Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መዓልቲ ናጽነት ዘኪረያ

መዓልቲ ናጽነት ዘኪረያ ገለን ክዘላ ገለን ክበኽያ ገለን ክፍሰሃ ገለን ክጉህያ ሰብ ዘመን ክፍንጨሓ ሰብ ኣያ ኣዴታት ስውኣት ከእውያ የዒንትና  ክንደይ ዘይረኣያ -------------------------------------------- እንቋዕ ስውኣት ኣይረኣኹም ‘ቶም ናጽነት ዘምጻኹም ንብዓት ኣዴታትኩም ዝደበስኩም ንመግዛእቲ ዝሰበርኩም ዘይ ኢድኩም -------------------------------------------- ተጠሊምኩም ተጠሊምኩም ብህግደፍ ዝብልዎም ርህራሀ ዘይብሎም ሓልዮት ህዝቢ ዘይብሎም ኤርትራውነት ዘይብሎም ከመይ፥ ከመይ ገሃነም ትቀበሎም ------------------------------------------- እወ ይርደኣኒ ‘ዩ: ይርደኣኒ ብመን ከምትሓስቡ ስንኩል ኤርትራዊ ከይረኸበ ዓስቡ ብጥሜት ከብዱ ተላጊቡ ዝኣረገ ክዳውንቲ:  ለጋጊቡ ናጽነት ከብዕል ተቐሲቡ ዕረ ‘ንዳጣዓሞ: ዕረ ‘ንዳጣዓሞ ‘ወታ ከም ሰቡ ---------------------------------------------- ምድሪ ሃገረ ኤርትራ ጠላማት ጀነራላት ክዕንድርሉ ንብረት ሃገር ክዘምቱ ዘይጸዓርሉ ስንኩል:  ከይረሃዎ: ከይበለዐ: ከይሰተ ዮሃና በል ተባሂሉ ናጽነት ኢሳይስ: በል ተባሂሉ ተምቤን: ሓዳስ ጸሎት ኮይና ‘ያ ዝብሉ ምስተቐልቀሉ ኣብኣ ይረኽባ ተዘይሉ ‘ተዘይ ኮይኑ ደቁውን ይስንክሉ ------------------------------------- ‘ታይ ደኣ ክገብር በለ ድማ ከምስል ሰጊኡ ተዘይበለ ከይቆስል ወይ ድማ ደቁ ከዕንግል ወይ መስገደል ኣብ ርእሲ ናጽነት: ተኾይጡ ገበል እዋይ ናጽነት ትረኽብዮ ትርጉምኪ ጠፊኡ ብኻልእ ተተኪኡ ጌሮምኺ ናይ ሳይበርያ ቀዝሒ 27 ዓመታት ራሃዋ ጽጋብ ፍትሒ ኢሎሙና እዋይ ሽርሒ ሰብ ተሾቕሪሩ ብፍርሒ ናጽነት ተሰሪቓ ብዘይ ዲግሪ ተመሪቓ ብዘይ ሓርነት ዓሪቓ በዞም እከይ ግብሪ ዘይናታ ቆርበት ምስ ለበሰት ዘይምሱል መሰለት ለመሰት: ሰንከለት: ተንከላበተት ስኢና ሓርነት --------------------------------------- ክቕየርዩ: ኣጆኹም ክቕየርዩ ትርጉም ናይ ናጽነት ድሕሪ ህግደፍ:  ክትለብስ ‘ያ ለማጽ ቆርበት ናጽነት ቅኑዕ ትርጉማ ክትሽከም ረዚን: ሓቀኛ: ትርጉም ቀደም ‘ቲ  ወርቃዊ ቀለም ንዘልኣለም! Simon G

