Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምምሓው ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት (ተርሞኑክሌሳዊ) ቤተ-ሰብ፡ ቅጽበታውን ነባሪን ሓደጋ ንቐጻልነት ኤርትራ ከም ሃገርን ከም ሕብረተ-ሰብን – 2ይ ክፋል፡

ምምሓው ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት (ተርሞኑክሌሳዊ) ቤተ-ሰብ፡ ቅጽበታውን ነባሪን ሓደጋ ንቐጻልነት ኤርትራ ከም ሃገርን ከም ሕብረተ-ሰብን ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.) ሕቶታት፡ ኣንበብቲ ቅድሚ ነዛ ጽሕፍቲ ምንባብ ምጅማሮም ክምልስወን ዝደልየን ሕቶታት ብምቕዳም ጽሑፎይ ክጅምር ይደሊ። ንሳተን ካኣ እዘን ዝስዕባ ኢየን፦ ሀ) ናይ

ምምሓው ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት (ተርሞኑክሌሳዊ) ቤተ-ሰብ፡ ቅጽበታውን ነባሪን ሓደጋ ንቐጻልነት ኤርትራ ከም ሃገርን ከም ሕብረተ-ሰብን

ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.)

ሕቶታት፡

ኣንበብቲ ቅድሚ ነዛ ጽሕፍቲ ምንባብ ምጅማሮም ክምልስወን ዝደልየን ሕቶታት ብምቕዳም ጽሑፎይ ክጅምር ይደሊ። ንሳተን ካኣ እዘን ዝስዕባ ኢየን፦

ሀ) ናይ መጀመሪያ መምህርካ/ኪ መን ነበረ/ነበረት?

ለ)ሃገርካ/ኪ ትፈቱ/ትፈትዊ ዶ? መልስኻ/ኺ እወ እንተኾይኑ፡ ብኸመይን ካብ ማዓስን ጀሚሩ?

ሐ)ብዛዕባ ዓድኻ/ኺ (ተወሊድካ/ኪ ዝዓበኻሉ/ዝዓበኽሉ ናይ መበቖል ዓዲ ወይ ናይ ከተማ ከባቢ) እሞ ሕሰብ/ቢ፡

–    ካብ 16 ክሳብ 40 ዓመት ዕድመ ከባቢ ዘለዉ መናእሰይ ደቂ ዓድኻ/ ክንደይ ይኾኑ?

–    ካብዚኣቶም፡ ክንደይ ዝኾኑ (ክንደይ ሚኢታዊት) ሕጂ ኣብ ኤርትራ ኣለዉ?

–    ካብቶም ኣብ ኤርትራ ኣለዉ ትብሎም ዘለኻ/ ክንደይ ዝኾኑ ኣብ ኣገልግሎት ኣለዉ?

ካላኣይ ክፋል፡

ባህርያዊ ከባቢ ኤርትራዊት ያታዊ ዓዲ እንታይ ይመስል?

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ እዚ ተገልጹ ከምዘሎ፡ ባህርያዊ ከባቢ ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት (ተርሞኑክሌሳዊ) ቤተ-ሰብ ዝባሃል:  “ኣቦን ኣደን ምስ ደቆም (ይብዝሑ ይውሓዱ) ብሓደ ኣብ ሓደ ገዛ እንዳነበሩ ኩሉ ናይ ሂወት ጸጋታት ሓቢሮም እንዳተኻፈሉ ተኾስዂሶም ዝዓብዩላን፡ ሕድሕዳዊ ፍቕሪ፣ ምክብባር፣ ምትሕልላይ፤ ሓወይ-ሓፍተይ፣ ኣቦይ-ኣደይ፣ እዚ-ወደይ፣ እዛ-ጓለይ፣ እዞም-ደቀይ፣ ወ.ዘ.ተ. ዝብሉ ናይ ስነ-ኣእምራዊ፣ ግብራውን መንነታውን መተኣሳሳሪ ገመዳት ዝትነጉላን መበቆላዊ ባህርያዊ ሰፈር ኢዩ። መንነትን ኩለንተናዊ ባህሪያትን ናይ ሓደ ዜጋ፡ ካብ መንነትን ባህሪያትን እታ ዘዕበየቶ ቤተ-ሰብ ዝተለብሰን ዝተወርሰን ስለዝኸውን፡ “ንቡር ዝፈልጥ ዜጋ” ኣብ ባህሪያዊ ከባቢ ቤተ-ሰብ (Natural Family Environment) ዘላ ቤተ-ሰብ (ስድራ) ጥራሕ ከምዝሕነጽ’ውን ኣብ ቀዳማይ ክፋል እዚ ጽሑፍ እዚ ርኢና ነይርና። ይኹን’ምበር፡ ባህርያዊ ከባቢ ቤተ-ሰብ፡ በቲ ኣባላት እታ ቤተ-ሰብ ዝገብሩዎ ኩሉ-ሓቆፍ ርክባትን ንጥፈታትን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እንተላይ በቲ እታ ቤተ-ሰብ ምስ ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ካለኦት ቤተ-ሰባት እትገብሮ ርክባትን ንጥፈታትን ዝጽሎ’ውን ኢዩ። ቤተ-ሰባት ዝተወሰን ቅርጺ ሕጀን ማይ-ቤታት የቑማ፤ ኣብ ሓደ ቦታ ተኣኪበን ዝነብራ ማይ-ቤታት/ቤተ-ሰባት ካኣ ዓዲ የቑማ። በቲ ዝገብረኦ ኩሉ-ሓቖፍ ማዓልታዊ ርክባትን ንጥፈታትን  ካኣ ኩነታት ጥዕና እታ ዘቖማኣ ዓዲ ይውሰን። ስለዝኾነ፡ ካብዚ ቀጺልና፡ “ባህርያዊ ኩነታት ኤርትራዊት ያታዊ ዓዲ” ከመይ ከምዝመስል ክንርኢ ኢና።

