Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
37 COMMENTS
  • gelila November 27, 2013

    ወዲ ቫካሮ መን እዩ?
    ካበይ ተበጊሱ?
    ንምንታይከ ሕጂ?
    መን እዩ’ኸ ሕዝቢ?

    ዝኸበርኩም ኣንበብቲ እዚ ክጽሕፍ ዘገደደኒ ቅዱስ ሚኬኤልነት ናይ ዶክተር ተወልደ ቫካሮ ምስ ሰማዕኩ እመበር ከምቶም ካለኦት ነኤርትራ ክንሞተላ፤ ከነተሰእ፤ ሲንጋፖር ክንገብራ ክንደይ ዘይስማዕና ሸለልታዩ ዝምረጽ ምበልኩ።

    ድሕሪ እዚ ኩሉ ምጽቃጥ ወዲ ቫካሮ ክዛረብዩ ምስ ሰመዕኩ፤ ሎምስ ብሱል ነገር ይመጸእ ይኸውን ኢለ ድማ ተጸብየ ምኽንያቱ መላውስቲ፤ መባኸዕቲ መጣጀቲ እከይን ጽቡቅን ዝነበረ ሰብ ብምንባሩ። ዋላካ ከምዛ ዝረኸበኒ ዘሎ ኮይኑ ተሰዑኒ ልበይ ወቂዓ ዕግርግር እንተበለኒ ጊዜይ ሰዊኤ ክሰመዖ መሪጸ፤ እንተኾነ ዝተጸበኽዎ ዘይኮነስ ፤ በጃ ዝኾነ ገንሸል፤ ኣብ ቀራንዮ መእንቲ ሕዝቢ ኤርትራ ዝተሰወእ፤ ካብ ሰማይ ዘረደ መሲህ ወዲ ቫካሮ ዛንታ ሰሚዐስ ገሪሙኒ ንሱ ድዩ ካእ ተጠራጢረ ብዙሕ ቀሪበ ዘይፈልጦካ እንተኾንኩ ከምቲ ብብዙሓት ዝንገረሉን ስሕት ኢለውን ንኽረእዮ ዕድል ዝረኸብኩልን እዋናት ፤ ብዙሕ ዘይዛረብ ምኻኑዩ።

