Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕነ ሓደ ምጽፋዕ ብሃገርካ ምጥፋእ! ምስ ምንታይ ይጽብጸብ?

ክንዲ ንሓደ ኣባሲ ምጽፋዕ ተተሓሒዝካ ብሃገርካ ምጥፋእ ‘ሲ ምስ ምንታይ ይጽብጸብ? ንሕና እቶም ነዚ ስግንጢራዊ ኩነት ኣፍቂድና ነብስና ምፍቃድ ኣጊሙና ህዝቢ ንገዛእ ርእስና ኸ ምስ መን ኢና ንቝጸር? ነዚ እንነብረሉ ዘለና ጸሊም ዘበን፣ ጸሊም ሰሙን ተወሲኹዎ፣

ክንዲ ንሓደ ኣባሲ ምጽፋዕ ተተሓሒዝካ ብሃገርካ ምጥፋእ ‘ሲ ምስ ምንታይ ይጽብጸብ? ንሕና እቶም ነዚ ስግንጢራዊ ኩነት ኣፍቂድና ነብስና ምፍቃድ ኣጊሙና ህዝቢ ንገዛእ ርእስና ኸ ምስ መን ኢና ንቝጸር?

ነዚ እንነብረሉ ዘለና ጸሊም ዘበን፣ ጸሊም ሰሙን ተወሲኹዎ፣ ግዳያቱ መድሕን፣ ሓተቲ ኸኣ መልሲ ስኢኖም ስለዘለዉ፣ ምላሽ ከይተጸበና፣ ሓዘን ግዳያትና ኣውሪዱልና ዘሎ ሕሱም ጓሂ፣ ሕመቕና ፈጢሩልና ዘሎ ቃሓር ሕርቃን ናብ ምውጻእ ክንቅጽል። ብዕራይ ‘ውን ‘ኮ መጻምድቱ ምስተሓርደ ዓዕ ይብል እዩ። ኣምላኽ ዝፈጠሮ ህይወት ምሕብሓብ ወይ ከኣ ሰብ ዝሰርሖ ጥፍኣት ምምካን ኣጊሙና ሰብ ምዃን እንተሰኣናን ዋላ ማዕረ እንስሳ ምዃን ዶ ደኣ ብሓደ ኣፊቱ ክጽግመና?

ጸሓፍቲ ኣርእስተ ዜናን ሰማዕትን ናይዚ ደረት ስኢኑ ዘሎ ትራጀዲ መልሲ እንተጸገሞም ኣይትሓዘሎምን እዩ። እንተ ንሕና እቶም ሞት ውዒሉ ዝሓድረልና ዘሎ ረኸብቲ መከራ ግን፣ ኣብቲ ድንቁርና ምስኣቶም ምጽባብ ገዲፍና፣ ነዚ ልዳት ምጾታት ዝመስል መዓት ሓስስ በሎ።

ጾም ወዲእና ፌስታ ፋስጋ ኣብ ዝጀመርናሉ ሰንበት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ 400 ስደተኛታት ከምዝጠሓሉ ተረዲእና፣ ሬሳኦም ከይተለለየ ኣብታ ዝቐጸለት ሰንበት ዳግማይ ትንሳኤ ጃምላዊ ሞት ልዕሊ 700 መሳኪን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ እናንበብና፣ ኣብ ምድረበዳ ሊብያ ኣብ ምርኣዩ ከይበጻሕካ ምስምዑ ጥራይ ‘ኳ ዘሰቕቕ መጕያሕቲ 30 ንጹሃት ብእስላማውያን ጥሩፋት ሰሚዕና።

ካብ መሬት ኤርትራ ሰብ ተጋሒጡ ምጥፋእ ካብ ዝጅምር ዓመታት ስለዝሓለፈ፣ “ኣንታ ኣብዛ ሃገር ሰብ ዶ የለን እዩ?” ዝብል ሕቶ በልዩ እዩ። ሕጂ ሓርቢቱና ዘሎ፣ ኣብቲ ሰማያት ኤርትራ ኣምላኽ ብዓቢኡ ምህላዉን ዘይምህላዉን እዩ። ኣዴታትና ጾም ሓዊሰን ግንባረን ክሳብ ዝለሓጽ ዝገበራኦ ምህለላ ሰማዒ ስኢኑ ኣብ እዋን ትንሳኤ ምዉታን ጥፍኣት ህሉዋን ክኽሰት ከሎ፣ “እምበር ዶ ኣምላኽ ኤርትራ ንርእሱ ኣይተሰደን” ናብ ዝብል ሕቶ ድንዕ ዘየብል ኣይኮነን።

