Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Voice of Assenna: ወዱ ነቲ ትማሊ ኣብ ካርሼሊ ዝተሰውአ ጅግና ተጋዳላይ ሰለሙን ሃብቶም ሳምሶን ሰለሙን መልእኽቲ የመሓላልፍ

https://www.youtube.com/watch?v=77nn8guSMTY&feature=youtu.be

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • Berhe Tensea August 19, 2017

    RIP, .About 40 people attended in listening to this sad broadcast in Toronto cafe and people were very sad and some were crying .
    RIP
    Death to the worst enemy of the people .

  • Bini August 19, 2017

    ካብ ዘገልገለስ ዘውደልደለ!!!
    ንስውእ ተጋዳላይ ሰለሙን ሃብቶም መንግስተ ሰማይ የዋርሶ። ንኩላቶም ስድራ ቤቱ ጽንዓት ይሃቦም።
    ወዱ ንስዉእ ተጋዳላይ ኣቶ ሳምሶን ሰለሙን ዝተዛረቦ ቃላትን ዘቕረቦ ግጥምን ብጣዕሚ ዝትንክፍ እዩ። ስውእ ተጋዳላይ ሰለሙን ሃብቶም ካብ ስዊድን ናብ ሜዳ ወሪዱ ምእንቲ ናጽነት ሃገር ተጋዲሉ ክንሱ ብዘይ ፍርዲ ን14 ዓመት ተኣሲሩ። ከም ኣካይዳ ናይዚ ዘበን እንተርኢናዮ ካብ ኤውሮፓ ናብ ሜዳ እንተዘይወርድ ምኸበረ ነይሩ ምኽንያቱ እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ንዘጣቕዑ እንዳ ጸደፈ ከሎ ኸኣ ጽቡቕ ኣለኻ ዝብልዎ እዩ ዝፈቱ። ካብ ዝተጋደለ ዘውደልደለ እዩ ኮይኑ ሎሚ ዘመን።
    እቶም ሃገርና ጽቡቕ ኣላ ትብሉ በጃኹም ሕልናኹም ፈትሹ። ምእንቲ ናጽነት ዝተቓልሱ ንልዕሊ 10 ዓመታት ብዘይ ፍርዲ ክእሰሩ ቅኑዕ ድዩ? ስለምንታይ ኣብ ፍርዲ ዘይቀርቡ ኢልና ክንሓስብ ኣይንኽእልን።
    እዚ ዘሎ ግዜ ሕልና ንገብረሉ ግዜ እምበር ንፈላለየሉ ግዜ ኣይኮነን። እዚ ዘሎ ስርዓት ስልጣኑ መታን ከናውሕ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምፍልላይ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ኣሎ። እዚ ክርድኣና ኣለዎ!!! ኩሉ ኤርትራዊ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ኣወጊዱ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎን ዝወርድ ዘሎን ክሓስብ ኣለዎ እምበር ደጋፊ ዶ ተቓዋሚ እንዳበልካ ምፍልላይ ግዚኡ ኣይኮነን።
    ብወገነይ ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ዘስካሕክሕ ነገራት ክዝርዝር ክፍትን እየ።
    1. ምሉእ መዋእሉ ንዝተጋደለ ሰብ እሞ ከኣ ኣብ ፍርዲ ከየቕረብካ ኣብ ጎዳጉዲ ከምዝበሊ ምግባር። ኣብነት ዒራ ፡ዒሮ፥ መዕጢር፥ ካርሸሊ ወዘተ። ጀጋኑ ዘበሃሉ ዝነበሩ ተጋደልቲ ከም ብዓል ብትወደድ፥ ጴጥሮስ ሰለሙን፥ ሃይለ ድሩዕ፥ ኣስቴር፥ በራኺ ገብረስላሰ ከምእዉን ካልኦት ብዙሓት ብዘይፍርዲ ኣበይ ከምዘለዉ ኣይፍለጡን። እዞም ጀጋኑ ዝበሃሉ ዝነበሩ ኣብ ሓደ ንግሆ ከመይ ኢሎም ከዳዓት ክብሃሉ ይኽእሉ? ስለምንታይ ኣብ ፍዲ ዘይቀርቡ? ደቆም ስድራ ቤቶም እንታይ ይወርዶም ኣሎ?
    2. ስንኩላት ብኣልማማ ምርሻን!!! ኣብ ከባቢ ማይ ሓባር ብዙሓት ስንኩላት መሰሎም እንተሓተቱ (ኣዝዩ ዝግብኦም ከሎ ምኽንያቱ ምእንቲ ሃገር እዮም ሰንኪሎም) ብኣልማማ ተረሺኖም። ቀዳም ቀዳም በጊዕ ክንሓርደሎም ኣይኮንናን ዝብል ናይ ብድዐ መልሲ ተዋሂቡ። ስለምንታይ ኢልና ዘንሓትት ኣንቱም የሕዋትን ኣሓትን!!!
    3. ጀጋኑ ተጋደልቲ ኣብ ጸሓይ ተገቲረን ኣብ ብዉሑድ ክፍሊት ኣብ ፓርኪንግ ክሰርሓ ምርኣይ
    4. ኣመንቲ ዝተፈላለየ ሃይማኖት ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብሊኻ ከምዝሞቱን ምግባር፥ ምስቓይ።
    5. ኣብ ዓለም ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ጳጳስ ማሕዩር ናይ ገዛ ጌርካ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ምእታው።
    6. ብሚስጢር ዝተፈላለዩ ሰባት ምቕንጻልን ሃለዋቶም ምጥፋእን።
    7. መንእሰይ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምዚበሊ ምግባር።
    8. ስድራ ስውኣት ከምቲ ዝድለ ዘይምሕብሓብ
    9. ኤርትራዊያን ኣብ ክልተ ከምዝምቀሉ ምግባር ደጋፊ ተቓዋሚ
    10. ኤርትራዊያን ኣብ ባሕሪ እንዳጠሓሉ ዳንኬራ ምግባር
    11. ሓቂ ክገልጽ ንዝተዛረበ ስሙ ምጽላም፥ ዓጋመ፥ ወያነ፥ ወዘተ እንዳበልካ።
    12. ወዘተ
    ዓጋመ ማለት ኣውራጃ እዩ። ንሓደ ሰብዶ ኣስመራ ኢልካ ትጸርፎ ኢኻ? ? ? መቦቆል ናይ ትግራይ ዘለዎ ማለት እንተኮይኑ ግን ካብ ፕረሰደንት፥ ሓጎስ ኽሻ፥ ወዘተ ፍርቂ ወገኖም ካብ ትግራይ እዩ።
    ህዝቢ ኤርትራ ውዲት ናይ ህግደፍ ክነቕሓሉ ኣለዎ። ዝተባህለና ትም ኢልና ክንኣምን የብልናን። ዝተጋገየ ሰብ እንተሎ ኣሪምካ ንሃገር ከመይ ገይሩ ከምዝሰርሕን ክንሓስብ ኣለና። ኣበይ፥ መዓስ፥ ስለምንታይ፥ ወዘተ ዝብል ሕቶ ከከልዕል ኣለና።
    ኣብ መወዳእታ ከኣ ንስድራ ቤት ኣቶ ሰለሙን ጽንዓት ይሃቦም።
    ሓደ መዓልቲ እቲ ሓቂ ክግለጽ እዩ። ከምዚ ኣይመሰለናን ዝበሃለሉ ግዜ ክመጽእ እዩ።
    ንህዝቢ ኤርትራ ራህዋን፥ ሰላምን፥ ቅሳነትን፥ ሓድነትን ይፍጠረሉ።
    ቢኒያም

