መገዲ መንእሰይ (ሓንቲ ዓለም) ብ ኣማኑኤል ሳህለ (ታሽዓይ ክፋልን መወዳእታን)

Amanuel Sahleሓድሓደ ግዜ ካብ ሳልሳይ ዓለም ናብተን ዝሰልጠና ምዕራባውያን ሃገራት ክትስደድ ከሎኻ፡ ከምዚ ካብ ዓለም ናብ ማርስ ወይ ጁፒተር እትገይሽ ዘሎኻ ኮይኑ ኢዩ ዚስመዓካ፡ ከመይሲ እቲ ኣብተን ምዕራባውያን ሃገራት ማዕቢሉ ዘሎ ንመሰላት ወድሰብ ዚምልከት ኣምራት ወይ መትከላት፡ ኣዚዩ ዘገርምን ዘደንጹን ብምዃኑ።


ነዚ ከይንርኢ ግን፡ መብዛሕትና ኣዒንትና ዝዓወረ ይመስል። ንጥምት ግን ኣይንርእይን፡ ጽን ንብል ግን ኣይንሰምዕን፡ ብኣእምሮና ንቕበሎ ኣብ ልብና ግን ኣይንሰቝሮን። በዝን ክንድዝን ድማ ነቲ ኣብ ኣእዳውና ዘሎ ጽቡቕ እናተጠቐምና፡ ነቶም ከምዚ ናትና ዘይረኸቡ ግን ኣጆኹም ጽቡቕ ኣሎኹም እናበልና ከነታልሎም ንውዕል ኣሎና። በሉ ናብኣ ተመለሱ ንዚብለና ሰብ ግን ከም ሰይጣን ኢና እንቘጽሮ።

ዝኾነኾይኑ፡ ኣብ መደምደምታ ጽሑፋተይ ስለ ዝበጻሕኩ፡ ብዛዕባዛ ዓለም’ዚኣን ብዛዕባ እቲ ኣብኣ ዚነብር ሰብን ቍሩብ ክዛረብ ፍቐዱለይ።

እዛ ዓለም ከም እንርእያ፡ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናነኣሰት ኢያ እትኸይድ ዘላ። ደጊም በዲሉ ዘምልጥ: ኣታሊሉ ዚሃድም ሰብን ሃገርን ኣይርከብን። ኩሉ ቃልዕ ኮይኑ ኢዩ። ኩሉ ጋህ ኢሉ ተኸፊቱ ኢዩ። ብስም መንግስትን ሃገርን ብስም ሰላምን ምዕባለን ምልጋጽን ምሽክዕላልን እዋኑ ኣኺሉ ኢዩ።

ነዛ እናነኣሰት እትኸይድ ዘላ ዓለምና ንምልዋጥ መንእሰያት ዓቢ ሓላፍነት ኣለዎም። ነዚ ንምግባር ግን ኣእምሮኦም ከስፍሑዎ እምበር ከጽብቡዎ ኣይግባእን። ዓለም በቶም ጸበብቲ ኣእምሮኦም ክትሳቐ ኸላ፡ በቶም ክፉትን ሰፊሕን ኣእምሮ ዘለዎም ከኣ ማዕቢላን በልጺጋን ብተክኖሎጂ ድማ ተወንጪፋ ኢያ።

ኣእምሮኻ ምጽባብ እንታይ ፋይዳ ኣለዎ? ብዘይካ ባእስን ቅርሕንትን ጥርጠራን ሻርነትን ሕንፍሽፍሽን ካልእ ዘፍርዮ ነገር የልቦን። ኣእምሮኻ ብምኽፋትን ብምስፋሕን ግን ንኹሉ ነገራትን ኩነታትን ብፍትሓዊ መገዲ ትምርምሮ፡ ትመምዮ፡ ትትንትኖ። ብድሩትን ቅዩድን መትከላት ኣይትግዛእን። ጸገማት ንምፍታሕ ዓቕሚ ይህልወካ። ንነገራት ድማ ብኹሉ መዳዩን ገጻቱን ኵርንዓቱን  ክትርእዮ ትበቕዕ።