ኣብዚ ብመረድእ ዝተኸበበ ጸሊም ሰሙን’ዚ፣  ንገለ ካብቲ ትራጀዲ ብዓይኑ ርእዩ ዘስካሕከሐ ኣባል ፓርላማ ማልታ ጆሴፍ ሙስካት “ኤውሮጳ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ብዓቢኡ፣ ነዚ ቅዝፈት ‘ዚ ዓይኖም ዓሚቶም ምሕላፍ እንተቐጺሎም፣  ልክዕ ከም’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘመንን ኪኖኡን፣ ዓይና ብምዕማታ ንኤውሮጳ ዘጋጠማ ናይ ታሪኽ ፍርዲ፣ ሕጂ ‘ውን ብታሪኽ ክንፍረድ ኢና” ክብል ሰብኣዊ ምረቱ ገሊጹ። ብታሪኽ ዝፍረዱ ግን ኤሮጳውያን ጥራይ ኣይኑንን። ታሪኽ፣ ነቲ ከቢድ ፍርዱ፣ በቶም ብዕዉር ጭካኔኦም ንሰይጣን ኣሰኒፎም ነዚ ሰብኣዊ ቅልውላው ‘ዚ ዝፈጠሩ፣ “መራሕቲ ‘ኮ ኢና” እናበልካ ምዝራብ ዘየሕፍሮም ረጋሕቲ ኤርትራ ይኹን፣ ኩሎም እቶም ኣብ ልዕሊ ህዝብና መዓት ክዘንብ እናረኣዩ ከምዘይረኣዩ ዓይኖም ዓሚቶም፣ ኣፎም ዓቢሶም ኣጽቂጦም ዘለዉ ሕልና ኣልቦ ‘ዩ ክፍልሞ ዘለዎ። እዚኣቶም ብታሪኽ ጥራይ ዘይኮነ ብመጻኢ ህዝቢ ኤርትራ ‘ውን ክፍረዱ እዮም።

እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተቐዝፉ 700 ትንፋስ ብምዃኖም፣ እቲ ፍጻሜ፣ “ኣብ ታሪኽ ማእከላይ ባሕሪ ዝኸፍአ ትራጀዲ” ተባሂሉ ድሮ ኣብ መዝገብ ሰፊሩ ‘ኳ እንተቐነየ፣ ናይ ዓይኒ መሰኻክር፣ እቶም ግዳያት ናብ 900 ከምዝጽግዑ ስለዝሓበሩ እቲ ጥፍኣት ክብ ኢሉ፣ እቲ ተመዝጊቡ ዝነበረ ክብረ-ወሰን (Record) ድሮ ተሰይሩ ‘ሎ። ትማሊ “ንህልቂት ላምፐዱዛ ዝዳረግ የለን” ኢልና ንብዓትና ጸንቂቕና እንተኔንርና፣ ዳርጋ ፍርቂ ናይቶም ግዳያት ኤርትራውያን ስለዝኾኑ ሎሚ ኸኣ ደም ምንባዕ ኣይተርፈናን እዩ። ልብና ልቦና ሂቡ ኣብ ክንዲ ዝድግፈና፣ ልብና ካብ ሰፈሩ ተነቓኒቑ ከይወድቀና ክንድግፎ ኣብ ሓለዋ ቐጽል እንነብር፣ ከመይ ጌርና ንህዝብና ከነድሕኖ ከም እንኽእል ኣብ ክንዲ እንባላሓት፣ ተጸበይቲ መዓልታዊ መርድእ ኴንና ኣውያት እንጸናጸን ህዝቢ ኴንና ምትራፍና ብሓቂ ሃየንታ እዩ።

ኦ ህዝቢ ኤርትራ ትጸንት ከምዘለኻስ ይፍለጠካ ዶ ሎ? ሰኽራም እናሰሓቐ ውሕጅ እንተወሰዶስ ሰኺሩ፣ እቶም ንውሕጅ ንብዓትና ወሲኽና ምስ ዳስ ሓዘና እንስቀሎ ዘለና ኸኣ እንታይ ክንብሃል ኢና?

ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ከምዝሓበሮ፣ ዓሚ 2014 በተን ዘይውሑሳት ጃላቡ ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ካብ ዝሰገሩ 219 ሽሕ ስደተኛታት 31 ሚእታዊት ዜጋታት ናይታ ኣብ ውግእ ሕድሕድ ተሸሚማ ዘላ ሶርያ ክኾኑ ከለዉ፣ 18 ሚእታዊት (ኣስታት 40 ሽሕ) ናይቲ ጠቕላላ ብዝሒ ብምዃን ካልኣይ ደረጃ ሒዞም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት እዮም። እቲ ናይ ኤርትራውያን መጠን ካብቲ 25 ሚእታዊት ዝዓቐኑ ናይ መላእ ጸሊም ኣፍሪቃ ድምር ብዝሒ ብማእከላይ ባሕሪ ናይ ዝሰገሩ ስደተኛታት፣ ብውሑድ ሚእታዊት እዩ ዝንእስ። እቶም ሃገሮም ዓውደ ውግእ ኣህጉራዊ ኵናት ኮይና ንዓመታት ዝተሳቐዩ ኣፍጋኒስታናውያን 5 ካብ ሚእቲ፣ እቶም ሃገር ኣልቦ ፍሊስጤማውያን ከኣ 3 ካብ ሚእቲ ጥራይ ኣብዚ ጸብጻብ ‘ዚ ኣትዮም ዘለዉ።

ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ በቲ ወትሩ “ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት” ተባሂሉ ዝንንበብ ዜና-ቲቢ ኤረ ልብኻ ዘንጊዑ ፣ ኣእምሮኻ ተዛንዩ ጥፍኣት ህሩግ ኢሉካ ከምዘሎ፣ ትጸንት ከምዘለኻ ክስቆረካ ይግባእ። ከም ሰብካ ኣይኮንካን ትስደድን ትመውትን ዘለኻ፣ እቲ መዓት ሕልፊ ሰብካ እዩ ዝወርደካ ዘሎ ‘ሞ፣ ንዝርገም ረጊምካ፣ መርገምካ ከተብጽሕ ወዓል ሕደር ኣይትበል፣ ግዜ ኣብ ጎንኻ የለን።

‘ሳላና’ እናበሉ ዕድልካ ካብ ናይ ፍልስጤማውያን ከምዝሓይሽ ንዝነግሩኻ፣ “ስለምንታይ ደኣ 6 ዕጽፎም ይስደድ ኣለኹ” በሎም? ብሕሹኽታ “ምስ ኣሸባብ ስለዝተማሓዘና ኢትዮጵያውያን ክርስትያን ጥራይ ተመሪጾም ብ ISIS ተጎይሖም” ኢሎም ብጉርሖም ክምክሑ ንዝሰማዕካዮም፣ ኣብ እስራኤል ንዘለዉ ደቅኻ ደዊልካ ጉርሖም ንፋስ ከምዝወሰዶ ሓሙዅስቲ ብኑን ምዃኑ ኣምተሎም። በቲ ኮይኑ በቲ፣ ስደትካ ካብ ፍልስጤምን ኣፍጋኒስታንን ሓሲሙሉ ዘሎ ምኽንያት፣ ጸላኢኻ፣ “ፈታዊኻ እየ፣ ውላድካ እየ፣ ናትካ እየ፣ ከማይ ገይሩ ዝሓይልየልካ የለን” እናበለ፣ ካብ ባዕዲ ንላዕሊ ዘጥፍእ፣ እቲ ዝኸፍአ ጸላኢ ስለዝኾነ እዩ። ነዚ ስርዓት ‘ዚ ሞትካ ጥራይ ‘ውን ኣይኣኽሎን እዩ። መረድእካ ከይስማዕ፣ ኣውያትካ ብገለ እንተበጽሐ ከኣ ሬሳኻ ከይምለስ ውዲት ክኣልም ድቃስ ዘይብሉ እኩይ ስርዓት እዩ። ስለዚ፣ ነዚ መዓተኛ ስርዓት ‘ዚ ከይነቐልካ እግርኻ ዳግማይ ከምዘይትከል ክትግንዘብ ይግባእ።

