ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያንን መሓዙት ኤርትራን፡ ነታ ጥዋፍ ፍትሕን ሰብኣዊ መሰላትን፡ ተስፋ መጻኢ ኤርትራን ዝጸልመተላ 18 መስከረም 2001፡ ንመበል 10ይ ዓመት ክዝክርዋ እዮም።
እታ መዓልቲ፡ መዘከርታ ናይቶም ዓበይቲ መራሕቲ ሰውራ ኤርትራን መራሕቲ መንግስትን ዝነበሩ ጀጋኑ ተጋደልትን፡ ጋዜጠኛታት ’ተን ተተይ ዝብላ ዝነበራ ጋዜጣታት ብሕትን ዝተኣስሩላን ዝተሰወሩላን ዕለት ጥራይ ኣይኮነትን። ስእነት ፍትሒ ሃገርና ዝጎልሓላን፡ ምንጪ ናይቲ ብደረጃ ዓለም ‘ኤርትራ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ’ ኮይና ምህላዋ ዝገልጽ ቅጽል ‘ውን እያ። ንዕርቂ ሰናይ ተበግሶ ዝወሰዱ ዓበይቲ ዓዲ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ካብ ወፍሪ ባርነት ክወጹ ዝደለዩ መንእሰያት፡ ነጋዶ፡ ምሁራት ዓድን ወለዲ ‘ቶም ሃገር ገዲፎም ዝወጹ መንእሰያትን፡ ኩሎም፡ ግዳይ ናይቲ ኣብ መስከረም 18 2001 ዝበኣሰ ዓመጽ ኮይኖም እዮም። ኣብዛ ናይ ኤርትራ ጸላም መስከረም፡ እቶም ፖለቲካዊ መኣዝን ሃገርና ከዐርዩ ተስፋ ዝነበሮም መራሕቲ፡ ምስቶም ቅድሚኦም ግደ ዓመጽን ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ኮይኖም ዝነበሩ ግዳያትን ተጸንቢሮም፡ ነቲ ካብ ግዜ ነጻነት ኣትሒዙ ክነጽህ ዝነበሮ ሕማማት ኤርትራ ከፍውሱ ተሰወሩ።
መብዛሕትኦም ኣብታ ዕለት’ቲኣ ዝተኣስሩ፡ ከምኡውን ነዓኣቶም ስዒቦም ዝተሰወሩ ሃገራውያን፡ ክንደይ ግፍዕን ውርደትን ከምዝረኸቡ፡ ገሊኦም ደሃይ ከምዘይብሎም፡ ገሊኦም’ውን ከምዝሞቱ ይንገር። ካብዚኦም ኣብ መጋብኣያ ቤት ፍርዲ ዝወዓለ ሓደ ‘ኳ የልቦን።
ጸቢብ ረብሓ ዘለዎም ገለ ኤርትራውያን ገዲፍካ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ንመስከረም 18 2001 ከም ሓንቲ ጸላም-ዕለት ብጽልኢ’ዩ ዝርእያ። ማሕበረሰብ ዓለምውን እንተኾነ፡ ነቲ ዝተገብረ ግፍዒ ብንጹር ድምጺ ኮኒኑ፡ እቲ ኩነታት ክእረም ድማ ብተደጋጋሚ ጸዊዑ እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ግን ንኹሉ ናይ ውሽጥን ግዳምን ጻውዒት ጸማም እዝኒ ሂቡዎ ይርከብ።
እቲ ኣብ 2001 ዝተወስደ ናይ ዓመጽ ስጉምቲ ከምዚ ኢሉ ከይተዓረየ ክቕጽል፡ ክምኽነየሉ ዘይክእል፡ ኢሰብኣዊ፡ ሕገ-ኣልቦ ተግባር ስለዝኾነ፡ በዚ ናይ ዓስራይ ዝኽሪ ኣጋጣሚ፡ ኩልና ኤርትራውያንን መሓዙት ኤርትራን፡ ተወፋይነትና ንራህዋን ፍትሕን ህዝብና እነሐይለሉን እነሐድሰሉን፡ ነታ ኣሽሓት ጀጋኑ ዝተሰውኡላ ፍትሓዊት ኤርትራ ህያው ክንገብር ኣበርቲዕና እንጽዕረሉን ግዜ ክኸውን ንጽውዕ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እንርከብ በርገሳውያን ማሕበራት፡ ኣብ ጎድኒ ‘ቶም ግዳይ ዓመጽ ዝኾኑ ደቂ ሃገር ደው ኢልና፡ ንፍትሒ ብምጽዋዕን መብጽዓና ብምሕዳስን፡ ነዛ መበል 10ይ ዓመት ዝኽሪ 18 መስከረም ክንዝክራ ከምዘለና ‘ውን ነተሓሳስብ።
ነዛ ትእምርቲ ናይቶም ዝቐደሙን ዝደሓሩን ግዳያት ኤርትራ ኮይና ዘላ 18 መስከረም፡ ከም ምልክት ስቅያት ናይዞም ገና ኣብ ጸላም ዝርከቡን ድሮ መስዋእቲ ዝኸፈሉን ኤርትራውያን ግዳያት፡ ‘መዓልቲ ጸሊም-ጋማ’ (black ribbon day) ኢልና ጸዊዕናያ ኣለና ‘ሞ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለኹም ኤርትራውያን ኣሓትን ኣሕዋትን፡ ኣዕሩኽ ኤርትራን፡ ነዛ ምዓልቲ ዓመጽ፡ ምሳና ሓቢርኩም፡ መዓልቲ ዝኽርን ተሃድሶ መብጽዓን ብምግባር፡ ጸሊም-ጋማ ወዲና ዘይተምበርካኽነትና ንዓመጽን ምልክን እነርእየላ፡ ኣብ ጎድኒ ‘ቶም ካብ እዋን ነጻነት ኣትሒዞም ዝተገፍዑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ደው ኢልና ከምዘለና ምሕዝነትና እነመስክረላን፡ ከምዘይረሳዕናዮም እነረጋግጸላን ዕለት ክንገብራ ደጊምና ንጽውዕ። ብዘየማትእ ድምጺ፡ ሓቢርና ዓመጽ ንኹንን።
መስከረም 2011
ሱወራ ማእከል ሰብኣዊ መሰላት
ኤርትራውያን ንሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት-ዓባይ ብሪጣንያ
ርሊዝ ኤርትራ
ዜጋታት ንዲሞክራስያዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ስድሪ
ኣሰና ፋውንደሽን