መገዲ መንእሰይ (ሓንቲ ዓለም) (ሓምሻይ ክፋል) ብ ኣማኑኤል ሳህለ

Amanuel Sahleንኣይ ካብ ኩሉ ነገራት ዝገርመኒ እንተሎ፡ ኣብተን መስረትቲ ደሞክራሲ ሃገራት ኵድም ኢልካ፡ መሰለይ ተገፊፈ እናበልካ ናብ ቤትፍርዲ እናኸሰስካ፡ ከምዚ ተበዲለ፡ ዝያዳ ኣኽፊልኩምኒ፡ ብዓሌታዊ መገዲ ስለ ዘዳለኹምኒ ከሓሱኒ፡ ኣደይ ኣምጽኡለይ፡ ሰበይተይ ጸውዑለይ: ደቀይ ኣክቡለይ፡ ወዘተ. ብምባል ነቲ መንግስቲ ላሕ እናበልካ፡


ተመሊስካ ነቲ ኣብ ሃገርካ ሰባት ዚገፍዕን ከምዚ ጌርኩም ዘይኮነስ ከምዚ ሓሲብኩም ኔርኩም እናበለ ኣብ ቤትማእሰርቲ ዚዳጕንን፡ ኣፉ መሊኡ ደሞክራሲ ኣየድልን ኢዩ ዚብልን ቅዋም ዚድርብን ዲክታተር፡ ብገንዘብን ብሞራልን ምድጋፍ፡ እዚ ኢዩ ዚገርመኒ። ካብ ናይ ስላሴ ዚብርትዕ ምስጢር!

ዝኾነ ኾይኑ እዚ ምስጢርዚ ናብ ሕፍረትን ውርደትን ዚልወጠሉ ግዜ ርሑቕ ኣይኪኸውንን ኢዩሞ፡ ናብ ካልእ ኣርእስትና ክንሓልፍ። ንሱ ኸኣ ንባህሊ ዚምልከት ኢዩ።

ባህሊ መለለዪ ሓደ ህዝቢ ኢዩ። ብባህሉ ዘይኮርዕ ህዝቢ ኩሉ ግዜ ተናዒቑ ኢዩ ዚነብር። ሓደ ካብቲ ንኤርትራ ንሓርነታ ክትቃለስ ዘለዓዓላ ምኽንያት ናይ ባህሊ ሕቶ ኢዩ። ጸላኢ ቋንቋኻ ደርብዩ፡ ሃይማኖትካ ኣስተናዒቑ፡ ክብርታትካ ጕሒፉ ብናቱ ክትክእ ምስ እትርኢ፡ ብኢዱ ደኣ ዘይቀተለካ ኾይኑ እምበር ገለኳ ኣይገደፈልካን። ህዝቢ ኤርትራ ግን ዝኽፈል ኩሉ ከፊሉ ኵርዓቱን ክብሩን መሊሱ፡ ወናኒ ባህሉ ኸኣ ኾይኑ።

ኣነ ኣብ 1950ታት ኣብ ገዛ ኸኒሻ ክቕመጥ ከለኹ፡ ኣብ መንጎ`ቶም ምእመናን ከኒሻ ሳዕሳዒትን ጓይላን ኣይፍቀድን ኢዩ ነይሩ። ሽወደናውያን ሚስዮናውያን ዘምጸኡዎ ዘገርም መንፈሳዊ ሕጊ ኢዩ። ነቲ ምእመናን ድማ ብብዙሕ መገዲ ካብቲ ህዝቢ ፈልዮምዎ። ደሓር ግን ኣብ መንጎ`ቶም ንጓይላ ከም ሓራም ዝወሰዱዎ መንእሰያት ከኒሻ፡ ቡጊን፡ ሳምባን፡ ቻቻን ሮክኤንሮልን እተባህለ ትልሂታት ከም ልቦም ኪሕምብጡሉ ርእየ! ናይ ሃይማኖት ግብዝና!

