Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልእኽታት ኩነና ንህግደፋዊ ፈተነ ዓፈና ነጻ ምግላጽ ሓሳብን መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱን – ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን፡ ባይቶታት ይኣክልን ኤርትራ

መልእኽቲ  ኩነና [gview file="https://archive.assenna.com/wp-content/uploads/2019/12/All-Eritrean-Political-Organizations-Condemn-the-Act-of-Terrorism-By-PFDJ-Supporters-on-Amanuel-Eyasu-Assena.pdf"] መልእኽቲ  ኩነና እቲ ብዕለት 26/11/2019 ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ብደገፍቲ ህግደፍ ኢና በሃልቲ፡ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱ ዝተኻየደ ናይ ጽይቅነት ተግባራት፡ ካብ ብርድኢት ዘይኮነስ፣ ብስምዒትን ረብሓን ብዝሰርሑ ሰባት ክፍጸም ትጽበዮ እኳ አንተኾነ፡ ኣማኑኤልን ከም

መልእኽቲ  ኩነና

መልእኽቲ  ኩነና

እቲ ብዕለት 26/11/2019 ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ብደገፍቲ ህግደፍ ኢና በሃልቲ፡ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱ ዝተኻየደ ናይ ጽይቅነት ተግባራት፡ ካብ ብርድኢት ዘይኮነስ፣ ብስምዒትን ረብሓን ብዝሰርሑ ሰባት ክፍጸም ትጽበዮ እኳ አንተኾነ፡ ኣማኑኤልን ከም ናይ ኣማኑኤል ራኢን ዕላማን ዘለና ተቓለስትን፡ ኣይኮነን ዶ ናይ ማይ ምግጫብ መጥቃዕቲስ፣ ንፍትሒ፡ሰላም፡ ሓርነትን ራህዋን ህዝብና ይኹን ንውሕስነት ሉኣላውነት ሃገርናን ምኽባር ሕድሪ ስውኣትናን፣ ናይ ሂወት ምኽፋል መስዋእቲ ክንከፍል’ውን ወትሩ ድሉዋት ከምዘለና፡ ኩሉኹም እቶም ናይ ጽባሕ ብልጽግቲ ኤርትራ ክትጥምትዋ ዓቕምን ምስትውዓልን ዝሓጸረኩም ክትፈልጡ ይግባእ።

እቲ ዘሐዝን እዞም ንንዋቶምን ካልእ ረብሐኦምን ክብሉ ንስርዓት ህግደፍ ከሐጉሱ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዘለዉ ሰባት፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስቅያትን ሕሰምን ናይ ህዝብና ብምስትውዓል ንፍታሕ ምጽዓር፡ እቲ ሕማቕ ባህሪ ናይ ጎይቶቶም ከይተርፍ፡ ኣብ ልዕሊ ብሓሳብን ስራሕን ንዝሰዓረካ ሰብ ዝገብርዎ እከይ ተግባራት፡ ብዘይርድኢት ከም ባህሪ ይመሃርዎ ምህላዎም እዩ። ጎይቶትኩም ከተሐጉሱ ኢልኩም፡ ኣንጻር ወግዕን ባህልን ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ውልቀ ሰባት ተቓለስትን እትገብርዎ ዘለኹም ገበናትን ሽርሕታትን ጽባሕ ክትሕተትሉን ዋጋ ክትከፍሉሉን ምዃንኩም ብዕቱብነት ሎሚ ክትፈልጡ ይግባእ። ኣማኑኤልን ንኣማኑኤል ዝኣመሰሉ በላሕቲ ተቓለስቲ በቲ ሕግን ፍትሕን ተሓሪምዎ፡ ጩራ ሓርነትን ራህዋን ዘቋምት ዘሎ ኩቡር ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎም ክብሪ ይኹን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብህዝቦም ንዝወሃቦም ግምጃ ክብሪ ንምግማቱ፡ ክንደየናይ ዓቕሚ ከይህልወኩም።

