Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓቅን ፍትሕን ስለ ህዝብን ሃገርን – 2ይን ናይ ምወዳእታን ክፋል

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ “ሓቅን ፍትሕን ስለ ህዝብን ሃገርን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ዘቕረብናዮ ቃል ኣሰና፣ ኢሳይያስ ብፖለቲካዊ ዓይኒ ምዉት ስለዝኾነ ኣካላዊ ሃለዋቱ ምጽንጻን ገዲፍና ኣብ መተካእታ ናይቲ ስርዓትን መጻኢ ኤርትራን ከነተኵር ከምዝግባእ መደምደምታ

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ “ሓቅን ፍትሕን ስለ ህዝብን ሃገርን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ዘቕረብናዮ ቃል ኣሰና፣ ኢሳይያስ ብፖለቲካዊ ዓይኒ ምዉት ስለዝኾነ ኣካላዊ ሃለዋቱ ምጽንጻን ገዲፍና ኣብ መተካእታ ናይቲ ስርዓትን መጻኢ ኤርትራን ከነተኵር ከምዝግባእ መደምደምታ ብምሃብ ኢና ዛዚምና። ቃል ንቓሉ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ “ሞይቱ እንተዝኸውን ከ እንታይ ኮን ምገበርና?” ብዝብል ሕቶ ነብስና ክንብድህ፣ ድልዉነትና ክንፍትሽ ከምዘለና ‘ውን ኣዘኻኺርና። ቀንዲ ትሕዝቶ ናይዚ ካልኣይ ክፋል እምብኣር ነዚ ወሳኒ ጉዳይ’ዚ ዝድህስስ ክኸውን እዩ።

ነዚ ንመተካእታ ናይቲ ስርዓትን መጻኢ ሃገርናን ዘለና ድልዉነት ዝምልከት ሕቶ ‘ዚ ብሓደ መስመር ክንምልሶ እንተደኣ ዄንና መልስና፣ “ዛጊት ድሉዋት ኣይኮናን፣ ኣማራጺ የብልናን” ዝብል እዩ። ነቲ ኩነታት ብዕምቆት ምእንቲ ክንርድኦን ክንሓስበሉን ክንሰርሓሉን ግን፣ ካብዚ ቁርጺ-መልሲ ሓሊፍና ከመይ? ስለምንታይ? እንታይ? ዝብሉ ሕቶታት ኣልዒልና ፍሽለትና ከመይ ከምዝመስል ከነለሊ፣ ስለምንታይ ከምዘይተዓወትና ክንግምግም፣ እንታይ ኣማራጺ ክህልወና ከምዝኽእል ክንእምት የድልየና።

ሃገርና ኤርትራ ኣብ 1991 ካብ መግዛእቲ ተገላጊላ ናጽነታ ‘ኳ እንተተጓናጸፈት ን 24 ዓመታት መንግስቲ ኣይረኸበትን። ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት ክደሊ ዘሕለፎ ዓመታት፣ ምስቲ መንግስቲ ንምርካብ ዝተጸበዮ ግዜን ገና ዝቕጽሎ ዘሎ ትጽቢትን ዳርጋ ተዳሪጉ ብምህላዉ፣ ኣብ መወዳእታ፣ እታ መንግስቲ ዘይረኸበት ሃገር ህዝባ ከይትስእን ዘስግእ ኮይኑ ኣሎ።

መንግስቲ የብልናን ክንብል ከለና፣ ቅዋማዊ መንግስቲ፣ ባይቶ፣ ነጻ ቤትፍርዲ፣ ነጻ ጋዜጣ ንዝኣመሰሉ ዲሞክራስያዊ ትካላት ዘካተተ መንግስቲ ማለትና ‘ውን ኣይኮነን። እቲ ተራ፣ ዋላ ንማለቱ ቁሩብ መንግስታዊ መልክዕ ዘለዎ ዝተሓተ መልክዕ መንግስቲ ማለትና እዩ።