ሓንቲ ተርሞኑክሌሳዊት ቤተ-ሰብ፡ ኣባ-ሓጎ፣ እኖ-ሓጎ፣ ሓዎቦታትን ደቂ ሓዎባታትን ደቆምን፣ ኣሞታትን ደቀ ኣሞትታን ደቀንን፣ ኣኮታትን ደቀ ኣኮታትን ደቀምን፣  ሓትነታትን ደቂ ሓትነታትን ደቀንን፣ ወ.ዘ.ተ. ወሲኻ፡ ማይቤት ተቕውም።እታ ማይቤት፡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ብነዊሕ ዝተዘርገሐ፡ ብዓጽመ-ስጋ ዝታኣሳሰራ ቤተ-ሰባት ዝሓቖፈት ክትኸውን’ውን ትኽእል ኢያ። ከም ኣጋጣሚ፡ መውስቦ ኣብ ከብዲ ዓዲ እንተኾይኑ፡ እዛ ማይቤት እዚኣ ኣብ ሓደ ዓዲ ዝነብሩ ቤተ-ሰባት ዝሓዘት ናይ ምዃን ተኽእሎ ኣሎ። መብዛሕትኡ ግዜ ግን፡ መውስቦ ካብ ዓዲ ወጻኢ (ኣብ መንጎ ጎዶቦታትን ከባቢ ዓድታትን) ስለዝኸውን፡ ኣባላት ቤተ-ሰባት ሓንቲ ማይቤት ኣብ ዝተፈላለየ ዓድታት ዝንበሩ ኮይኖም፡ ኣብ ሞንጎ ዓድታት ከም ናይ ዝምድና መላጋግቦታት ኢዮም ዝኾኑ። ዋላኳ ኣብ ዝተፈላለየ ዓድታትን ከባቢታትን ዝነብሩ እንተኾኑ፡ ከም ኣባላት ሓንቲ ማይቤት ዘራኽብዎም ቡዙሓት ማሕበራውን ቤተ-ሰባውን ርክባትን ንጥፈታትን ኣለዉ። ዝዓበዩን ዝናኣሱን ኣባላት ሓንቲ ማይቤት፡ ኣብ “ንግደት፣ ዓውዳ-ኣመት፣ ሕጸ፣ መርዓን ካልኦት ማይቤታዊ ውራያትን” ሓቢሮም ኢዮም ዘሕልፍዎ። ኣብ ጊዜ ሓዘን’ውን፡ ሓቢሮም ኢዮም ዝሓዝኑን ግቡኣትን ውራያት ምውቱን (ቀብሪ፣ ዓሱር፣ ተስካር፣ ወ.ዘ.ተ.) ዝገብሩን። ኣብ ከምዚ ዓይነት ማይቤታዊ ጉዳያት፡ ተራን ግዴታን ከምኡ’ውን መሰልን ነብሲ-ወከፍ ኣባል ማይቤት እንታይ ምዃኖም ዝውስኑ ማይበታዊ ሕግታት፣ ልምድታትን ወግዕታን ኣለዉ። ንኣብነት፡ መርዓ ኣብ ማይቤት እንተወሰድና፡ ቤተ-ሰባት ነቲ ዘመርዑ ዘሎ/ባኣል ጉዳይ ሓገዛት (ቦጥ/ፊስቶ ስዋን 50 ጣይታን፣ ገንኢ ስዋን 25 ጣይታን፣ ጅንግሪሪ ስዋን 15 ጣይታን፣ ወ.ዘ.ተ.ን ካልእ ንመርዓ ዘድልዩ ናውትን) የበርክታ ኢየን። ምስቲ መርዓ ዝተኣሳሰረ ናይ ምምሕዳርን ናይ ጉልበት ስራሕን’ውን፡ መን እንታይ ክገብር ከምዘለዎ ኣባላት ማይቤት ይፈልጡ ኢዮም። ሕጽር ብዝበለ፡ እቲ ውራይ ናይታ ማይቤት ኢዩ። መርዓ ምስ ሓለፈ ኣብ ሳልስቱ ካኣ ኩሎም ኣባላት ማይቤት ተኣኪቦም ናይ ዓጽመ-ስጋ (ወለደኛ)  “ዓጽሚ” ይበልዑ። “ዓጽምና ኢዮም” ክባሃል ዶ ሰሚዕኹም ትፈልጡ? ካልኦት ጉዳያት ማይቤት’ውን ብኸምዚ ዓይነት ማይቤታዊ ምትሕብባር ኢዮም ዝፍጸሙ/ዝግበሩ።  ቆልዑ’ውን ምስ ኣብ ካልኦት ዓድታት ዝነብሩ ደቀ-ኣሞታቶም፣ ደቀ-ኣኮታቶም፣ ደቀ-ሓትነታቶምን ካልኦት ኣዝማድን ዝረኸቡን ሓብሮም ጊዜ ዘሕልፉን ኣብ ከምዚ ዓይነታት ማይቤታዊ ውራያት ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ማሕበራውን ቤተ-ሰባውን ርክባት ኢዩ ካኣ እቶም ናይ ማይቤታዊ መተኣሳሳሪ ገመዳት ዝትነጉን፡ እቲ ነታ ማይቤት ከም ሓንቲ ስጥምቲ ማሕበራዊ ጉጅለ (ማይቤት/እንዳ) ዝገልጻ ናይ መንነት ባህሪ ተወሊዱን ዓዂኹን ዝዓቢ። ነብሲ-ወከፍ ማይቤት ናይ ባዕላ ገላጺ ባህርያት፣ ወግዕታት፣ ልምድታትን ፍሉይ መጸውዒ ሽም’ውን ኣለዋ። እቶም ኣብታ ማይቤት ዝውለዱ ቆልዑ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላልን ከባብን እዛ ብፍሉይ ሽም ትፍለጥ ማይቤት ኢዮም ዝዓብዩ። ባህልን፣ ወግዕን፣ ልምድታትን ናይታ ማይቤት ይለብሱን ይወርሱን፤ ብመንነታ ካኣ ይግለጹ።

ነበሲ ወከፍ ኣንበብቲ እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ዘዝዓበኩምለን ማይቤታት ከምዘለዋኹም ፍሉጥ ኢዩ’ሞ፡ እስከ ምልስ ኢልኩም ክትዝክሩ ፈትኑ። እንታይ እንታይ ትዝክሩ? ኣብታ ማይቤት ኢቲኣ ብምዕባይኩም ወይ’ውን ኣባላ ብምዃንኩም ኣብ ባህርያትኩም፣ ኣብ ጠባይኩም ይኹን ኣብ መንነትኩም ዘሕደረልኩም ነባሪ ኣሰር እንታይ ኣሎ? ኩለንተናኹም፡ ንዘዕበየትኩም ቤተ-ሰብ/ማይቤት ከምትመስሉ ኣይጠራጠርን ኢየ። እቱይ ምንታይሲ፡ ሰብ ውጽኢት ናይቲ ዘዕብዮ ባህሊ ስለዝኾነን ነብሲ-ወከፍ ማይቤት ካኣ ናታ ዝኾነ ፍሉይ ባህሊ ስለዘለዋን። ንኣብነት፡ ኣነውን ከም ኩላትኩም፡ ዘዕበየትኒ “እንዳ ኣባ ገብረማሪያም” ተባሂላ ትጽዋዕ ማይቤት ኣላትኒ። እንዳ ኣባ ገብረማሪያም ሓንቲ ካብተን ፍሉጣት ማይቤታት ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ ኮይና፡ ብፍሉይ ትፍለጠሉ ሕላገታት ኣለዋ – “እንዳ ኣባ ገብረማሪያም በላዕቲ ናቶም፣ ሓቀኛታትን ፍትሐኛታትን፣ ዓመጽ ዝጸልኡን ዘይዕምጹን፣ ንድኻታት ዝሕግዙን ዘዕቑቡን፣ ተቀበልቲ ኣጋይሽ ዓዲ፣ ፍጹም መንፈሳዊ እምነትን ናይ እግዛኣብሐር ፋሪሓ ዘለዎምን፣ ሕድሕዳዊ ፍቕርን ስኒትን ዝዓሰሎም፣ ወ.ዘ.ተ. ኢዮም እንዳእባህለ ዝንገረላ ማይቤት ኢያ።” ስለዝኾነ፡ ዝኮነ ኣብ እንዳ ኣባ ገብረማሪያም ዝውለድ ቆልዓ ኣብ ከምዚ ዓይነት ናይ ማይቤት ከባቢ ስለዝዓቢ፡ ኢቲ ናይቲ ዓዲ ህዝቢ’ውን ብኡ መጠም ጽቡቅ ስነምግባር ካብቲ ቆልዓ ኢዩ ዝጽበ። ቆልዓ ሕማቅ ነገር (ጸይቂ) ክገብር ዓበይቲ ሰባት እንተሪኦም፡ “ግደፍ ኣታ ቆልዓ፡ ከምኡ ኣይግበርን ኢዩ” ይብሉ’ሞ፡ ወዲ መን ከ ኢዩ ኢሎም ይሓቱ። ምናላባት፡ “ካብ እንዳ ኣብ ገብረማሪያም ኢዩ ዝብል መልሲ እንተረኪቦም፡ ኣይፋል መልስ ዳኣ “ካብ እንዳ ኣባ ገብረማሪያምስ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ፤ እንዳ ኣባ ገብረማሪያም ከምዚ ዝገብር ቆልዓ የብሎምን፡ ኢሎም ኢዮም ናይ ምንጻል ወስታ ዝገብሩሉ።  ሕብረተሰብ ብከምዚ ዓይነት ስለዝንጽለካን፡ ሽም ማይቤትካ መታን ከይተክፍእን፡ ነቲ ማይቤት ዝበቅዕ ባህርያትን ጠባያትን ሒዝካ ኢካ ትዓቢ። ኣብ ጎዶቦ ዓዲ እንትከድካ’ውን፡ ኣበይ ኢዩ ዓድካ ተባሂልካ ተሓቲትካ ምስ መለስካ፡ “ዓዲ እገሌ ዳኣ (ነታ ዓድካ እንዳጠቀሱ) ካብ እንዳ መን (ካበየናይ ገዛ/ማይቤት) ኮንካ” ዝብል ሕቶ ኢዩ ዝቐርበልካ።

