Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Update:መጸዋዕታ ንተኸታተልትን ደገፍትን ድምጺ ኣሰና – So far $860.00; £950.02 & 250 EUR

ፍሉይ መደብ፣ “ኤርትራ ብዓይኒ ህዝባ፣ 25 ዓመታት ናጽነት ዶ ባርነት” እታ ሳላ ደገፍኩም ውዲትን ዓመጽን ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ምቅላዕ ንሓያለ ዓመታት እጃማ ከተበርክት ዝጸንሐት ድምጺ ኣሰና፣ ሕጂ ‘ውን እቲ ምልካዊ ስርዓት፣ ነቲ ኣብዚ ዝሓለፈ 25

ፍሉይ መደብ፣ “ኤርትራ ብዓይኒ ህዝባ፣ 25 ዓመታት ናጽነት ዶ ባርነት”

እታ ሳላ ደገፍኩም ውዲትን ዓመጽን ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ምቅላዕ ንሓያለ ዓመታት እጃማ ከተበርክት ዝጸንሐት ድምጺ ኣሰና፣ ሕጂ ‘ውን እቲ ምልካዊ ስርዓት፣ ነቲ ኣብዚ ዝሓለፈ 25 ዓመት ህዝቢ ረጊጹን በቲኑን ናብ ባርነት ንዝቐየሮ ናጽነት ኤርትራ፣ “ብሩራዊ እዮቨልዩ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ዳንኬራ ፕሮፖጋንዳ ጀሚሩ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ “ኤርትራ ብዓይኒ ህዝባ፣ 25 ዓመት ናጽነት ዶ ባርነት!?” ዝብል ዓምዲ ዝሕመረቱ ፍሉይ መደብ ብምውዳድ ነዚ ዝመጽእ ዘሎ ሰለስተ ኣዋርሕ ወቕቲ ፕሮፖጋንዳ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብጽዑቕ ንምምካት ተቐሪባ ኣላ።

ዛጊት በቲ ዓሚ ዘካየደቶ ጎስጓስ ኣዕሩኽ ኣሰና ነዚ ዝሓልፈ 9 ኣዋርሕ ኳ እንተተሳለየት፣ ኣብዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዋን ገንዘባዊ ሕጽረት ኣጋጢሙዋ ስለዘሎ፣ ከምቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ሓያለ ዓመታት ከይተሓለልኩም ዝገበርኩሞ ኣበርክቶ፣ ወፈያ ብምግባር ነዚ መደብ’ዚ ኣብ ምዕዋት እጃምኩም ከተበርክቱ ትጽውዓኩም።

ኣብዚ ክዝከር ዘለዎ፣ ድምጺ ኣሰና፣ እቶም ውሑዳት ብቑጽሪ ርቡሓት ብሕልና ኣብ ዝገበርኩሞ ህርኩት ወፈያ ተምርኵሳ፣ ነቲ ምሉእ ጸጋታት ሓደ ሃገር ብሒቱ፣ ግዱድ ቀረጽ 2 ካብ ሚእቲ፣ ሽያጥ ወርቂ ቢሻ፣ ብስም ልምዓታዊ ሓገዝ ዘንቀላወጦ ኣማኢት ሚልዮናት ይሮ፣ ከምኡ ‘ውን ምስ ነጋውስ ስዑዲ ብምቅጣር ዝገፈጦ ቁጽሩ ዘይፍለጥ ፔትሮ-ዶላር ብሓለፋ ኣብ ስለያን ፕሮፖጋንዳን ዘውዕል ምልካዊ ስርዓት ገጢማ ኪንዮ ዓቕማ ኣድማዒ ኣበርክቶ ትገብር ምህላዋ እዩ።

ሕጂ ‘ውን፣ እዚ ብሓሶትን ምስሉይንትን ሙውት-ህላወ ከቕጽል ዝከራኸር ዘሎ ጨፍላቒ ስርዓት፣ ነቲ ን10 ዓመት ሓቢርና ዝሓፈስናዮ ዓወት ኣብ ‘ዘን ሰለስተ ኣዋርሕ ከይሰርቆ፣ ተስፋ ውጹዕ ህዝብና ክንዕቅቦ ኣብ እንገብሮ መኸተ ከም ቀደምኩም ክትተሓባበሩና፣ ተዓዊትኩም ከተዐውቱና ንጽውዓኩም። እቲ በላዒ ሰብን ታሪኽን ኤርትራ ዲል ከይረክብ ኢደይ ኢድካ ንበል።

ነዚ መደብ’ዚ ንምዕዋት ካብ ሎሚ 18 መጋቢት ጀሚርኩም ክሳብ 18 ሚያዝያ 2016 (ኣብ ውሽጢ ‘ዚ ሓደ ወርሒ) ዓዓቕምኹም ከተበርክቱ ብትሕትና ነዘኻኽር።

ከም ቀደም … ፈርፍእ ኣለና፣ ፈትሊ ኩኑና!

ኣሰና ፋንዴሽን

መዝገብ ኣበርክቶ፣ “ኤርትራ ብዓይኒ ህዝባ”

Donor/ ኣበርካቲ/ት City/ ከተማ Amount/ ኣበርክቶ
Dr Misgina Ghebremedhin  USA  $ 500.00
 Kiflom Beyene  Swiss  £ 20.00  (Monthly)
 Anonymous  UK  £50.00
 Biniam Semere  USA  £50.00
 Anonymous Brother from California  USA,  £440.00
 Anonymous  £340.02
 Tewoldemedhin  £50.00
 Teka Zeggai  Berkeley CA, USA  $120.00
 Anonymous  Germany  250 EUR
 Bereqe Haile  Philadelphia, USA  $20/M for 2016 =$240

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Haddish Gebremaria. March 23, 2016

    Atlanta will contribute some money soon

POST A COMMENT