ምስ ተዋህዶ ኣመንቲ ኴንና ከይንጸውም ከኣ ኣይትጽሙ ተባሂልና። ግን ምጻም ኣብ ኩሉ ሃይማኖታት ዓለም ዚዝውተር መንፈሳዊ ሕጊ ኢዩ። ኩለን ሃይማኖታት`ውን ከም መደልደሊ መንፈስ ገይረን ኢየን ዚወስዳኦ። ንስጋኻ ወይ ነቲ ስጋዊ ድልየታትካ ብምድካም ንመንፈስካ ተሐየሎ ማለት ኢዩ። ዚጓዳእ ኣይኮነን። ህዝብና ኸኣ ኣስላማዩ ብጾም ሮመዳን፡ ክርስትያኑ ድማ ብጾም ኣርባዓ (ብፍላይ እቲ ካብ ብጊሓት ክሳዕ ሰዓት 3 ድቀ ዚጸንሕ ጾም) ኢዩ ናብ ኣምላኹ ዚቐርብን ዚንሳሕን ነይሩን ዘሎን። ስለዚ፡ ምጻምስ ጽቡቕ መንፈሳዊ ባህሊ ኢዩ። ዩኒቭርሳላዊ ኸኣ ኢዩ።

ኣብ ሃይማኖት ደኣ ጠሊቕካ ከይትብሉኒ እምበር፡ እቲ ኣብ ሃገርና ዚዝውተር ናብ ሚኪኤል ወይ ገብሪኤል ወይ ማርያም ከምኡ እውን ናብ ጋብር፡ ጊዮርጊስ ወዘተ. ዝዓለመ ዝኽርታት ከም መንፈሳዊ ባህሊ ኪጠፍእ ዘይብሉ ዓቢ ውርሻ ኢዩ በሃሊ እየ። ንስራሕ ክሳዕ ዘየተዓናቐፈ፡ ናብ ዕዳን ዕንዲዳን ክሳዕ ዘየምረሐ፡ ኪዕቀብ ዘለዎ ኣቦታትና ዘጽንሑልና ዘይጓዳእ፡ እኳ ደኣ ንብዙሓት ድኻታትን ኣብ ሽግር ዝተጸምዱ ሰባትን ምጽንናዕን ብርታዐን ዚህብ ባህሊ ኢዩ።

ሽወደናውያን ከኒሻ ክነሶም በዓለ-ሚኪኤል ከም ዘብዕሉ ትፈልጡዶ? ሕተቱ! እንግሊዛውያን ከኣ ነቲ በዓል ማይክልማስ ብምባል ከም ዘብዕሉዎ ንኽትፈልጡ ሕተቱ። ባህልና ነኽብር!

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሓንቲ ከተማ ኢትዮጵያ፡ ምስ ብጻየይ ኴንና ናብ ሓንቲ ካብተን ኣብ ቤተን ኮይነን ቡን ዝሸጣ ኣንስቲ ኣብ ሓንቲ ቤት ኣቶና። ቡን ኣዚዝና ምስ ተቐድሓልና፡ እቲ ብጻየይ፡ ኣንቲ እዚ ቡንኪ ኪጥዕም፡ ዕጣን ግዳ ዘይትድክርልና ይብላ። ሽዑ ንሳ፡ ዕጣን ናይ ኣረማውያን ወይ ናይቶም ናብ መናፍስቲ ዚኣምኑ ኢዩ ኢላትና። ካብቶም ንዘይፈልጦስ ሜስ የጥርጦ ተባሂሎም ኪስመዩ ዘለዎም ሓደስቲ ኣመንቲ ኢያ።

ዕጣን  ደኣ ምስኪናይ፡ ወዮ ጽቡቕ ኮይኑስ እቶም ሰለስተ ሰብ ጥበብ እውን ንየሱስ ምስ ተወልደ ምስ ከርበን ወርቅን ጌሮም ዘምጽኡሉ ዶይኮነን? ኣብ ኩሉ ኣብያተመቕደስን ድንኳናትን ኣይሁድከ ሽታ ዕጣን ኣቋሪጹ ይፈልጥ ዲዩ?