    ንመበገሲ ደኣ ኣለዒለዮመበር እዚ ኣኮነን ኣገዲሱኒ፤

    ገለ ገለ ካብ ዶክቶር ተዎልደ፤ ዘውከን ቃላት ክጠቅስ
    1. ኤርትራውያን መእሰያት ፓስፖርት ተዋሂብዎም ንቪዛ ዕድሎም ዘይረዩ ኢለ ይካታዕ ኔረ ኢሉና
    ምናልባት ከምዚ ናተይ ናይ ዶክቶር እሙናት ምንጭታት እንትረኺብኩም ክሳብታ ምስ ኢሰያስ ክልቴኦም ጥራይ ዝፈልጥዋ ምስጢራዊት ናይ ባእሲ ሰነዶም ዝተገንጸለትላ መዓልቲ፤ ዶክቶር “ኩሉ መንሰይ ነዛ ዓዲ ሓዲግዋስ ምስ መን ክተርፍያ” ብምባል ዝካታዕ ሰብ ምንባሩ ዝተጻሕፈ መርተዖን ናይ ቤት ፍሪዲ ምስክርንካ ከቅርበሉ እንተዘይከኣልኩ ሕልነኡ ኣጥቢቁ ስለፈልጦስ ዝኽሕዶ ኣይመስለንን። ንሱ ከመኡ ክብል ከሎ ግን ዘርኢ ቫካሮን ኣንስቱን ኣበይ ኔሮም? ከም ሰብሞ ንሕሰብ፡ ዋላ ሕጂወን ንዋጋእ ክብል እንከሎ ።
    2. ኩሎም ኣረቂ ሰትዮም እዮም ዝዛረቡ ኣነ ግን ማይ ሰትየ እየ …
    ናይቶም ዝጠቀሶም በደላት ኩሉ ሕዝቢ ስለፈልጦ ሓዲሽ ነገር ኣይነገረናን፤ ኣረቂ ሰትዩ ዝብድልሲ በደለኛ ኣይኮነን እካ እንተዘይተባህለ ሰትዩ ስለዝነበረ ተባሂሉ እቲ ፍርዲ ይቃለለሉ ማይ ሰትዩ ነቲ መጋብር ዝሓብሮኸ?
    3. ብዛዕባ በዕልግና ናይ ኵሎም ሰበስልጣናት እውን ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታቱ
    4. ካብ በሃለኡስ ደጋሜኡ ስለዝኾነን ንውልቀ ሰባት ክትትንክፍ እትሃስዮ ጉዳይ ንሃገርን ሕዝብን ወን ዘጸይፍ ስለዝኾነ ከምቲ ናቱ ብዙሕ ዝርዝር እካ ከኣቱ እንተዘይመረጽኩ ኣነ ሓንቲ ካብተን ግዳያት ብምካነይ ርክቡ ምስኩሎም ቢዝነስ ምንባሩ ድሕሪ ሰዓት 6 ድማ ከምዘይፋለጡ ገሊጹ፡ ብርግጽ ነተን ብዘይድልየተን ተምሪጸን ዝመጻ ዝነበራ መሰኪን ደቂ ድሕሪ ሰዓት 6ዩ መፍትሕ ናይ ገዘኡን …. ዝልገሰሎም ኔሩ ነዚወን ሕልነኡ ይኽሕዶ ዩ ኣይብልን (እንተዘተዋሳእካ ክፉእ ሬኢኻውንኮ ዓገብ ይበሃልዩ እንተዘከኣልካ ድማ ነቲ እከይ ገዛካ ኣይተምጸኦን ግን እቲ ጥቅሚኸ???)። ንበዓል ሪታ ሓዲግካ ማለተየ። ንሱ’ኸ ናበይ ይኸይድ? ኣምላኽ ይሕተቶ።
    5. ኤርትራ ናይ ህዝቢያ ፤ ሕጂ ድማ ኣጆኹም ናይ ኣባሓጎታትኩም እስትሕጋግ ኣሎሞ ….ክንማቀሎ ኢና ዛዓይነቱ ዘረባስ ዋላ ንባዕለይ ተቃዋሚት እንከለኹስ ኣስደሚሙኒ ኣልና እዛ ኤርትራስ ካን ኣኺሉዋዩ ክንግህጸኪ እምበር ክንሃንጸኪ ዚብል ዘየብላ።ትሩፍ ድሕሪ ደጊም፡ ንምኻኑ መንዩ እቲ እስትሕጋግ ዝወስድ? ወዲ ቫካሮ፡ ተቃወምቲ፡ ኢሰያስ፡ ስድራ ስወአት፤ ብሰንኪ ጥልያን ወለዶም ሰኢኖም ዘዓበዩ ኦርፋን ዋላስ መን?????????????????????????????????ንነብስና ንሕተት። ስለምንታዩ ኸ ዶክተር ሎሚ ምስ ከሰረን ኣንስቱን ደቁን ምስ ሰአነን እዚ ናይ ጥልያን ጽውጽዋይ ዘዕልለና ዘሎ? ሓንጎል ዘለዎ ሰብ ቅድሚ ምጥቀዑ ኣዝዊሩዩ ዝሓስብ ሞ ሓንጎልን ሕልናን ንግበር።
    6. ምናልባት ኣንስቱ ክብል እንከለኹ ሓንቲ እንድያ ሰበይቱ ኢለ ካብ ዝካተዑ ዝነበሩ ሰባትየ ኔረ ቤላ ቤለው ሓዲግካ ማለተየ ብዙሕ ከየተዛረብኩ ግን በዛ ናይ እሙን ምንጪ ጥቅሲ ክሓድገኩም “ እዚ ኹሉ ዓመታት ምስ ወሽመኡ ኮይኑ ተኸኽ ኣቢልዋ ከያክልሲ ሕጂ ድማ እንቃዕ ደኣ ብሽጉጥ ከየጥፍኣ እንከሎ ተገላገለት ካብኡ መስክነይቲ ….፤ ዕድመ ንፖሊስ ኢታሊ ሕጂ ግን ቀዳመይቲ ሰበይቱ ነጻ ወጺአ ቤት ፍርዲ ኮለል ትብልን ናብራኣ ትገብር ኣላ። እንተ እታኻለአይኣቲሞ ብዙሕካ ወረ እንተዘየብለይ ንሳውን ብሽጉጥ ተጸጊዓ ትኸውን፤ ተጋግያ ናይ ክንድዚ ዓምታት ሓዳር ኣፍሪሳ ኣርባዕት ቆለዑት በታቲና ኣይግድን ….እቲ በደለኛ ባዕሉካ እንተኮነ…” ናይ እዚ ናይ ሓደ እሙን ቀረባኡ ምንጭዩ።
    ኣነ ዕላማይ ኣብቲ ምቅዋም ደአ እምበር ውልቀ ሰባት ምህራም ኣይነበረን ግን ናይ ዶክተር መለአኽነት ምስ ሰማዕኩ ዘይሓልፈላ ዓዲ ሕጂኸ ናበዩ??? ኣገዲሱኒ ኪጽሕፍ ተገዲደ። ሓደ እዋን መንግስቱ ንዙንባቤ ምስ ሃደመ ዝገበሮ ቃለ መጠይቅ ክጠቅስ
    ጋዜጠኛ፤ ክንደይ ሰብ ቀቲልካ?
    መንግስቱ ፤ ናይ ነዕቀትን ምግራምን ሰይጣናዊ ሰሓቅ ድሕሪ ምስሓቅ፡ ይትረፍዶ ሰብ ሃመማውን ቀቲለ ኣይፈልጥን ክብል መለሰ
    ሓቁዩ በኢዱ ክትኩስ ወይ ሓኒቁ ክቀትል ዝረዮ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን ስለዚ ድማዩ ነቶም ሰጣናዊ ስርሑ ከሳልጡሉ ዝመዘዞም ሃዋርያት እከይ ኣሕሊፉ ዝሃቦሞ ፤ዶክተር ድማ ኣብ ክንዲ ኩልና ንጋገ ኔርና ንህዝቢ ይቅሬታ ሓቲትና ግን ንኸሓሶ እስከ ንፈትን ኣብ ክንዲ ማለት የሱስ መጼ ኣልኹሞ ስገዱለይ፤ ገንዘብ ካብ ኦም ባዕዳውያን ከዝንበልኩሞ ፈርሙ፡ ዝወደቀ ሃብተይ ከለዕሎ ተሓበበሩኒ ኣነ ኩሉን ብኹሉንየ ምባልሲ ኣይዘርባን ከምቲ ዘንፈልጦ ወስ ዘበልካልና ሕጂከ ምስ ኣየናይ ማፍያ ኮን ኢካ ከተዋዓዕለና ወደይ!

POST A COMMENT