መዓልቲ ናጽነት ዘኪረያ

ገለን ክዘላ ገለን ክበኽያ

ገለን ክፍሰሃ ገለን ክጉህያ

ሰብ ዘመን ክፍንጨሓ ሰብ ኣያ

ኣዴታት ስውኣት ከእውያ

የዒንትና  ክንደይ ዘይረኣያ

——————————————–

እንቋዕ ስውኣት ኣይረኣኹም

‘ቶም ናጽነት ዘምጻኹም

ንብዓት ኣዴታትኩም ዝደበስኩም

ንመግዛእቲ ዝሰበርኩም

ዘይ ኢድኩም

——————————————–

ተጠሊምኩም

ተጠሊምኩም ብህግደፍ ዝብልዎም

ርህራሀ ዘይብሎም

ሓልዮት ህዝቢ ዘይብሎም

ኤርትራውነት ዘይብሎም

ከመይ፥ ከመይ ገሃነም ትቀበሎም

——————————————-

እወ ይርደኣኒ ‘ዩ: ይርደኣኒ

ብመን ከምትሓስቡ

ስንኩል ኤርትራዊ ከይረኸበ ዓስቡ

ብጥሜት ከብዱ ተላጊቡ

ዝኣረገ ክዳውንቲ:  ለጋጊቡ

ናጽነት ከብዕል ተቐሲቡ

ዕረ ‘ንዳጣዓሞ: ዕረ ‘ንዳጣዓሞ ‘ወታ ከም ሰቡ

———————————————-

ምድሪ ሃገረ ኤርትራ

ጠላማት ጀነራላት ክዕንድርሉ

ንብረት ሃገር ክዘምቱ ዘይጸዓርሉ

ስንኩል:  ከይረሃዎ: ከይበለዐ: ከይሰተ

ዮሃና በል ተባሂሉ

ናጽነት ኢሳይስ: በል ተባሂሉ

ተምቤን: ሓዳስ ጸሎት ኮይና ‘ያ ዝብሉ

ምስተቐልቀሉ

ኣብኣ ይረኽባ ተዘይሉ

‘ተዘይ ኮይኑ ደቁውን ይስንክሉ

————————————-

‘ታይ ደኣ ክገብር

በለ ድማ ከምስል

ሰጊኡ

ተዘይበለ ከይቆስል

ወይ ድማ ደቁ ከዕንግል

ወይ መስገደል

ኣብ ርእሲ ናጽነት: ተኾይጡ ገበል

እዋይ ናጽነት ትረኽብዮ

ትርጉምኪ ጠፊኡ

ብኻልእ ተተኪኡ

ጌሮምኺ ናይ ሳይበርያ ቀዝሒ

27 ዓመታት ራሃዋ ጽጋብ ፍትሒ

ኢሎሙና እዋይ ሽርሒ

ሰብ ተሾቕሪሩ ብፍርሒ

ናጽነት ተሰሪቓ

ብዘይ ዲግሪ ተመሪቓ

ብዘይ ሓርነት ዓሪቓ

በዞም እከይ ግብሪ

ዘይናታ ቆርበት ምስ ለበሰት

ዘይምሱል መሰለት

ለመሰት: ሰንከለት: ተንከላበተት

ስኢና ሓርነት

—————————————

ክቕየርዩ: ኣጆኹም ክቕየርዩ

ትርጉም ናይ ናጽነት

ድሕሪ ህግደፍ:  ክትለብስ ‘ያ ለማጽ ቆርበት

ናጽነት ቅኑዕ ትርጉማ ክትሽከም

ረዚን: ሓቀኛ: ትርጉም ቀደም

‘ቲ  ወርቃዊ ቀለም

ንዘልኣለም!

Simon G

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • meretse June 2, 2018

    6/1/2018

    My bad. The underneath comment was meant to be a response to the above poem but i missposted it.
    Simon it is a great poem just continue using your skill.
    ሳይሞን ጂ. ምንም ኣይተጋጌካን
    ኩሉ’ሎ ኣብቲ ግጥሚ ናይ ዓድን በረካን
    ________________
    የግዳስ ቁሩብ ፈይ ከብለሉ ኣብ ርእሱ
    ህዝቢ ክእከብ ንሶም ዘፍርሱ
    ጓሎም ወዶም ሓሪር ዝለብሱ
    ሩሑቕ ዝገሹ እንከይ ተበገሱ
    ብዕሪር ዝዕጣኖም እንዳ ንሕና ንሱ
    ኣምላክ ረሲዖም ን “ሰይጣን” ዘንግሱ
    ሎሚ ዘመን እከዮም ከፊእዎ
    ኣፉ ተዓጽዩ ዝብሎ ጠፊእዎ
    ገጸን መሊሰን ዎየን ጠበርቲ
    ሕልሙ ቃዲራ ሲኢኑ መላፍንቲ
    እንተ ኮነሉ ኢሉ ጸግዒ ለዋዊጡ
    ናይ ውሽጥን ደገን ተገላቢጡ
    ግብጺ እንተኮይኑ ናይ ባዕላ ገዲድዋ
    ናይ ከርሳን ደገን ዘይዓቕማ ኮይንዋ
    ሱዑዲ ዓረብያ ሃብቲ ሓቚፋ
    ብስጉምቲ ግን ንድሕሪት ተሪፋ
    ምካድ ጀሚራ ጎባ-ጎቦ
    ናይ ማእከል ገዲፋስ ሕሜት መላግቦ
    ናይ ሱዳን’ዃ ፍሉጥ ኣይኮነን
    ፍርቁ ክትምሸጥ ፍርቁ- ትቑነን
    ናይ ኢትዮጵያ ከኣ ኣይሰለጦን
    ጸንቂቁ ወዲኡ ዝፈልጦን ዘይፈልጦን
    ካብ ሎሚ ንደሓር የሎን ዝተረፎ
    ዒላ ዒሮ ምእታው ኣበይ ከይትተርፎ

    • Simon G. June 3, 2018

      Nice poem, as usual, brother Meretse!
      I see my poem finally got released to the isolated corner , from jail that is 🙂

POST A COMMENT