ኣእምሮኻ ምኽፋትን ምምርማርን ካብ መንፈሳዊ መገዲ ኣየርሕቐካን፡ እኳ ደኣ ኣብቲ እምነትካ የደልድለካን የብስለካን። ነቲ እምነትካ ‘ውን ካብ ጥሩፍነት የውጽኦ። ኣብ ግብሪ እምበር ኣብ ዘረባ ከም ዘይትቕየድ ድማ ይገብረካ። መንፈሳውነት ብሰናይ ተግባርን ሓልዮት ሓድሕድን ኢዩ ዚግለጽ ። ወድሰብ ብኣፉ እንታይ ዘይተዛረበን ዘይሰበኸን፡ ኣብ ግብሪ ግን ኣይግድን።

ኣብዛ ከም ካንሸሎ ተለዊጣ ዘላ ዓለምና፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋትን ኣሓትን ምርድዳእን ምጽውዋርን ከድልየና ኢዩ። ጥሩፍነት ኣብ ፖለቲካ ይኹን ኣብ ሃይማኖት ኪጠፍእ ኣለዎ። ናተይ ጥራይ ኢዩ ቅኑዕ ምባል ሰላም ኪፈጥር ኣይክእልን። ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ከም ዝገለጽኩዎ ድማ፡ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ጥሩፍነት ናይ ኣህዛብ ህልቂት ኣስዒቡ ኢዩ። ብቐደሙስ ኣነ እየ ቅኑዕ፡ ንኣይ ጥራይ ስምዑ እንዲዩ ዘባእሰና ዘሎ። ኣብ ሳየንስ፡ ኣነ እየ ቅኑዕ ንኣይ ጥራይ ስምዑኒ ዚበሃል ነገር የልቦን። ኩሉ ብጭብጥን መርትዖን ስለ ዝኸይድ፡ ብስነ-ስርዓት ኢዩ ዚጐዓዝ። ኣብ ፖለቲካን ሃይማኖትን ግን ከምዚ ዝበለ ክፉትን ስነመጎታውን ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ኣይሰርሕን።

ብሳየንሳዊ መገዲ ምሕሳብ፡ ካብ ብዙሕ ጸገማት የድሕነካ ኢዩ። ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ብስነመጎታዊ መገዲ ምሕሳብን ምትንታንን፡ ነቲ ጉዳይ ከዝሕሎን ናብ ንቡር ኪመልሶም ይኽእል። ብጥሩፋዊ መገዲ ምስ እትሓስብ ግን፡ ነቲ ጉዳይ ከም ዚገድድን ከም ዚብእስን ጥራይ ኢኻ እትገብሮ።

ጽሑፈይ ንምድምዳም፡ ካብታ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኣስመራ ከለኹ ኣብ ሓንቲ ዓለም ዝጸሓፉኩዋ ተመራማራን ተባዕን ኣእምሮ እትብል ዓንቀጽ ከፊለ ከቕርብ እየ።

ኣብዚ ዓለምና ስልጣነ ንኺመጽእ: ቅድም ቀዳድም ማሪትን ሕልማዊ እምነትን ኪጠፍእ ነይሩዎ። ሳላ ግሪኻውያን እዩ እቲ ኣንጻር ዝንቡዕ ኣተሓሳባ ዝመከተ ኲናት ኪጅመር ዝኸኣለ። ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ድማ፡ ሳየንስን ስነመጎትን ኣብ ልዕሊ ዝንቡዕ ኣተሓሳስባን ማሪትን ሕልማዊ እምነትን ተዓዊቱ። ነዚ እንርእዮን እንምከሮን ዘለና ማሕበራውን ተክኖሎጅያውን ስልጣነ ከምጸኣልና ከኣ ኽኢሉ።