ጀነራላት ዜጋታት ከም ቃሕትኦም ዝኣስሩሉ በብወገኖም ዝውንኑዎ ኣብያተ ማእሰርቲ እንተልዩዎም፣ ከምቶም ሶማል ኣፍርያቶም ዝነበረት ‘ዎር-ሎርድስ’፣ ናይ ዝፈሸለት ሃገር መራሕቲ ምልሻ ደኣምበር ኣዘዝቲ ሰራዊት ናይ ሓደ መንግስትን ሃገርን ክብሃሉ ኣይክእሉን እዮም። ከም ኣስመራ ንዝኣመሰለት ብስልጣኒኣ ሓደ ዘበን ዘቝጸረት፣ ሮማ ሮማ እትሽትት ዋና ከተማ፣ ‘መንግስቲ’ ንዝነበራ ምእኩል ስርዓተ-ጸዓት ከካይዶ ስለዘይከኣለ ነጋዶኣን ነበርታን ኣብ ከካንሸሎኦም ጀነኔተር ሩር እናበሉ ጁባ ጁባ ከጥዕሙዋ እናረኣኻ፣ ነቲ መንግስቲ ኣልቦነት ንምምስኻር ነዞም ዝጠቐስናዮም ፖለቲካዊ ትካላት ምምልካት ‘ውን ኣየድልየካን ‘ዩ። ኣብዞም ዝጠቐስናዮም ክልተ ኣብነታት ፍትሕን ቁጠባን ዝኾኑ ቤትማእሰርትን ሓይሊ ኤሌትሪክን ጥራይ ብምትኳር ጥራይ ንኹነታት ሃገርና እንተፈቲሽናዮ፣ ነታ ብደም ኣሽሓት ዝተረኽበት ሃገር ንብዓት ምልዮናት ኣፍሲስካ ‘ኳ ኣይትጸግበላን። ምኽንያቱ፣ ነቲ ማህደር ማእሰርቲ ቅልዕ እንተቢልካዮ፣ “ናይ ኣጽንሓለይ፣ ናይ እሱር ሕድሪ” መዝገብ ኢኻ እትረክብ። ኣንቱም ሰባት፣ ብዛዕባ ኣቕሓ ‘ኮ ኣይኮናን ንዛረብ ዘለና! እቶም “ብሕድርን ይጽንሓለይን” ንዓመታት ዝዳጎኑን ብኡ ኣቢሎም ዝርስዑን ዘለዉ ሰባት ደቂ ኣዳም ‘ዮም። ምእንቲ ‘ታ ሃገር፣ ኣቦኦም ኣዲኦም፣ ሓዎም ሓብቶም ዝሰኣኑ፣ ባዕሎም ዘገልገሉ ወይ ድማ ክፍሊ ኣካላቶም ዝሰንከሉ። እተን በብወገነን ሩር ዝብላ ጀነኔተራት ብራሽኦን እንተተፈትሹ ‘ውን፣ ናይ ኮንትሮባንዳ ነዳዲ እየን ዘጽንሓ። ብወደብ ባጽዕ ዝኣተወ ንብረት ብመምርሕን ኣፍልጦን ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ትራንዚት ተባሂሉ ዶብ ሱዳን ተሳሊሙ ናብ ኤርትራ ተመሊሱ ክሽየጥ ከሎ፣ ኣብ 1994 ዝተዘግሐ ኣዋጅ መሬት ምርኩስ ጌርካ ሓሙሽተ መግስታት ክቕየሩሉ ድሕሪ ዝግባእ ግዜ ኣባይቲ ድኻ ህዝቢ ዝፈርሰሉ ሃገር እሞ እንታይ መንግስቲ ኣለዎ ክብሃል እዩ!

ካብዞም ከም ካልኣይ ደረጃ ዝጠቐስናዮም ኣብነታት ካልእ ዝኸፍአ እዋናዊ ምልክት ስርዓት ኣልቦነት ግን፣ ብሰንኪ ‘ቲ El Nino ተባሂሉ ዝፍለጥ ተርእዮ ኩነታት ኣየር ሚልዮናት ምብራቕ ኣፍሪቃውያን፣ ናይ ጥምየት ሕማምን ሕጽረት ማይን ሓደጋ የንጻላልዎም ከምዘሎ መንግስታትን ኣህጉራውያን ትካላትን ተሪር መጠንቀቕታ እናመሓላለፉ ከለዉ እቲ መላኺ ስርዓት ጥርቅም ኢሉ ኣጽቂጡ ምህላዉ እዩ። El Nino ፖለቲካዊ ካርታ ሃገራት ዘይፈሊ ከም ምዃኑ መጠን፣ ጎረባብቲ በቲ ኩነታት ኣየር ክትንከፋ ከለዋ፣ ህዝቢ ኤርትራ ‘ውን ንዕኡ ዘለዎ ጽልዋ ኾነ ዝግበረሉ ምድልዋት ክፈልጥ ግቡእ እዩ። ይኹን’ምበር፣ ካብ ህይወትን ጥዕናን ህዝቢ፣ ስርዓት ኣልቦነቱ ምሽፋንን ምጽብባቕን ዘቐድም ብስሱዕ ሕልና ዝተዓፈነ፣ ምእንቲ ‘ዚ ፖለቲካዊ ዕላማ ኣሃዛት ሕሙማት ኤይድስ ከይተረፈ ክሓብእ ልቢ ወለድ ስታትስቲክስ ምስናዕ ‘ኳ ካብ ዘየኽንኾ ስርዓት ውርዙይነት ምጽባይ ዝከኣል ኣይኮነን።

ኣብነታት መንግስቲ ኣልቦነት ኤርትራ መወዳእታ የብሉን። ሓንቲ ሃገር መንግስቲ እንተዘይሃልዩዋ ህዝባ ክትስእኖ ከምእትኽእል እምብኣር ኣብ መጽሓፍ እንርእዮ ዘለና ክልሰ-ሓሳብ ዘይኮነ ኣብ ባይታ እንርእዮ ዘለና ክዉን ሓቂ እዩ።

ነቶም ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮም ፖለቲካዊ ርዝነት ዘለዎም ኣምራት ኣብዚ ዓንቀጽ ‘ዚ ደጊምካ ምትንታኖም ሽውሃት ዝሰኣናሉ ምኽንያት፣ ንሓያምነትን መኻንነትን ስርዓት ኢሳይያስ ንዓመታት ተዛሪብናሉ ስለዘሰልቸወና፣ ነቲ ዓለም “ሰሜን ኮርያ ኣፍሪቃ” እናበለት እትጽውዖ ዘላ ገበናቱ ኣብ ከብሒ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተሰኒዱ ዘሎ ስርዓት ህዝቢ ኤርትራ ኣጸቢቑ ነቒሑሉ ስለዘሎ እዩ። ስለዝኾነ፣ ሕፍረቱ ድሕሪ ምቅልዑ ነቲ ስርዓት፣ ብኣፍ ሳህለን መሃንዘልን ከነባጭወሉ ‘ምበር፣ ብዕቱብነት ከነመሳኽረሉ ዘድሊ ኣይኮነን።

ኣብዚ ኩነታት በሲሉ ኣድላይነት ለውጢ ኤርትራ ብህዝቢ ተኣሚኑሉ ዘሎ መድረኽ ቀንዲ ሕቶ ኮይኑ ዘሎ እምብኣር ጉዳይ መተካእታ እዩ። ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ማህጸን ኤርትራ ተጠኒሱ ኸሎ ሕርሲ ደንጕዩሉ ዘሎ ምኽንያት እንታይ እዩ?

