ድራማ

ክዋዘ፡  ሚሂዝዎ ወድ ሰብ፡
የግዳ ድሕሪ ግዜ ድራማ መሪርዎ፡
ከሳብ መዓስ ጭኮና፡
ክሳብ መዓስ መሲልካ ምሕዳር፡
ክሳብ መዓስ እናነባዕካ ምስሓቕ፡
ይአክል ክብል!

ድራማ

ክዋዘ፡  ሚሂዝዎ ወድ ሰብ፡
የግዳ ድሕሪ ግዜ ድራማ መሪርዎ፡
ከሳብ መዓስ ጭኮና፡
ክሳብ መዓስ መሲልካ ምሕዳር፡
ክሳብ መዓስ እናነባዕካ ምስሓቕ፡
ይአክል ክብል!
ኣንጻር ሂወት መኸተ ጀሚሩ።
ሂወት ምስ ናብራ ተመሻጢሩ ኩሉ ፈቲኑ፡
መስኪን ድራማ፡
ተጸሪፉ ተጸይኑ ተገፊዑ፡
ኣምሰሉ ተባሂሉ፡
ግና ተጸሚሙ ቃልሱ ቀጺሉ፡
ዝተጋደለ ይዕወት ሎሚ ተዓዊቱ፡ 
እቲ ሂወት ድራማ: እቲ ድራማ ድማ ሂወት ኮይኑ።
ድራማ ንናብራ ወሪሩ፡
ንሂወት ባ’ርይኡ ገይርዎ፡
እነሆ ሎሚ!
ልቢ እናደመየ ስኒ ይስሕቕ፡
ልቢ እናተፈስሀ ዓይኒ ይነብዕ፡
ልቢ ክዓብር ዓይኒ ይሃጥር፡
ከብዲ ብጥልቅዑ ዝባን የጋይጽ፡
ዘመን ይመልሰሉ መስኪን ሂወት፡
መፈስሂ  ክኾኖ ዝመሃዞ ብልሓት፡
ኣይምዉት ኣይስሩር
  ከንቱ ኣትሪፍዎ፡
ንኹሉ ገቢቱ እንኮ ከሊእዎ።

ዘገርግሽ
07ሓምለ 2007
zegergish@yahoo.com


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>