መልእኽቲ ናብ ሚንስተር ፍትሒ ሕጊ ግደፍ

      ከም ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ስለ መሰልን ፍትሕን፡ንነዊሕ ዓመታት ቁርን ኣ ስሓይታን ተገሪፍኪ፡ጎቦ ደይብኪ፡ጎላጉል ወዲእኪ ንኣህለኽቲ ኩነታት ተቓሊስኪ፡ከም ኩሎም መቓልስትኺ ተዓዊትኪ።እዚ ኩሉ ጻዕርን ከርተት ምባልኪ ከኣ፡ኣብ መንጎ መግዛእትን ነጻነ ትን፡ኣብ መንጎ ድርብ ጭቆናን ፍትሕን ዘሎ ፍልልይ ተረዲእኪ፡ኣድልዎ ሃኒጹዎ ዘነበረ ኣገ ባብ ኣዕኒኺ፡ንዝጎደለ መሰል ክትሕለቒ፡ድግድግታኺ ሸጥ ኣቢልኪ በረኻ ምውጻእኪ ዘይሰሓ ት፡ርእሺ ኩሉ ክነኣኣስ ዘይግበኦ ዓብይ ተኻፋልነት ኢዩ።

      ዝኸበርኪ ሚንስተር

      ኣብ መዓልታዊ ሕይወትኪ፡ኣብ ጉዳይ ሃገራውን ህዝባውን ሓላፍነትኪ ሰላምን ኣሳልጦን፡ኩሉ ዘማላእኪ ፍትሓዊት ሚንስተር ክትኮኒ ከኣ እምነየልኪ።

      ከም ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ስለ መሰልን ፍትሕን፡ንነዊሕ ዓመታት ቁርን ኣ ስሓይታን ተገሪፍኪ፡ጎቦ ደይብኪ፡ጎላጉል ወዲእኪ ንኣህለኽቲ ኩነታት ተቓሊስኪ፡ከም ኩሎም መቓልስትኺ ተዓዊትኪ።እዚ ኩሉ ጻዕርን ከርተት ምባልኪ ከኣ፡ኣብ መንጎ መግዛእትን ነጻነ ትን፡ኣብ መንጎ ድርብ ጭቆናን ፍትሕን ዘሎ ፍልልይ ተረዲእኪ፡ኣድልዎ ሃኒጹዎ ዘነበረ ኣገ ባብ ኣዕኒኺ፡ንዝጎደለ መሰል ክትሕለቒ፡ድግድግታኺ ሸጥ ኣቢልኪ በረኻ ምውጻእኪ ዘይሰሓ ት፡ርእሺ ኩሉ ክነኣኣስ ዘይግበኦ ዓብይ ተኻፋልነት ኢዩ።

      ዕድል ገይርኪ፡ነጻነት ኤርትራ በጺሕኪዮ።ብሕይወት፡ኣብ ነጻነት ምብጻሕኪ፡ኣብ ነጻነ ት ምንባር ከኣ፡ብዙሕ ነገር ኣፍሊጡ፡ብዙሕ ሕቡእ ጉዳያት ዘርኢ ስለዝኾነ፡ ህሉው ኩነታት ን ሕሉፍን ተነጻጽርሉ ዕድል ኣጋጢሙኪ።እዚ ዕድልዚ፡ብዝተቓለስክሉ ሕሉፍ ቅያታት ጥ ራሕ ተሓቢንኪ ትኸደሉ ባዶ ሕይወት ዘይኮነ፡ምሸትን ንጉሆን ሕድሪ ስውኣት ብጾትኪ ኣብ ግብሪ ይውዕል ምህላው ብደቂቕ ትዕዘብሉ ኢዩ።ብሓቒ ከኣ፡ንዝሓስብ፡ ንዘስተውዕል፡ብሕይ ወት ኣብ ነጻነት ምብጻሕኪ፡ንሽሙ ወይ ምስሊ ኣይኮነን፡ብዝኾነ ይኹን ኣገባብ ምስምስ ዘይ ወሃበሉ ምሕላው ሕድሪ ኢዩ።

