መገዲ መንእሰይ – ራብዓይ ክፋል (ሓንቲ ዓለም) ብ ኣማኑኤል ሳህለ

Hanti alemፈጣሪ ንወድሰብ ካብ ዝሃቦ ህያባት እቲ ዝዓበየ ኣእምሮኡ ምዃኑ ንኹሉ ብሩህ ኪኸውን ይግባእ። ሓደ ናይ ኣእምሮ ስንክልና ዘለዎ ሰብ ኣብ ሓደ ነገር ኪኣምን ወይ ተንቲኑ ኣብ መደምደምታ ኪበጽሕ ይኽእልዶ? ኣይክእልን።


ጽቡቕን ሕማቕንከ ኪፈልጥ ይኽእልዶ? ኣይክእልን። ነዚ እመን ነዚ ኣይትእመን ኢልካዮ ይርዳኦዶ? ኣይርዳኦን።

ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ናይ ኣእምሮ ስንክልና ዘለዎ ሰብ ኣብ መንጎ ፍትሕን ግፍዕን ዘሎ ፍልልይ ኣነጺሩ ኪፈልጥ ይኽእልዶ? ኣይክእልን። ሰብ ኣእምሮኡ ብምዝውታር ኢዩ ይጭቈን ከም ዘሎ ዚፈልጥ። ብኣእምሮኡ ኢዩ ፍትሒ ከም ዝጐደለ ዚርዳእ። ኣእምሮኡ ብምዝውታር ኢዩ ተቓውሞታት ዘስምዕን ነቲ ጨቋኒ ንምእላይ ድማ ስልትታትን ስትራተጂታትን ዚትልም።

ንኣእምሮ ካልኣዊ ተገዳስነት ብምሃብ ዚኽሰት ጥሩፋውን ሕድገት ዘይፈቕድ ኣተኣማምና ንዓለምና ንድሕሪ ከም ዝጐተታ ገለ ኣብነት ክህብ እደሊ። ከምዚ መግበሪየይ ድማ ነቲ ናይ መንእሰይ ኣእምሮ ብዓቕመይ ከበራብሮ ስለ ዝደለኹ እየ።

ቅድሚ ኣስታት ሓምሽተ ሚእቲ ዓመታት ይገብር፡ ህዝቢ ዓለም፡ ብፍላይ ኤውሮጳውያን፡ ምድሪ ኣብ ማእከል ዩኒቨርስ ብዅርዓት ኵድም ኢላ በዓል ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን (ፕላነታት) ድማ ኣብ ዙርያኣ ዚዖዳ ወይ ዚዞራ ኢዩ ዚመስሎም ነይሩ። ከምዚ መሕሰቢኦም፡ እታ ኣምላኽ ቅድሚ ኹሉ ዝፈጠራን ወድሰብ ዚነብረላን መሬት ክብርቲ፡ በዓል ጸሓይን ከዋኽብትን (ፕላነታት) ግን ድሕሪ መሬት ብምፍጣረን ትሑታት ብምዃነን፡ ንሳተን ኢየን ንምድሪ ዚዞራኣ እምበር፡ ምድሪ ንበዓል ጸሓይ ከዋኽብትን ክትዞረን ኣይትኽእልን ዚብል ኣረኣእያ ስለ ዝነበሮም ኢዩ።

ደሓር ግን፡ ኮፐርኒካስ እተባህለ ፖላንዳዊ ሊቅ፡ ኣእምሮኡ ብምዝውታርን ሳየንሳዊ ትንተና ብምጥቃምን፡ ምድርን ፕላነታትን ደኣየን ንጸሓይ ዚዞራኣ እምበር፡ ጸሓይሲ ብተዛማዲ መገዲ ኣብ ሓደ ቦታ ደው ዝበለት ኢያ ብምባል ነቲ ንኣሽሓት ዓመታት ሰብ ዚኣምኖ ዝነበረን ካቶሊካዊት ቤትክርስትያን ድማ ሰሚራትሉ ዝነበረትን እምነት ኪሰብሮ ከኣለ። ቤተክህነት ግን እዚ ነገርዚ ስለ ዘይተዋሕጠሎም፡ ነቲ ከም ናይ ኮፐርኒካስ ሳየንሳዊ ኣረኣእያ ዝነበሮ ጋሊለዮ ጋሊለይ ከም ዚእሰርን ከም ዚናሳሕን ገይሮምዎ። ግን ሓቂ ኩሉ ግዜ ሓቂ ኢያሞ፡ ድሕሪ ኣስታት 500 ዓመታት፡ ማለት ኣብዚ ግዜናዚ፡ ጋሊለዮን ኮፐርኒካስን ከም ቅኑዓት ተቘጺሮም ብካቶሊካዊት ቤትክርስትያን ተመስኪሩሎም ኣሎ።