ዓለም ወይ ዩኒቨርስ ትም ኢሉ እተሰርሐ ኣካል ኣይኮነን። ማለት እቲ ንኣኡ ዝሰርሐ ፈጣሪ መወዳእታ ዘይብሉን ክንበጽሖ ዘይንኽእልን ፍጹምን ብስነመጎት እተደኰኑ ኣእምሮን ምስትውዓልን ሒዙ እዩ ሰሪሑዎ። እቲ ንዓለም ኪልውጣን ነዚ ኹሉ ሕጂ እንጥቀመሉ ዘሎና መሳለጥያታትን ኣብ ሕማምና ዚሕግዘና ዘሎ ኣፋውስን ብልሃትን ካልእ ኩሉ ንህይወትና ምሾት ዚህብን ዘሎ ምህዞታትን፡ በቲ ካብ ማሪት ኣግሊሱ ብስነመጎታውን ሳየንሳውን መገዲ ኪሓስብ ዝጀመረ ኣእምሮ ወድሰብ እዩ መጺኡ። እዚ ስነመጎታውን ሳየንሳውን ኣተሓሳስባና ናይቲ ዝፈጠረና ኣተሓሳስባ ነጸብራቕ እንተ ደኣ ዘይኮይኑ ካበይ ደኣ ኣምጺእናዮ ክንብል ኢና?

ፈጣሪ ንሰብ ካብቲ ምስትውዓል’ቲ ዓዲሉዎ፡ ካብቲ ናቱ ናይ ስነመጎት መንፈስን ሓይልን ድማ ኣካፊሉዎ፡ ስለዚ፡ ወድሰብ፡ ንፍጥረት ኪብድሃን ኪመልካን ኪገዝኣን እንተ ደኣ ኾይኑ፡ ንኣእምሮኡ ብሳየንሳዊ መገድን ብስሩዕ ኣገባብን ኪመርሖ ግድን እዩ።

ቀደም ዘመን፡ ወድሰብ ካብ ኣብ ስነመጎት (ከምኡውን ተዓዚብካን ተመራሚርካን ዚካየድ ናይ ፍልጠት ጕዕዞ) ዝያዳ ኣብ ከንቱ እምነትን ማሪትን ተመርኲሱ ህይወቱ ኪመርሕ ከሎ፡ ተፈጥሮ ትገዝኦን ተሰምብዶን ተርዕዶን፡ ቃሕ ከም ዝበላ ድማ ተሽኰንድረሉን ከም ዝነበረት ይዝከር።

ምስ ዚሓምም፡ መናፍስቲ እዮም ሒዞምኒ ይብል። ማሕበራዊ ወይ ፊናንሳዊ ጸገም ምስ ዚጓነፎ፡ ከዋኽብቲ እዮም ተጻቢኦምኒ ይብል። ምስ ዚደኪ ወይ ኣብ ዕዳ ምስ ዚኣቱ፡ ኣማልኽቲ እዮም ቀኒኦምለይ ይብል። ግራቱ ምስ ዚሓርር ወይ ብዝናም ምስ  ዚባላሾ፡ ንሞሎኽ (ስም ህቡብ ጥንታዊ ጣኦት) ጸሊም ብዕራይ ዘይሓርደሉ ነበርኩ ብምባል የስተማስል። በዓልቲቤቱ ምውላድ ምስ እትኣቢ ድማ፡ ቈጽለ መጽሊ ኣራርዩን ኣብሊዑን ኣብ ዘይሕማማ የብጽሓ ነበረ።

ኣብቲ እዋን‰ቲ፡ ንምንታይ? ብኸመይ? እናበልካ ምጥርጣርን ምምርማርን ምዕዛብን፡ ህየሳዊ ኣመለኻኽታ ምኽታልን፡ ንኣማልኽቲ ከም ምድፋር ይውሰድ ነበረ።

