃይማኖት ኮይና ፍልልያት ተጐሃህር። ከም ቋንቋ፡ ከም ዓሌት፡ ከም ብሔር ኮይና ህውከትን ሕንፍሽፍሽን ትፈጥር። ከም ፖለቲካ ኾይና ዲክታቶርያዊ ስርዓት ትፈጥር። ከም ብሔር ኮይና ዕብለላን ግፍዕን ተስፍን።

ስጋዊ ትምክሕቲ ካብ ሃለወ፡ መንፈሳዊ ትምክሕቲ ኸኣ ኣሎ። እቲ ቀዳማይ ንስጋ ጥራይ ኢዩ ኪቐትሎ ዚፍትን። እቲ ኻልኣይ ግን ንመንፈስን ሕልናን የዕንዎን የብርሶን።

እምበኣር እቲ ነዛ ሓሚማ ዘላ ሃገርናን ነዛ ናብ መገዲ ጥፍኣት እትኸይድ ዘላ ካንሸሎኣዊት ዓለምናን ንምድሓን ዘገልግል ቀንዲ ፈውሲ፡ ተጻዋርነት (Tolerance) ኪኸውን ከሎ፡ እቲ መግደድ ሕማማን እቲ ከም መርዚ ኾይኑ ኪቐትላ ተዳሊዩ ዘሎ ቀመም ከኣ፡  ትምክሕትን ጸቢብ ኣተሓሳስባን ጥሩፋዊ ኣመለኻኽታን ምዃኑ ንኹሉ ግሁድ ኪኸውን ይግባእ።

ይቕጽል።

VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0.0/5 (0 votes cast)
VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0 (from 0 votes)

What do you think?

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>