ዶስ ከም ውጽኢት ስነኣእሙሮኣዊ ሳዕቤን ኣብ ረርእስና ዝተጠንሰ ሕሉፍ ድሌት ‘ዩ ኣብ ከብዲ ኤርትራ ናይ ሓሶት ጥንሲ ዘርእየና ዘሎ?

ነቲ ኣርእስትና ብቐንዱ፣ “ሓቅን ፍትሕን፣ ስለ ህዝብን ሃገርን” ኢልና ከነኽብዶ ዝተገደድናሉ ምኽንያት እምብኣር፣ ስለ ሓቂ ብዘይ ፖለቲካዊ ቃልዓለም ክንዛረብ ድርኵዅት ስለዝደለና እዩ።

ወትሩ ድሌትና “ዲሞክራስያዊ ለውጢ” ምዃኑ ምዝራብ ኣየጸግመናን እዩ። እንተኾነ፣ ካብቲ ላህመት ንውሽጢ ውርድ ኢልና፣ ድሌትና ናብ ክዉንነት ንምቕያር ዘድልዩ፣  ዘማላእናዮምን ዘየማላእናዮምን ኩነታት፣ ዝድግፉናን ዘዐንቅፉናን ዘለዉ ረቛሕቲ ምፍታሽ ከቢዱና ጸኒሑ ኣሎ። ሕጂ ‘ውን እንተኾነ፣ በዚ ዓንቀጽ ‘ዚ ነዞም ጉዳያት እዚኣቶም ንኹሎም በጺሕና ፈርሶም ከውጽኦም ዓቕሚ ናይዚ ዓንቀጽ’ዚ ኣይኮነን። እንተኾነ ወስታና፣ ከም ህዝቢ ክንዛተየሎም፣ እኩብ ርእሲ ኸኣ ብስነፍልጠታዊ ኣገባብ ኣጸቢቑ ክመራመረሎም ንምዝኽኻር ዝዓለመ እዩ።

መግዛእቲ ኢትዮጵያ ስዒርና ናጽነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ንዓመታት ኣብ መሪር ዕጥቃዊ ቃልሲ ተጸሚድና ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፣ እቲ ዕዮ ዝኸበደ ዕማም ጌርና ስለዝወሰድናዮ፣ ከም ህዝቢ ናይ ሓይለቦና ኢና ከፊልናሉ። ዘጥፋእናዮ ግዜን ዘፍሰስናዮ ገንዘብን ቀሊል ‘ኳ እንተዘይኮነ፣ እቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ዝኸበደ ዋጋ ግን እቲ ስድራቤታት ኤርትራ ካብ ማህጸነን ቀንጢበ ዘወፈያኦ ህይወት ዓሰርተታት ኣሽሓት ደቀን እዩ። ኣብ 1991 ምስ ክዉንነት ገጽ ንገጽ ምስ ተጋጠምና ግን ካብ መግዛእቲ ምፍራስ ንላዕሊ ናጽነት ምትካል ኣጸጋሚ ኮይኑ ተረኺቡ። ስለምንታይ?

ነዚ ስለምንታይ ዝብል ሕቶ ቅድሚ ምምላስና፣ ኣብዚ ኣነጺርና ክርድኦ ዘለና፣ ናጽነት ክብሃል ከሎ፣ ‘ጦር ሰራዊት’ ካብ መሬትካ ኮስቲርካ ምውጻእ ማለት ጥራይ ኣይኮነን። ህዝቢ ኩሎም ዓይነት ሓርነታት፣ ናይ እምነት፣ ምግላጽ ሓሳባት፣ ምውዳብ፣ ምንቅስቓስ፣ ፖለቲካዊ ተሳታፍነት፣ ዝመሓደረሉ ስርዓትን መራሕትን ናይ ምምራጽ መሰል ከምዝህልዎ ምግባር፣ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ብማዕረ ተዳንዩ ፍትሒ ዝረኽበሉ ሃዋህው ምፍጣር ዝኣመሰሉ ረብሓታት እዮም ንሓደ ህዝቢ ናጽነት ረኺቡ ዘብሉዎ። ኣብዞም ሓርነታትን መሰላትን እዚኣቶም ዋንነት ክህልዎ ድማ ኣብ ምርግጋጾም ሓቀኛ ተሳታፍነት ክህልዎ ኣለዎ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ግን፣ እዚ መሰላትን ሓርነታትን ኣብ ኤርትራ ባይታ ኣይረኸበን። ኣብቲ ዑና መግዛእቲ ሰበባ ውልቀመላኽነት ኢና ንርኢ ዘለና። ናጽነት የብልናን። ልክዕ ከም ምፍራስ መግዛእቲ፣ ንምትካል ናጽነት ኣኽቢድና ስለዘይረኣናዮ፣ ስለዘይተወፈናሉ ኸኣ ኢና ስኢናዮ ዘለና። መግዛእቲ ኣፍሪስካ ናጽነት እንተዘይረኺብካ ግን፣ እቲ ቃልሲ፣ እቲ መስዋእቲ እንታይ እዩ ትርጉሙ?

