Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰላምን ዕርቅን’ስ ባህግና’ዩ ይገበር ልዑላውነት ቀይሕ መስመር ግን ከይስገር።

ሰላምን ዕርቅን'ስ ባህግና’ዩ ይገበር ልዑላውነት ቀይሕ መስመር ግን ከይስገር። ብተስፋይ ተኽለ ሕ/መ/ አሜሪካ ዶክተር አብይ አሕመድ አብ ኢትዮጵያ ጠቕላሊ ሚኒስትር ኮይኑ ስልጣን ካብ ዝሕዝ መስርሕ ለውጢ አብ ኢትዮጵያ ይሐንን አሎ። እቲ ኢትዮጵያ ናበይ ገጻ ኮን’ያ ዝብል ንብዙሐት ሕቶ

ሰላምን ዕርቅን’ስ ባህግና’ዩ ይገበር

ልዑላውነት ቀይሕ መስመር ግን ከይስገር።

ብተስፋይ ተኽለ ሕ/መ/ አሜሪካ

ዶክተር አብይ አሕመድ አብ ኢትዮጵያ ጠቕላሊ ሚኒስትር ኮይኑ ስልጣን ካብ ዝሕዝ መስርሕ ለውጢ አብ ኢትዮጵያ ይሐንን አሎ። እቲ ኢትዮጵያ ናበይ ገጻ ኮን’ያ ዝብል ንብዙሐት ሕቶ ምልክት ዝፈጠረ፣ አቶ ኢሳያስ’ውን “Game Over ( ግጥሚያ አብቂዑ)” እንዳበለ ዝተዋራዘየሉ ንመላእ ኢትዮጵያ ዘናወጸ ህዝባዊ ናዕቢ’ውን ብተዛማዲ  ሃዲኡ። ብዙሕ ክብሃል ዝከአል’ኳ እንተሎ ንዜኡ ወንዚፍና ግን፣ እስከ ናብቲ ሃገርናን ህዝብናን ዝምልከቶ  ጉዳያት ክንሰግር።

ምስ ነብሱ ዘይተዓረቐ ምስ ካልኦት ኽዕረቕ ምሉእነት ስለዘይብሉ፣ዶክተር አብይ አሕመድ ብቐዳምነት ከም መበገሲ  ዘተኮረሉ  ውሽጣዊ  ጉዳይ ሃገሩ፣ ብካልአይ ደረጃ ዝሰርዖ  ከአ ኢትዮጵያ ምስ ከባቢአ ዘለዋ ሃገራት ክህልዋ ዝግብኦ ዝምድናን ዝጠመተ ተበግሶታት ኢዩ ወሲዱ። ካብቲ ፍርይ ፍርይ ዝበለ ርኡይ ስጉምቲታቱ ከም አብነት ንምጥቃስ ከአ:-

  1. ናይ ሃገራዊ ዕርቅን ስኒትን መንገዲ ብምኽፋት ንኩሎም አብታ ሃገር ዝርከቡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝተአስሩ ፖለቲካዊ እሱራት ብነጻ ለቒቑ።
  2. ንኩሎም አብ ወጻኢ ዝነበሩ ፖለቲካዊ ተቓወምቲ “ተወዳደርቲ’ምበር ተጻረርቲ” አይኮንኩምን ስለዚ ንሃገርኩም አቲኹም ዘለኩም አረአእያ ብነጻነት ክትንቀሳቐሱ ትኽእሉ ኢኹም ዝብል ናይ ሃገራዊ ዕርቅን ሕድገትን አዋጅ አዊጁ።
  3. ኩለን አብ ወጻኢ ዝነጥፋ ዝነበራ ኢዮጵያውያን ናይ ዜና ትካላት አብ ሃገረን አትየን ብነጻነት ክነጥፋ ፈቒዱ።
  4. ተአዊጁ ዝነበረ ናይ ሰዓት ሕላፍ ወተሃደራዊ አዋጅ ሰሪዙ።
  5. ንኢትዮጵያ ቀዳምነት ዘድልያን ሃብታ ሰባ ኢዩ ብምባል፣ አብ ፈቐዶ ሃገራት አብ ማእሰርቲ ዝበልዩ ዝነበሩ ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ምስ መንግስታት ብቐጥታ ብምዝርራብ አፍቲሑ ንዓዶም ዝምለስሉ መንገዲ አጣጢሑ።

