ሓደ ኣብ ንቡር ኵነታት ዘሎ ሰብ ብዛዕባ ንሕብረተሰብ ዝሃንጽ ነገራት፡ ብዛዕባ ጐደና ምዕባለ፡ ብዛዕባ መጻኢ መንእሰያት ሃገርን ክቐስሙዎ ዝግብኦም ትምህርትን ወዘተ ይካታዕ፡ የዕልልን የመያየጥን።
ዓለም ብዓለሙ ቀሲኑን ደቂሱን እናሓደረ ከሎ ንሕና ኤርትራውያን ብዛዕባ ሓደ ሰብ ክንዛረብ መሬት ዓሪቡና። ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ ከም ዝብሃል ገለ ሰባት፡ “ኤርትራውያን እዚ’ኳ ክውሕደና! ካብ ጥንቲ ካብ ጥቅምቲ ኣትሒዝና ኣተሓሕዛና ዘየጽረና ህዝቢ ኢና። ጥልያን ኣብ ዓሰብ መሬት ገዚኡ ናብ ከበሳታት ክብገስ ከሎ ስለምንታይ ዘይከልከልናዮ ነብሱ ዝከኣለ ናይ ታሪኽ መጽናዕቲ ዘድልዮ ጕዳይ’ዩ።
ታሪኽ ደቂሰብ ብዝጥዕሞም መንገዲ ስለ ዝጽሕፉዎ ታሪኽ ከም ጸሓፊኡ’ዩ ይብሃል። ኣብ ግዜ እንግሊዝ ዝተራእየ ምክፍፋል፡ ኣብ ግዜ ፈደረሽን ዝተራእየ ምምቕቓል ንባህሪና ኣነጺሩ ዘመልክት ምዃኑ ዝዝንግዖ ሰብ የሎን። ቃልሲ ተጀሚሩ ከብቅዕ ድማ ኣብ ዘበነ ክፍልታት ዝተራእየ ሕንፍሽፍሽ፡ ድሕሪ ህሓሓኤ ዝተጋህደ ደማዊ ኵናት ሓድሕድ ድሕሪኡ ዝቐጸለ ምፍንጫላትን ወተሃደራዊ ግጭትን ንሓድነት ኤርትራውያን ዝፈታተን፡ ከንቱነት መራሕቲ ሰውራ ኤርትራ ዘጕልሕ ፍጻሜታት ነይሩ። እቲ ዝኸፍአ ድማ ከምቲ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዕርቀሰላም ክወርድ’ዩ፡ ደጊም ህዝቢ ኤርትራ ክቐስን’ዩ እናተባህለ ኸሎ፡ ኢሳያስ ህግደፍ ዝብል ናይ ሸፋቱ ውድብ ፈጢሩ ሓድነት ኤርትራውያን መሊሱ ከም ዝዝረግ ገይሩዎ። እዚ ታሪኽ ዘይኮነ ናይ ትማሊ ፍጻሜ’ዩ። እቲ ዘሕዝን፡ ኢሳያስ ንሓድነት ህዝቢ ዝቘመ ክመስል ብምፍታን፡ ብደገደገ ደቂ ሓደልቢ እናበለ፡ ንህዝብና ብረቂቕ ሜላ ክፈላሊ ይፍትን ምህላዉ’ዩ። ኣህዛብ ዓለም፡ ቍጠባዊ ምትእስሳር ብምፍጣር ኣብ ስግር ሃገሮም ምስ ዘለዉ ህዝብታት ከይተረፈ ሕብረት ይፈጥሩ ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ ንሕና ኤርትራውያን ብሰንኪ ሓደ ውልቀመላኺ፡ ኣብ ኣንችምንቺ ብምእታው፡ ቅድሚ ሓምሳ ወይ ሚእቲ ዓመት ኣብ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ብምጥሓል፡ ብዛዕባ ኣውራጃ፡ ብሄር፡ ሃይማኖት፡ ቀቢላ፡ ሕሉፍ ሓሊፍና’ውን እንዳን ማይቤትን እናጠቐስና ንዛረብን ንካታዕን ኣለና።
