ህጹጽ ዓለማዊ ጻውዒት ድሕነት መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ሱዳንን ሊብያን ግብጽን

genefa demoኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብኣንክሮ ክከታተሎ ከም ዝጸንሐ። ዝተፈላለየ መንስኤ ዘለዎ ፍልሰት ኤርትራውያን መንእሰያት። ኣብ ጉዕዞ ፍልሰት ስደቶም ክገጥሞም ዝጸንሔ ሽግር ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት።


ኩሉ ብዜጋታቱ ዝግደስ ሕልና ዘለዎ ደላይ ፍትሒ። ብውልቀ ይኹን ብጥርኑፍ። በብዓቕሙ ኣውያቱን ድምጹን ስምዕታኡን መረረኡን ንዓለም ከሰምዕ ብምጽንሑ ክምስገን ዝግብኦ ቅዱስ ተግባር ኢዩ፣

ስለ ዝኾነ ኣሰር ናይ’ዚ ቅዱስ ተግባር ንምኽታል። ንሕና ኣብ ስዊዘርላንድ ንርከብ መንእሰያት። ብዓቕምና ዜጋታትና ንምድሓን። ብቴለፎንን ኢመይልን እናተራኸብና። ምስ ዝተፈላለዩ ዓለማዊ ትካላት ቐይሕ መስቐልን። ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን። ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ጀነቭ ምስ ዝርከቡ ኤምባሲታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን። ዓባይ ብሪጣንያን (እንግሊዝ)ን። ቱርክን። ኦስትርያን ካልኦትን። ብኣካል ከይድና ጻዊዕትና ነቕርብ ኣለና፣ መንግስቲ ስዊዘርላንድ። ነዚ ቕዱስ ተግባር ብሰብኣውነት ጠሚቱ ንዝገብረልና ዘሎ ሞራላዊ ሓገዝን። ብኹለን ዝምልከተን ኤምባሲታት ንዝግበረልና ዘሎ ምትብባዕን ምርኩስ ብምግባር። በዚ ኣጋጣሚ ብስም ናይ’ቶም ኣብ ጸልማት ኩነታት ዘለዉ ዜጋታትና ምስጋናና እናኣቐደምና። ነቲ ሒዝናዮ ዘለና ጻዕሪ ድሕነት ዜጋታትና ንምሕያል። ሕጂ`ውን ንቕጽሎ ኣለና፣

ነቲ ኣብ ሃገራት ከባቢና ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ማዕበል። ቱንዝያን ግብጽን የመንን ሱዳንን ብኣንክሮ ብምስትብሃልን። ንዘጋጥም ዘሎ ህልዊ ኩነታት ብምምዛን። ዜጋታትና ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ። ኣብ ህወቶም ከቢድ ሓደጋ የጋጥሞም ከም ዘሎ ብምዝካርን። ዛጊት ካብ’ቶም ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ግብጺ። ከም ጆሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ ዜጋታትና። ድሮ ነቲ ናይ ርድኡና ኣውያቶም ምላሽ ከይሃብና እንከለና። 3 /ሰለስተ/ ካብ’ዞም ዜጋታትና ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ተቐቲሎም ከምዘለዉ። ብዝበጽሓና ናይ መርድእ ዋይታ ከነረጋግጽ ኪኢልና ኣለና፣

ኣብ’ዚ ዘስካሕክሕ ሕማቕ ወቕቲ’ዚ። እቶም ዝተረፉ 27 (ዕስራን ሸውዓተን) ዜጋታትና ድማ። ብዝኸፍአ መልክዑ ኣብ ሲኦል ቦታ ተታሒዞምሉ ዘለዉ ህሞት። ዕድሎም ተሃዋሲ ዝኾነ ክፋል ኣካላቶም /Organs/ ንምውሳድ። ሓደ ብመደብ ዝተወደበ ጉጅለ። ኢሰብኣውን ዘይሕጋውን ዘይሓላፍነታውን ንግዲ ኣካላት ሰብነት የካይድ ምህላዉ። ብተደጋጋሚ ካብ ዝተገልጸ ሓበሬታታት። ንሓቅነቱ ጭብጢ ዘለዎ መረዳእታት ካብ ግዳያት ዝኾኑ መንእሰያት ብዝዞርቕ ዘሎ ዋሕዚ ሓበሬታ ንምርግጋጽ ተኻኢሉ ኣሎ፣

ብዘይካ’ዚ ዝርገሐ ዜጋታትና ኣብዘን ዝስዕባ ሃገራት ኣስታት 300 ኣብ ግብጺ። ኣስታት 2750 ኣብ ሊብያ ከም ዘለዉ ሓርፋፍ ጸብጻብ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ይኹን። ዝተፈላለየ ኣህጉራዊ ትካላት ዓለም ክቓልሕ ጸኒሑ`ዩ ጥራይ ዘይኮነ። ንምፍትሖም ኣመልኪቱ ‘ውን ብዝተፈላለዩ ኣካላት ጸቕጢ ክገብሩ ከምዝጸንሑ ዝፍለጥ’ኳ እንተኾነ። ምናልባት ብስም ኤርትራውያን ገለ ናይ ካልኦት ሃገራት ዜጋታት ዝተመዝገቡ ኣለዉ ንዝብል ሓበሬታ። ነቲ ጉዳይ ኤርትራውያን ናይ ህይወት ሓደጋ ዝቕይር ኣይኮነን፣