እዚ ኣጋንኖ ኣይኮነን። ነብያት ‘ውን ኣይኮናን። ነቲ ሓቂ ካብ ወረቐት ዘይኮነ ካብ ባይታ ኢና ነንብቦ ዘለና። ኩሉ ‘ቲ ቅድሚ ሕጂ ጽውጽዋይ ከምስሉዎ ዝፈተኑ ሓቂ ኮኑይ እዩ ‘ሞ፣ ስብከት ‘ቶም ኣምሳያ ሕጽረት ህይወትካ ምንዋሕ ዕድመ ስልጣን ዝምነዩ ስሱዓት ዕሽሽ ኢልካ መንገዲ ድሕነትካ ኣለሊ። እወ፣ እቶም ‘ኣብ ሲናይ ኮላሊት ኤርትራውያን ይሽየጥ ኣሎ’ ክንብል ከለና ዝዋራዘዩልናን ዝስሕቁናን ዝነበሩ፣ ህይወት ዜጋታት ድንብርጽ ዘይበሎም ተበለጽቲ፣ ኣብ ነብሶም በጺሑ 20-30 ሽሕ ዶላር ምስ ከፈሉ ተፈሊጡዎም መልሓሶም ሓይኾም እዮም። ገና መዓት ሊብያ ከምዚ ኢሉ ከይተጋህደ፣ ብኣግኡ ናብ መዓስከራት ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ተጓዒዝና ‘ጉዕዞ ስደት ሊብያ ካብ ሲናይ ዝኸፍአ ክኸውን ‘ዩ’ ክንብል ዝሃብናዮ መጠንቀቕታ ኸኣ እንሆ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ይጋሃድ እንሆ። ህዝበይ፣ በጃኻ ምስ ኮነ ካብ ምእዋይ፣ ብኣግኡ ምጕያይ ተላመድ።

እዚ እኩይ ስርዓት’ዚ ሃንዳሲ ጥፍኣትካ እንተዘይከውን፣ እቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ደረት ኣልቦ ‘ሃገራዊ ኣገልግሎት’ መንእሰያት ሓደ ካብቶም ቀንዲ ጠንቅታት ስደት ምዃኑ ናይ ዕዳጋ ምስጢር ክንሱ፣ ብወረ ወረ ‘ኣብ 18 ኣዋርሕ ክንሓጽሮ ኢና’ ዝብል መቐሸሺ ዓያሹ እናዘርግሐ፣ ኣብ እዋን ዓጺድ ናይቲ ካብ ዝሓሸ ክረምቲ ዝተጸበኻዮ ምህርቲ ንደቂ ሱሳ ናብ ታዕሊም ‘እንተዘይወፈርኩም’ እናበለ ከጓይዮም ኣይምቐወዐን። ሕጂ ኸኣ ክሳብ 45 ዝዕድሚኤን ደቀንስትዮ ክዝንብየን ጀሚሩ ኣሎ።

ጥፍኣትካ ዘገድሶ ወይ ዘየሐጕሶ እንተዝኸውን ከ ስለምንታይ ናይ ልቢ እንተተረፎ ዋላ ንይምሰል ምድንጋጽ ዘየርኢ? ኢትዮጵያውያን ነቶም ብ ኣብ ግንባሮም ዝተርሸኑ ክሳዶም ዝትሓርዱ ናቶምን ዘይናቶምን 30 ግዳያት ከምዝተባህሉዎ ተቐቢሎም፣ ሰለስተ ናይ ሓዘን መዓልታት ክእውጁ ከለዉ፣ እቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ነዞም ኤርትራውያን ምዃኖም ተረጋጊጹ ዘሎ 350 ብዜና ኳ ኣይዘከሮምን። ዝዳረጎ ትራጀዲ ተኸሲቱ እቲ ልዕሊ 350 ምሳኪን ዝቐዘፈ ህልቂት ላምፐዱዛ ድሮ ታሪኽ ኮይኑ እምበር፣ ሬሳታት ደቕኻ ‘ኮ ካብ በረኻታት ሲሲልያ ኣይተመልሰን።

ካብዚ ዝኸፍእ ሰይጣን፣ ካብዚ ዝጭክን ጸላኢ ዝጽበ እተልዩ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓሰመ ጸላኢ እዩ ክኸውን ዘለዎ።

