Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማነፈስቶ 2020 ብኤርትራውያን ምሁራትን ሞያውያንን ኣብ ስደት

https://www.youtube.com/watch?v=FLsNnElZMgw&feature=youtu.be

aseye.asena@gmail.com

Review overview
21 COMMENTS
  • Mussie G April 10, 2020

    ወሓጥዮ እንተበልክዋስ ትጎስመሉ! ኣንታ ወዲ ሃገር ሓወይ ወይ ናይ ኣረዳድኣ ፍልልይ ጌርና ኣለና። ምኽንያቱ ኣብ ጽሑፈይ ንነጽሎም፡ ንፍለዮም ዝብል ሓሳብ ኣየቕረብኩን። ብኣንጻሩ እካ ደኣ ዶካትር ጥራይ ኢልካ ኣስማት ምድርዳር ነጻሊ ወይ ወን ብቕልል ዝበለ ትግርኛ ፈላላዪ እዩ፡ ሓቃፊ ኣይኮነን እየ ዝበልኩ። ብስም ዱክትርና ኣይኮነን ምኽንያቱ ብዙሓት ምሁራት ኢና በሃልቲ ኣብ ሂወት ፍሹላት፡ ንዕንወት ሕብረተሰብ ዝጽዕቱ ዝለ ዘለዉ። ነዚ ድማ ብዓቕመይ ኣብነታት ኣሰንየ ክገልጾ ፈቲነ። ምኽንያቱ ከምቲ ናይ ኢሳያስ ውልቃዊ ጽልኢ ወይ ንዕቀት ኣብ ልዕሊ ምሁራት ከም ዘለኒ መታን ከየስምዕ። ሎሚ ንጉጅለ ህግደፍ ትልኽ ንኽብል ዝሕግዝዎ ዘለዉ ነቶም ዓቕሚ ናይ ምርዳእ ዝሓጽሮም ሓፋሽ ገዲፍካ እቶም ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ናይ ዓለም ዝውክልዎ ዘለዉ ብዓቕሞም ምሁራት ኢና በሃልቲ እዮም። ብዙሓት ነቲ ስርዓት ንቃወም ኢና በሃልቲ ምሁራት ውን ኣብ ደርቢ፡ ዓሌት፡ ኣውራጃውነትን እምነትን ዝተሰረተ ኣዕናዊ ኣረኣእያን ኣመለካኽታን ኣለዎም። ከም ሓደ ግዱስ ሃገራዊ ምኻንካ መጠን ነቲ ዘካፈልኹኻ ኣብ ኢንተርነት ዝርከብ መርትዖታት ተወኪስካ ነዞም ኣብቲ ኣዕናዊ ወፍሪ ብኣፍልጦ ይኹን ወይ ብማሕበራዊ ድንቁርና ዝሳተፉ ዘለዉ ዜጋታት ንምእራሞም እንታይ ግበር ኣለዎ ኣብ ዝብል ሓሳብ ክንዲ ምምጻእ፡ ዎ ዳሓንካ ብምባል ትሳናበት። እዚ መደምደምታ ካባኻ ኣኣይተጸበኽዎን። ነቲ መሰረታዊ ሓሳብካ ይቕበሎ እንድየ፡ ንነገራት ብምምርድዳእ፡ ብልዝብ፡ ብፍቕርን ስኒትን ምፍታሕ ማለት እዩ። ይኹን ደኣምበር ዝመሽመሸ ክትፈልዮ ወይ ውን ኣጽሪኻ ኣብ ቦትኡ ክትመልሶ ኣለካ በሃላይ እየ። ወዲ ሃገር፡ የቀንየለይ ንዓኻ ውን ዎ ደሓንካ። ‘ናትና ነገር ስቕ ኢልካ እዩ’ ኢሎም ሓደ ለባም ኣቦ።