እዚ ኩሉ ዘረዳኣና፡ ዝኾነ ሰብ፡ ከም ሰብ ዝልለየሉን ዝግለጸሉን ባህርያት፡ ካብቲ ዝተወልደሉን ዝዓበየሉን ቤተ-ሰብን ማይቤትን መንነት ዝወርሶን ዝለብሶን ምዃኑ ኢዩ። ኣብ ዓዲ ይኩን ካብ ዓዲ ወጻኢ፡ ኣብ ውሽጢ ሰፊሕ ሕብረተሰብ ኣብ ትነጥፈሉ ጊዜ ተዘውትሮ ባህርያት’ውን እዚ ባርያትን እዚ ኢዩ። ስለዝኾነ’ውን ኢዩ፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ ሕማቕ ዝገብር ወይ ሕማቕ ኣበር ዘለዎ ሰብ ክርእዩ ከለዉ፡ “እዚ ካኣ መዕበዩኡ ዝበደሎ” ኢሎም ብምጽያን ዝጥምትዎ። ከምኡ’ውን “ወዲ እገሌ እኮ ጅግና፣ ሓየት፣ በሊሕ፣ ባዓል ቁምነገር፣ ወ.ዘ.ተ. ቆልዓ ኢዩ፤ ነዛ ማይቤቶም ኩሉ ጊዜ ምስ ኣስመያን ምስ ኣጸዋዓን ኢዩ” ኢሎም ብኣድናቖትን ብተመስጦን ብዛዕባ ጽቡቕ ስነምግባር ዘለዎን ሉሉይ ስርሓት ዝገበረን ሰብ ዓበይት ደቂ ዓዲ ክዛረቡ ምስማዕ ሉሙድ ኢዩ። እዚ ዘሪአና ካኣ፡ መንነት ናይ ሓደ ሰብ፡ ነጸብራቕታ/ውጺኢት ናይ መንነት እታ ዝዓበየላ ማይቤት ምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ መንነት ማይቤት ተዓቂቡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ናይ ምምሕላፍ ሓላፍነት ናይ ነብሲ-ወከፍ ኣባል እታ ማይቤት ከምዝኾነ’ውን ኢዩ። እዚ ዓይነት ሕድሕዳዊ ምትእስሳራት እቲ ቀንዲ ምንጪን መሰረትን  ናይ ማሕበረ-ሰባዊ ፍቕሪ፣ ሓልዮት፣ ሓድነትን መቦቆላዊ መንነትን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ቀንዲ ደራኺ መስዋእትነትን ንቀጻልነት ከም ህዝብን ከም ሕብረተ-ሰብን ኣብ ሓደ ሃገር’ውን ኢዩ። ስለዚ፡ ማይቤታት፡ ኣብ ምኹስኻስ ሃገሮም ዘፍቅሩን/ዝፈትዉን ምእንቲ ሃገሮም መስዋእቲ ዝኸፍሉን ሓለይትን ኣፍረይትን ዜጋታት፡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዓ ናይ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ቀጸላታት ኢየን እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እቱይ ምንታይሲ፡ ማይቤቱ ዘይፈቱ ዓዱ ክፈቱ ኣይክእልን ኢዩ፤ ዓዱ ዘይፈቱ ካኣ ሃገሩ ክፈቱ ኣይክእልን ኢዩ። ፍቅሪ/ፍትወት ሃገር ካብ ፍቅሪ/ፍትወት ቤትካን ማይቤትካን ኢዩ ዝጅምር። እሞ ዳኣ መልሲ ናይታ ኣብ (ለ) ዘፊራ ዘላ ሕቶ ማለት፡ “ ሃገርካ/ኪ ትፈቱ/ዊ ዶ? መልስኻ/ኺ እወ እንተኾይኑ፡ ብኸመይን ካብ ማዓስን ጀሚሩ? ትብል ሕቶ”፡ ‘ብከምዚ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ፡ ገና ካብ እግሪ ተኽለይ ጀሚሩ ኣብ ቤተይን ማይቤተይን’ ኢዩ ዶ ክንብል ንኽእል? ከምዚ ከማይ እንተኾይንኩም፡ “እወ” ኢየ ዝብል።