ካብዚ እንርዳእ ነገር እንተሎ፡ ሓደ እምነት ወይ ኣምር፡ ብዙሓት ስለ ዝኣመኑዎ ወይ እተቐበሉዎ ኣይኮነን ቅንዑነቱ ዚረጋገጽ። ቅንዑነትስ ብምርመራን ጥልቂ ዝኾነ ትንተናን ክፉት ኣእምሮን ሰፊሕ ጠመተን ኢዩ ዚረጋገጽ።

ኣብዘን ዝሓለፋ 600 ዓመታት፡ ኣብ ዓለምና ሓደ ኪፈርስ ኢልካ ዘይትሓስቦ ኣረኣእያ ነይሩ። ንሱ ድማ፡ ጸዓዱ ወይ ፈረንጂ ብኹሉ ነገሮም ካብ ኣፍሪቃውያን ወይ ካብ ጸለምቲ ከም ዚልዕሉን ከም ዚበልጹን ዚብል ኢዩ ነይሩ።

ነዚ ንምርግጋጽ፡ ጸዓዱ፡ ንሕና እንዲና ኣብ ዓለም ኩሉ ምህዞታት ዘተኣተና፡ ንሕና እንዲና ንኣመሪካን ንኣውስትራልያን ዝዳህሰስናየን፡ ንሕና እንዲና ጠበንጃ፡ ኤለትሪሲቲ፡ ራድዮ፡ ተለቪዥን ተለፎን ነፈርቲ ዝመሃዝና። ንሕና እንዲና ንወርሒ ዝደየብና ወዘተ. እናበሉ፡ ጸሊም ኪግዛኦም ከም እተፈጥረ ኣምሲሎም ይዛረቡን ይሰብኩን ነይሮም።

ገሊኣቶምውን (ብፍላይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ) ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እናጠቐሱ፡ ካም ወዲ ኖህ ተረጊሙ ኢዩ። ስለዚ እቲ ጸሊም ዝሕብሩ ናይ ካም ዘርኢ ንጸዓዱ ከገልግል ኢዩ ተፈጢሩ እናበሉ ይሰብኩ ነይሮም።

ጀርመናውያንውን ንሕና ኢና ካብ ኩሉ ዓሌታት ጽሩያት፡ ንሕና ኢና ልዕሊ ሰብ፡ ንሕና ኢና ብሉጻት ዘርኢ፡  እናበሉ ንዓለም ሃዊኾምዋ።

ኣብ ኣመሪካ፡ ክሳዕ 1960 ጸለምቲ ኪመርጹ ኣይፍቀደሎምን ነይሩ። ምስ ጻዕዳ ምስ ዚዋሰቡ ድማ ከም ዓቢ ገበን ተቘጺሩ ይእሰሩ ነይሮም።

እዚ ኹሉ ግን ኣብ መወዳእታ ዋጋ ዘይብሉ ኾይኑ ተሪፉ። እንታይ ተረኺቡ? መጀመርታ ኣብ ሃገር ፈረንሳ ዝፈረዩ ብዙሓት ናይ ፕለቲካ ሊቃውንቲ ወድሰብ ኣብ ዘሎ ይሃሉ፡ ሕብሩ ባህሉን ብዘየገድስ ብመሰረቱ ሰብኣዊ ፍትሒ ከም ዚምልከቶ ከረድኡ ፈቲኖም። ቀጺሉ ድማ ናይ ስነፍጥረት ተመራመርቲ፡ ኣእምሮኦም ብምዝውታር፡ ሪሰርች ብምክያድ፡ ብምትንታን፡ ኣተሓሳስባኦም ካብቲ ጸቢብን ጥሩፋውን ኣመለኻኽታ ናጻ ብምውጻእ፡ ኣብ ፍጥረት ወድሰብ ዓሌት (race) ዚብሃል ፍልልይ ከም ዘየለ ኣፍሊጦም። ሕሩያት ህዝቢ ዚብሃሉ ከም ዘየለዉ ነጊሮም። ኩሉ ዓሌት ካብ ኣፍሪቃ ከም ዝነቐለ ገሊጾም። ሕጂ ድማ ሳላ DNA ንዓሌታውነት ዘፍርስ ኣማኢት መርትዖታት የቕርቡ ኣለዉ።