  • ወዲ ሃገር April 10, 2020

    ኩቡር Mussie G

    ንፍለዮም ኣይበልካን ፥ ግን ብዛዕባ እቲ ዝጸነሐን ገናውን ዘይሃሰሰን ፖሊቲካዊ ባህሊ እየ ክዛረብ ጸኒሐ።
    ግድን ነፍስ ወከፍ ካባና ቡኡ ይኣምን ነይሩ ማለት ኣይኮነን ፥ ግን መብዛሕቲኡ እቲ ኣብ ዉድባት ተሰሪዑ ዝነበረ ፥ “ብሓለንጊ” ንምፍትሑ ብሓበን እዩ ዝነጥፍ ነይሩ ።
    እም ሕጂ እንታይ ንግበር ?
    እቲ ናይ ዓፋር “መንግስቲ” ዝብል ምንቅስቃስ ከም ዘሎ እፈልጥ እየ ።
    ኣብ ትግራይ መደበር ዘለወን ክልተ ኣዕነውቲ ምንቅስቃሳት ውን ኣለዋ።
    ምስቲ ናይ ዓፋር ዝመሳሰል ፥ ናይ ደቂ ምዕራባዊ ቆላ ምንቅስቃስ ውን ኣሎ።
    ብሓጺሩ ፥ ነዚ ጸገማት ምንፍታሕ ፥ ኣብ ክንዲ ብሓይሊ ፥ እንታይ ኣበጊሱዎ እልና ፥ ተረዲእና ፥ ብምርድዳእ ክንፈትሖ ይግባእ።
    እዚ ናይ ሰላም ጻዊዒት ነቶም ደቂ ሃገር ፥ ኣብ ድሕነትን ህላወን ኤሩትራ ጥቅሚ ዘሎዎም ፥ በደላቶም ተገንዚቡ ፥ ተስፋ ዝህብ እዩ።
    ንቶም ጡሩፋትን ወጻእተኛታት ድማ ፥ ጸግዒ ዘትሕዝ እዩ።
    ምስ ኩሎም ደቂ ሃገር ፥ ንሕና ኩላህና ፥ በብሪእቶና ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤሪትራ ንቀርብ ፥ ንላዘብ ፥ እንተበልና ይሓይሽ እብል።
    ፍልልይ ኣብ ሞንጎ ደቂ ሃገር ፥ ኣብ ጎነጽ እንተ ሰጊሩ ፥ ሓደገኛ ሳዕቤናት ክህሉዎ ስለ ዝኽእል ፥ ሰላማዊ ኣገባብ ነቀድም ፥ ባሃላይ እየ።
    እዚ ዎ ዳሓንካ ።

    • Simon G. April 10, 2020

      ወዲ ሃገር
      His theory makes no sense at all.
      What’s next? When one trader is hgdf, he won’t support any trader? Or in that case, any student, lawyers, engineers, educators, etc. can’t organize? What’s wrong with that?
      He keep saying awraja, awraja, awraja, none sense thing. Unless, he doesn’t have one.
      Isn’t that what Isayas was doing all these years to cover up his issue?

  • Mussie G April 10, 2020

    ክቡር ወዲ ሃገር፡ ምስ ሓሳብካ ምሉእ ብምሉእ እየ ዝሰማማዕ። ምኽንያቱ እቲ እንኮ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል ኣብ መንጎ ቀዲሰብ ንዝህሉ ፍልልያት ኣብ ግምት ምእታው ንኹሉ ብምስታፍ፡ እሂን ምሂን ተበሃሂላካ፡ ብምክብባር ጸገማትካ ምፍታሕ እቲ እንኮ ዘላቒ ዝኾነ ፍታሕ ስለ ዘምጽእ። መንቀሊ ጽሑፈይ ውን ካብኡ ዝረሓቐ ትርጉም የብሉን።
    ብስም Simon G. ነዚ ጉዳይ ኣመልኪትካ ዝሃብካዮ ርእይቶ ብሩህ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ንስኻ ጥራሕ ብእትርድኦ እንግሊዝ ዝመስል ቋንቋ ኢኻ ጺሒፍካዮ። ደፊርኑ ደኣ ኣይትበል እምበር ዓቕሚ ጽሑካ ከምዝሓጽረካ እቲ ዘመላኽት። ናይ ቋንቋ ብጭቡጥ ካብቲ ጽሒፍካዮ ዘለኻ ብምብጋስ ከምኡ ውን ናይ ስነ ሓሳብ ኣብቲ ጠቒስካዮ ዘለኻ ቁንጣሮ ቃላት ምምርካስ። ሕማቕ ከስምዓካ እዚ ንዓኻ ምኽርን ትምህርትን እዩ።