እቲ ማሪታዊ ከምዚ እናበለ ኪጐዓዝ ከሎ፡ እቶም ናይቲ ግዜ’ቲ ምሁራን-ኢና-በሃልቲ ድማ፡ ዓለም ጸፋሕ ከም ሰተታ፡ ጸሓይ ንመሬት ከም እትዞራ፡ ከዋኽብቲ ካብ መሬት ከም ዚንእሱ፡ ሰብ ብልቡ ከም ዚሓስብ (ሓንጎሉ ግን መጻረይ ደም ከም ዝኾነ)፡ ቍንጭን ቁማልን ካብ ባዶ ከም ዚፍጠሩ፡ ሓዊ ነብሱ ዝኸኣለ ባእታ ምዃኑ፡ ሕማም ድማ ብምብዛሕን ምጕዳልን ናይቲ ኣብ ኣካላትና ዚርከብ ሓሞት ወይ ደም ወይ ድማ ማይ ከም ዝኾነ ገይሮም ይሓስቡን ይፈላሰፉን ንሰብ የጋግዩን ነበሩ።

ካብዚ ኣተሓሳስባ ወጺኡ ኪገልጽ ወይ ኪምድር እተረኽበ፡ ከም መታለልን መናፍቕን ተቘጺሩ ይስጐጕን ይእሰርን ነበረ።

እንታይ እዩ ግን ንወድሰብ ብስነመጎታዊ ወይ ሳየንሳዊ መገዲ ከይሓስብ ወይ ከይመራመር ዘፍርሆ ዝነበረ? ነዚ ንምምላሽ፡ ናብቲ ጥንታዊ እምነት ተመሊስና ምርኣይ ከድልየና እዩ።

ብጥንቲ ወድሰብ ንኹሉ ኣብ ዓለምን ኣብ ነብሱን ዚኽሰት ፍጻመታት ወይ ኩነታት በቶም ብፍርሂ ዘምልኾም ዝነበረ መናፍስቲ ይምደብን ይፍጸምን ከም ዝነበረን፡ ንኣታቶም ብምጥባርን ብምምላድን ድማ ካብቲ ኣሉታዊ ጽልዋታት ናይቲ ፍጻመታት ኪድሕን ወይ ኪርሕቕ ከም ዚኽእልን ይኣምን ነበረ። ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ፡ ንወድሰብ ብናይ ገዛእ ርእሱ ሓሳባትን ትንተናን ከይከይድ ዓገቶ።

ቀደም ይዝከረኒ፡ ንኣቦና ወይ ንኣደና፡ ኪምልሹዎ ዘይክእሉ ኣብ ፍልስፍና እተመርኰሰ ሕቶ ነቕርበሎም እሞ፡ “ኣታ ቘልዓ መዓት ከይተምጽኣልና፡ እንታይ ዓይነት ሕቶ’ዩ ‘ዚ፡ ኣምላኽ ኣይትፈርህን ዲኻ! ዚብል ነቲ ኪመራመር ዚደሊ ሓንጎል ዘደንዝዝን ዘፍዝዝን መልሲ ይህቡና ነበሩ።

ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ጋሊለዮ እተባህለ ኢጣልያዊ ሳየንሰኛ። ዓለም ንጸሓይ ከም እትዞራ ምስ መሃረ። እቲ ቤተክህነት ነቲ ናይ ጋሊለዮ ሓሳባት ንፈጣሪ ከየሰምብዶ’ሞ መዓት ከይወርዶ ብማለት፡ ንጋሊለዮ ነቲ ዝበሎ ኩሉ ኪኽሕዶ ብማለት ኣፈራሪሁዎ። ድሕሪ 500 ዓመት ግን፡ እቲ ቤትክህነት ከም እተጋገየ ተገንዚቡስ ይቕረታ ሓቲቱ ይብሃል፣