ገለ ሰባት ነዚ ሓድሽ ሳየንሳዊ ርኽበት ኣብ ሓድሓደ መንፈሳውያን ጽሑፋት ብምምርኳስ ካብ ጥንቲ ከም ዝነበረ ኣምሲሎም ኪገልጹ ይፍትኑ። ኩሉ ግዜ ሳየንስ ሓደ ነገር ኪረክብ ወይ ኪገልጽ ከሎ፡ እዚ ደኣ ኣብ መንፈሳዊ ጽሑፋትና ነይሩ እንዲዩ ንምባል ኣይድንጕዩን። እንታይ ኴካ ደኣ ዘየዘውተርካዮ ምስ እትብሎም ግን መልሲ የብሎምን። ካብ ደድሕሪ ሳየንስ ምጕያይ፡ ኣቐዲምካ ነቲ ጸገማት ክትኣልዮ ምፍታን ይበልጽ።

ብተወሳኺ፡ እዚ ርኽበትዚ ጥንታዊ እንተ ዚነብር፡ ስለምንታይ ደኣ ኣብተን ኣመንቲ ኢና ዚብላ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዘይተዘውተረ። ሓምሽተ ሚልዮን ጸለምቲ ካብ ኣፍሪቃ ከም ከብቲ ኣብ መራኽብ ጽዒኖም ዝሸጡ ዝነበሩ ኤውሮጳውያን፡ ኣብቲ ግዜቲ ቅዱስ መጻሕፍቲ ይጥቀሙ ከም ዝነበሩ ትፈልጡዶ? ኣብቲ መሸጣ ባረዩ ዘይተኻፈለት ኤውሮጳዊት ሃገር የላን። ወላ በዓል ሽወደን እውን ብተዘዋዋሪ መገዲ ተጠቒመን ኢየን። ሚስዮናታተን (ልኡኻት ወንጌላተን) ንኣፍሪቃ ምስዳድ ግን ኣየሕፈረንን። ጽሩይ ግብዝና!

ኣይፋልን፡ ሰብ ከም ሰብ ኪረአ ዝጀመረስ ፍልጠት ኣብ ኢድ ሳየንስ ኪኣቱ ምስ ጀመረ ኢዩ። ሳየንስ፡ ነቲ ዓሌት ዚብሃል ፍጹም የለን ዚብል ኣምር ዘምጸአ ብምርምር ደኣምበር ገለ ረብሓ ደልዩሉ ኣይኮነን። ኣፍካ መሊእካ ክትማጐተሉን ክትካትዓሉን እትኽእል ድማ ሳየንስ ደኣምበር ካልእ ሕልማውን ጥሩፋውን ኣረኣእያ ኣይኮነን። ሳላ ሳየንስን፡ ፖለቲካውያን ሊቃውንትን ዘፍረዩዎ ኣመለኻኽታ ድማ ሎሚ ዳርጋ ኩላ ስደተኛ ኣብ ዓዲ በዓል ቮልቴር፡ ሆብስ፡ ሞንተስክዩ፡ ሩሶ ወዘተ. (ንምስፋን መሰላት ወድሰብ ግሩም ኣበርክቶ ዝገበሩ ዓበይቲ ፖለቲካውያን ፈላስፋታትን ሊቃውንትን) ኮፍ ኢላ፡ ኣብ ዓዳ ዘይብላ ሰብኣዊ መሰላት እናተጠቕመት ንዲክታቶርያውያንን ጥሩፋውያንን ኣማልኽቲ ክትሰግድ ትረአ ኣላ።

ይቅጽል

VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0.0/5 (0 votes cast)
VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0 (from 0 votes)

What do you think?

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>