ኣነ ኣብ ፓልቶክ ዝብሃል ናይ መደረ መድረኽ ብዘይካ ክልተ መዓልቲ ኣትየ ኣይፈልጥን። ሽዑ፡ “እንቋዕ ስዉኣት ኣይሰምዑዎ! ቶባ ደጊም!” ኣብ ምባል በጺሐ። ይትረፍ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን፡ ኣብ 19 ክፍለ ዘመን ክትዛረቦ ዝፈንፍን ቃላት ሰሚዐ። “ኣብዚ ግዜ’ዚኸ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ኣለዉ ድዮም?” ብምባል ዳግማይ ከይሰምዖ ተመባጺዐ። ኣብ ስሳታት ዝነበረ እዋን ክትዝክር ከለኻ፡ ሽዑ ዝነበረ ልብኻ ዘንድድ ሃገራውነት ትዝ ይብለካ። እሞ ድሕሪ ናይ ሰላሳ ዓመት መሪር ሰውራ፡ እዚ ዅሉ ረሳሕ ኣተሓሳስባን ቃላትን ካበይ ይነቅል ኣሎ? ኢልና ምስ ንሓትት፡ ኢሳያስ ምስ ጭፍራኡ ስልጣኖም ንምንዋሕ ዝጠንሰሱዎ ሓደገኛ ተንኰል ምዃኑ ንግንዘብ። ብጻዩ ዝኾነ ቃዛፊ ንባዕሉ ስልጣኑ ክሸራረፍ ምስ ጀመረ፡ ዘኪሩዎም ዘይፈልጥ መራሕቲ ቀቢላ ክጽውዕን ከንቀሳቕስን ከም ዝጀመረ ኣብ ዜና ተኸታቲልኩም ትኾኑ። ኢሳያስ ብዘይካ ስልጣኑ ካልእ ዘገድሶ ነገር ስለ ዘየሎ፡ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዘይኣልሞ ውዲት ክህሉ ኣይክእልን። ሓያል ናይ ኣክሮባት ክእለት ስለ ዘለዎ ድማ ክጻገም ከሎ ብቕጽበት ተገላቢጡ ሚዛኑ ክሕሉ ይፍትን። በዛ ሜላ’ዚኣ ንነዊሕ እዋን ተጓዒዙ። ሕጂ ግን እታሽጣራ ዳርጋ ኵሉ ሰብ ስለ ዝፈለጣ ተቓሊዑ። እቲ ጸገም፡ ገለ ሰባት ኣለዉ ምሁራትን ዘይምሁራትን፡ ምኵራትን ዘይምኵራትን፡ ዓበይትን ንኣሽቱን፡ ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን፡ መን ከም ኢሳያስ! ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና ዝብሉን ትፋኦም ክውሕጡ ዝፍትኑን፡ ብኽሳራ ህዝቢ ኣብ ኣስመራ ፓላሶ ሰሪሖም ክልተ ጸሓይ ክርእዩ ዝምነዩ። እዚ ሕልናኻ ምሻጥ ጥራይ ዘይኮነ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ከቢድ ዋጋ ክኽፈሎም ከም ዝኾነ ምፍላጥ ኣገዳሲ’ዩ።
ወዲሰብ ኣብ ዕላማ ወይ ኣብ መትከል ክኣምን ኣለዎ’ምበር ኣብ ውልቀሰብ ክኣምን የብሉን። ታሪኽ እቶም ኣብ ውልቀሰብ ዝኣመኑ ከሲሮም ከም ዝተረፉ’ዩ ዝሕብረና። ኢሰያስ ድማ ሓደ መትከል ዘይብሉ ዓሰርተ ግዜ ንየማን ንጸጋም ዝጻፋዕ፡ ብሓሶትን ምድንጋርን ዕድመኡ ከንውሕ ዝፍትን፡ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ንሓቅን ንድምጺ ህዝብን ዝፈርሕ ውልቀመላኺ’ምበር፡ ፈታው ህዝቢ ወይ ፈቃር መራሒ ኣይኮነን። ኢሳያስ ወላ ምስቶም ብጭካኔኦም ዝተፈልጡ ናይ ዘመንና ውልቀመለኽቲ ክወዳደር ከሎ፡ መወዳድርቲ ዘይብሉ ሰይጣን ዝሰረሮ፡ ጭራ ዝጐደሎ ሰብ’ዩ። ከም በዓል ኣንበሳ ዝኣመሰሉ ኣራዊት’ኳ ከብዶም እንተ መሊኦም ዝጓድኡ ፍጥረት ኣይኮኑን። ንኣብነት