
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ዜናዊ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተታሒዞም ዝጸንሑ ክልተ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት፡ ተስፋልደት ኪዳነን ሳልሕ ጋማን፡ ኣብ ስለያዊ ስርሓት ኢድ ከምዘይነበሮም ኣድላዪ ምጽራይ ድሕሪ ምግባር፡ ክፍትሑ ምዃኖም፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም መጺኦም ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ዝቐነየ ኣኼባ ንዝተሳተፉ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ሎሚ ምሸት 10 መስከረም ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ተታሒዞም ዝጸንሑ ክልተ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ክፍትሑ ምዃኖም ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ዜናዊ ኣተስፍዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ዝቐነየ ናይ ኤርትራውያን ምሁራንን ሞያውያንን ኣኼባ፡ ከምኡ ‘ውን ሓፈሻዊ ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ መብርሂ ኣብ ዝህበሉ ዝነበረ ግዜ፡ ብዛዕባ ሃለዋት ናይዞም ብስርዓት ህግደፍ ናብ ሶማል ተላኢኾም፡ ኣብ ምድምሳስ ኢስላሚክ ኮርትስ፡ ቅድሚ 5 ዓመታት ብሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተታሕዙ ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ነበር፡ ክፍትሑ ብዛዕባ ዘሎ ተኽእሎ ምስ ተሓተተ እዩ ነዚ ትስፉው ሓበሬታ’ዚ ሂቡ።
ስርዓት ህግደፍ ኣብቲ ኢስላሚክ ኮርትስ ሻዲኑሉ ዝነበረ እዋን፡ ናብ ሶማል ወተሃደራዊ ኣማኸርቲ ኣዋፊሩ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
እቲ ሰባት ከም ኣቕሓ ተጠቒሙ ናይ ምርሳዕን ምድርባይን ኣመል ዘለዎ ጨካን ስርዓት ህግደፍ፡ ውርደቱ መታን ክሓብእ፡ ንህይወት ናይዞም ብግዴታ ናብ ኵናት ሶማል ዝለኣኾም ኣብ ትሕቲ ስርዓቱ ከለዉ ውን ግዳይ ዝነበሩ መሳኪን ጋዜጠኛታት ሻላ ኢሉዎ እዩ ጸኒሑ።
ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ፡ ኣብቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ እቲ ናይ ሞያውያን ኤርትራውያን ኣኼባ ዘካየደሉ ምኽንያት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደላዪ ጽቡቕ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ብዕቱብ መንገዲ ንምርኣይ፡ ከምኡ ‘ውን ነቲ ኤርትራውያን ውልቀምካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምውጋድ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዘካይዱዎ ዘለዉ ቃልሲ ድርኺት ንምሃብን ምዃኑ ኣገንዚቡ። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያን ወጻእን ንዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት ተመሳሳሊ መድረኽ ክፍጠረሎም ተሓሲቡሉ ምህላዉ ‘ውን ኣሚቱ።
ብዘይካ’ዚ ስርዓት ህግደፍ ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመላእ ዞባና ሃዊኹ ከምዘሎ ብምምልካት ከኣ፡ ኣተሓሳስባኡ ክቕየር ወይ ክቅየር ከምዘለዎ ሓቢሩ። እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐሰሉ ዘሎ፡ ኣብ ምእጋድ ብዕደናን ክልተ ካብ ሚእትን ዝርከቡ ኣታዊታት ኣቲ ስርዓት ዘተኮረ ቁጠባዊ ኣገዳ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ከምዝተኣማመን ኣገንዚቡ።
ብዛዕባ’ቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ንፖለቲካኡ ኣብ ዙርያ ኢትዮጵያ ኣጽቢቡ ብምርኣይ፡ ኢትዮጵያ ድኽምትን ዝተበታተነትን ኤርትራ ከምእትደሊ ዝገብሮ ፕሮፖጋንዳ ብዝምልከት፡ ድኽምቲ ሃገር ንገዛኣ ርእሳ ‘ውን ስለዘይትኸውን፡ ካብ ሰላምን ሓይልን ዘለዋ ኤርትራ እምበር ካብ ድኽምቲ ኤርትራ ክርከብ ዝከኣል ረብሓ ከምዘየልቦ ኣረዲኡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ፡ ኣቐዲሙ፡ ካብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ’ውን ነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኣስታት ሓደ ሰሙን ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራን ምቅልጣፍ ዲሞክራስያዊ ለውጥን ክዛተዩ ምስ ዝቐነዩ ኤርትራውያን ሞያውያንን ግዱሳትን ተራኺቡ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ንዘለዎም ሕቶታት መሊሱ።
ኣብ መልስታቱ፡ ኣብ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ንኤርትራ ብዝምልከት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝወስዶ መርገጺታት ዘለዎም ስክፍታታት ብምብራህ፡ ድሕነት ኤርትራን ህዝባን ንምርግጋጽ እቶም ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ኤርትራውያን ናህሮም ከሐይሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ። መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ድማ መሓዛኣኦም ኮይኑ ኣብ ጎድኖም ደው ከምዝብል ኣረጋጊጹ።
ኣስዒቡ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ካብቲ ምስ ኤርትራውያን ዝገብሮ ዘሎ ምድግጋፍ፡ ኣብ ምክብባርን ሰናይ ጉርብትናን ዝተመርኮሰ፡ ሓባራዊ ረብሓ ዘለዎ ዝምድና እንተዘይኮይኑ ሓለፋ ከምዘይጽበ፡ ኣብ ኤርትራ ዝትከል ስርዓት ከኣ ብህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ከምዝውሰን ደጊሙ ኣረጋጊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ጠንቂ ኵናትን ምብኻን ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ብምስማር፡ ነቲ ብኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ዝተበየነ ውሳኔ ዶባት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወግዒ ከምዝተቐበሎ፡ ነባሪ ፍታሕ መታን ክረክብ ግን ዘተ ከምዘድሊ ኣብሪሁ።
ንጃምላዊ ምስጓጕ ኤርትራውያን ኣመልክቱ ቅድሚ ሎሚ ንዝበሎ ይቅሬታ ብምድጋም ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ጌጋኡ ክመሃር እምበር፡ ካብ ጌጋኡ ከምዘይሕባእ ኣብሪሁ። “ ንሕና ምስ ህግደፍ ኣብ በደል መወዳድርቲ ክንከውን ኣይንደልን ኢና’ ድማ ኢሉ።
ክቡራት ተኸታተልቲ ኣሰና፡ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ዜናዊ ንጋዜጠኛታት ኤርትራ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብ ቀጻሊ መደባት ራድዮና ከነቅርበልኩም ኢና።
Good releshiship with naberhood makes economy better governament to fox on better life for citzen.