ይኹን’ምበር፡ ኣባላት ናይ ሓደ ቤተ-ሰብ ወይ’ውን ማይቤት ኣብ ነንሕዶም ብዝገብርዎ ማሕበረ-ሰባዊ ርክባትን ንጥፈታትን፡ ንባህርያትን መንነትን እታ ማይቤት መሰረት ኣትሒዙ ዝቐርጽን  ዝሰርዕን እዃ እንተኾነ፡ እዚ መንነት እዚ ትርጉም ዝለብሲ፡ እታ ማይቤት ምስካለኦት ማይቤታት ኣብ ትገብሮ ርኽባትን ንጥፈታትን ኢዩ። ኩላትና ከምፈልጦ፡ ኣብ መዛሕትኡ ከባቢታት ኤርትራ፡ ቤተ-ሰባት ወይ’ውን ማይቤታት ኣብ “ዓዲ” ብተባሂሉ ዝፍለጥ ቅርጸ-ሰፈርን ኣቀማምጣ ህዝብን እክብ እክብ ኢለን ኢየን ዝነብራ። መብዛሕትኡ መሬት ኣብ ኤርትራ “ዓዳዊ” ኢዩ። እዚ ማለት፡ ነብሲ-ወከፍ ዓዲ፡ ዶባቱ ፍሉጥ ዝኾነ ናገዛእ ርእሳ ትውንኖ መሬት ሃልይዋ፡ ብፍሉይ ሽም ትጽዋዕ። ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢ፡ ክልተ ወይ ካብ ክልተ ንላዕሊ ዓድታት ናይ ሓባር መሬት ዝውንናሉ ኩነታት ኣሎ። እዚ ግን ነቲ መሰረታዊ “ዓዳዊ” ኣቀራርጻ መሬት (ዓዳዊ ዶቦት መሬት) ኣይልውጦን ኢዩ። ስለዚ፡ እዚ ብሽም እታ ፍልይቲ ዓዲ ዝጽዋዕ ናይ ሓባር መሬት፡ መሰረት ማሕበረ-ሰባዊ ዝምድናታትን ንጥፈታትን ናይተን ኣብታ ዓዲ ዝነብራ ቤተ-ሰባትን ማይቤታትን ብምዃን፡ ከም  መዕኾዂ ማሕበራዊ ስጡምነትን ሓድነትን ህዝብን፡ ከም መሰረትን መቦቆልን ዜግነታዊ መንነትን ኮይኑ ዘገልግል ኣገዳሲ ጸጋ ኢዩ። ስለዝኾነ፡ ዓድታት ኤርትራ፡ ዓዳዊ ስነ-ኣእምራዊ፣ ግብራውን መንነታውን መተኣሳሳሪ ገመዳት ዝትነጉለን መበቆላውያን ባህርያውያን ስፍራታት ኢየን እንተበልናየን ይውሕደን’ምበር ኣይበዝሐንን ኢዩ። ኤርትራዊት ዓዲ፡ “ዘርኢ ኤርትራዊ መንነት” ተዘሪኡ ዝብቕለላ፣ ዝሽውተላ፣ ኣኺሉ ዝፈርየላን ዝሕፈሰላን ፈራይት ከስዐ ኢያ። ብኸመይ ኢልኩም ትሓቱ ትኾኑ። እስከ ማዓልታዊ ሂወት ባህርያዊት ያታዊ ኤርትራዊት ዓዲ ከመይ ከምዝመስል ንርአ።

ኩላትና ከምንፈልጦ፡ መብዛሕትአን ዓድታት ኤርትራ እኩብ ዓይነት (Nucleated/Clustered Village) ኣሰፋፍራ ኢዩ ዘለወን። እቲ ገዛውቲ ዓዲ፡ ኣብ ሓደ ከባቢ (መብዛሕትኡ ጊዜ ኣብ ብርኽ ዝበለ ቦታ) እክብ ኢሉ ዝተደኮነ ኩይኑ፡ ንናይ ዓዲ ሓባራዊ ጸጥታ ምሕላውን ምክልኻልን፣ ንናይ ሓባራዊ ዓዳዊ ማሕበራዊ ጉዳያት ምስልሳል ምቹእነትን ንናይ ዓዳዊ ሓባራዊ ጸጋታት ኣከፋፍላን ኣጠቓቕማን ብዝጥዕምን ኣገባብ ዝተሰርዐ ኢዩ። ነብሲ-ወከፍ ዓዲ፡ ዶባቱ ፍሉጥ ዝኾነ እትውንኖ ዓዳዊ መሬት ኣለዋ። መሬት ዓዲ ኣብ ክልተ ኢዩ ዝኽፈል – ናይ ሕርሻን ናይ መጋሃጫን። ኣብ ኤርትራ ክልተ ዓይነት ዝውቱራት ዝኾኑ፡ መሬት ጽልምን መሬት ዴሳን ተባሂሎም ዝፍለጡ፡ ናይ መሬት ትሕዝቶታት ነይሮም ። ኣብ መሬት ጽልሚ፡ ናይ ሕርሻ መሬት ናይ ቤተ-ሰብ ወይ ናይ ማይቤት ናይ ውልቂ ዋንነት (Private Land Ownership) ክህልዎ ከሎ፡ ናይ መጋሃጫ መሬት ግን ናይ ዓዲ ናይ ሓባር ዋንነት (Communal Land Ownership) ኢዩ ዘለዎ። ኣብ መሬት ዴሳ ካኣ፡ ናይ ሕርሻን ናይ መጋሃጫን መሬት ናይ ዓዲ ናይ ሓባር ዋንነት ኢዩ ዘለዎም። እዚ ናይ ሓባር ጸጋ እዚ ብኸመይ ይከፋፈልን ይማሓደርን ካብ ዝብል ጀምርካ፡ ክሳብ ደቂቕ ማዓልታዊ ምንቅስቃስ ነብሲ-ወከፍ ወዲ ዓዲ ዝገዝኡን ዘማእዝኑን፡ ዓዳዊ ልምድታት፣ ወግዕታት፣ ስነስርዓታትን ሕግታትን ዝሓቖፈ ዝተሓላለኸ ማሕበረ-ሰባዊ ርክባት ኢዩ ጥዕና ሂወት ናይታ ዓዲ ዝውስን።

ኣብ ስርዓተ መሬት ጽልሚ ዘለዋ ዓዲ ከም ኣብነት እንተወሰድና፡ መሬት ሕርሻ ኣብ መንጎ ኣወዳት የሕዋት እንዳተኻፋፈለ ይማራቓሕ፤ ኣዋልድ ኣሓት ካኣ ገዝሚ ይግዘማ። ብስድራኣ ዘይመሰለት (ገዝሚ ዘይወሰደት) ጓል ኣንስተይቲ ግን ከም ኣወዳት የሕዋታ መሬት ትምቀል ኢያ። ከምኡ’ውን ተፋቲሓ ናብ ዓደ ኣባኣ ዝተመልሰት ሰበይቲ፡ መሬት ካብ የሕዋታ ትወስድ ኢያ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ናይ መሬት ትሕዝቶ፡ እቲ ናይ ሕርሻ መሬት ካብ ወላዲ ናብ ውሉድ እንተማሓልለፈ ስለዝመጽእ፡ ናይ ሓቂ ወናኒ እቲ መሬት እታ ማይቤት ብዓባያ ኢያ። ብካልእ ኣዘራርባ፡ እቲ ዝጥቀመላ ዘሎ ኣባል ቤተ-ሰብ፡ ብግብሪ ናይ ተጠቃምነት መስል ጥራሕ ኢዩ ዘለዎ። ስለዝኾነ፡ መሬት ምሻጥ ኩልኩል ኢዩ። ከም ኣጋጣሚ፡ ዝሸይጥ እንተተረኺቡ፡ ዝኾነ ኣባል ናይታ ዝዓበየት ማይቤት ኣብ ሕጊ ከሲሱ ክረትዖ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ዝኾነ ኣባል ማይቤት፡ ዳግመ ምድላዳል መሬት ኣብ መንጎ እተን ኣባላት ናይ ሓደ ማይቤት ዝኾና ቤተ-ሰባት ክግበር ኣለዎ ኢሉ ክጠልብን፡ ጠለቡ እንተዘይተማላኣሉ ካኣ ናብ ሕጊ ክኸሳስ ዝኽእለሉ ኩነታት’ውን ነይሩ ኢዩ። ከምኡ’ውን፡ ኣብ ሓንቲ ቤተ-ሰብ “ጻንታ” እንተ ኣጋጠመ (እታ ቤተ-ሰብ ብዘይ ሓድጊ እንተጸነተት)፡ እቲ መሬታ ናብታ ማይቤት ኢዩ ዝምለስ። እዚ ኩሉ ዘርእየና፡ “መሬት” ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝዝግራሕ ነዊሕ ዘይብተኽ ገመድ ኮይኑ፡ ዝምድናታትን መንነትን ማይቤታት ካብ ወላዲ ናብ ውሉድ እንዳተማሓላለፈ ከይተዳኸመ ከምዝቕጽል ዝገብር ጥራሕ ዘይኮነስ፡ መሰረትን መበቖልን ዜግነታዊ መንነት ምዃኑ ኢዩ’ውን።