ሓደ ሓደ እዋን ንኣምራት ካብ ብስሞም ብትሕዝቶኦም ክትጅምሮም ከለኻ ኣድማሳውነቶም ክትርእዮ ዝቐለለ እዩ። ነዚ ብትርጉሙ ዝገለጽናዮ ኣምር ርእሰ-ምሕደራ ህዝቢ ኣብ ጉዳያቱ ንኣብነት፣ ጥንታውያን ግሪኻውን ዲሞክራሲ ክብሉ ከም ዝሰመዩዎ ይፍለጥ። እንተኾነ፣ እቲ ኣባሕጎታትና ጉዳይ ህዝቢ ንምርኣይ ዝተኸሉዎ ባይቶ ዓዲ፣ ህዝቢ ዝመረጾ ጭቃ ዓዲ ካብዚ መስርሕ ርእሰ ምሕደራ ‘ዚ ዝፍለ ኣይኮነን።  ውልቀመላኺ ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ነዚ ኣምር ‘ዚ ንምጽያን ዝደርፉዎ “ምዕራባዊ ዲሞክራሲ” ዝብል መዝሙር ዝደግም ህዝቢ ግን ብዙሕ እዩ። ብግብሪ ክርአ ኸሎ ግን ዛጊት ካብዚ ህዝባዊ ተሳታፍነት ዝሕመረቱ ስርዓተ ምሕደራ ዝበለጸ ምርጫ የልቦን።

ከም ኣምር ክርአ ኸሎ ምንጪ ሓይሊ ሓደ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ህዝቢ እዩ። ብደረጃ ዓዲ፣ ከተማ ይኹን ሃገር ህዝቢ ድምጹ ሂቡ ባህገይን ድሌተን ከማልኡለይ ይኽእሉ እዮም፣ የዋጽኡኒ ‘ዮም ዝበሎም ወከልቱ መሪጹ ይመሓደር። ስልጣን ናብ ህዝቢ ይርከብ ክብሃል ከሎ፣ ህዝቢ ከም ዕስለ ንህቢ ኣብ ሰደያ ተጠፍጢፉ ክዋሳእ ማለት ኣይኮነን። መሰረታዊ መትከል ዲሞክራሲ ውክልና እዩ።

እምብኣር ናብቲ ስለምንታይ ኢና መግዛእቲ ምስ ኣፍሪስና ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ምህናጽ ዘጸገመና ናብ ዝብል ቀንዲ ሕቶና ንመለስ።

1ይ – ሓያል ሃገራዊ መንነት ዘይምህላው (ናይ መንነት ቅልውላው)

ሃገራዊ መንነት ክንብል ከለና ከም ኤርትራውያን ዘሕብሩና እምነታትን መትከላትን ማለትና እዩ።

ሓያል ሃገራዊ መንነት ምህላው ኣብ ምጥጣዕ ደሞክራስያዊ ባህሊ ዓቢ ደገፍ ኣለዎ። ዜጋታት ናይ ከምዚ ናትና ዝኣመሰላ ሓደስቲ ሃገራት ልቦም ኣውዲቖም፣ ተኣማሚኖም ኣብ ፖለቲካዊ መጻኢ ሃገሮም ክሳተፉ እንተኾይኖም ሃገሮም ከምዝብጽሑዋን ከም እትብጽሖምን እምነት ክህልዎም፣ ነቲ እምነት’ቲ ከኣ ኩሎም ክመቓርሑዎ ኣለዎም።

ሓደ ካብ ቀንዲ ዕንቅፋታት ምህናጽ ዲሞክራሲ ኣብ ሃገርና እምብኣር ከምዚ ዝኣመሰለ ሓያል ሃገራዊ መንነት ዘይምምዕባልና፣ በንጻሩ እቲ ዝርካቡ ፈኸም ዝብል ዝነበረ፣ ኣብ ሓርነታዊ ቓልሲ ካብ ብቐጥታ ብዝያዳ ብጽልኢ ገዛእትና እንገልጾ ዝነበርና ኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒት ምድኻሙ እዩ።

ድሕሪ ናጽነት፣ ከም ሓያለ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዙሓዊ ሕብረተሰብ ከምዘለና መጠን ኣብ ብሄር፣ ሃይማኖት ይኹን ቋንቋ ዝተመስረተ ሃገራውነት ከነማዕብል ስለዘይከኣል፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተሰብና ዝርከቡ ንኹሉ ወገን ዘዕግቡ ያታዊ ክብርታትን ሰናይ-ተግባራትን፣ ምስቶም ኣብ ሃገራዊ ቅዋም ዝተኸቱ ሕመረት ዲሞክራስያዊ መትከላት ኣዋሲብና ከም ምስሕብ ሃገራዊ መንነትት ብምጥቃም፣ ሃገራዊ መንነትና ከነሐይል ተኽእሎ ነይሩና።

ይኹን’ምበር፣ በቲ ምልካዊ ስርዓት ንይምሰል ዝተነድፈ ቅዋም ኤርትራ፣ ኣሽምባይ ዶ ከም መስሕብ ምሕያል ሃገራዊ መንነት ከገልግል ክስርሓሉ፣ ኣብ ግብሪ ክውዕል ‘ኳ ስለዘይተደልየ ኣበርክቶ ኣይነበሮን።

ካልእ ልቢ ህዝብና እናፈራረቐ ሓያል ሓባራዊ ሃገራዊ መንነት ካብ ምርግጋጽ ነግፈረግ ዘብሎ ዘሎ ዕንቅፋት፣ እቲ ኣብ ስትራተጂካዊ ረብሓ ሃገር ዘይኮነ ኣብ ግዝያዊ ፖለቲካዊ ጠቕሙ ተመርኵሱ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ከም ዊንታኡ ዘዘውትሮ ስልታዊ ዞባዊ ዝምድናታት እዩ። ንፋስ ደቡብ ተበሪሁዎ “ምስ ኢትዮጵያ ኮንፈረድረሽን ዶ ፈደረሽን ክገብር ኢና” ክብል ጸኒሑ፣ ፔትሮ ዶላር ክደሊ ኸሎ “ንግዝኡ ተዓዘብቲ ኣባላት ሃገራት ዓረብ እሞ ግበሩና ሓደ መዓልቲ ኣበይ ከይተርፈና” እናበለ በብግዚኡ ዝህቦ ምልክታት፣ ኣብ ህዝብና ዝፈጥሮ ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን ‘ውን ተወሳኺ ዕንቅፋት እዩ።