ስለ’ዚ ንስምን ስርሓትን ኣማኑኤል ከተህስሱ ኮቶ ኣይትኽእሉን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣሽሓት ኣማኑኤል ኣብ መላእ ዓለም ከምዘለና፡ ህግደፍ ይኹን ሰብ ጸቢብ ኣተሓሳስባን ቆሪጸ ተስፋን ኪትፈልጡ ይግባእ። በዚ ኣጋጣሚ ንኹሉኹም ተቓለስቲ ፍትሒ ከም’ዚ ዓይነት ፍጻሜታት ኣብ ዝረኣየሉ፡ ኣብ ጎኒ መቓልስትኹም ብምዃን፡ ነቶም ከም’ዚ ዓይነት እከይ ተግባራት ዝሰርሑ፡ ሕጋውን ግቡእን ናይ ኢዶም ግብረ-መልሲ ክወሃቡ ከምዝግባእ ከነዘኻኽር ንፈቱ።

 

ማእከላይ ሽማግለ ማዕበል ህዝቢ ንፍትሒ

ሃገረ ዴንማርክ      30/11/2019

 

 

ንቅሎ ኣዴታት ንምድሓን ህዝብን ሃገርን – ኤውሮፓ-

ነቲ ኣብ ርእሲ ጋዘጠኛ ኣማንእል እያሱ (ኣሰና) ብሉኡኻት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዝተፈጸመ ሽበራዊ ምጥቃዕቲ ብትሪ ንኹኒን!! እዚ ኣብ ከተማ ሎንደን ብዕለት 26-11-2019 ብሉኡኻት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ፍትሕን ሓርነትን ንምንጋስ ዝቃለስ ወድናን ሓውናን ኣማኒእል ኢያሱ ዝተፈተነ ግፍዓዊ ስጉምቲ፣ መቀጸልታ ናይቲ ተንቲንካ ዘይውዳእ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ዓፈናን ግፍዕን ኮይኑ፣ ስርዓት ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ኣብ ዓቅለጽበታዊ ስጉምትታት ኣትዩ ከምዘሎ ዘብራሃልና እዩ። እምበኣርከስ ደምበ ፍትሒ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ዕቱባት ተቃለስቲ ናይ መድያ ኣሕዋትናን ደቅንናን ክንህመል ኣይግባኣናን። ንሕና ኣደታትኩምን ኣሕዋትኩምን ካኣ ኣብቲ ነቲ ስርዓት ኤርትራ ህዝብናን ናይ መጻኢ ንኡስ ትውልድናን ህሉው ኩነታት ንምቅላዕ ትገብሮዎ ማዓልታዊ ዘይሕለል ቃልስኩም ኣብ ጎንኩም ጠጠው ክንብል ሙካና ክነረጋግጸልኩም ንፈቱ።

ክብሪን ዝኽርን ንስውኣትና! ዕብየትን ዓወትን ንናይ ዜና ማዕከናትናን ጋዜጣኛታትናን!

ዕንወትን ስዕረትን ንስርዓት ህግደፍን ተላኣኽቱን! ንቅሎ ኣዴታት ንምድሓን ህዝብን ሃገርን- ኢሮፓ

30.11.2019

 

 

ጋዜጣዊ መግለጺ ብዛዕባ ኣብ ከተማ ለንደን ብደገፍቲ ህግደፍ ዝተፈተነ

ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ

 

ሃገርና ኤርትራ ሎሚ፡ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዜጋታታ ዘይክበረላ፡  ኣሽሓት ደቃ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ፈቐዶ ቤት-ማእሰርትታት ዝሳቐዩላ ናይ ፍርሒን ራዕድን ናይ ስቓይን ኣውያትን ኮይና ከም ዘላ ኩላትና ዘይንስሕቶ ሓቂ እዩ። እቲ ንነዊሕ ዓመታት ክቡር ዋጋ  ከፊሉ ዝተቓለሰ ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ ክረክብ፡ ንኩላትና ከሻቅልን ንሕልናና ክቕስቅስን ዝግብኦ ታሪኻዊ ስግንጢር እዩ።