ቃዛፊ ነቶም ምስኡ ክሰማምዑ ዘይከኣሉ ብጾቱ ካብ ስልጣን ጥራይ ኣውሪዱ ውልቃዊ ህይወቶም ክመርሑ ኣፍቂዱሎም። ኣብ ቀረባ ግዜ ናብ ደምበ ተቓወምቲ ዝሰገረ መጀር ዓምዱሰላም ጃሉድ ሓደ ካብኣቶም’ዩ። ኣብ ኤርትራ ነይሩ እንተ ዝኸውን ኣብ ዔራዒሮ ምሃለወ ነይሩ። ኢሳያስ፡ ኣዝዩ ጨካን፡ ክንዲ ፍረ ጣፍ ርህራሄ ዘይብሉ፡ ብዘይካ ክሓርቕ ንፈውሲ ማሕላ ብመስዋእቲ ብጾቱ ይኹን መቕዘፍቲ ህዝቢ ሓዘን ዘይስምዖ ኣረሜን ፍጥርት’ዩ። ኣብ ታሪኽ ብዙሓት መራሕቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ሓደጋ ከጋጥም ከሎ ንብዓት ክስዕሮም ተዓዚብና ኢና። ብዕለት 22 ሓምለ ኣብ ኦስሎ ዘጋጠመ ናይ 77 ሰባት ኣብ ዝሞቱሉ እዋን፡ ንጉስ ኖርወይ ሃራልድ ሓሙሻይ፡ ጠቕላሊ ሚኒስተር ኖርወይ የንስ ስቶልተንበርግ፡ ጠቕላሊ ሚኒስተር ፍረደሪክ ረይንፈልት ናይ ሽወደን ወዘተ ሓዘኖም ብንብዓት ክገልጹ ተራእዮም። ኢሳያስ ነቶም 19 ሽሕ ጥራይ’ዮም ዝበሎም ስዉኣትና ይትረፍ ክነብዓሎም ቅጭጭ ስለ ዘይበሎ ኣብ ኤክስፖ ክስዕስዕ ቀንዩ። ነቶም ብዘሕዝን ኣገባብ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉሞ ኸኣ፡ “እንቋዕ ኮኑ! ከሓድቲ ሃገር’ዮም ነይሮም፡” ከም ዝበሎም ካብ ኣጫፈርቱ ረኺብናዮ።
መራሒ ሃገር ክብሃል ከሎ ፈቃር፡ ፈታው ሓቂ፡ ለዋህ፡ ዕርቂ ንምቕባል ትብዓት ዝውንን፡ ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎ፡ ፍትሐኛ ክኸውን ኣለዎ። እዘን ኵለን ቅጽላት’ዚአን ግን ንኢሳያስ ኣይንታዩን’የን። ልዕሊ ዅሉ ግን ኢሳያስ ሓሶትን ምትላልን ደባሊቑ ንህዝቢ ከደናግር ዝፍትን’ዩ። ሎሚ ሓደ ነገር ክብል ጸኒሑ ጽባሕ ካልእ ይብል። ንዑኡ ይጥቅምዩ ዝብሎ እንተ ኾይኑ ካብ መሬት ሕፍስ ኣቢሉ ክሕሱ ግድነት’ዩ። ኣብ 1995 ዝበሎ ሓደ መስሓቕ ነገር ከዕልለኩም። ኣብ ግዜ ኵናት ሓንሽ-ዝቝር ገለ ናይ ዓረብ ጋዜጠኛታት ኣብ ዓምድታቶም፡ “ኣብ ዳህላክ ናይ እስራኤል መዓስከር ኣሎ” ዝብል ጽሑፍ ኣስፊሮም ስለ ዝነበሩ፡ ምስ ጋዜጠኛታት ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ብዛዕባዚ ምስ ተሓተተ፡ “ኣዕራብ ምስ እስራኤል ካብ ዘለዎም ጽልኢ ዝተበገሰ፡ ቈልዓ ኣብ ጀነራል እንተ ተሪፉ’ውን፡ ‘እስራኤል ኣትሪፋቶ፡’ ኢሎም’ዮም ዝዛረቡ፡” ክብል መሊሱ። ሽዑ ነዕራብ ሓሰውቲ ኢኹም’ዩ ዝብሎም ነይሩ። ጕዳይ ዶብ ድሕሪ ምውሳኑ ግን፡ ንሱ፡ ንዝኾነ ነገር ምስ ኣመሪካ ከተኣሳስሮ ብምፍታን፡ “ኣመሪካ ከምዚ ምስ ገበረት፡ ኣመሪካ ከምዚ ምስ ፈተረት፡” ክብል ጀሚሩስ ድሮ መስሓቕ ማሕበረ ሰብን ዓለምን ኮይኑ ኣሎ። ሕሉፍ ሓሊፉ ከይሓፈረ ነቶም ሰራዊቱ ‘ዶብ ክነስግረኩም’ እናበሉ ካብ መንእሰያት ኤርትራ ኣሽሓት ገንዘብ ዝምልጥጡ ዘለዉ ኮሎኔላቱ ረሲዑ፡ ኣመሪካ ኣብ ምስግጋሮም ተዋፊራ ከምዘላ ተዛሪቡ። መሳኪን መንእሰያት ግን ኣብ ሱዳን ክሳብ ረኣዪኦም ዝጸልኦም ከርተት ምስ በሉ ካብ ብሱል ጥረ ኮይኖም ናብ ኤውሮጳ ከም ዝኣትዉ ይትረፍ ኢሳያስ ዑፍ’ውን ትፈልጥ።
ንምድምዳም፡ ሓደ መንእሰይ ብዘዕለለኒ ክፋነወኩም። ብቓላቱ ከምዚ ይብል። “ኣብ ሱዳን ከለና ምስ ሓደ ሱዳናዊ ኮንትራክተር ንሰርሕ ኔርና። ዳርጋ ኩላትና ምጡን ክእለት ስለ ዝነበረና ኣዝዩ ፈትዩና። ካልኦት ተወሲኾምና እናሰራሕና ከለና፡ መዓልታዊ ስራሕ ክሓቱ ዝመጹዎ ኣሕዋትና እናበዝሑ ከይዶም። ሓደ መዓልቲ ንገለ ካባና ስለምንታይ ካብ ኤርትራ ከም ዝተሰደድና ሓቲቱና፡ ‘ኢሳያስ ዝብሃል ጨካን ውልቀመላኺ ምንባር ከሊኡና፡’ ክንብል ብስብርባር ዓረብኛ ገለጽናሉ። ቀንዩ ንኻልኦት ስራሕ ዝሓቱን ንገለ ምሳና ዝሰርሑን ሓቲቱ ተመሳሳሊ መልሲ ሃቡዎ። መጀመርያ ኣይኣመነናን። ድሒሩ ግን ንገለ ሰባት ግዲ ሓቲቱ፡ እክብ ኢልና ፍጡር እናበላዕና ከለና፡ “ወላሂ ኤርትራውያን ኣዚኹም ተባዓት ምዃንኩም ኵሉ ሰብዩ ዝምስክረልኩም። ላኪን ሓደ ሰብኣይ ብኸመይ’ዩ ዓላኬፉ ዝጭፍጭፈኩም ዘሎ? ብሰውራ ሓሊፍኩም ክንደይ ስዉኣት ከፊልኩም ክተብቅዑ ብሓደ ሰብ ክትኵብኰቡ! ሱዳናውያን ኣብ ቃልሲ ንፉዓት ኣይኮናን፡ ግን ዘይሰማምዕና መራሒ ብኣጋ ኢና ነባርሮ!’ ምስ በለና ክንምልሰሉ ኣይከኣልናን ደኒንና ትም ኢልና። ድሕሪ ቝርሲ ኣብ ነንሕድሕድና ድሕሪ ምጥምማት፡ ‘ሓቁ’ዩ! ማሕላ ጠሊምና፡ ሃገር ረሲዕናያ!’ ብምባል ብዙሕ ኣስተንቲንና። ካብቶም ሽዑ ዝነበርና ልዕሊ ዓሰርተ ሓደ ተጋደልትን ዋርሳይን ሓሙሽተ ጥራይ ኣብ ኤውሮጳ ኣቲና ጽቡቕ መነባብሮ ነሕልፍ ኣለና። እቶም ዝተረፉ ግን ገለ ሞይቶም ገለ ድማ ኣብ ሊብያ ተሪፎም ነይሮም። ምስዚ ሕጂ ዝተፈጥረ ኵነታት እንታይ ከም ዝረኸቦም ደሃዮም የብለይን።”
ድሕርዚ ኵሉ ቃልሲ ብሰንኪ ሓደ ሰብ ዕጫና እዚ ኾይኑ ተሪፉ! ግን ከኣ ብዙሕ ተስፋ ዝህብ ጩራ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ’ውን ኦሮማይ ዘብል ኣይኮነን። ሓድነትና ኣደልዲልና ነቶም ኣንጭዋ ዓንዴል ብምዃን ንቓልስና ክሕንኵሉ ዝጽዕሩ ዘለዉ ገበርቲ እከይ ክነቃልዖምን፡ ኣብ ቃልሲ ክንብርትዕን ይግብኣና። ኣብ ክንዲ ከም ቈልዑ ነንሕድሕድና ንመናጨት፡ ዓዓቕምና እንተ ኣበርኪትናን ክንመያየጥ እንተ ኽኢልናን ዓወት ኣብ ኢድና’ዩ።
ውድቀት ንኢሳያስን ኣጫፈርቱን።
ተስፉ ኪዳነ ካብ ኖርወይ