  • Mussie G April 11, 2020

    ክቡር ወዲ ሃገር፡ ምስ ሓሳብካ ምሉእ ብምሉእ እየ ዝሰማማዕ። ምኽንያቱ እቲ እንኮ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል ኣብ መንጎ ቀዲሰብ ንዝህሉ ፍልልያት ኣብ ግምት ምእታው ንኹሉ ብምስታፍ፡ እሂን ምሂን ተበሃሂላካ፡ ብምክብባር ጸገማትካ ምፍታሕ እቲ እንኮ ዘላቒ ዝኾነ ፍታሕ ስለ ዘምጽእ። መንቀሊ ጽሑፈይ ውን ካብኡ ዝረሓቐ ትርጉም የብሉን።
    ብስም Simon G. ነዚ ጉዳይ ኣመልኪትካ ዝሃብካዮ ርእይቶ ብሩህ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ንስኻ ጥራሕ ብእትርድኦ እንግሊዝ ዝመስል ቋንቋ ኢኻ ጺሒፍካዮ። ደፊርኒ ደኣ ኣይትበል እምበር ዓቕሚ ከምዝሓጽረካ እዩ ዘመላኽት። ናይ ቋንቋ ሕጽረት ብጭቡጥ ካብቲ ጽሒፍካዮ ዘለኻ ብምብጋስ ከምኡ ‘ውን ናይ ስነ ሓሳብ ድሩትነት ኣብቲ ጠቒስካዮ ዘለኻ ቁንጣሮ ቃላት ምምርካስ። ሕማቕ ከይስምዓካ እዚ ንዓኻ ምኽርን ትምህርትን እዩ።

    • Simon G. April 11, 2020

      Mussie G

      እወ! ዓቕሚ ከምዝሓጽረኒ የዐርየ እፈልጥ። ከምኡ ስለዝኾንኩ ድማ ክመሃር ይፍትን: ፈላጣት የኽብር።
      ንተኣከብ ንዳበልካ ትብትን ከምዘለኻ የዕርዩ ይርደኣኒ ‘ዩ።

      ስራሕ ኢሳያስ ናይ ሰብዓታት መንካዕ ብምባል ሊቃውንቲ ኣጥፊኡዎም ‘ዩ። ሕጂ ድማ መንካዕ ክትብል ከሎኻ ‘ንታይ ምዃኑ ርዱእ ‘ዩ።

      ካላኣይ: ብስም ምጽንጻል ኢሉ ክንደይ ምሁራት ካብታ እንኮ ዩኒቨርሲቲ ዝነበረት ሰጒጉ መታን ነታ ካለጅ ከጥፍእ። ንስኻ ድማ ናቱ ትደግም።
      ሕጂ ድማ ስለምንታይ ዶካትር ጽሒፎም ኢልካ ክንድዚ ትዛረብ? መን ደኣ ክጽሕፍ? ሓረስቶት?