እቲ ስሱዕ ሕሉፍ ሓሊፉ፣ መሪትካ ባዲሙ ከይውሕድ ዘለካ ስግኣት ከይዓጠጦ፣ ኤሮጳውያን ስደተኛ ከይበዝሖም ዘለዎም ሻቕሎት መዝሚዙ ብህይወት እቶም ዝጠፍኡ ዘለዉ ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ ገንዘብ ክነግድ፣ “ገንዘብ ጥራይ ትኾቡለይ ‘ምበር ዋሕዚ ስደት ደው ከብለልኩም ‘የ” እናበለ ናይ ቢዝነስ ኣድቨርታይዝመንት የካይድ ኣሎ። ንሳቶም ‘ውን ምንጪ ስደት ንሱ እቲ ምላኺ ምዃኑ ኣጸቢቖም ዝፈልጡ ‘ኳ እንተኾኑ፣ ፈለማ ልምሰትና ተገንዚቦም፣ ምስኡ ኸኣ እቲ ብረዲኤት ዝህቡዎ ገንዘብ ማዕድን መዝሚዞም ኣብ ዝተናውሐ ከምዘምልሱዎ ስለዝፈልጡ፣ ነቲ ኣብ ህዝቦም ዝርአ ጽልእን ቅንእን ስደተኛታት ዘበገሶ ቀጨውጨው ሓጺር ፍታሕ ክረኽቡሉ ንግዚኡ ሚልዮናት ምድርባይ ኣየጸግሞምን እዩ። እቲ ናይ ሰብኣዊ መሰላትን ሞራልን ምውርዛይ ኣብ ጣቋ መደረ ደኣምበር ኣብ ግብርስ ድሕሪ ቁጠባውን ፖለቲካውን ረብሓታቶም እዩ ዝስራዕ።

ስለዚ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ ህይወትካ፣ እንተ ጨቢጥካ ክትቀትላ፣ እንተስ ካብ ምልኪ ሓሪርካ ከተድሕና ኣብ ኢድካ ኢኻ ጨቢጥካያ ዘለኻ ‘ሞ ኢድካ ተጠቐመሉ። ኣብ ክንዲ ነቲ ጠንቂ መዓትካ ዝኾነ ሓደ እኩይ ምጽፋዕ፣ ተተሓሒዝካ ብሃገርካ ኣይትጥፋእ! ኣሳፊሕካ ሞት ተኾርሚኻ ሞት ዝብሉዎ ሕልና ድኹማት ኣሰኒፉካ ንሞት ኣይትጸበያ። ሞት ዓይነት ከምዘለዋ ካብ ማንም ንላዕሊ ንስኻ ትፈልጥ። ‘ካብ ሞት ብውርደት ሞት ብጅግንነት ይበልጽ። ንድሕነትካ ተላዓል፣ መክት!!

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ።

ኣማኑኤል ኢያሱ

23 ሚያዝያ 2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
34 COMMENTS
  • ERITRAWIT April 25, 2015

    Kubur Haw Amanule,
    Natna neger nbeynew eu. Lewtey nay geden alo gen Ezey Tokla demna setew, sgana belew, asmey tederbeyelna waga yeblen.
    haye yehwat lewtey bezey do betey keybelna hager nedhna kabzey ktweso zeytkele Azektey n gelagel nezom yehwatna nrdawom.

  • Hidat April 26, 2015

    ERITRAWIT HITO BIHTO MIMILASH YIXENAHLKI EMO HABO GIBERI .????????HIGI WIN KIDEGMELKI”DOBNA YITAHANXEX””…..OBAMA SILEMINTY ANSTN HIXANTIN KAB ERITRA NIKIWEXU TITAHABABER ALEKA “”ILKI XIHAFI.

  • ERITRAWIT April 26, 2015

    Hidat,
    (TV-Er serving lie) zselche-wetkey ekey tmesley nab assenna azenbelkey.

  • Hidat April 26, 2015

    ERITRAWIT…… KAN MEANTA TEZERIGA. WALA KABTOM DOB KIHINXEX ZEIDELYU IKI?????

  • ERITRAWIT April 26, 2015

    Hidat haftey ab mantana z-zreg zelo mejemerta astebhley. Isaias zgebero tfat Eritrea gedefkes bahrey tesagerkey Obama!!!! mukan Libkey regetkya ekey.
    Gdefney hjey akmey yebleyen msakey kmagot.

  • Truly Truly i say to you April 27, 2015

    Only the Amanel Iyasu,s candle has wortth and has relevance, because it says all. But the rest candle light memory(ዝኽሪ ሽምዓ) is fake and entertainment. To be honest like the word of God says,” ካብታ ጠላሚት ይሁዳስ፡ እታ ኸዳዕ እስራኤል ትጸድቕ” ( “The backsliding Israel has justified herself more than treacherous Judah, as Lord said. (Jeremiah 3, 11) this time while hearing their citizens slaughtering those making party (The PFDJ´s,) justified themselves to their motive more than the treacherous oppositions. ( We didn´t see by candle ceremony for victims , by wishing and say, be in the kingdom of heaven, Rest in peace (R.I.P) bla! bla! when regimes change. It needs serious practical action.

POST A COMMENT