ብካልአይ ደረጃ ዞባዊ ጉዳያት ዝምልከት

  • ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ሐርፋፍ ዝምድና ብፍላይ ከአ ብጉዳይ ዶብ  ዝምልከት፣ ናብ ንቡር ሰላማዊ ጉርብትና ንምምላስ ብቀዳማይ ደረጃ ከም ዝሰርዖን “ከም ክልተ ሃገራት ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ብደምን ታሪኽን ዝተአሳሰሩ አሕዋት ብምዃኖም፣” ነቲ ቀያዲን ናይ መወዳእታን ዝኾነ ናይ አልጀሪስ ውዕል ብዘይ ቅድመ ኩነት አብ ግብሪ ክውዕል ከም ዝቕበሎ አዊጁ።

ዶክተር አብይ ንጉዳይ ዶብ ኤርትራ አመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ፣ ካብ መንግስቲ ህግደፍ ዝኾነ መልሲ ከይረኸበ፣ ንክልተ ቅነ ዝአክል ኢሳያስ ድምጺ አህጢሙ ጥርቅም ኢሉ ድሕሪ ምቕናይ፣  አብ መዓልቲ ዝኽሪ ስዉአት ብ 20 ሰነ  ዝሃቦ መደረ፣  “ወያኔ ምስ ዘሸቅልዎ ዘራያት ናይ ዝተኸተሎ አዕናዊ ፖሊሲታት . … ናይ ወያኔ አሽካዕላል አብቂዑ (Game Over)ተባሂሉ …. ወዘተ ድሕሪ ምባሉ” ልኡኻትንና ንአዲስ አበባ ነበግስ አለና” ብምባል መደርኡ ቀጺሉ።

ኢሳያስ ከምቲ ወትሩ ዘዘውትሮ እቲ ልሙድ አገባቡ ካብ ዲፕሎማስያዊ ቋንቋን አገባብን ዝረሐቐ ዘይውርዙይ ተገራጫዊ አገላልጻኡ ንብዙሐት ከየገረመ አይተረፈን። እቲ አብ ስልጣን ዝጸንሔን ዘሎን ንህዝባዊ ወያኔ ዘጠቓለለ መንግስቲ ብኢህወደግ ዝምራሕ  ኢዩ። እቲ ዓዳሚ ንሰላም ብዘይ ቅድመ ኩነት ዝብል ዘሎ’ውን እንተኾነ ንሱ እቲ ህዝባዊ ወያኔ ዘካተተ ኢህወደግ ኢዩ። ስለዚ ንሰላምን ዘተን “ልኡኻትና ነበግስ አለና” እንዳበልካ ጸርፍን ምንሻውን’ስ እንታይ ኮን አምጽኦ? ኤርትራ ከምዚ ዝአመሰለ ጸያቒቶ ማይ ቀውዒ ዝኾነ ጽያፉ ከአ ዘይከተተ መራሒ ምርካባ’ስ ብሐቂ መርገም’ዶ አይኮነን? ብዝኾነ አይግድን ኤርትራና አምላኽ ባዕሉ ድአ  ምሕረቱ የውርደልኪ’ምበር ኢልካ ምሕላፉ ይሐይሽ።

ህዝብና ወትሩ ደላይ ሰላም ብምዃኑ፣ ናይ ኢሳያስ ጸርፍን ምንሻውን ንጎኒ ሐዲጉ፣ ነቲ ” ዶብና ከይተሐንጸጸ ….. ኢትዮጵያ ካብ መሬትና ከይወጸት” ዝብል እዝኒ ሰብ ዘደንቆረ መደናገሪ ምስምስ ተሰጊሩ፣ እቲ ንመንእሰያት ደቁ ቅሱን ናብራ ሂወት ሐሪሙ፣ ደረት አልቦ ዕስክርና ብምእዋጅ፣ አብ ድፋዕ ጎዳጉድ ዘብለየ ውዲታዊ ተንኮል ተሳዒሩ፣ ኮን’ዶ ኾን አምላኽ መደምደምታኡ የርእየና ይኸውን ብምባል ድአ ሐፋሽና ተተስፈወ።