      ዝኸበርኪ ሚንስተር ፍትሒ፡

      ፍትሒ፡ረቃቕ፡ገሊኦምስ፡ንድኹም ፍጥረት ጥራሕ ትሕዝ ዓለባ ሳሬት ገይሮም ይገል  ጹዋ።ኣብዛ ወዲ ሰብ፡ብዝተፈላለዩ ስሚዒታት ተገዚኡ፡ላዕልን ታሕትን ዝብለላ ዓለም ከኣ፡ ሚእቲ ብሚእቲ ትትግበር፡ዝኾነ ውልቐ ሰብ፡ይረብሓላ፡ኢልካ ዘይትሕሰብ ኢያ።ኣነ ግን ብውልቃዊ ጉዳይ ኣይተበገስኩን፡ሎሚ ኣብታ ብዙሓት ዜጋታት ዝተሰውኡላ ኤርትራ ፡ብውልቐ ደርጃ ዘይኮነ፡ብሃገር ደረጃ ፍትሒ ጨኒቑዎ፡መሰሉ ተነፊጉ ስለዘሎ ኢየ።   

      ህዝቢ ኤርትራ፡ደቑ ህሉዋት ኮይኖም ምውታት ከይፈለጠ፡ተጋደልቲ ኣስመራ ብምእ ታዮም ዝተሓጎሶ፡ዝተቖጻጸዮ፡ዝሳዕሰዖን ርኢኺዮ።ፈታዊ ሳዕሳዒት ኮይኑ ኣይሰቐጠን፡ጸቕጢ ኣብቒዑሉ፡ፍርሂ ኣብዘይብላ ኤርትራ ብሰላም፡ብፍትሒ ክነብረሉ፡ኤርትራ ከኣ፡ሕጋዊ ስርዓ ታ ተኺላ፡ምዕብልቲ ሃገር ኮይና ዝርእየሉ ግዜ ይመጽእ ከምዘሎ ዝሕብር ጮራ ተስፋ ረኺ ቡ’ዩ ተቖጻጽዩ።እዚ ግን፡ድሕሪ ቑሩብ ዓመታት ጫማ ኮይኑ፡ኣብታ ደም ቀያሕቲ ደቁ ዝዛረየላ፡ክንዲ ዝማሙቕ ቆሪሩ፡ኣብ ክንዲ ዝጸግብ ጠምዩ፡ኣብ ክንዲ ዝስሕቕ ሓዚኑ፡ኣብ ክ ንዲ ዝኸብር ተዋሪዱ ስደት መሪጹ፡ፀሓይ ምርኣይ ዝትፈቐደሉ እሱር ኮይኑ ይነብር ኣሎ።

      መናእሰያት ኤርትራ፡ኣቦታቶም፡ዓበይቲ ኣሕዋቶም፡ብዘይፍርሒ፡ብዘይምጥርጣር ነጻ ኮ ይኖም፡ከምቶም ኣብ ካልእ ዓለማት ዘለው መንእሰይ ዘለዎም ዕድል፡ክህልዎም ኣብዝተሰው ኡላ ኤርትራ፡ውትህድርና፡ባርነት ጥራሕ ተቐባቢሉዎም።ተስፋ ዝህብ፡ናይ ቐረባን ርሑቕን መደብ ይኹን ውሕስነት ዝህብ ኣመራርሓ ስኢኖም፡ስደት ኣምሪሖም።ሰብ ዕድል፡ቐላይን ምድረበዳን ጥሒሶም፡ኤውሮጳ ኣትዮም።ኤውሮጳ ምእታዎም፡ካብቲ ጸገም ንምህዳምምበር፡ ዝጸንሖም ኅብረተሰብ ክህልዎ ዝኽእል ባህሪ ስለዘየገናዘቡ፡ምስ ኅልናኦም ግጭት ፈጢሮም ኣይቀሰኑን።ንቕሎ ዘየጸበቑ፡ቅኑዕ ምርጫ ኣብ ምውሳድ ዝተጋገዩ ወይ ከምቲ ኣበሃህላ ኅብ ረተሰብና ዕድል ዘይገበ ሩ፡ኣብ ምድረበዳ፡ብኣጻምእ፡ኣብ ውቅያኖስ ቐላይ ውሒጡዎም ሞይ ቶም፡ዶብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ክሰግሩ፡ብጥይት ዝተዘልዓፉ ዓው ኢሉ ዘይተበኸየሎም ደ ቂ ተጋደልቲ ዝርከቡዎም ብዙሓት ኢዮም።

