ኣርባዕተ ዓበይቲ ጋዜጣታት ሽወደን መንግስቲ ኤርትራ ንጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ክፈትሖ ጸዊዐን።

dawitኣርባዕተ ዓበይቲ ጋዜጣታት ሽወደን ብምውህሃድ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ካብ 2001 ኣትሒዙ ኣብ ምስጢራዊ ቤትማእሰርቲ ዳጕኑዎ ዘሎ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ንጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ክፈትሖ ብምጽዋዕ ሰፊሕ ጎዘመተ ጀሚረን።

እተን መዓልታዊ ዝሕተማን ታብሎይድን ዝርከባአን ኣብ ሽወደን ዓቢ ጽልዋ ዘለወን ጋዜጣታት፡ ንናይ ሎሚ 27 መጋቢት ቀዳማይ ገጻተንን ሓተታታተንን “ነቲ ዳዊት ኢሳቕ ነጻ ይለቐቕ” ዝብል ዕላማ ጎስጓሰን ኣወፍየናኦ ውዒለን። መንግስቲ ሽወደን፡ ንዳዊት ንምፍታሕ ኣበርቲዑ ክጽዕር ‘ውን ጸዊዐን።

እቲ ንቡር ቋንቋ ዘይስቆሮ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ካብ 2001 ዓመተ ምህረት ኣትሒዙ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ዓሰርተታት ጋዜጠኛታት ብሕትን መንግስትን ኣሲሩ፡ ብዘይ ፍርዲ የሳቕዮም ኣሎ። ሓይለ ካብቶም ፈለማ ዝተኣሰሩ ብሕታውያን ጋዜጠኛታት ብሰንኪ ሕማቕ ኣተሓሕዛን ግፍዕን ናይቲ ስርዓት ኣብ ቤትማእሰርቲ ከምዝሞቱ ‘ውን ይንገር።

ብሰንኪ እዚ፡ እቲ ንናጽነት ጋዜጣኛታት ዝጣበቕ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ዝብሃል ኣህጉራዊ ውድብ ከምዝብሎ “ ኤርትራ እታ ዝዓበየት ቤት ማሕቡስ ጋዜጠኛታት ኣብ ኣፍሪቃ” ኪይና ‘ላ።


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>