ቀንዲን መሰረታዊን ጸዋዒት ሰላም ናይ ሐዲሽ መራሒ ኢትዮጵያ ዶክተር አብይ “ብፍላይ ምስ ኤርትራ ዘለና ግርጭት ብቕልጡፍ ምፍታሕን፣ ነቲ ናይ መወዳእታን ቀያዲን ዝኾነ ናይ አልጀሪስ ብይን ውዕልን ከአ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ብምሉኡ ሃገሩ ከተተግብሮ ቅርብቲ ምህላዋ፣ ነዚ ናይ ሰላም ጸዋዒቱ ከአ ብወገን ኤርትራ አወንታዊ ምላሽ ክረክብ ከምዝትስፎ ኢዩ መግለጺ አውጺኡ።

እቲ ዘገርምን ዘስደምምን ግን መልእኽተኛታት ኢሳያስ አዲስ አበባ ብዓጀባ ድሕሪ ምእታዎም ብኽቱር ዓጀባ ልቦም ግዲ ተሰሊቦም፣ ብዛዕባቲ ቀንዲ አርእስቲ ዶክተር አብይ’ውን ብዘይ ቅድመ ኩነት ክዛተየሉ ዝዓደሞ ጸዋዒት ሰላም ውዕል አልጀሪስ ምልዓል ሐዲጎም፣ “ምቕሉል መራሒ ረኺብና. .. ንዕስራ ዓመታት ተፈላሊና ዝነበርና’ኳ አይንመስልን”  እንዳበሉ ክቱር ውዳሴ ከቕርቡን፣ “ሐቢርና ንምስራሕ ዶብ ክሐጽረና የብሉን” እንዳበሉ ክማጻደቑ ከለዉ’ስ አካ ድአ ሰማዕናዮም። እቲ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ብኩሉ ናብራኡን ሂወቱን ሰላም ረኺቡ ከይመርሕ፣ ውሽጣዊ ደሞክራስያዊ ለውጢታት ከይገብር፣ “ዶብ ከይተሐንጸጸ” ብእትብል መሕነቒት ሐረግ ምዕይ ከምዘይብል ከይዛረብ ልሳኑ ከም ዘይሐንገጉዎ፣ ዝእሰር አሲሮም ዝጠፍእ አጥፊኦም ሃገር አባዲሞማ ከብቅዑ እንከ፣ ኮር ተገምጠል ዘምጽኦም አጀንዳ ሐዲጎም’ስ፣ አብ አርእስቲ ምድማርን ምድራብን አትዮም ሕሹዂ ክብሉ ምቕናዮም ንአዳም ገረሞ ኢዩ ዘብል።

ሕድገትን ይቕረታን ብሰላም ምንባርን ወትሩ ባህግን ሃረርታን ህዝቢ ኤርትራ ኔሩን አሎን። ብቐደሙ’ውን እንተኾነ’ኮ እቲ ቀንዲ መምጽኢ ነገር ናይ ሰላሳ ዓመታታት ደማዊ አስካሕካሒ ውግእ ዘስዓበ፣  ኢትዮጵያ ንኤርትራ ክትድምር (For Addition)  ኤርትራ ከአ ናይ ሐባር ሮቛሒ ( Common Denominator or factor) ክትደሊ ወይ ክትረክብ  ዘምጽኦ ጠንቂ’ኮ ኢዩ ኔሩ። ስለዚ እቲ መጀመርያ ክጥመት ዘለዎ መባእታዊ ስጉምቲ ንክሊቲኡ ሃገራት ዘዳውብ ልዑላዊ ቀይሕ መስመር ከይረገጽካ፣  ብምክብባር ናይ ሐባር ሮቛሒ ምርካብ ድአ’ምበር ናብ ምድማርን ምድራብን አጀንዳ ምቅድዳም አይኮነን ዝግባእ።

ንሕና ከም ኤርትራውያን ምስ ሐው ዝኾነ ጎረቤትና ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሐፈሻ፣ ጎረቤት ሐው ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ከአ ብፍላይ፣ አብ ሕድሕድ ምክብባር ዝተመስረተ ሰላማውን ሕውነታውን ሃዋሁው ዝሰፈኖ ቅሱን ዞባ ክንፈጥር፣ አህዛብና ኮነ መጻኢ ወለዶታትና ከአ ናይዚ ፍርያት’ዚ ተጠቀምቲ ኮይኖም ብሐባር እንዳ አስተማቐርዎ ክነብሩ  ኢና ወትሩ እንሕልን። ህዝቢ ኤርትራ ብመዓየሪ አካይዳን ባህርይን አቶ ኢሳያስ አፍወርቂ ክዕቀንን ክምዘንን ከአ ከቶ ዘይግባእ ኢዩ። ስለዚ ከሎ ገና መንገዱ ከይሰሐተ ናይ አህዛብና ሰላምን ምርግጋእን ርጉጽ ውሕስነት መታን  ክህልዎ፣ ነዚ ዝስዕብ ሐቀኛ ጠለብ ህዝቢ ኤርትራ አብ ግምት ክአቱ አጥቢቕና ነተሐሳስብ።