እቲ ኣብ ጻዕረ-ሞት ክነሱ ዕድሚኡ ከናውሕ ትልኽ ዝብል ዘሎ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ሕጂ ከኣ እቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ፍርሒን ራዕድን እከይ ተግባራቱ ከይኣክል፡ ኣብ ወጻኢ ናይ ግብረ-ሽበራ ኣእዳው ንክዝርግሕ ይመጣጠር ኣሎ፡፡ ብዕለት ሰሉስ 26 ሕዳር 2019 ኣብ ከተማ ለንደን ኣብ ልዕሊ መስራትን ኣካያድን ሬድዩን ቴለቭዥንን ኣሰና ክቡር ሓው ኣማኑኤል ኢያሱ ብሃሱሳት ደገፍቱ ጌሩ ዝፈተኖ ናይ ቀቢጸ-ተስፋ ፈተነ-መጥቃዕቲ ሕሱርን ዘሕፍርን ናይ በጋሚንዶ ፍጻመ እዩ።

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንድሕነት ሃገር – ሻርለት፡ North Carolina ነዚ ነውራምን ሕሱርን ፈተነ-መጥቃዕቲ  ኣጥቢቑ ይኹንን። ነዘን ብደም ዝጨቀዋ ኣጻብዕቲ ናይዚ ዕዋላ ውልቀ-መላኽን ሃሱሳቱን ብሕጋዊ መንገዲ ንምቕርሳም ኩሉ እቲ ዘድሊ ምትሕብባር ክንገብር ድልውነትና ንገልጽ። ንኩላቶም እቶም በዚ ሕሱርን ፍሹልን ዝኾነ ፍጻመ ዝጓሃዩን ዝሓረቑን ደለይቲ ፍትሒ ድማ፡ ካብ ዝኾነ ዘይሕጋዊ ግብረ-መልሲ ብምቑጣብ፡ እቲ ጉዳይ ብሕጋዊ መንገዲ ንኽታሓዝ  ኩሉ እቲ ዘድሊ ሓገዝ ክገብሩ ንጽውዕ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ እዚ ነቲ ሬድዩን ተሌቪዥንን ኣሰና ድምጽን ተስፋን ውጹዕ ህዝብና ብምዃን ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምምጻእ ዝጻወትኦ ዘለዋ መዘና ዘይብሉ ዕዙዝ ተራ ነመጉስ። ነቲ ደኺመ ከይበለ፡ ንሓያሎ ዓመታታት ብትግሃትን ብመዳርግቲ ዘይብሉ ትብዓትን ንፍትሕን ሓቅን ዝተቓለሰን ዝቃለስ ዘሎን ክቡር ሓው ኣማኑኤል ኢያሱ፡ ድማ፡ ኣጆኻ! ኣብ ጎንኻ ኣለና ክንብል ንፈቱ።

 

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!

ውድቀትን ሕፍረትን ንውልቀ-መላኺ ስርዓት ህግደፍን መጋበርያታቱን!

 

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንድሕነት ሃገር – ሻርለት፡ ኖርዝ ከሮላይና

 

 

 ወግዓዊ መግለጺ ኮሚተ ይኣክል ጨንፈር ከተማ ሊድስን ከባቢኣን ብዛዕባ ፈተነ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛ ኣማኒኤል እያሱ (ኣሰና)!!

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ገለ ዕሱባት ጉጅለ ህግደፍ፡ ንዉፍዩን ሓርበኛን ጋዜጠኛ ሓዉናን ብጻይናን ኣማኒኤል እያሱ ኣቦ መንበር ኣሰና ፋዉንደሽን ዝተፈተነ ሕሱር ሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ብትሪ ከምንኹንና ብወግዒ መግለጺና ነፍልጥ።

እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ንመሰል ሓሳብ ጭቁናት ከቃልሕ ብምሉእ ዓቅሙን፡ ምሉእ ግዚኡ ወፍዩ ንብዙሕ ዓመታት ክሰርሕ ዝጸንሐ ሓርበኛ ኤርትራዊ፡ ዝካየድ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ዉልቀ ሰብ ዘይኮነ ጸረ መሰረታዊ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መሰል ምግሃስ ስለዝኾነ፡ ንሕና ከም ንመሰል ንቃለስ ኣካል ሕብረተሰብ ብትሪ ንኹንኖ።

እዞም ኣበሮም፡ ዓመጾምን ከይስማዕ፡ ሓበሬታ ዓፊንካን፡ ኣዳናጊርካን ንህዝቢ ኣብ ድንቁርናን ፍርሕን ከንብርዎ ዝፍትኑ ዝለዉ ናይ ዓመጽ ሓይልታት፡ ነዚ ምንጪ ቅኑዑ ሓበሬታ ዝኾነ ሓዉና ኣማኒኤል  ከጥቅዕዎ ምዉሳኖም፡ ኣብ ግንባር ሓበሬታን ዜናን ከቢድ ስዕረት ይወርዶም ከምዘሎ ዘረጋግጽ ፍጻመ እዩ። በዚ መኽንያት ኣሰና ይኹን ካልኦት መራኸቢ ብዙሓን `ሰራዊት ሓቅን ፍትሕን` ዝኾኑ ኤርትራዉያን ንቅሓት ህዝቢ ኣብ ዝበረኸ ደረጃ ኣብጺሖሞ ምህላዎም፡ እዚ ዓቅሊ ጽበታዊ ስጉምትታት ህግደፍ መርኣያ እዩ።

ጸረ ህዝብን፡ ጸረ ፍትሕን ሓቅን ዝፍጽምዎ ዝኾነ ተጻብኦ፡ ንምምካት ብግብርን ሕልናን ኣብ ጎኒ ኣማኒኤልን ካልኦት ኣካላት ፍትሕን ከምዘለናን፡ ኩሉ ብሞራልን ብንዋትን ፋይናንስን ኣብ ጎንኹም ከምዘለና ብዕሊ ነፍልጥ።

ካብ ሃገርና ፍትሕን መሰልን ተነፊግና ተሰዲድና ከነብቅዕ፡ ኣብዚ መሰልና ክሕለወልና ንኣምነሉ ክፍሊ ዓለም ከምዚ ይኹን ካልእ ተመሳሳሊ ፈተነታት፡ ከጋጥም ከሎ ዝላዓዓል ስምዒታት ቁጠዕ ርዱእ ኮይኑ፡ በዚ ኣነዋሪ ተግባር ብዙሓት ኣባላትና ዓጸፋ ክንከፍል ኣለና ዝብል ነድርን ስምዒታት ኣላዓዒሉ እዩ።

እንተኾነ ኣብ ዓዲ ሕጊ እንዳ ነበርናን፡ ንፍትሒ መሰልን እንዳተቃለስናን ናብ ዘይድለ መንገዲ ዓመጽ ከየላጉሱና ማሕበርና ኣብዚ ኣብ ከባቢናን ኣብ ካልእ መሬት ፍትሕን ሕግን ዝነብሩ ኣሓዋትን ኣሓትን ካብ ተግባራት ሽፍትነትን እምባጋሮን ወጺኦም፡ ብሕግን ስርዓትን ንዕሱባት ህግደፍ ኣምሳያ ፋሉላዊ ንጥፈታቶም ክንፈድዮም ከምዝግባእ ከነዛኻኽር ንፈቱ። ነዚ ብሕጋዊ መዳይ ዳግም ዘየላቡ ስዕረት ንምስካም ኩሉ ደላይ ፍትሒ ነዚ ንኣሰና ብፋይናንስ ንምትሕብባር ዝግበር ዘሎ ወፈያታት ኩሉ ዓቅሙ ከበርክት ብኽብሪ ንዕድም።