ምምሕዳርን ኣጠቓቕማን ዓዳዊ ናይ መጋሃጫ መሬት፡ ካብቶም ንኣባላት ናይ ሓደ ዓዲ ቤተ-ሰባትን ደቂ ዓድን ኣብ ሓደ ዝጠምርዎምን ማዓልቲ ማዓልቲ ዘራኽብዎምን ጉዳያት ሓደ ኢዩ። ኣየናይ መሬት (ካበይ ናበይ) ይታሓዛእ? ካብ ማዓስ ጀሚሩ ይታሓዛእ? ሕሩም ሕዛእቲ ዶ ይኹን? መን ሓላው መሬት (ሕዛእትን ኣዝርእትን) ይኹን? ሓላው መሬት (ዘራዓይ/ዓጋታይ) ብኸመይ ይቖጸር? ሓላፍነትን ግዴታን መሰልን ሓላው መሬት እንታይ እንታይ ይኹን? ሓልፍነትን ግዴታን ናይ ነብሲ-ወከፍ ቤተ-ሰብ (ስድራ) ዓዲ ከ እንታይ ይኹን? ሕዛእቲ ማዓስ ይሳዓር? ወ.ዘ.ተ. ዝብሉ ኣገደስቲ ዓዳዊ ሕቶታት ገለ ካብቶም ናይ ሓባር ዓዳዊ ውሳኔታት ዘድልዮም ጉዳያት ኢዮም። ነብሲ-ወከፈም ካኣ ሓደ ብሓደ ኣብ ባይቶ ዓዲ ተዘትይሎም፡ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ውሳኔን ስምምዕን ይግበረሎም። እቶም ኣብ ባይቶ ዓዲ ዝተወስኑ ውሳኔታትን ዝተበጽሑ ስምምዓትን ካኣ ተግባራዊ ይኾኑ። ንኣብነት፡ ነብሲ-ወከፍ ቤተ-ሰብ ዓዲ ክንደይን እንታይ ዓይነት እክልን ንዓስቢ (ደሞዝ) ሓላው መሬት (ዘራዓይ) ትኸፍል ስምምዕ ይገበረሉ፤ እንስሳ ኣዝርእቲ እንተበሊዐን ወይ’ውን ኣብ ሕዛእቲ እንተኣትየን’ሞ ዘራዓይ እንተዘርዐን፡ ማሕስአ-ምራኽ ክነደይ ትኸፍላ፣ ከቢቲ (ላም ወይ ብዕራይ) ክንደይ ትኸፍል፣ ጠለ-በጊዕ ከንደይ ይከፍላ፣ ኣደገ-በቕሊ ከንደይ ይኸፍላ፣ ወ.ዘ.ተ. ኩሉ ኣብ ባይቶ ዓዲ ብናይ ሓባር ምይይጥ ኢዮም ዝድንገጉ/ዝውሰኑ። ኣብ ተራ ሕዛእትን ኣብ ሕሩም ሕዛእትን ዝኣተወት እንስሳ ትኸፍሎ ዓቐን’ውን ዝተፈላለየ ኢዩ – ሕሩም ሕዛእቲ ዘይጣሓስ ኢዩ። ኣብ ሕሩም ሕዛእቲ ኮነ ኢሉ ዘብለዐ፡ ከም ገበነኛ ተቖጺሩ ከቢድ መቕጻዕቲ ምኽፋል ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ዘይግበር ገይሩ ተባሂሉ ካብ ዓዲ ማሕበራዊ ተነጽሎን ምጽያንን ኢዩ ዝገጥሞ። ብሕጊ ዓዲ መሰረት፡ ኣብ ተራ ሕዛእቲ ክበልዑ ዝፈቐደሎም ግን ኣለዉ። ንሳቶም ካኣ፡ ዝሓንከሰ እንስሳ፣ ሓራስ እንስሳ፣ ኣብ ስራሕ ዝዋዓለ እንስሳን ዝዓበረት እንስሳን (ናይ ንቡር ምንቕስቃስ ጸገም ዘለዋ) እዮም። ዘራዓይ፤ እንስሳ ኣብ ኣዝርእቲ ወይ ኣብ ሕዛእቲ ኣትየን እንተረኸበን፡ ሓደ ብዕራይ ወይ ጣዓዋ/ዝራብዕ ፈልዩ ወሲዱ ኣብ ዓዲ ኣብ ጽኑዕ ክዳጉኖ መሰል ኣለዎ። ሓላው እንስሳ (ጓሳ ከብቲ)፡ ብዕራየይ ክትወስዶ ኣይፈቕደልካን ኢየ ኢሉ ክኽልክሎ ኣይግባእን ኢዩ። ዋና እንስሳ፡ ወይ ዝግባእ ከፊሉ ወይ’ውን “ዋሓስ” ተኺሉ ጥራሕ ኢዩ እቲ ዝተዓገተ ብዕራዩ ከውጸኦ ዝኽእል። ዋሓስ ካኣ፡ እቲ ዘራዓይ ዝግበኦ ከምዝኽፈል ናይ ምግባር ግዴታ ኣለዎ። ናይዞም ዝተጠቕሱ ተዋሳእቲ ግዴታትን መሰላትን ኩሎም ኣብ ባይቶ ዓዲ ኢዮም ዝድንገጉ። ነቲ ዝኣተዉዎ ስምምዓትን ግዴታትን ካኣ የተግብሩን የኽብሩን። እዚ ዓይነት መስርሕ፡ ሓደ ካብቶም ክብርን ልዕልና-ሕጊን ዘዕኹኹን ድሪኺት ዝህቡን ማሕበረ-ሰባዊ ርክባት ዓዲ ኢዮ።