      ካልእ፡ክትዛረበሉ ዘስደምም፡ከማኺ ኣብ ምቕላስ ዕድመኣን ዘሕለፈኦ ብጾትኪ፡ኣባላት ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ፡ኣብ ነጻነት፡ኣብ ዝተቓለሳላ ሃገር ኮየነን ከስተማቕረኦ ዝተመነየኦ ነጻ ነትን ጣዕሚ ፍቕርን ጫማ ኮይኑወን።ገሊአን፡ሰብኡተን ብፖለቲካዊ ኣረእያኦም ተሰዲዶም፡ ገለ ከኣ፡ኣብ ግንባራት ሰፊሮም፡ገሊኦም ተኣሲሮም ሞቶም ህላዌኦም ስለዘይፈልጣ፡ሸዊት ዕ ድመን ኣካልን ይሓልፍ ስለዘሎ፡ኣብ ገጸን ዝረአ ምልክት ጓህን፡ካብ ቃላተን ዝስማዕ ምስት ምሳልን ምቑዝምዛመን ከኣ ሕቡእ ኣይኮነን።እሱራት ኮይነን፡ንውላደን ከህበኦ ዝግበኦ ፍቕር ን መሰል ወላዲትን ተመንጢለን፡ውላደን ኣብዘይርእያሉ ጋህሲ ሰፊረን፡ሞይተን ዝተባህላውን ውሑዳት ኣይኮናን።ተስፋ ዝቖረጻ፡ዝተረፋ ውሑዳት ዓመታት ብሰላም ዝመርሓሉ ቦታ ደል የን፡ሃገር ዋናታት ኢና ንዝብሉ ኣርኪበን ዝተሰደዳውን ኣሉ ዘይበሃለሉ ርኡይ ጉዳይ ኢዩ።

        ብሓጺሩ ህዝቢ ኤርትራ፡ንኹሉ መሰላት ደቂ ሰብ ተጎናጽፍ፡ክብርቲ፡ውሕስነትን ም ትእምማንን ትህብ፡ሰባት ብሕጊ ተገዚኦም ክኸዱ ትገብር ነጻነት ዘይኮነ ውርደት ተጋኒፉ ዎ።ማዕረ ዕድል ዝካፈለሉ ኩነታታ ስለዘየሎ ኤርትራ ከኣ፡ብላዕ፡ኣድልዎ፡ገኒኑ፡ቤተሰብን ፈተ ውቲ ጀነራላትን ኮይኖም፡ሃብቲ ከኻዕብቱ ዝጓየዩ፡ከም ድላዮም ካብ ኤርትራ ወጺኦም ይኣ ትው።ጸገም ጥዕና ዘለዎም፡ኣብዝደለዩዎ ቦታ ከይዶም ተሓኪሞም ኣብዝምለስሉ እዋን፡ካብ ክልተ ሚልዮን ዘይውሕዱ ሰባት ኣብ ድኽነት ወዲቖም ይርከቡ።ስለ ሃገር ብነጻ ውላዱ ሂ ቡ፡ካብ ድራሩ ክመቅል ዝጸንሐ ህዝቢ፡ሎሚ ኣብ ነጻነት ከም ባርያ ጉልበቱ ብነጻ ይህብ ኣሎ፡እዚ ከኣ ካብቲ ሓደን ኣገዳስን ስእነት ፍትሒ ኢዩ።

