ሃገራት ኢጋድ፡ ኤርትራ ዘቕረበቶ ሕቶ ምምላስ ኣባልነት ገና ቁሩጽ ምላሽ ከምዘይሃባኦ ገሊጸን።

ኣባላት ኢጋድ ዝኾና ሃገራት ቀርንን ምብራቕን ኣፍሪቃ፡ ነቲ ኤርትራ ናብ ኢጋድ ክትምለስ ዘቕረበቶ፡ ፈለማ፡ተቐቢለናኦተባሂሉ ተመሓላሊፉ ዝነበረ ዜና ብምእራም፡ገና ይሓስባሉከምዘለዋ ምጥቃሰን፡ ቢቢሲ ሓቢሩ።


ጸሓፊ ኢጋድ ማሕቡብ ሙዓሊም እቲ ኣባልነት ኤርትራ ናብ ኢጋድ ናይ ምምላስ መስርሕ ኣብ ናይ መጀመርያ መድረኹ ዘሎከምዝበለ ቢቢሲ ብተወሳኺ የረድእ።

ጸሓፊ ኢጋድ፡ Focus on Africa ምስ ዝተባህለ መደብ ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብዚ እዋን ኢጋድ ብኣቦ ወንበርነት እታ ቀንዲ ጸላኢት ስርዓት ህግደፍ ዝኾነት ኢትዮጵያ ይምራሕ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ተመስሪቱ ዘሎ ክሲውን ኣዝዩ ዕቱብ ምዃኑ ኣብቲ ውሳኔ ኣብ ግምት ከምዝኣቱ ኣገንዚቡ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ 2007 ብወለንታኡ ካብ ኢጋድ ኣባልነት ከምዝሰሓበ ይፍለጥ።


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>