  • SAMSON GHEBREMESKEL August 19, 2017

    Rest in peace brother Habtom.
    Samson, your dad is a hero, you should be proud of him. Thank you for sharing your thoughts in this difficult situation. A joke! Truth will prevail.

  • Bini August 20, 2017

    RIP

  • Gebrekidan abraham August 20, 2017

    Rest in peace
    Nsdra xnaat yhabom debesa abona eyob ydebsom
    N mewati dma mengste semay ab hqfi abona abrahamn yshaqn yaqobn yenbro

  • tekle August 20, 2017

    ጽንዓት ይሃብኩም ስድራብት ሰልሙን ኢሰያስ ድማ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝህለቐ ሰብ እዩ።

  • ኤልሻዳይ August 21, 2017

    ኤርትራ በላዒ ሰብ ኣጥርያ ሰባት እንዳገፍዐ ዝነብር ዘሎ ገፋዒ ኢሳያስብላዒሰብ በሊዕዎም ነቲ ሰርዓትካ ኣዐርዮ ንዝበለ ኩሉ ዘጽድፍ እዩ። ኣቦና ሰለሙን ሃብቶም መንግስተ ሰማያት የዋርሶም እንታይ እሞ ክንገብር ስንፍናና ኣብ ቅድሜና ንርእዮ ኣሎና።

  • samson August 21, 2017

    what a sad day we have lost another of our revolutionary hero, it feels we have lost another part of our history. rest in peace my father solomon, my hero, might your soul rest in peace. i promise you we will never forget what you done for our country. we will remmber you for ever you are part of our history.

  • samson August 21, 2017

    as for his son samson be strong brother we need you now more than ever to tell the next genretion your father and his siblings heroism. God willing we will be free one day and history of the true Eritrean heros like your father and his brothers will be lectured across universities, colleges and schools.

POST A COMMENT