     ህዝቢ ኤርትራ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ጸገም ብዙሕ ክጥቀስ ይከኣል።ጸገም ምርኣይን ምስ ማዕን ዘለዎ ወይ ከኣ ኅልና ዘይብሉ ሰብ ጥራሕ’ዩ ዝስሕቶ።ንስኺ ምናልባት ብጽኑዕ ኣብ ዝሕሎ ቦታ ስለእትቕመጢ፡ምስዘሎ ኩነታት ነጻ ኮንኪ ስለዘይትራኸቢ ኩነታት ህዝቢ ኣይት ርእይዮን።ንጹር ሓበረታን ንርኡይ ጸገማት ናብ ህዝቢ ከቕርባ ዝግበአን ናይ ወረ ማዕከናት ግቡአን ካብ ምግባር ሓሊፈን፡ሕመቕን ጸገምን ዝኽውል፡ተነፍዩ፡ተጻፊፉ ተጸኒዑ ዝመጸ ፕሮ ፖጋንዳ ጥራሕ ኢዩ።ኣብ እኼባ እትሰምዕዮ ጸብጻብ ከኣ፡ናይቲ ኩነታት ተጠ ቀምቲ ዝኾኑ ዘመሓላለፍዎ፡ንሳቶም ኩነታት ከምዘለዎ ክጸንሓሎም ዝትምነዩ ስለዝኾኑ፡ንኹሉ ጽቡቕ ከ ምዘሎ ይገልጽዎ፡ዘሎ ሕማቕ ከኣ ብስንፍና ውልቐሰብ ዝኣተወ ገይሮም ስለዝገልጽዎ፡ ከም ሚንስተር ፍትሒ እቲ ሓቀኛ ምስሊ ጸገም ኣይትሰምዕዮን።እዚ ንባዕሉ ኣብ ነጻ ሃገር ክህሉ ዘይነበሮ ጉዳይ ስእነት ፍትሒ ኢዩ።

     ዝኸበርኪ ሚንስተር ፍትሒ፡እስከ ንቕሩብ ደቓይቕ፡ኣብ ጽምዋ በይንኺ ኮንኪ ምስ ኅልናኺ ተዛረቢ።ኩሉ ካብ ህጻንነት ዝተወርሰ ባህርን፡ክሳብ ሎሚ ዝተጠቀምኩሉ ኣገባብ ኣወሲንኪ፡ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት፡ብልቢ ሓሲብኪ ገምግምዮ።ኅልና ክወርሱ ዝኽእሉ፡ናይ  ምጥቃዕን ምክልኻልን ባህርታት ወጊድ እንተልኪ፡ነገራት ክትፈላልይ ትኽእሊ፡ገለ ነገር ውን ትርድኢ፡ሓደ ነገር ምርዳእ ማለት ከኣ፡ፍታሕ ምርካብ ማለት ኢዩ።ብዛዕባ ካልእ ብዙ ሕ ኣይዛረብን፡እስከ፡እቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ዝነበረ ትምኒት፡ካብ ገዛ ክትወጺ እነከሎኺ ዝነበረ ድሌት፡ተበጺሑ ዶ ?።ኩለን ዝተቃለሳ፡ኩሎም ዝተቃለሱ፡ከምቲ ንዓይ ዘጋጠመ ዕድል ዶ ኣ ጋጢሙዎም።ከምቲ ናተይ ሕይወት ዘየሕልፉ እንተኾይኖም እንታይ ጸጊሙዎም……ካል እን ዝብሉ ሕቶታት፡ንኅልናኺ ሓቲትኪ፡ምላሽ ክትህብሉ ፈትኒ።ኩነታት ንጹር ስለዝኾነ፡ ምላሽ ክትህብሉ ዘይትኽእልሉ ምኽንያት ክህሉ ስለዘይክእል፡ንጻዕዳ ጻዕዳ፡ንጸሊም ከኣ ጸሊ ም ክትብልዮ ትኽእሊ።ምናልባት፡ብሰንኪ ወያነ ተሰና ኺሉ፡ብሰንኪ…ብሰንኪ እናበልኪ፡ ብዙ ሓት ሰንኪ ዝኾኑ ክትጽብጽቢ ትኽእሊ።ሕመቕ ወይ ስዕረት እተልግበሉ ካባኻ ርሑቕ ዝበ ሉ ምድላይ፡ርእስኻ ከይትርኢ ዝዕምም ባህሪ ጠዋያት ሰባት ጥራሕ ኢዩ።ምእንቲ ፍትሕን ሓቅን ዝተጋደልኪ ምኩርቲምበር፡ገና  ሀ ሁ ትቖጽሪ ዘሎኺ ስለዝይኮንኪ፡ብቀሊሉ ብዙሕ ክ ትርድኢ ኢኺ።ብቀረባ ክርዳእ ዘይክእል እንተኾይኑ፡ኣብ መበል ዓሰርተው ሾመንተ በዓል ነጻነት ዝትደርፈት ልቢ ትብል ደርፊ ብልቢ ስምዒያ።