ወድሰብ ከምቲ ብነኣሽቱና ኸሎና፡ ከምዚ ኣይትሕተት ከምዚ ኣይትዛረብ ኪብሃል ከሎ እሺ እናበለ ትም ኢሉ ህይወቱ ኣሕሊፉዎ ነይሩ እንተ ዚኸውን፡ በዓል ሶክራተስ፡ ፕላቶ፡ ኣሪስቶትል፡ ጋሊለዮ፡ ኮፐርኒካስ፡ ኣይዛክ ኒውተን፡ ኣይንሽታይን እተባህሉ ንዓለምና ብሳየንሳዊ መገዲ ዝለወጡ ዓበይቲ መምህራን፡ ገሊኦም ነጋዶ፡ ገሊኦም ጸረብቲ፡ ገሊኦም ሓጓዶ፡ ገሊኦም ሓረጥቲ፡ ገሊኦም ጐሓሉ ኮይኖም ካብዛ ዓለም ምሓለፉ ነይሮም። ንሕና ድማ ምስ መናፍስትን ጠንቈልትን ከንቱ እምነትን ምስ ጥሜትን ሕማምን ውግእን ወረ ውግእን እናተዛነና ህይወትና መሕለፍናዮ ኔርና።

ኣብዚ ዓለምና ሳየንሰኛታት ንኺገሃዱ ክንደይ ጸገም እዩ ተረኺቡ መስለኩም። ዘይሳየንሳውያን ነዛ ዓለም ብምቍጽጻርን በቲ መገዶም ክትከይድ ብምድላይን፡ ነቲ ጸልማት ዘመን ተባሂሉ ዚፍለጥ መዋእል ኪፈጥሩ ከም ዝኸኣሉ ኩሉ ሰብ ታሪኽ ይፈልጦ እዩ። ኣብኡ ኾይኖም ድማ ከም ድላዮም ሓምቢጦም። ንዓለም ድማ ንቕድሚት ከይትግስግስ ዓጊቶምዋ።

እቲ ብበዓል ሶክራተስን ካልኦት ግሪኻውያን ተመራመርቲ ተዋሂቡ ዝነበረ ትምህርቲ ግን ግዜኡ ምስ ኣኸለ፡ ነቲ ጸልማት መዋእል ብምቕንጣጥ፡ ብፍላይ ኣብ ኤውሮጳ፡ ነቲ ረኔሳንስ ወይ ድማ ዳግማይ-ትንሳኤ ተባሂሉ ዚፍለጥ ናይ ብርሃን መዋእል ከም ዚኽሰት ገይሩ። ማሪታውያንን ኣጉል ኣመንትን ድማ ከምተን ጸሓይ ምስ በረቐ ህልም ዚብላ ኣዕዋፍ-ለይቲ ህልም ኢሎም። ይኹንምበር፡ ክዳን ረጋቢትን ክዳን ንስርን ኣሞራን ክዳን ባሬቶን ተኸዲኖም ጸጸኒሖም ቅልቅል ቅልቅል ካብ ምባል ኣየቋረጹን።

ንኣብነት፡ ኣብ 19 ክፍለ-ዘመን ገለ ኤውሮጳውያን ሊቃውንቲ፡ ሕማም ብጀርምስ እዩ ዚለዓል ኢሎም ምስ መሃሩ፡ ገለ ኣብ መናፍስቲ ተመርኲሶም ናይ ድራር ዕለቶም ዚምእርሩ ዝነበሩ ሓኻይም ደስ ኣይበሎምን። ግንከ፡ እቲ ግዜ’ቲ ነተን ናይ ለይቲ ኣዕዋፍ ዘይምችእ ዘመን ብምንባሩ፡ እቶም ቀጠፍቲ ሓኻይም ‘ውን ነዚ ነገርዚ ግርም ገይሮም ተገንዚቦምዎ ስለ ዝነበሩ፡ ነገር ከየምጽኡ ኸለዉ፡ ትም ምባል መሪጾም። ሳየንስን ስነ-መጎታዊ ኣተሓሳስባን ህየሳዊ ትዕዝብትን ተሪር ኣተናትናን ድማ ግስጋሰኡ ቀጺሉ።

ካብ ኩሉ ዘገርም ግን፡ እቶም ንማሪትን ከንቱ እምነትን ከም እንኮ መገዲ ገይሮም ዚወስዱዎ ሰባት፡ ነቲ ሳየንስ ዘፍረየሎም እተፈላለየ ምህዞታት ዘዘሊሎም ኪጥቀሙሉ ኸለዉ ምርኣይ እዩ። ፈራህን ማሪታውን ኣእምሮኦም ዘየፍረዮ ምህዞታት ይጥቀሙ’ሞ ንሳየንስ ድማ ተሓቢኦም ይሓምዩዎ። ዝኾነኾይኑ፡ ዘይተርፈካ ጋሻስ ኣጥቢቕካ ሰዓሞ እዩ’ሞ፡ እንታይ ዘይገበሩ።