ንኣይ ግን ካብ ኩሉ ዘጕሃየኒ፡ ዕጣን መበቈሉ ኤርትራ ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ እየ። ናይ ግብጺ ፈርኦናት ነቲ ዋጋኡ ምስ ወርቂ ዚወዳደር ዝነበረ ብዘይ መጠን ዝሃርፉዎ ዝነበሩ ዕጣን ሃገርና፡ መራኽብ እናሰደዱ ኢዮም ዘምጽኡዎ ነይሮም። ከም ሓቂ ከኣ፡ ምስ ሰቲ ጌርካን ዕጣን ደኪርካን ቡንካ ምስታይ ክንኰርዓሉ ዘሎና ባህሊ ኢዩ። ጃፓናውያን እኳ ነታ ኣሰታትያ ሻሂኦም ኣብ ዓለም ከም እትፍለጥ ገይሮምዋ ከለውስ፡ ብሰንኪ ገለ የውሃት ባህልና ክንጕሕፍ ኣይግባእን!

ግንከ ባህሊ ኪብሃል ከሎ፡ ሽሕኳ መለለዪና እንተ ኾነ፡ ንድሕሪት ዚጐተና ምስ ዚኸውን ግን ግድን ከነወግዶ ይግባእ። ባህልና ኢዩሞ ንድሕሪት እናጐተተና ትም ኢልና ንርአ ምባል የዋህነት ኢዩ። ዘደንፈዓና ወይ ዘገስግሰና ምስ ዚኸውን ግን ከንዕቅቦ ግዴታና ኢዩ። ገሊኡ ኸኣ ኣሎ ኣይጠቅም ኣይጐድእ፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዕጣን ምስ ቡን፡ ነዚ እንተ ዓቀብናዮ ኣይጐድእን። ሕማቕ ስም ምሃቡ ግን ባህላዊ ገበን ኢዩ። አረ ክንሽቅጠሉ`ውን ንኽእል ኢና። ናይ ሓበሻ ባህላዊ ቤት ቡን ኢልካ ምስ ዕጣኑን ሰቱን ኣብ ዓለም ምዝርጋሕ ኣይከኣልንዶ?

ንድሕሪት ዚጐተና ወይ ዚጐድኣና ምስ ዚኸውን ግን፡ ሽሕ ግዜ ኣቦታትና የውርሱና ወይ ይዓቅቡልና፡ ክንድርብዮ ጥራይ ኢዩ ዘሎና። ንኣብነት ከም ናይ ደቀንስትዮ ምኽንሻብ፡ ንሰበይቲ ምንሻው፡ ንገለ ዓሌት ወይ ሃይማኖት ምንዓቕ፡ ምግርናብ፡ በዓላት ምብዛሕ፡ ናይ ክስታንዶ ናይ ኣስላምዶ ስጋ ኣይበልዕን ምባል፡ ዝተዓሸገ መግቢ ምሕራም፡ ኣብ ተዝካርን ንግደትን ብዙሕ ገንዘብ ምጥፋእ፡ ወዘተ.

ናብተን ዝሰልጠናን ከም መንግስተ ሰማያት ጌርና ብምቝጻር ዶባት ሰጊርና ክንውሕዘለን እንነብር ዘሎና ሃገራት ኣመሪካን ኤውሮጳን ምስ እንምልከት፡ ዚመልከን ባህሊ የብለንን። ኩሉ ዚገብራኦን ዘዘውትራኦን ነገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ሕግን፡ ስነመጎትን፡ ልቦናን ኣብ ጥቕምን መኻዕበቲ ገንዘብን ኣብ ናይ ስራሕ ምቅላልን እተመስረተ ኾይኑ፡ ንቕድሚት ከሰጕመን ወይ`ውን ሓሓሊፉ ከዘናግዐን ኣብ ዚኽእል መትከላት እተሰረተ ኢዩ።

ኣብ ከምዚአን ሃገራት እናተቐመጠ ንጓሉ ናብ ትውልዲ ሃገር ወሲዱ ዘኸንሸባ ሰብ ብወረ ሰሚዐስ ገሪሙኒ። ብልበይ ከኣ ንዲክታተር ከምልኽ ዚውዕል ኣእምሮ ግዳ፡ ከምዚ ንምግባር`ውን ኣይእግሞን ኢለ። ገሊኦም ከኣ መሰልና ተገፊፍና ብምባል ዕቝባ ከም ዘይተዋህቡ፡ ኣብተን ዕቝባ ዝሃበኦም ሃገራት ኮይኖም ንኣንስቶም እግሮም ኪሓጽብኦም ዚጽበዩ ከም ዘለዉ እፈልጥ። መሰሎም ምስ ተሓለወሎም፡ መሰል ናይ ካልእ ሰብ ምሕላው ዚጽግሞምስ እንታይ ዝበለ ኣእምሮ ስለ እተዓደሉ ኢዮም?!