ነቶም ኣብ ፍትሕን መሰልን ዘኽብራ ሃገራት ኤሮጳ እንዳነበሩ፡ ሕሱር ንጥፈታት ሽበራን ዓፈናን ምጉዕጻጽ ሓቅን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ሸፋቱ ናብ ኤሮጳ ከታኣታትዉ ጻዕርታት ዘካይዱ፡ መጋበርያ ዝቦኽኮኸ ስርዓት ህግደፍ ዝኾኑ ዜጋታት ግን፡ `ዓስ ይብለኪ ክር ይብለኪ እንተዘይሰማዕኪ ንበሊዒ ይህበኪ` ከምዝባሃል፡ ደጊሞም ክሓስቡ፡ ለበዋናን መጥንቀቅታነን ነቅርበሎም።

ዓወት ንዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራን ተቃለስቲ ደቁን።

ኮሚተ ይኣክል ጨንፈር ሊድስን ከባቢኣን።

01/12/2019

 

ጋዜጣዊ መግለጺ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያ ኒው ዮርክን ከባቢኣን

ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ፣ ኣብ ልዕሊ ተቓላሳይ ንፍትሒ ውሩይ ጋዘጠኛን መስራትን ሳተላይት ተለቪዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ንምርዓድ ወይ ኣብ ዓይኒ ሓፋሽ ንምውራድ ዝወሰድዎ ጽዩፍ ተግባራት ከምዝፈሸለን ናብኦም ከምዝተገምጠለን ተገንዚብና። እቲ ዝወሰድዎ ፍሹል ፈተነ ንሓውና ኣማንኤል ነቲ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ዘሕንኖ እምበር ከምዘይዛሕትሎ ክማሃሩ ይግበኦም።

ሎሚ፥ ስርዓት ህግደፍ ብኩሉ ባዓል ሕልና ኤርትራዊ ተፈንፊኑ ዕለተ ውድቐቱ ሎሚ’ ዶ ጽባሕ  ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን እዞም ዕኡባት ህግደፍ ክወስድዎ ዝፈተኑ ይፍሸል ድኣ’ምበር ጽባሕ ድሕሪ ውድቀት እቲ ስርዓት ውልቀምልኪ ህግደፍስ ህዝቢ ኤርትራ ግቡእ ፍርዶም ክህቦም ምኻኑ ርጉጽ ኢዩ። ክሳብ ሽዑ ግን ነቶም  ነዚ ሕሱር ተግባራት ክፍጽሙ ዝሃቀኑ ፈራሓት ኣብ ሕጊ ቀሪቦም ግቡእ መቅጻዕቶም መታን ክረኽቡ፣ ኩሉኩም ደለይቲ ፈትሒ ማሕበራት ኣብ ከባቢ ሎንደን ትርከቡ ብሓባር ክትሰርሑ ንላቦ። ብወገና ካባና ትደልይዎ ነገር ንምፍጻም ድልዋት ምህላውና ነረጋግጸልም።  ከምኡ’ውን ንተቓላሳይ ሓውና ኣማኒኤል  ኣብ ጎድኑ ደው ከምንብልን ሞራልውን ንዋታውን ደገፍና ንምሃብ ድልውነትና ምህላውና ንገልጽ።

 

ፍሽለትን ውድቐትን ንስርዓት ህግደፍ!

ክብርን ዓወትን ንህዝቢ ኤርትራ!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Danilo December 3, 2019

    ወይ ጉድ!ሓንሳብ ኢከለ-መለ፡
    ካብ ኢስመራ ንመቀለ፡
    ወይ ገለ-መለ እንዳልካ ተወሊደ።
    ቅበጽ ጸሃየ፡ቅራፍ ኣንቁቁሖ፡ዝተፈለጸ እንተ ተፈለጸ፡
    ከመይ’ሉዩ ዝኸውን መላጸ።
    ኦሮማይ
    ሎምስ ይኣኽለካ ቅበፅፅፅጽ።

POST A COMMENT