        ዝኸበርኪ ሚንስተር ፍትሒ፡ንስኺ ነዚ ሕጂ ዘለኺዮ ቦታን፡ሳላዚ ቦታዚ በጺሕኪዮ ዘሎኺ ብሕታዊ ናብራ፡ካብ ኣቦኺ ዝተለገሰልኪ ኣይኮነን።ኤርትራውያን ግንባሮም ንዓረር ሂቦም ዘምጽእዋ ክቡር ቦታ ስለዝኾነ፡ናይቶም ግንባሮም ንዓረር ዝሃቡ ወለዲ፡ኣሕዋት፡ኣኃት፡ ውላድን ቤተሰብን ተገፊዖም ኣብ ዝነብሩላ ሃገር ኢኺ፡መዓርግ ሚንስተር ሒዝኪ።ዘሎኪ ሓ ላፍነትኪ ካብ ሑጻ ዝኸብድ፡ከም ባሕሪ ዝጥልቐቱ ዕሙቕ ኣፍልጦ ዝሓትት ጉዳይን ክትገ ብርዮ ዝግበኣኪ ዕማማት ከኣ ገፊሕ ኢዩ።ንስኺ ግን፡ስለዝጠዓመኪ ተሓጉሽኪ ትድቅሲ ንጉ ሆውን ተሓጉሽኪ ትትስኢ።ሕጉስን ቅሱን ሰብ ከኣ፡ታሕጓሱን ቅሳነቱን ከይዘናበለ ምሕላው ምበር፡ጸገምን ተኣፈፍቲ ጉዳያት ናብ ዘለዎ ከምርሕ ስለዘይሕግዛ ትኾኒ፡ናትኪ ምትእትታ ውን ድምጽን ዝጽበ ጉዳያት ረሲዕኪዮ።ጣዕሚ ሕማቕ ኢዩ።ኣካልካ፡ኅልናኻ፡ብዘይጸንሖ ስብ ሒ እንተተሸፊኑ፡ሓንጎል ጽቡቕ ኣይፈርን፡ኣካልካ ልዕሉዕ ኣይከውንን፡ቀልጢፉ ህዋሳት ዘመ ሓላልፍ ቆርቦት ስለዝረጎደ ከኣ፡ጸገምን ስቓይ ካልኦት ብቐሊሉ ኣይስመዓካን።ብከምዚ ኢዩ ከኣ፡መብዛሕቶም ስልጣን ዝሓዙ ባእታታት፡ስብሒ ዝሸፈኖ ሓንጎል ምፍራይ ኣብዩ፡ስብሒ ዝተጻዕኖ ኣካል ከቢዱዎም፡ጸገም ህዝቢ ፍታሕ፡ሕቶ ህዝቢ መላሺ፡ጥርዓን ህዝቢ ሰማዒ ስኢ ኑ ጸገም ህዝብታት መመሊሱ ከሲዑ።

