ርሑቕ አይኮነን! ሓጺርዩ ተሪፉ
ሑሉምዩ፡ ንቡይ፡ ቃልዩ ዝጋሃድ
ስሕግ ምባል እንታዩ ፋይድኡ፡
እንተ ንሱ!
ርሑቕ አይኮነን! ሓጺርዩ ተሪፉ
ሑሉምዩ፡ ንቡይ፡ ቃልዩ ዝጋሃድ
ስሕግ ምባል እንታዩ ፋይድኡ፡
ባዶ እእምሮ፡ ካን ብጓኖት ተተኪኡ
ዓነይነይ ሕጂ! ኣይትሓዙኒ ኢሉ ከምዘይጋዓረ
ልሳኑ ተለኺታ፡ ዳርጋ ወዲኣያ ሐሶታ።
ልኽስክስ ምባል ኣመልዩ ገይርዎ
ደርኩዅት እንዳማቱ ምዅሕኳሕ፡ ወትሩ ልማኖ!
ትኳቦ ከኒና መናውሒ ጻዕረሞትዩ፡
ራሕርሕዎ ንዝኸይድ ጽባሕ፡ ድሕሪ ጽባሕ
ህላወ ዘይብሉ አለኹ ይብሎም፡ ብሃም ቆጺርዎም
ዋኒን ዘይብሉ ላዕሊ ታሕቲ፡ ከም ዛርቲ።
ቅድም ምሕሳብ ነይሩ፡ ሎሚ ካብ ምጥዓስ!
ሳላ ኣያታቱ ግዳ ቁሩብ ተተይ ኢሉ
ነነይ ይብል ነይሩ ሕጂ ድማ ቖንቑኑ
ትልኽ ትልኽ ብደገፍ፡ ሞቱ ንዘይተርፍ
ሰሕግ ይብል ኣሎ፡ በቃ ናብ ጉድጓዱ
ላልሹ ሞሽሙሻ፡ ሂወት ሐጺርዩ ብደገፍ ብከኒና
ምስራሕ ግዲያ ኣብቂዓ፡ ዶስ ከኒና ኣውሒዳ
ምንህንህ ኢላ በቃ፡ ግዚኡ ዝሓሎፎ ከኒና አብዚሓ።
ዕምሩ ባዕሉ አሕጺሩ ዘይጭበጥ ሓሊሙ፡ ባቓ ጠሊሙ
ባባ ናይ አያታቱ አይጠቐሞን፡ ክሳብ መዓስ ክሕንገር
ለግልግ ኢለን መሓወር ረብሪበን፡ ደኺሞም
ንስክላ እንዳአሉ ቀደሙስ ተሪፉ። ተሓንጊርካሞ ክሳብ መዓስዩ።
ርእሱ አብ ወጻእ፡ መሓውሩ አብ ውሽጢ
ግልብጥብጥ አመል ገይርዎ ዝገርምዩታ
አሉ ወትሩ አሉ ዝብል! ትማሊ ዝበሎ ዘይደግም
ትኳቦ ለሚዱ ካብግዳም ምጽወታ።
ንልማኖ፡ ጃህራ ቖጽርዎ! አእምሮኡ ኣእሚንዎ
ዝግ ዘይብል፡ ህድእ፡ ዘይመሚ ዘየስተውዕል
ሰብ ገዛ ኢና ይብል! ብዘይመፍትሕ
ፈረሰኛየ ይብል፡ እቲ ልጓም ብኻልኦት ተታሒዙ!
ኖኖ ፈረስይዩ! ከም ዓይነስዉር ብጓኖት እናተሳሕበ። እንተ ንሕና!
ዓለም፡ ዋላኳ እታ ዓለም፡ አሻርያ እናዘረየትና
መንነትና አይንቕይርን፡ መን ክንከውን? ንሕና ንሕና ኢና
ትማልን ሎሚን ወነንቲ መትከልና ባዕልና፡ ንጹርዩ ራኢና!
ክምስምስ አይንብልን ንግዝያዊ ረብሓ፡ አይንሽየጥን ንኸብድና
ኾለል አይንብልን ሓሶት ከነመዓራሪ፡ ጥልመት ዘይልምድና
ነግፈርግ ዘይናትና፡ ሓንቲያ መንግድና፡ ካብጊሓትና
ልቦና ጥበብዩ ሕላገትና፡ ሓቂያ መንነትና፡ ጽንዓት ትእምርትና።
ናትናን ዘይናትናን ለሊና ንፈልጥ፡ ዘይንብል ግልብጥብጥ
እህህ! አይንብልን- ዘይንሓድር ከይገበርና ናይከብድና!
ምልክትና ንሱንድዩ፡ ጽንዓትና፡ ትእምርቲ ጉዕዞና።
ነዓናምበር ንዓይ ዘይብሉ፡ አሎውና፡ ይንበሩልና መታን ክነብር ከቢርና።
አርናቢና`ኮዩ! ዘይደፈር ዕርድና፡ ግርማናዩ አርማና
ሜላ ድፍረት፡ ሐቦ ኒሕ፡ ጽንዓት ዘስንቐና፡ ደራኺ ስጕምና!
ንሱዩ መድሕንና ዋሕስና፡ ጓኖት ከይደፍሩና፡ ክሳብ ፍጹም ሓርነትና።
ዓወት ንሓፋሽ!
ዝክሪን ምጎስን ንስውአትና!
መኮነን ዓንተራይ
ሎንደን 13/12/2007