ኣብ ሓኪም ኪኸይድ ንዚግባኦ ሰብ ናብ ሓኪም ምልኣኽ እንታይ ነውሪ ኣለዎ? ዓሰርተታት ሚልዮናት ህዝቢ ዓለም ብፖሊዮ ኪለምሱን ብጋንግሪን መሓውሮም ኪቝረጹን ተፈሪዱሎም ከለዉ ሳላ ክታበት ጸረ-ፖሊዮን ብሳላ በኒሸሊና ኪጐዩን ኪሰራሰሩን ክኢሎም። ብተሽከርካሪ መንበር (ዊል ቸይር) ዚጐዓዙ መጻጕኣት ብኣእጋሮም መታን ኪኸዱ ናይ ስተም ሰል ምርምር ይካየደሎም ኣሎ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኪሳኻዕ ድማ ተስፋ ኣሎ። ቀደም ሰይጣን ኣትዩኩም ተባሂሎም ኣብ ጋቢያ ተኣሲሮም ኪሳቐዩን ኪግዕሩን ዚውዕሉ ዝነበሩ ምግዱራት፡ ብሳላ ምዕቡል ናይ ኣእምሮ መድሃኒታት፡ ኣብ ሆስፒታል እናተመላለሱ ዕለታዊ ዋኒኖም ብሰላም የካይዱ ኣለዉ።

ሳየንስ ከምዚ ዝበለ ተኣምራታት እናገበረ ክነሱ፡ ግደፎ ኣነ ባዕለይ ከድሕነካ እየ፡ ናብዚ ጥራይ እመን ዚብል ኣተሓሳስባ፡ ዝንቡዕ ጥራይ ዘይኮነ ከሓዲ እውን ኢዩ። ነቲ ንሚልዮናት ሰባት ካብ ሞት ዘድሕን ዘሎ ዘመናዊ መድሃኒታት ከም ዘይረብሕ ጌርካ ምውሳድ፡ ተጠዊኻ ድማ ወለድኻን ደቅኻን ኪሓሙ ከለዉ ናብኡ ምጕያይን ሸበድበድ ምባልን፡ ክሕደትን ዘይቅንዕናን ኢዩ ዘመልክት። ኪውዕየካ ብማንካ፡ ክዝሕለካ ብኢድካ ዚብሉኹም ከምዚ ኢዩ።

ስለዚ፡ እቲ መንእሰይ ኣብ ኩሉ ኣተሓሳስባኡ ተባዕን ወናኒ ነብሱን ሰፊሕ ኣምእሮን ዘለዎ ኾይኑ፡ ስነመጎታውን ክፉትን ኣረኣእያ ከማዕብል፡ ካብ ኩሉ ሕልማዊ ፖለቲካውን መንፈሳውን እምነታት ርሒቑ ነቲ እኣምነሉ እየ ዚብሎ መንፈሳውነት ብጽቡቕን ብሰናይን ግብሪ ከሰንዮ፡ ንሓድነትን ሰላምን ህዝቢ ዓለም ኪጣበቕ፡ ካብ ቀቢላነትን ኣውራጃውነትን ኪናገፍ፡ ንፍትሒ ከናድያን ኪዕቅባን ኪጣበቐላን፡ ንሃገሩን ንህዝቡን ብልቡን ብኣእምሮኡን ብግብሩን ኪሓልን ከገልግልን፡ ምስ ኩሉ ህዝቢ ዓለም ብስኒትን ስላምን ብምርድዳእን ኪነብር፡ ምኽረይን ትምኒተይን ኢዩ።

 

VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0.0/5 (0 votes cast)
VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0 (from 0 votes)

What do you think?

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>