እቶም በዚ ምልክታት ‘ዚ ዝተባብዑ ወይ ድማ ዝቕየሙ ሓይልታት ወጻኢ፣ ሃገራት ዓረብ ከምኡ’ውን ኢትዮጵያ ንገዛእ ርእሶም፣ ነቲ ኣብ ነግፈረግ ዝርከብ ህዝቢ ቲፎዞኦም ክገብሩዎ ክመጣጠሩ ክብሉ ንዘይምትእምማኑ ከጋፍሑዎ ይረኣዩ።

ብፍላይ እቲ ንግዝያዊ ረብሓ ክብል ምስተን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ መሳሰይቲ እስላማዊ ጥሩፍነት ኮይነን፣ ንዝንቡዕ ምትእትታው ወይ ዘይምትእትታው ምዕራባውያን ሃገራት መዝሚዘን፣ ነተን ከም ሶርያን ዒራቕን ዝኣመሰላ ብተዛማዲ ሓያላት ዝነበራ ሃገራት ዓረብ ‘ኳ ብትዕትዕ ዘእተዋለን ዘለዋ ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ዝገብሮ ዘሎ ሕግብግብ፣ ነቲ ዘሳቕየና ዘሎ ናይ መንነት ቅልውላውና ካብ ምግዳድ ሓሊፉ፣ ኣብታ ድሮ ብውልቀመላኽነቱ ተዳኺማ ዘላ መላግቦ ማእከላይ ምብራቕን ምድረ ሓበሻን ዝኾነት ሃገርና ብቐሊሉ ዘይወጽእ ሳዕቤን ከየኸትለልና ዘስግእ እዩ።

ብቐንዱ እቲ ሕቖ ህዝብና ዝሰበረ ምልካዊ ስርዓተ ምሕደራ፣ ከምኡ ‘ውን እዞም ዝጠቐስናዮም ብፊንታ ሓደ ርእሲ ዝካየዱ ድኹማት ሜላታት ዞባዊ ዝምድናታትን፣ ንሕብረተሰብና በቲ ሓደ ክሳብ ‘ቲ ዝተሓተ ደረጃ ሃይማኖትን ብሄርን ኣውሪዶም ብምፍልላይ ነቲ ዝጸንሖ ርክብ ብምብትታኽ፣ በቲ ኻልእ ዓበይቲ መጸግዒታት፣ ማለት፣ ዓረባዊ መንነት ቁልሕ ምባል ወይ ከኣ “ብኻ ምስ ኢትዮጵያ ጸኒሕና” ዝብል ጣዕሳ፣  ንኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ኣብ ህዋህው ጠልጠል ኣቢሎሞ ይርከቡ ኣለዉ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ መንነት ቅልውላው ዝርከብ፣ ሓያል ሃገራዊ መንነትን ሓባራዊ ራእይን ዘይብሉ ሕብረተሰብ እምብኣር፣ ምትእምማን ስለዘይህልዎ፣ ጉጅልኣዊ ህላዊኡ ወይ ዕብላሊኡ ከረጋግጽ ፍሕት ካብ ምባል ሓሊፉ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ከረጋግጽ ብምሉእ ልቡ ክንቀሳቐስ ኣይክእልን እዩ። እዚ ኸኣ ‘ዩ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ መሓንቖታት ለውጥን ዲሞክራስን።

2ይ – ድኹም ህዝባዊ ተሳታፍነት ኣብ ፖለቲካ (ሕሉፍ እምነት ኣብ ውልቀሰባት)

እቶም መግዛእቲ ንምፍራስ ሜዳ ዝወፈሩ ኤርትራውያን ውድባት ጀብሃ ይኹን ሻዕብያ፣ ዝዓጠቑዎ መሳርሒ ናይ ዕንወት እምበር ናይ ህንጸት ኣይነበረን። ስነኣእምሮኦም ‘ውን በቲ ሸቶ ‘ቲ ዝተቓነየ እዩ። እቲ ወለዶ ገድሊ መስዋእቲ ንእስነትን ህይወትን ከፊሉ መግዛእቲ ምዕናዉ ንገዛእ ርእሱ መዳርግቲ ዘይብሉ ዓቢ ሞያ እዩ። በዚ ድማ መጎሰን ክብርን ይግብኦ። ይኹን’ምበር፣ ናይ ዕንወት መሳርሒ ዓጢቕካ ናጽነትን ዲሞክራስን ክትሃንጽ ዝከኣል ኣይኮነን። ናብ ህንጻ ዝቐንዐ ሓድሽ ፍልስፍናን ሓድሽ ዕጥቅን ‘ዩ የድሊ። ሓዱሽ ወለዶ ኤርትራ ነዚ ዘይምብቅዑ ኸኣ ንባዕሉ ክሳራ እዩ።