  • Mussie G April 11, 2020

    ብሩኽ Simon G ሓወይ ምናልባት ንሓረስቶት ዘቆናጽብ ኣረኣእያን ኣረዳድኣን ከይህልወካ፡ ክሳብ ሕጂ ብመለክዒ ዘመናዊ ሰነ-ሕጊ መዳርግቲ ኣልቦ ሕግታት እንዳባ ከም እኒ ሕጊ ሎጎ ሳርዳ፡ ሕጊ ኣተመምልጋእ፡ ሕጊ ሎጎ ዓንሰባን ካልእ ዓድታት ዝመሓደረሉ ዘይጽሑፍ ሕግታት፡ ኣብቲ ዘመናዊ ትምህርቲ ዘይነበረሉ እዋን ብጭዋታት ብሓረስታቶ እዩ ተጻሒፉ። እዞም ስሞም ትደጋግሞ ዘለኻ ዶካትር ኣይጽሓፉ ዝብል ሓሳብ ኣየቕረብኩን። ንበይኖም ተጎጅሎም ንምሁራትን ሰብ ሞያን ኤርትራውያን ግን ኣይውክሉን እዮም ዝብል ሓሳብ እየ ዘቕረብኩ። ምኽንያቱ ከምዚ ዓይነት ምጉጅጃል ደርባዊ ኣኣተሓሳስባ ስለ ዘስርጽ ፍታሕ ኣየምጽእን እዩ። ብፍላይ መንግስቲ ኢሳያስን ሰዓብቱን ድማ ግምት ኣይህብዎን እዮም። ብዛዕባ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ድማ ምናልባት ብጎቦ ጎቦ ዝሰማዕካዮ ግጉይ ርድኢት ከይህልወካ ዋላ ‘ኳ ነቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ዘይድግፎ እንተኾንኩ እቲ ሓቂ ግን ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ካብ ታሕቲ ማለት ካብ ዋርድያ፡ መጋቦን፡ ናይ ጽሬት ሰራሕተኛን ጸሓፍትን መማህራንን ብኸምዚ ሕጂ ዘዛርበና ዘሎ ምትእኽኻብ ዝመጽኡ እዮም ነይሮም። እዚ ኣብ ጭቡጥ ሓቂ ተሞርኪሰ እየ ዝሕብረካ ዘለኹ። ወገናዊ፡ ፈላላዪ ኣሰራርሓ ሕጂ ውን ኣየዐውተናን እዩ። እምበር ተራ ምሁራት ዜጋታት ደኣ መን ይስሕቶ፡ ግን ንኹሉ ሓቂፍካ እዩ ኣብ ዓወት ዝብጻሕ። ነዚ ሓቂ ብዕምቆት ክትምርምሮን ክትርድኦን ተስፋ ገብር።

  • ወዲ ሃገር April 11, 2020

    ሰላማት Simon G.

    ከመይ ኣለኻ ?
    እንታይ ዳኣ ዳሃይ ኣጥፊእካ ?
    እሰያስ ከም ኩሉ ወዲ ኣዳም ብማዓልቱ ክኸይድ እኳ እንተ ኾነ ስነ-ሓሳቡ ግን ብቀሊሉ ዝጠፍእ ኣይመስልን።
    ብዘይካ ምልዛብ ፥ ምርድዳእ፥ ካልእ ምርጫ ዘለና ኾይኑ ኣይስማዓንን።
    ከም ቀደምካ ፥ ኣሎኹ በል ፥ ዋዛ ምስ ቁምነገር ናትካ እዩ ።
    ዎ ዳሓንካ።

  • ወዲ ሃገር April 11, 2020

    ኩቡር Mussie G

    ንዝገበርካለይ ምኽሪ የመስግን።
    ንክማሃር እትገብረለይ ምትብባዕ እንዳ ኣመስገንኩ ፥ የቀንየለይ እብል።
    ኣነ ብዛዕባ ነብሰይ ክዛረብ የጸይፈኒ እዩ።
    ግን ኣጋጣሚ ኮይኑ ፥ ዝጎድለኒ እኳ ቡዙሕ ፥ እንተኾነ ፥ ብርክት ዝበላ ቁጽሪ ቋንቋታት ይዛረብን ይጽሕፍን ። ሰለስተ ካብኣተን ናይ ኤውሮጳ ።
    ግን ፥ ትምህርቲ ደረት የቡሉን ።
    የቀንየለይ።
    እዚ ዎ ዳሓንካ።

POST A COMMENT