ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ታሪኽን ባህልን ኤርትራ ጠቀስ ሰነድ ብምህጋር፡ ዝኾነ ታሪኻዊ መዝገብ ንኸይሕተም ይኽልክል።

idc

ውልቀ መላኺ ኣቶ ኢሳይያ ኣፈወርቂ ካብ ጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ማለት ካብ 1976 ኣትሒዙ ዝተኣከበን ዝተጸንዐን ዝተሰነደን ንታሪኽን ቋንቋን ባህልን መበቆልን ሃይማኖትን ሃብቲ ባሕርን መሬትን ያታዊ-ሕግታትን ዘጠቓለለ፡ ብድምር ክሳብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ገጻት ዝሓዘ ሰፊሕ መዝገብ፡ ዝኾነ ይኹን ቅዳሕ ከይተርፍ ኣጻርዩ፡ ብምሉኡ ነቲ ሰነድ ካብ ቤት ጽሕፈት መጽናዕትን ስነዳን ምርምርን ናብ ቤትጽሕፈቱ ብምውሳድ፡ ፡ ንኸይሕተም ከምዝኣገዶ ምንጭታትና ምስናይ መሪር ሓዘን ገሊጾም።


እቲ ታሪኻዊ መዝገብ ብቋንቋ ትግርኛን እንግሊዝኛን ዓረብን ዝተዳለወ ኮይኑ ኣብ 2000 ዓ.ም ኣብ ኣኼባ ሚኒስትራት ተዘትይሉ ዝጸደቐን ወግዓዊ ኮይኑ ንኽሕተም ዝተዳለወን ዓቢ ግምት ዝወሃቦ ሃገራዊ ጸጋ እዩ።

ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ነዚ ስጉምቲ’ዚ ዝወሰደሉ ምኽንያት፡ ንሱ ንገዛእ ርእሱ “ኣነ ሃገረ- ኤርትራ እየ” ኢሉ ስለዝሓስብን፡ ህልውና ናይዛ ሃገር እዚኣ ድማ ምስ ህልውንኡ ጥራይ ኣተኣሳሲሩ ስለዝርእዮን፡ ዝኾነ ይኹን ካልእ ሰብ ኣብ ነባሪ ታሪኽ ናይዛ ሃገር ክስነድን ንዘልኣለም ህያው ኮይኑ ክነብር ስለዝይደልን እዩ፡ ይብሉ ምንጭታትና።

ከም ምስክርነት ናይዚ ዚ ንሕስያ ዘይብሉ ስሱዕ ባህርያቱ ኸኣ፡ ኣብ መስርሕ ምቕያር ናይ ቀደም ኣስማት ጎደናታት ኣስመራ ንዘርኣዮ ዓይኒ-ሕፍረት ዘይብሉ ጽዩፍ ተግባር ብኣብነት ይጠቕሱ። ሽዑ ኢሳይያስ፡ ሓደስቲ ኣስማት ጎደናታት ንክወጽእ ፍቓድ ኣብ ዝተሓተተሉ ጊዜ፡ ነቲ ዝቐረበሉ ዝርዝር ኣስማት ናይ ጀጋኑ ስውኣት ተጋደልትን ሃገራውያን ኣቦታትን ደምሲሱ፡ ኣብ ክንድኡ ገለ ብኣሃዝ፡ ገለ ድማ “ጎደና ተብሕ፡ ጎደና ጥሩቕሩቕ፡ ጎደና ሓርነት፡ ጎደና ጭቕጩቕ ወዘተ..“ እናበለ ንሱ ዘጽለለለንን ፍሉይ ውልቃዊ ተዘክሮታት ዝገበረለን ቦታታት ኣስማት እናሃበ ነቲ ዕማም ኣልቦ ገይርዎ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ከምተወሳኺ መርኣያ ናይቲ ታሪኽ ኤርትራ ንውልቁ ንምብሓት ዘለዎ ስስዐ ድማ፡ እቲ ድሕሪ ናጽነት ገለ ጸሓፍቲ ብጉጅለ ተወዲቦም ብመልክዕ ቃልመጠየቓት፡ ንመኸተን ፍሽለትን ናይቲ ብወገን ህዝባዊ ግንባር ‘ሻድሻይ ወራር’፡ ብወገን ደርግ ኸኣ “የቀይ ኮኮብ ዘመቻ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ ኣዋርሕ ዝወሰደን ብዙሓት ተጋደልቲ ዝተወስኡን ከቢድ ወራር ንምስናድ ንዘርኣዩዎ፡ ብኻልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ‘ውን ደገፍ ረኺቡ ዝነበረ  ተበግሶ ምኽልካሉ እዩ።

እዚ ድማ፡ ንሱ ብፍላይ ኣብቲ ኣብ ግንባራት ዝካየድ ዝነበረ ቀጥታዊ ምርብራብን ፍሽለት ናይቲ ወራርን ተራ ስለዘይነበሮ፡ እዩ። እቲ ምስ ናይ ቀመማዊ ጋዝ ስነኣእሙራኣዊ ኵናቱ ዝተኻየደ፡ ኣብ ታሪኽ ውግኣት ሰውራ ኤርትራ ዝዓበየ ወራር ህይወት ተጋዳላይ ኣብ ዝቐዝፈሉ ዝነበረ እዋን፡ ኢሳይያስ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ኣይነበረን። ስለዚ ኸኣ ‘ዩ ኢሳይያስ፡ “ኣነ ዘይብሉ ታሪኽስ ኣይሃሉ” ዝበለ።


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>