ኣብ ሊብያ ዘለዉ ዜጋታትና ጌና ሃለዋቶም ዘይተፈልጡን። ኣብ ገዛውቲ ተዓጽዮም ብናይ መግቢ ሕጽረትን ስነ-እምሮኣዊ ስቕያት ተጨኒቖም ኣብ ዝሳቐዩሉ ዘለዉ እዋን። እቶም ዘይሕጋውያን ምስግጋር ሰብ ነጋዶ፣ ድሮ ካብ ሱዳን። ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሊብያ። ቐዳምነት ተዋሂብዎም ብተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ናብ ሳልሳይ ሃገር ይሰጋገሩ ስለ ዘለዉ። እዚ ናይ ኣጋጣሚ ዕድል ከየምልጠኩም። ንሊብያ ከነስግረኩም ዝብሉ ሓላፍነት ዘይስምዖም በደዊን። ዛጊት ኣብ ሱዳን ኤርትራውያን ክምዝግቡ ጀሚሮም ከም ዘለዉ። ዝተጨበጠ ሓበሬታ ዜጋታትና ካብ ሱዳን ዝውሕዘሉ ዘሎ ወቕቲ። እዚ ዘይተደላዩ ፍጻሜ። ነቲ ሓደጋ ከጋድዶ ኢዩ ዝብል ክስተት ኣሎ፣

ስለ’ዚ ካብ ኩሉ ግዜ ንላዕሊ። ኤርትራውያን ዜጋታትና ህጽጽ ደገፍ ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ የድልዮም ስለ ዘሎ። ኩላትና ኤርትራውያን ነዚ ህጽጽ ናይ ህይወት ኣድሕን ጻዊዒት። ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝሰራሕናዮ ንላዕሊ ዝያዳ ንኽነስርሕን ከተግብርን። መድረኽን ታሪኽን ዝጠልቦ ህጽጽ ግዴታን ሓላፍነትን ኣለና’ሞ ብሓባር ሰሚርና ኣውያትና ነቃልሕ!!!

ነዚ ህልዊ ኩነታት ዜጋታትና ኣብ ግምት ብምእታው። ንሕና ኣብ ስዊዘርላንድ እንርከብ ዘለና። ብድሕነት ዜጋታትና እንግደስ መንእሰያት ኤርትራውያን ብዝተወደበ መልክዕ። ንዕለት 11-03-2011። ኣብ ቅድሚ ቀጽሪ ቅርዓት ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት። ነቲ ዓለማዊ መዓልቲ Human Trafficker day ኣብ ግምት ብምእታው። ሰላማዊ ሰልፊ ወዲብና ኣብ ንጽዋዓሉ ዘለና ወቕቲ። ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋን። ንፍትሕን ሰላምን ዝግደስ ጻዊዒትና ኣኽቢሩ ክጽምበረና ብትሕትና ንጽውዕ!!!

ኣብ’ዚ መስርሕ ድምጽና ነቃላሓሉ ወቕቲ።-

  1. ናይ ኤርትራውያን ዜጋታትና ህይወት ንምድሓን እንገብሮ ሰላማዊ ሰልፊ። ፐትሽን (ክታም) ምክያድ። ሕቶ ምድሓን ህይወት ዜጋታትና ስለ ዝኾነ። ሕቶ ሰብኣዊ መሰል ምዃኑ ብምእማን። ምስ ዝኾነ ፖለቲካዊ ጉዳይ ምትእስሳር ንስለዘይብሉ። ኣበየ ኹርንዑ እንርከብ ኤርትራውያን ዜጋታት። ማሕበራት ሰብኣዊ መሰላት። ሲቪክ ማሕበራት። ፖለቲካዊ ውድባት እናበልና ንፍልልይ እንዕድመሉ ኣርእርስቲ ስለዘይኮነ። ንድሕነት ዜጋታትና ድምጽና ንምስማዕ። ሃገራውን ታሪኻውን ሓልፍነት ኩሉ ዜጋ ምኻኑ ክንገልጽ ንፈቱ።
  2. ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ዘዘለዎ ሃገር ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ብህጹጽ ንኽገብር ደጊምና ንጽውዕ፣

 

ዓለማዊ ጻዊዒት መንእሰያትና ነቃልሕ!!!

ሃገራዉን ታሪኻውን ሓላፍነትና ነልዕል!!!

ካብ ግዱሳት ኤርትራውያን መንእሰያት ስዊዘርላንድ

eritreanshelpnet@gmail.com

eritreanshelpnet@hotmail.ch

Telephone:- 0041+765382235

11 መጋቢት 2011

 


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>