እቲ ካልእ ዝዓበየ ሓባራዊ ጸጋ ዓዲ፡ ኣግራብ ዓዲ ኢዮም። ኣግራብ ዝተፈላለዩ ዓይነት ኮይኖም፡ ንዝተፈላልየ ማዓላ ዓዲ ካኣ ይውዕሉ። ገለ ዝብላዕ ፍረ (ኩመል፣ ዳዕሮ፣ ሳግላ፣ ዓበርከኻ፣ ምልዖ፣ ዓየ፣ ዓጋም፣ ማሸቛ፣ ዓውሒ፣ ዓውሒ ጽርጋሕ፣ ሑሞር፣ ጋባ፣ ዳዕሮ፣ በለስ፣ ኣርኮኮባይ (ኣብ መታሕት)፣ ወ.ዘ.ተ.) ዝፈርዩ ኢዮም። ከምዚኦም ዓይነት ኣግራብ ምቑራጽ ብሓፈሽኡ ኩልኩል ኢዩ። ገላ ካኣ ንናውቲ ማሕረስ ዘገልግሉ (ወይባ፣ ዓላ፤ ጫዓ፣ ኦባ፤ ጭጎኖ፣ ሓጺባ፣ ሰርነግ፣ ወዘተ.) ኮይኖም፡ ሓረስታይ ወዲ ዓዲ ከም ኣድላይነቱ እንዳቖረጸ ዝጥቀመሎም እዮም። እንታይን ማዓስ ጊዜን ካበይ ቦታን ትቖርጽ ግን ዝውስኑ ልምድታት ዓዲ ኣለዉ። ካልኦት’ውን ደቂ ዓዲ ንመስርሒ ገዛ ዝጥቀሙሎም (ንየዕኑድ፣ ገመላት፣ ሰርወታት፣ ማሕጽታት፣ መደደብ ህድሞ ቆጽሊ፤ ወ.ዘ.ተ.) ብዙሓት ዓይነት ኣግራብ ኣለዉ። ካብኡ ሓሊፉ፡ ኣግራብ ከም መከላከሊ ፍግረ-መሬትን፡ ኣቑጽልቲ ኣግራብ’ውን ከም መግቢ እንስሳታት (ከይረገፉ ኣብ ጊዜ ጸደይን ክራማትን፡ ነቒጾም ምስረገፉ ካኣ ኣብ ጊዜ ሓጋይ) ስለዘገልግሉ፡ ገረብ ብዘይ ኣግባብን ፍቃድን ምቑራጽ ኩልኩል ኢዩ። ነዚ ዝከታተሉ፡ ብዓዲ ዝምዘዙ “ሓለውቲ ገረብ” ዝባሃሉ ተቆጻጸርቲ ሽማግለ ዓዲ ኣለዉ። ዝኾነ ወዲ ዓዲ’ውን ንዝኾነ ብዘይ ኣግባብ ገረብ ክቖርጽ ዝረኸቦ ሰብ፣ ግደፍ ኢሉ ክኽልክሎን፡ እንተኣበየ ካኣ ናብ ሕጊ ከቕርቦ ግዴታን መሰልን ኣለዎ። “ዝባን ሕጊ”፡ ምቑራጽካ ኣቛርጽካ ደድሕረይ ሳዓብ ኢሉ ናብ ጭቃ (ዳኛ) ዓዲ ክወስዶ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ንልዕልና-ሕጊ ተገዛኢ ዝኾነ ሕብረተ-ሰብ፡ “ዝባን ሕጊ” ምጥሓስ ከቢድ ስለዝኾነ፡ ምቑራጹ ኣቛሪጹ ደድሕሪ ከሳሲ ሲዒቡ ናብ ጭቃ ዓዲ ኢዩ ዝቐርብ። ጭቃ ዓዲ ካኣ ነቲ ጉዳይ ምስቶም ሓለውቲ ገረብ ከይኑ ብምጽናዕ፡ እቲ ዝግባእ ውሳኔ ይወስድን ከምዝትግበር ይገብርን። ዝበደለ ካኣ ጉቡእ መቕጻዕቱ ይወስድ። እዚ ዝምህረና ነገር እንተሎ፡ ኤርትራዊት ዓዲ፡ ብሕግን ስርዓትን ትማሓደር ባህርያዊ ሰፈር ጥራሕ ምዃና ዘይኮነስ፡ ኩሉም ኣካላት እታ ዓዲ (ሓለውቲ እንስሳ (ጓሶት)፣ ሓለውቲ ገረብ፣ ሓላው መሬት (ዘራዓይ)፣ ባይቶ ዓዲ (ተሳተፍቲ ደቂ ዓዲ)፣ ጭቃ (ዳኛ) ዓዲ፣ ወ.ዘ.ተ.) ንቐጻልነት ስሩዕ ማዓልታዊ ሂወት እታ ዓዲ ብናጻ ሕልናን ብቅንዕናን ኩሉ ዝካኣሎም ክገብሩ ዝጽዕቱ ምዃኖም’ውን ኢዩ። መንነት ዓዲ ከም ፍሉይ መለለዪ ማሕበረ-ሰባዊ ባህሪ መልክዕን ቅርጽን ክሕዝ ዝጅምር ብከምዚ ዓይነት ዓዳዊ ማሕበረ-ሰባዊ ዝምድናታትን ንጥፈታትን ኢዩ።

ካልእ ኣገዳሲ ናይ ሓባር ዓዳዊ ጸጋ “መንገዲ” ኢዩ። መንገዲ ከም ፍሉይ ኣጠቓቕማ መሬት ገርና ክንወስዶ ንኽእል ኢና – ንምንገዲ ማዓላ ዝዋዓለ መሬት ሳዕሪ፣ ኣዝርእቲ ወይ ገረብ ኣይቦቑሎን ስለዝኾነ። መንገዲ፡ ሰብን እንስሳን ካብን ናብን ዝንቀሳቕስሉ/ዝመላለስሉ ናይ መጓዓዝያ ትሕተ-ቅርጺ ኮይኑ፡ ሓደ ካብቶም መትንታት ሂወት ዓዲ ኢዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ኣብ ሓደ ዓዲ ክልተ ዓይነት መገድታት  ኣለዉ። ተራ መንገድን መገዲ ኣርባዓን ካኣ ይባሃሉ። እቲ ተራ መንገዲ፡ መንገዲ ሓጋይ (ኣብ ጊዜ ሓጋይ/ዘራእቲ ምስተኣከቡ ጥራሕ ዘገልግል) ወይ’ውን ብናይ ሰባት ግራዊቲ ዝሓልፍ ናይ ውልቒ መንገዲ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ዋና ግራት፡ ብግራተይ ኣይትሓልፍን ኢኻ ኢሉ ክኽልክለካ መሰል ኣለዎ። ሕጊ ዓዲ’ውን ንባዓል ግራት ኢዩ ዝድግፍ። እንተ እቲ “መንገዲ ኣርባዓ” ግን ኩሉ ኣብ ኩሉ ጊዜ ዝሓልፈሉ መንገዲ ኢዩ። እንስሳን (ናይ ዓዲ ይኩና ናይ ጎዶቦታት) ሰባትን (ደቂ ዓዲ ይኹኑ ደቂ ጎዶቦታት) ኣብ ዝኾነ ጊዜ ዝሓልፍሉ (ዝመላለስሉ) መንገዲ፡ “መንገዲ ኣርባዓ” ተባህሉ ኢዩ ዝጽዋዕ። ከም ኣጋጣሚ፡ ኣብ ወሰን መንገዲ ኣርባዓ ግራት እንተ ኣላትካ፡ ብኡ ንዝሓልፋ እንስሳ ይኹና ሰባት ክትክልክል መሰል የብልካን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እንተከልከልካ ወይ’ውን ክትክልክል እንተፈተንካ፡ ኣብ መንግዲ ኣርባዓ ምሕላፍ ክልኪሉኒ ወይ’ውን ክኽልክለኒ ፈቲኑ ተባሂልካ ትኽሰስ። ምግባርካ እንተ ዳኣ ብመርትዖ ተረጋጊጹ ካኣ፡ ብሕጊ ትቕጻዕ። መንገዲ ኣርባዓን ንዕኡ ዝገዝኡ ሕግታትን ስምምዓትን ዓዲ፡ ኣብ ማዓልታዊ ማሕበራዊ ሂወት እታ ዓዲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ተራ ኢዮም ዝጻወቱ። ንኣብነት፡ ንሓንቲ ካልእ መተካእታ መሕለፊ ዘይብላ መንገዲ ኣርባዓ ሓሪሱ በዚ ግራተይ ከይትሓልፉ ዝብል ሓደ ጸይቂ ኣብታ ዝዓበኹምላ ዓዲ እንተዝርኸብ እልኩም እሞ ሕሰቡ፡ ብሰበብ እዚ እንታይ ዓይነት ናዕቢ ኣብቲ ዓዲ ከምዝፍጠር ንምእማቱ ዘጸግመኩም ኣይመስለንን። መንገዲ ዓርባዓ፡ ኣገዳሲ ያታዊ ምህዞ ኤርትራዊት ዓዲ ኢዩ።