        ዝኸበርኪ ሚንስተር፡ኣብ ኤርትራ እታ ኩሉ ዝተመነያ ሰላም ደሃያ ጠፊአ።ሚንስ ተር ፍትሒውን ትስሕቶ ኣይብልን።ክትዛረበሉ ካብዘይደለት ግን፡ሰላም ብፖለቲካ ተሰንያ ካብ ግዝኣት ሕግን ፍትሓዊ ኣገባብን ትብገስ።ኣብ ሃገርና ፖለቲካ ምዉት ስለዝኾነ፡በዓል ሓይልን ቅልጽምን ይዕንድር፡ድላዩ ይገብር።ሚንስተር ፍትሒ እንከላትና፡ፖለቲካ ሞይታ ግዳያት ሓያላት ክንከውን ኣይነበረናን።ንስኺ፡ከምቶም ናይ እንዳ፡ናይ ዓሌትን ባህልን ወይ ከኣ ስስዕትን ንፍገትን ብዝሓዙ ሓሳብ ተወሪሶም፡ናብ ውላዶም ከመሓላልፍ ዝምህሩ፡ከይምን ጠሉ ምስፈርሁ ከኣ ናብ ምውራርን ምክልኻልን ዘድህቡ፡ቐስብቐስ ናብ ኩናትን ግጭትን ዝኣትዩ ደቂ ተባዕትዮ ኣይኮንክን።ንስኺ ጓል ኣነስተይቲ ኢኺ፡ጓል ኣነስተይቲ ማለት፡ብመ ልኣኻ ቦቕባቕ፡ጸገምን ሽግርን መጺኡ ከምዝሃሳያ ስለእትፈልጥ፡ኩሉ ግዜ ናብ ሰላም ዝመር ሕ መንገዲ ትላቦምበር፡ደድሕሪ ዝዓበዱ ዘይትዓብድ ፍጥረት ስለዝኾንኪ፡ብፍትሒ ዕጉባት ክ ንከውን ኔሩና።ንሕና ግን፡ሓደ ቖልዓ ተወሊዱ ዓብዩ፡ተማሂሩ፡ብዛዕባ መሰልን ፍትሕን ኣጸቢ ቑ ዝፈልጠሉ ዓሰርተው ሾመንተ ዓመት፡ኣብ ስልጣን ኮፍ ዝበለት ጓል ኣነስተይቲ እንከላት ና፡ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ብግጉይ መንገዳ ንገልጻ ወይ ከኣ ፍትሒ ማለት እንታይ ማለት ም ዃና ዝፈልጣ የለን።ሚንስተር ፍትሒ፡ክሳብ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘምጸኦ ምቅይያር የለን፡ እዚ ግን ኣብ ጉዳይ ሓዳርን ምቅሊትን ኣይበልኩን፡ኣብቲ ዝዓበ ፖለቲካዊ ጉዳይ ለውጢ ስለዘየለ፡ኦኣሰርተው ሾመንተ ዓመት ንዝተኣስሩ ክሳብ ሎሚ ናብ ፍርዲ ኣይቐረቡን፡ኣብ ው ጢ ሾመንተ ዓመት ዝተኣሰሩ ህሉዋት ድዮም ምውታት ኣይተፈልጠን።ሳላ ፍትሓዊ ኣገባብ ተሓጉሹ ዝሓደረ ኤርትራዊ የሎን።ጎሊሑ ዝረአናዮ፡ሚንስተር ፍትሒ ክነስኺ፡ብላዕሊ ኮይ ኑ፡ኣብ ቅርቅርቲ ህዝቢ ኤርትራን ተጋደልትን ጡፍ ዝብሉ ሰባት ዝተኣከቡዎ ማሕበር ተኣ ኪብኪ ምውድኽዳኽ ጥራሕ ኢዩ።እዚ ከኣ ከም ተጋዳሊት፡ብዙሓት ዝሃቡኺ ሓድሪ ጠሊምኪ፡ብዓቢ ኡ ግን ኅልናኺ ከዲዕኪ፡ዕላማኺ ሰባቢርኪ ውዕሊ ዘይብልኪ ኣምሲሉልኪ።

       ስለዚ ዝኸበርኪ ሚንስተር ፍትሒ፡ሕጂውን ግምብው በለምበር ስለዘይተኻዕወ፡ ታ ሪኽ ሰሪቖም፡ሃገርን ህዝብን ጥራሕ ዘይኮነ ኅልናኦም ከዲዖም፡ምንባሮም ምስሊ፡መዓልታት ክሓልፍ ጥራሕ ዝጽበዩ ጠለምቲ፡ናብ ፍሒ ዘቕርብ ሓቀኛ ታሪኽ ትሰርሕሉ፡ዝተረፈ ታሪ ኽን መንነት ህዝቢ ኤርትራ ክዕቀበሉ ዝኽእል ዕድል ኣሎ።ነታ፡ረብሓኦም ክትሕልውሎም ወይ ክትገጥመና ኣይትኽእልን ኢሎም ዝሃቡኺ ሓላፍነት ተጠቂምኪ፡ማሕበራዊ ረብሓ ዘለ ዎ ቅያ ክትሰርሕላ ፈትኒ።ፈተነኺ፡ክሳብ ሎሚ መላሺ ዘየረኸበ ሕቶ ህዝቢ፡ውሽጣዊ ጸገም ዝደፍኦ ስለዝኾነ፡ምትሕብባር ሓፋሽ ረኺብኪ፡ኣብ ዓወት ክትበጽሒ ኢኺ።ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ታሪኽ ሰሪሕኪ ብዓወት ስለ ዝዛዘምኪዮ፡ህዝቢ ኤርትራ፡ሰራሒት ድርብ ታሪኽ ብዝብል ኣርእስቲ ታሪኽኪ ክምዝግቦ ኢዩ።

 

ተ.መድኅን

ካብ ዓዲ ጢልያን

ሰናይ ቅነ።  


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>