ሓደ ኣብነት ናይቲ መግዛእቲ ንምዕናው ዝተሰርሓሉ ‘ሞ ኣብ ህንጸት ሃገር ዳግም ዝተፈተነ ኣረጊት ሜላ፣ እቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ግኑን ዝነበረ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ (Top Down) ዝዓይነቱ ኣወዳድባን ምሕደራን እዩ። ኣብቲ ግዜ ‘ቲ ተጋዳላይ ይኹን ሓፋሽ ውድባት ላዕለዋይ መሪሕነት ዝሓንጸጾ መደብ ከተግብር ደኣምበር ኣብ ውሳኔታት ክሳተፍ ትጽቢት ኣይግበረሉን ዝነበረ። እቲ መግዛእቲ ናይ ምፍራስ ተልእኾ ብባህሪኡ ብወተሃደራዊ ዕማም ዝተዓብለለ ምንባሩ ክምኽነየሉ ዝከኣል ኳ እንተኾነ፣ ዳግመ ህንጻ ሃገር ብተመሳሳሊ ቕዲ ከተሰላስል ምፍታን ዕንወት ጥራይ ከምዝኾነ ውጽኢቱ ኣረጋጊጹዎ ኣሎ።

መራሕቲ ስርዓት ኤርትራ፣ ነቲ ብኵናት ዝተቓነየ ኣእምሮኦም ናብቲ ሓድሽ ህንጻዊ ዕማም ሃገር ከስተኻኽሉዎ ከምዘጸገሞም፣ እቲ ኣብ ፈለማ ዓመታት ናጽነት ዝነበረ ምጥፋእ መኣዝን ርኡይ ምስክር እዩ ነይሩ። ናይ ህዝቢ ሓልዮት ዘለዎም ብሓቂ ንኤርትራ ዝሓስቡላ ቅኑዓት ሃገራውያን እንተዝነብሩ፣ ነቲ ዝቐጸለ ዓመታት፣ ንህንጸት ሃገር ዝበቅዕ ሓዱሽ ወለዶ ክምልመል ዕድል ክኸፍቱሉን ደረጃ ብደረጃ መድረኽ ከረክቡዎን ምተገብአ። ንሳቶም ግን፣ ኣብ እዋን ሰላም ክመርሑ ከምዘይክእሉ ምስ ተገንዘቡ፣ ብኣግኡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብምእዋጅ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ወተሃደር፣ ንኤርትራ ኸኣ ዓወደ ኵናት ክገብሩዋ እዮም ወሲኖም። እንሆ ድማ ከምቲ ዝወጠኑዎ፣ ኤርትራዊ ካብ ትሕቲ ዕድመ ክሳብ ሽማግለ ዓስከር ኮይኑ፣ ኤርትራ ድማ ወተሃደራዊት መዓስከር ኮይና።

ሓደ ተረካብ ኣብነት ናይዚ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዝወርድ፣ ህዝባዊ ተሳትፎ ዘየፍቅድ ወተሃደራዊ ምሕደራ፣ ኣብቲ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ኣቶ ወለንኪኤል ኣብርሃ ንዋንነት መሬት ኣመልኪቱ ሎሚ ቕነ ዝሃቦ ሰሚናር ኮፍ ኢሉ ‘ሎ።

እቲ ኣብ 1994 ዝወጽአ ኣዋጅ መሬት ን21 ዓመታት ኣብ ከብሒ ደቂሱ ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ ተበራቢሩ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝጉስጎሰሉ ዘሎ ምኽንያት፣ “ደጊም መላእ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ቆልዓ ክሳብ ሽማግለ ዓስከር ኮይኑ ወተሃደራዊ ኣተሓሳስባ ሰሪጹዎ፣ ንዝሃብናዮ መምርሒ ከም ማሺን ክትግብሮ ናብ ዝኽእለሉ ደረጃ ወርዱ ስለዘሎ፣ ጸገም የለን” ናብ ዝብል መደምደምታ ስለዝተበጽሐ እዩ። ዋላ እቲ ን 20 ዓመታት ስቕ ኢሎም ክዕዘቡዎ ንዝጸንሑ ህንጻ ኣባይቲ በልማማ ዘዕንዉሉ ዘለዉ ምኽንያት ‘ውን ከምኡ ህዝቢ ብወተሃደራዊ ስስርዕ ኣልዚብናዮ ኢና ዝብል ስምዒት ስለዘለዎም እዩ። ኣቶ ወለንኪኤል ኣብ መግለጺኡ፣ ቃል ንቓሉ፣ “መምርሒ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ይወርድ፣ ሓበሬታ ድማ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ይድይብ” ክብል ‘ዩ ዝዛረብ። መቸም ኣብቲ ኣኼባ ነቲ ኣዋጅ ከም ዘይቅየር መመርሒ የቕርቦ ስለዘሎ እቲ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ክመጽእ ዝጽበዮ ሓበሬታ፣ ነቲ መምርሒ ንምትግባር ምምእዛዝ ናይ ዝኣበዩ ተረርቲ ሰባት ስለያዊ ሓበሬታ ደኣምበር ነቲ ውሳኔ ክቕየር ወይ ከመሓይሽ ግምት ዝወሃቦ ሓበሬታ ኣይኮነን።

እቲ መሳፍንቲ ህግደፍ ዘይተሰቆሮም ጉዳይ ወይ ከኣ ኮነ ኢሎም እናፈለጡ ዝቕጽሉዎ ዘለዉ ኣጀንዳ ግን፣ በዚ ዝኽተሉዎ ናይ ሳሕል ወተሃደራዊ ኣወዳድባን ምሕደራን ንህዝቢ ኤርትራ ክቆጻጸርዎ ብዝገብሩዎ ዘለዉ ፈተነ ይብትኑዎ ምህላዎም እዩ። እዚ ንገዛእ ርእሱ፣ ነቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ሃገራዊ መንነት ናይ ምድኻም መስርሕ ዘቀላጥፍ ኣዕናዊ ወፍሪ እዩ።