ናይ መገዲ ኣርባዓ ካብ ተላዕለ፡ ምስዚ ኣምር እዚ ዝከይድ ሓደ ኣገዳሲ መግለጺ ኤርትራዊት ያታዊ ዓዲ ኣሎ። መቸስ፡ ብሰንኪ ዝተፋላለየ ምኽንያታት፡ ሰባት(ብእኩብ ይኹን ብንጽል) ካብ ዝነብርዎ ዝነበሩ ባህርያዊ ሰፈሮም ተፈናቒሎም  ተሰዲዶም ናብ ካልእ ቦታ/ዓዲ ከይዶም ምንባር ልሙድ ተርእዮ ኢዩ። ኣብቲ ዝተሰደሉ ዓዲ ካኣ ከም ጋሻ እታ ዓዲ ኮይኖም ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበረ-ቁጠባዊ ንጥፈታት እንዳነጠፉ ማዓልታዊ ሂወቶም ይመርሑ። ገበርቲ ሰናይ ደቂ እታ ዓዲ ኣብ ዝለገስሎም መዕቆቢ ገዛ እንዳነበሩ፡ ጉልበቶምን ክእለቶምን እንዳሸጡ ይነብሩ። ግራት ፈረቃ፣ ግራት መስለስ ወይ’ውን ግራት ውህብቶ (ሓሪስካ ብላዓያ ኢሉ ግራት ንውሱን ዓመታት ዝልግስ ወዲ ዓዲ እንተተረክበ) እንዳሓረሱ ናብርኦም ይቕጽሉ። ሓንቲ ስደተኛ ስድራ፡ ብከምዚ ኣገባብ ንዓርባዓ (40) ዓመታት ኣብቲ ዓዲ ምስተቐመጠት፡ ከም ተወላዲት እቲ ዓዲ ተቖጺራ፡ መሬት ልክዕ ከምቶም መብቖላውያን ደቂ ዓዲ ትምቀል ኢያ። እዚ ሕጊ ዓዲ ስለዝኾነ፡ ንኾነ ኣብ ሓደ ዓዲ ከም ስደተኛ ኮይኑ ዝተቐመጠ ኣካል ብዘይ ኣፍላልይ ዝዋሃብ መሰል ካኣ ኢዩ። “ወደ-ዓርባዓ” ዝብል ብሂል፡ ካብዚ ናይ ኤርትራዊት ባህርያዊት ያታዊ ዓዲ ዝኾነ ሕግን፣ ወግዕን ልምድን ዝብገስ ኢዩ። ስለዝኮነ፡ ባህርያዊት ያታዊ ኤርትራዊት ዓዲ፡ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ደቂ ሰባት እተኽብርን እትጣበቕን ጥራሕ ዘይኮነትሲ፡ ማህበረ-ሰባዊ ፍቕሪ፣ ስኒት፣ ፍትሒን ሓቅን ዝፍልፍለላ ዛራ ኤርትራዊ መንነት’ውን ኢያ። እሞ ዳኣ፡ ባህርያውያን ያታዊ ኤርትራውያን ዓድታት፡ ምስተን ኣብ ዝላዓለ ደረጃ ማሕበረ-ሰባዊ ግስጋሰ ኣለና ዝብላ ሃገራት ዝርከባ ዓድታትን ከተማታትን፡ ዝስራዓ ኢየን እንተበልናስ ከም ምግናን ዶ ኮን ይቑጸር? ኣንበብቲ እንታይ ትብሉ?

ኣብ ስራዓተ መሬት ዴሳ ዘለወን ባህርያውያን ያታዊ ዓድታት ኤርትራ ዘሎ ማህበረ-ሰባዊ ዝምድናታትን ንጥፈታትን ምስዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ተመሳሳላይ ኢዩ።እቲ ቁሩብ ዝፍለ፡ ኣብቲ ኣከፋፍላ መሬት ሕርሻ ጥራሕ ኢዩ። ኣይ ዘይ ከም ኣብ ስርዓተ መሬት ጽልሚ፡ ናይ ሕርሻ መሬት ብዓዲ እዩ ዝውነን። ኣብ ዝተወሰነ ዓመታት (ኣብ ነብሲ-ወከፍ 5 ወይ 7 ዓመት) “ዋሬዳ” ብምግባር፡ እቲ መሬት ሕርሻ እንደገና ከምባሓዱሽ ናብ ኣባላት ደቂ ዓዲ ቤተ-ሰባት ይዕደል።  እቲ ዝዕደል መሬት “ግብሪ” ይባሃል። “ሙሉእ ግብሪን ፍርቂ ግብሪን ተብሂሉ ኣብ ክልተ ኢዩ ዝክፈል [ዳሓር ኣብ ቁጽሪ ኣባላት ቤተ-ሰብ መስረት ዝገብረ ካብ ጊዜ ደርጊ ኣትሒዙ ዝተኣታተወ፡ ካብ ዓዲ-ሓደ ክሳብ ዓዲ-ሸውዓት ዝዝርጋሕ ኣገባብ ዕደላ መሬት ሕርሻ ተኣታትዩ ነይሩ]። ሙሉእ ግብሪ፡ ንሰብኣይን ሰበይትን ዝሓዘት ስድራ (ደቂ እንተለዎም፡ ምስደቆም ሓውሽካ ማለት ኢዩ)፡ ፍርቂ ግብሪ ካኣ፡ ንባዓል ቤታ ዝመታ (መበለት)፣ ንባዓልቲ ቤቱ ዝመተቶ (መበላይ)፣ ንዝተፋትሑን ንብዝተፈላለየ ምክንያታት ሓዳር ዘይገበሩ (ንጽል ሰብሓዳር) ይዕደል። ነዚ ዘማሓድራ ዝተፈላለያ ሽማግለታት ዓዲ ኣለዋ፤ ዓቛሮ፡ ብሓደጋ ገባር ዝተልቀ መሬት ይዓቑሩ፣ መታሮ፡ መሬት መቲሮም ይቖርጹ፣ ዓዳሎ ካኣ መሬት/ግብሪ ይዕድሉ። ሓደስቲ ሓዳር ውጻእ፡ ካብቲ ብሓደጋ ገባር ዝተለቐ’ሞ ብዓቓሮ ታዓቚሩ ዝሰንሐ ግብሪታት ክሳብ እቲ ዝቕጽል ዋሬዳ ዝግበር ይዋሃቦም። ግብሪ ዝነበሮ ሰብ እድሕርዳኣ መይቱ፡ እቲ መሬት “ሓደጋ ገባር” ተባሂሉ ናብ ዓዲ ኢዩ ዝምለስ። እንተዳኣ እቲ ዝመተ ሰብ ባዓል ሓደር ነይሩ፡ ፍርቂ ግብሪ (እተን ብጽሒቱ) ተቖሪጹ ሓደጋ ገባር ተባሂሉ ናብ ዓዲ ይምለስ። እቲ ዝተረፈ መጻምዲ ሓዳር ሰብ፡ ፍርቂ ግብሪ ሕጁ ናብርኡ ይቕጽል። እንዳገና ኣብ ዝምርዓወሉ ጊዜ ግን፡ ፍርቂ ግብሪ ይምላኣሉ። ሰበይቲ ካብ ዓዲ ወጻኢ እንደገና ተመርዕያ ናብ እንዳ ሰብኣያ እንተከይዳ፡ እቲ መሬታ ናብ ዓዲ ይምለስ። ካብዚ እንተኮነ’ውን፡ ማሕበረ-ሰባዊ ሂወት ባህርያውያን ያታዊ  ዓድታት ኤርትራ ምስ መሬት ጽኑዕ ምትእስሳር ዘለዎን፡ “መሬት” መብቖል መንነት ምዃኑ ኢና ንግንዘብን ንርዳእን። እዚ ማለት፡ መሬትን መንነትን ዝተተናነጉ ዘይብተኽ ገመድ ኮይኖም ንሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ጠሚሮም ሒዞሞ ንዘበናት ዝጸንሑ ኢዮም።