ብኻልእ መዳይ፡ ባህሊ፡ እቲ ዘልምዕ ባህሊ ማለተይ እየ፡ ወትሩ ዚዓብን ዚግስግስን ወይ ዳይናሚክ ብምዃኑ ብጸቢብ ኣረኣእያ ክንሕዞ ኣይግባእን። ምስ ግዜን ምስ ማሕበራዊ-ቍጠባዊ ምዕባለ፡ ባህሊ`ውን ይልወጥን ይቕየርን ኢዩ። ከምኡ ኢሉ ኣይነብርን።

ኣቦታትና ብብዕራይ ምሕራስ ኢዮም ገዲፎምልና ሓሊፎም እሞ፡ ብብዕራይ እንተ ዘይኮይኑ ብማሺን ኣይንሓርስን ክንብል ኣይንኽእልን። ኣቦታትና ብዋንጫ ኢዮም ስዋ ዚሰትዩ ነይሮም እሞ፡ ዋንጫ እንተ ዘይኣምጻእኩምለይ ስዋኹም ይትረፈኒ ክንብል ኣይንኽእልን።

ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ብናይ ኤውሮጳ ቍሪ እናተገረፍካ፡ ግድን ክዳን ሓበሻ እየ ዝኽደን ምባል ኣይከኣልን። ሕማም እምበር ካልእ እተምጽኦ ነገር የብልካን። ሓሚምካ ድማ ካብ ስራሕ ትበኵር። ኣብ ኤውሮጳ ኸኣ ግዜ ወርቂ ኢዩ። ስራሕ ከኣ ባህሊ ኢዩ።

ሓደ ካብቲ ንኤውሮጳውያን ከሰልጥኖም ዝኸኣለ ምኽንያታት፡ ንስራሕ ከም ባህሊ ኪወስዱዎ ምስ ጀመሩ ኢዩ። ንስራሕ ከም ባህሊ ምውሳድ ድማ ነቲ ምስ ስራሕ ዚቃረን ባህልታት ከም እትድርብዮ ይገብረካ። ርግጽ`ዩ ሰብ ምሉእ ህይወቱ ኣብ ስራሕ ጥራይ ተጸሚዱ ኪነብር ኣይክእልን። ኪዘናጋዕ`ውን ይደሊ ኢዩ። ይኹንምበር፡ እቲ ንኺዘናጋዕ ኢሉ ዚዕቅቦ ባህሊ`ውን ንስራሕ ዘተዓናቕፍ ወይ ንስራሕ ዘቃልል ኪኸውን ኣይግባእን።

ኣብ ሃገርና፡ ስራሕ ክቡር ኢዩ። ግንከ ከም ምብዛሕ በዓላትን ንግደትን ተዝካርን፡ ስሚ ስራሕን ስሚ ምዕባለን ብምዃኑ ክንጥንቀቐሉ ይግባእ። ንግደት ከም መተኣኻኸብን ዝምድናን ሕውነትን መፍጠርን ዚነኣድ እኳ እንተ ኾነ፡ ኣብ ገንዘብ ምብኻን ግን ዓብዪ ተራ ኢዩ ዘለዎ። ተዝካር ድማ፡ እቲ መንፈሳዊ ገጽታኡ ተዓቂቡ፡ እቲ ፌስታዊ ወይ ድግሳዊ ገጽታኡ ግን እንተ ዚጐድል ምሓሸ። ክልቲኡ ብዓይኒ ቍጠባ እንተ ዚረአ ጽቡቕ ኢዩ። መንፈሳውን ማሕበራውን ፍጻመታት ድማ፡ ብብዝሒ ብልዕን መስተን ዘይኮነስ፡ ብንጽህና ልብን ብናይ ሓድሕድ ፍቕርን እንተ ተኻየደ ኢዩ ዚምረጽ።

 

ይቕጽል

VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 1.0/5 (1 vote cast)
VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0 (from 0 votes)
መገዲ መንእሰይ (ሓንቲ ዓለም) (ሓምሻይ ክፋል) ብ ኣማኑኤል ሳህለ , 1.0 out of 5 based on 1 rating

What do you think?

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>