ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ባይቶ ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ናይ ዕደና እገዳ ክእውጁ ይጽውዓ።

Igadኢጋድ ብዝብል ስም ዝፍለጥ ማሕዝነት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ንጽላት ዕደና ናይታ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ክዓልዉ ንዝንቀሳቐሱ ሶማላውያን ተቓወምቲ እትድግፍ ኤርትራ እገዳ ክገበረላ ሎሚ ሰኑይ 4 ሓምለ ከምዝጸውዑ ሮይተርስ ኣፍሊጡ።

ኢጋድ ኣብቲ ዘቕረቦ ፡ ‘ ነታ ንጥሩፋት ብምሕጋዝ ንዞባና ኣብ ምህዋኽ ንጡፍ ተራ ትጻወት ዘላ ኤርትራ ብትሪ ንዅንና’ ይብል። ባይቶ ጸጥታ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ እገዳ ኣብ ልዕሊ ምትግባር፡ ኣብ ቁጠባዊ መዳይ፡ ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ማዕድንን ገንዘባዊ ኣበርክቶ ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያንን ዘተኮረ እገዳ ክግበር ኣተሓሳሲቡ።

ኣባላት ኢጋድ ጅቡቲ፡ እትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ሶማልያ፡ ሱዳንኡጋንዳ እየን። ኤርትራ ዋላ ኳ ኣባል ኢጋድ እንተነበረት ብ2007 ኣባልነታ ኣባዕላ ስሒባ እያ።

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት 6 ሓምለ ተራኺቡ ብዛዕባ ቲ ጉዳይ ክዝቲ ትጽቢት ይግበረሉ።

VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0.0/5 (0 votes cast)
VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0 (from 0 votes)

What do you think?

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>