ይኹን’ምበር፡ ኣብዚ ሕጂ ጊዜ፡ መሬት ኣብ ኤርትራ ናይ መንግስቲ ኮይኑ፡ ዓድታት ናይ ዋንነት ዘይኮነስ፡ ናይ ተጠቃምነት መስል ጥራሕ ኢዩ ዘለወን። ህዝቢ ካብ ዋንነት መሬቱ ተፈላልዩ ኣሎ። እዚ ነቲ ኣብ መንጎ መሬትን መንነትን ዝጸንሐ ዘይብጠስ ገመድ ኣላሕሊሑ ዝብጥሶ ዶ ይመስለኹም? እንታይ ዓይነት ፖሊትካውን ማሕበረ-ቁጠባውን ስምብራታትን ከ ይህልዎ ትብሉ? ኣብ ቀጻልነት ኤርትራ ከም ሃገርን ከም ሕብረተሰብን ከ ጽልዋ ኣለዎ ዶ ትብሉ? እንታይ ዓይነት? ብዛዕባ እዚኣቶምን ንዕዖም ዝመስሉ ሕቶታትን፡ ኣብ ዝቅጽሉ ክፋላት ናይዚ ጽሑፍ እዚ ክፍተሹ ኢዮም። ንሕጂ ግን፡ ናብቲ ማሕበረ-ሰባዊ ሂወት ባህርያዊት ያታዊ ኤርትራዊት ዓዲ እንታይ ይመስል ዝብል ዛዕባይ ክመለስ።

ንማሕበረ-ሰባዊ ሂወት ባህርያዊት ያታዊ ኤርትራዊት ዓዲ ዝገዝኡን ዘማእዝኑን ዓዳዊ ትካላት ኣለዉ። ባይቶ ዓዲ፤ ጭቃ ዓድን ኣማኸርቱ ሽማግለ ዓድን፣ ቤተክርስትያን/መስጊድ፣ ኣቅሽትን መሻይኽን፣ ኣማሓደርቲ ቤተክርስትያን/መስጊድን፡ እቶም ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሱ ምስ ምምሕዳር መሬት ዓዲ ዝተኣሳሰሩ ትካላትን ገለ ኽጥቀሱ ካብ ዝካኣሉ ትካላት ዓዲ ኢዮም። ከምቲ ኣቐድም ኣብሉ ዝተገለጸ፡ ነብሲ-ወከፍ ትካል ዓዲ ትጻወቶ ኣገዳሲ ዝኾነ ማሕበረ-ሰባዊ ግደ ኣለዋ። ብተወሳኪ፡ ጥዕና ዘለዋ ዓዲ፡ ካብ ገና ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ዘሎ ዕሸል ጀሚርካ ክሳብ እቲ ዝዓበየ ናይ ዕድመ ባዓል/ቲ ጸጋ ዝኾነ/ት ኣቦ ወይ ኣደ ዝሓዘት ኮይና፡ ንቡር ናይ ማሕበረ-ሰባዊ ሂወት ምንቕስቓስ ዝራኣየላ ባህርያዊት ሰፈር ኢያ። ኣብ ስልሳይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ እዚ፡ ብዛዕባ ማዓልታዊ ማሕበራዊ ሂወት ናይ ባህርያዊት ያታዊ ኤርትራዊት ዓዲ እንታይ ከምዝመስልን፡ ተራ ናይዞም ዝተጠቕሱ ዓዳዊ ትካላትን ተራ ናይቶም ካብ ህጻናት ክሳብ ዝላዓለ ዕድመ ዘለዎም ኣብ ነብስ-ወከፍ ናይ ዕድመ ከባቢ ዘለዉ ደቂ ዓድን፡ ኣብ ማዓልታዊ ሂወት ናይታ  ዓዲ እንታይ ከዝመስል ብዝርዝር ክንርኢ ኢና።

ሳልሳይ ክፋል ይቕጽል!!

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Hagos May 3, 2018

    ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ነቲ ኣንጸላልይዎ ዘሎ ድነ ሞት ከም መስትያት ኮይኑ ዘርእዮ ፤
    ከምዚ ዓይነት ብዙሕን ዓምዩቕን ትንተናን ሓተታን የድልዮ ኣሎ። በዚ ቀጽሎ። ነቲ ጽምኣት የርውዮ እዩ።
    መፍትሒ ድማ ካብ ከምዚ ዓይነት ጽሑፋት እምበር ካብ ባዶ ጭርሖታትን መብጽዓታትን ኣይርከብን።

    የቐየለይ፤

  • k.tewolde May 3, 2018

    I remember like yesterday how my favorite uncle and my grandfather use to narrate and explain the intricacy and relationship at the same time the feud among the 2 biggest clans which make our famous Eritrean village and how it was resolved and by who.Mind blowing.My uncle will look down into my hungry eyes and ask with pride,”did you get it son?” with butterflies in my stomach I retort,”ewe ayay”…That pride,that identity,that thread which made the gallant selfless generation who gave us everything they got,that nuclear family which molded and packaged them,that atomic indispensable societal institution is being shredded by HGDEF everyday and replaced by party slogans and a banner which serves one man and his cronies who we cannot identify with.God save the family and by extension the nation itself.Keep going Doc,please don’t forget our brothers and sisters of the eastern and western lowlands along the way.

POST A COMMENT