ምናልባት ኣብ ርእሲ’ዚ ክጥቀስ ዘለዎ ቀሊልን ርኡይን ኣብነት ናይዚ ኣጉል ሜላ’ዚ፣ ኢሳይያስ፣ ነቶም እንዶ ህዝባዊ ምሕደራ ዘይብሎም ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ሓንሳብ ከም ቀንዲ ኣመሓደርቲ ዞባታት ጸኒሑ ድማ ከም ጽግዕተኛታት ኣመሓደርቲ ኣዋፊሩዎም ምንባሩ እዩ።

እዚ ንጡፍ ህዝባዊ ተሳታፍነት ዘየፍቅድ ኣገባብ ኣወዳድባ እምብኣር ዲሞራስያዊ ባህሊ ኣብ ምትእትታው ቀንዲ ዕንቅፋት እዩ።

ኣብዚ ክንግንዘቦ ዘለና፣ ዲሞክራሲ ዝጠፍእ ወይ ድማ ውልቀመላኽነት ዝነግስ ብሓይሊ ናይቲ ውልቀመላኺ ኣይኮነን። ብቐንዱ፣ እቲ ህዝቢ ንተመላኽነት ፍቓደኛ ኮይኑ ይርከብ ብምህላዉ፣ ህዝቢ ሓይሊ ከምዘለዎ ምዝንግዑ እዩ እቲ ጸገም።

ምስዚ ተኣሳሲሩ ዝርአ ድኻም ናይ ሕብረተሰብና ኣብ ውልቀሰባት ዘሎ ሕሉፍ እምነት እዩ።

ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ኣሉታዊ ያታታት ሕብረተሰብና ኣጽኒዖም ውድቀቶም ንምኽዋል ዝጥቀመሉ ጥበብ እቲ ኣብ ዝሓለፈ መደብና ኣስፊሕና ዝጠቐስናዮ ንእዋናዊ ኣጀንዳ ብባዶ ሰለስተ ከምዝውሓጥ ናይ ምግባር ስልቲ ጥራይ ኣይኮነን። ነቲ እኽልን ሕሩጭን ተጻዒኑ ንዘገልግሎ ኣድጊ እናተጻረፈ፣ ጥሪቱ ንዝበልዓሉ ኣራዊት “ኣንበሳ፣ ሓየት” እናበለ ዘድንቕ፣ ኣብ ክንዲ ኣብ ሓቅን ፍትሕን ብዙሓት፣ ኣብ ሓይልን ጉልበትን ገንዘብን ወልቀሰባት ዘሎ ዘይርትዓዊ እምነት ‘ውን ብቐጻሊ ይጥቀሙሉ እዮም።

ነዚ ድኹም ኣተሓሳስባ ‘ዚ ክምዝምዙዎ ዝደልዩ እቶም ዕድመ ስልጣኖም ከናውሑ ዝብህጉ መለኽትን መጋበርያታቶምን ጥራይ ከምዘይኮኑ ‘ውን ህዝቢ ኤርትራ ክግንዘብ ኣለዎ። ዝተሳለዩለን ደረጃታት ስልጣን ውሒደናኦም ወይ ምድስካል ኣረኻኺቡሎም ካብቲ ስርዓት ዝሓከሉ ይኹኑ ብስም ተቓወምቲ ውድባት ‘ኣሓ ዓዲዃላ ተር ተበላ ሳልሰይተን ዒሉ’ ብዝዓይነቱ ኣወዳድባ ዝተጎጃጀሉ ናይ ህዝቢ ሓልዮት ዘይኮነ ናይ ስልጣን ህርፋን ዘለዎም ተበለጽቲ ውልቀሰባት ከምዘለዉ ‘ውን ከስተብህል ይግባእ።

እዞም ናይ ስርዓት መሰረታዊ ለውጢ ምምጽኡ ብዘየገድስ ዕድል እንተረኺቦም ውልቀመላኺ ተቐሚጡሉ ንዝጸንሐ ሰድያ ከይነገፉ ኣብ ስልጣን ንምዅያጥ ሃነፍነፍ ዝብሉ ስሱዓት፣ ፍልስፍናዊ ኣተሓሳስባኦም ኮነ ሜላኦም ካብቲ ናይ ውልቀምልካዊ ስርዓት ዝፍለ ኣይኮነን። ሕጂ ‘ውን፣ ኢሳይያስ “ሓሚሙ ዶ ዓቢዱ” ዝብል ወረ ሸቲቱዎም፣ “ኤርትራ ብኤርትራውያን” ኢሎም ክዋራዘዩ ከምዘይጸንሑ ብምስጢራዊ ደገፍ ወጻእተኛታት ሓንሳብ ኣብ ፍራክፈርት ሓንሳብ ኣብ ኬንያ ብፌርማታቶም ውጥም ቅልቅል ክብሉ ይረኣዩ ኣለዉ።

እዞም ጉዳይ ሃገር ቅድድም ብሽግለታ ኮይኑ ዝረኣዮም፣ ‘ሮታ’ ሒዞም ጸኒሖም ናብ ‘ቮላታ’ ዝደናደኑ ዘለው ተበለጽቲ፣ “ህዝቢ ሰልችዩዎ፣ ረብሪቡ ስለዘሎ፣ ዝኾነ ለውጢ ክቕበል ይኽእል እዩ” ብዝብል ኣጉል ግምት ሽውሃቶም ተኸፊቱሎም ዘሎ ናይ ስልጣን ስሱዓት፣ ነቲ ህዝባዊ ድሌት ጨውዮም ብሑጓ ኣብ ካልኣይ ዓዘቕቲ ከእትዉዎ ውጥም ቅልቅል ይብሉ ኳ እንተለዉ፣ ህዝቢ ኤርትራ ዋላ በቲ ስርዓት ተቐጢቂጡ ሽሕ እንተደኸመ፣ ብውሑዱ ንቕሓቱ ክብ ኢሉ ስለዘሎ፣ ጸቢብ ሚሐ ሒዙ ተበለጽቲ ምምማይ ኣይክጽግሞን እዩ።

ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብፍላይ ድማ ኣንታ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለኻ ሕሉብካን ንጹፍካን ኤርትራ ዝኾነት ህዝቢ፣ ኣናብስን ሓራምዝን ከተፍሪ እትኽእል ዱር ምዃንካ ክትኣምን፣ ካብ ህዝባዊ ሓይልኻ ዝብርትዕ ሓይሊ ከምዘየልቦ ክግንዘብ ኣለካ። ብኸበድቲ ኣስማት ተደናጊርካ፣ ካብዘን ንዓመታት ምህርቲ ከፍረያ ዘይከኣላ ኣብ ጎዶቦን ስግር ባሕርን ተኾይጠን ዘለዋ ፖለቲካዊ ቁሚጦታት ኣጉል ተስፋ ኣይትግበር። በትሪ ኣብ ኢድካ ተመን ኣብ እግርኻ እዩ ዘሎ።

እቲ ዲሞክራስያዊ ህንጸት ሃገርና ዓንቂፉ ንሃገርና ኣብ ናይ ጥፍኣት ሓደጋ ኣእትዩዋ ዘሎ  ከቢድ ፈተነ ሓቀኛ ህዝባዊ ተሳታፍነት ዘይብሉ ብውሑዳት ተበለጽቲ ቀጸላታት ዝተባሕተ መስርሕ እዩ። ሕጂ ‘ውን ግዳይ ጥልመትን ጸላምን ከይትኸውን እምብኣር፣ ህዝባዊ ሰረት ዘለዎ ለውጢ ብምርግጋጽ ውሑስ ዲሞክራስያዊ መጻኢ ንምንጋስ ዜጋውን ሃገራውን ሓላፍነትካ ግበር። ካብ ካልኦት ኣይትጸበ ባዕልኻ ተሰለፍ። እቲ ሃገርን ህዝብን ምዃንካ ዘመስከርካሉ መተመኒ ዘይርከቦ ከቢድ ዋጋ ባኺኑ ከይተርፍ፣ ነዚ ስግኣት ‘ዚ ናብ ተስፋ ክትቅይሮ ብተወፋይነት ተለዓል። እወ፣ ኣናብስን ሓራምዝን ከተፍሪ እትኽእል ዱር፣ ኣራዊት ከተርውን ከተጽምእን እትኽእል ቀላይ ባሕሪ ምዃንካ ክትኣምን፣ ካብ ህዝባዊ ሓይልኻ ዝብርትዕ ሓይሊ ከምዘየልቦ ክትግንዘብ ኣለካ። ነቲ ኣብ ቅልጽምልካ ተኾሚሩ ዘሎ ሓይሊ ኣይትስኣኖ። ብሰፊሕ ተሳታፍነት ህዝቢ ዝረጋገጽ ለውጢ ጥራይ እዩ፣ ልዕልና ሕጊ ዘለዎ ነባሪ ሰላምን ፍትሕን ሓርነትን ከረጋግጽ ዝኽእል።   

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

22 ሕዳር 2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
22 COMMENTS
  • Delai Fithi November 25, 2015

    I occasionally comment on this website. Raising three kids, I find little time to read but I appreciate the information you folks provide about our beloved country.
    I’m now writing to clear one confusion. I chose the name Delai Fithi and I see somebody else has also chosen that pen name with a different spelling as Delay Fithi. I want to make that clear because I do not share Daelay Fithi’s opinion of Ammanuel Iyassu. I never met Ammanuel but I only have an admiration for his tireless energy and dedication.
    I wish we had more more Ammanuels in Eritrea and in the diaspora.

    • AHMED SALEH !!! November 25, 2015

      I suspect the same person is playing games to confuse readers . He also used mine and
      others identity names to create mistrust and division among forum participants .
      Even the name used ” Tess” has point of view far different than the familiar Tess this
      forum used to have .

  • berie haqi November 26, 2015

    ኣማኑኤል ጠራራይ እንታይ ድኣ ሓቂ መሪራትካ ድያ : መልእኽተይ ካብዛ መስትያት ኢንተርኔትካ ኣጥፊእካያ : ሳሕል ከምዘየዕበየትካ : ህዝቢ ኤርትራ ከመዘይሓቘፈካ : ንምጥፍ.ኡ ኣብ ምድላል ኣቲኻ : ህዝቢ ኤርትራ ግን ወረጃ ህዝቢ እዩ : ንጸላእቱ ከመይ ገይሩ ከምዝሞኽዶም ኣዳዳዕዲዑ ስለዝፈልጥ ዘጸግሞ ኣይኮነን : እቲ ሕቶ ግዜ ጥራይ ዝምልሶ ምዃኑ ንስኻውን ዝፈለጥካዮ ትመስል : ኣብ ግዜ ምዝላቕ ዝኸሓዱ ተረርቲ ልቢ ከድዓት : ኣብ 91 ከምዝተናዘዙ መዝገብ ገንጺልካ ንበቦ :
    ብርዒ ሓቂ

    • ወዲ ኣይተ November 26, 2015

      Berie haqi
      ባድመ መኣስ ከምትምለስ ትፈልጦ እንተሎካ? ማለተይ’ሲ ናይ ጊዝየ ሑቶ ስለ ዘልዓልካ።በል-ባ ቁሩብ።15 ዓመታት ኢኮ ኢዩ ሓሊፉ።ንሓንጎልካ ዝጠረረ ክትፈልጥ ፈትን ግን ግን ፈሊጡ ዘጽቀጠ ጸማም ኢዩ።

POST A COMMENT