  1. ብመሰረት ጸዋዒት ጠቕላሊ ሚኒስተር አብይ አሕመድ ብጉዳይ ዶባት ክልቲኡ ሃገራት ዝምልከት፣ ከምቲ ዝተባህለ ብዘይዝኾነ ቅድመ ኩነት እቲ ክልቲኦም ሃገራት ዝኸተምሉ ናይ መወዳእታን ቀያዲን ዝኾነ ውዕሊታት አልጀሪስ አብ ግብሪ ክውዕል።
  2. ልዑላውነት ክልቲኤን ሃገራት ምስ’ቲ ዘለወን ዓለም ለኻዊ ዶባዊ ግዝአታዊ ክሊታት ብግቡእ ክኽበር።
  3. አብ አፈጻጽማ ምኽላል ዶባት ብዝምልከት አብ ዶባት ዝርከብ አህዛብ ክልቲኡ ሃገራት፣ መናግድቲን መዋስብትን አሕዋት ስለዝኾነ ነናቱ እጄታ ከአ ብግቡእ ስለዝፈልጥ፣ ነባሪ ሰላምን ርግአትን መታን ክረጋገጽ፣ ካብ ክልቲኡ ለማባት ዓበይቲ ዓዲታት ብርእይቶ ምሃብ ክሳተፉውዎ ምግባር አገዳሲ ኢዩ ንብል።
  4. አብ መንጎ ክልቲኡ ሃገራት ዘሎ ሐርፋፍ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ዝምድናታት ናብ ንቡር ሰላም ንምምላስ፣ አብ ዝግበር ስምምዓት፣ አብ ረብሐታት ናይ ክልቲኤን ሃገራት አህዛብ ዝተሞርኮሰን ዝተመስረተን ድአ’ምበር፣ አብ ስልጣን ዝተቖጻጸሩ ፓርትታት ሽርክናን ጠቕሚታትን ጥራሕ ዝተሐጽረ ከይኸውን ነዘኻኽር።
  5. ኩሉ ዝግበር ስምምዓትን ዝኸተምዎ ውዕሊን ዝርዝሩ ንአህዛብ ክልቲኤን ሃገራት ብግልጺ ብዜና ማዕከናት ብእዉጅ ክግለጽ።
  6. ክልቲኤን ሃገራት አብ ሃገራተን ዝተዓቚቡ ዜጋታት ክሳብ ንቡርን ነባሪን ፍታሕ ዝመጽእ ንኸየጋፍዓ አካል ናይቲ ስምምዕ ክኸውን ነማሕጽን።

አብ ኩሉ ሕሉፍ ታሪኻት አህዛብና፣  ፈጠርቲ ጸገምን ኲናትን ጎንጺን ብምዃን ሰላም አህዛብ ዝዘርጉ፣ ገዛእቲ ደርብታትን ፖለቲካዊ ሐይልታትን’ምበር፣ ወትሩ አህዛብና’ስ ብሰላምን ምርግጋእን  ክነብሩ ስለዝደልዩ ፈጠርቲ ጸገም ኮይኖም አይፈልጡን ኢዮም። ስለዚ ናይ ሎሚ ህሉዋት ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያን ኤርትራን አርሒቖም ብምጥማት፣ ንመጻኢ ወለዶታት ክልቲኡ ሃገራት ዝጠዓዓም ባይታ ንምምድማድ፣ አብ ምክብባር ሕድሕድ ዝተሰረተ፣ ማዕርነታዊ ረብሐን ጠቕሚን ክልቲኡ ሃገራት አህዛብ ዝሐለወ፣ ንናይ ክልቲኡ ልዑላዊ ህልውና ከአ ብዘይዳፈር ነባሪን ዘላቒን አብነታዊ ሰላም ከረጋግጹ መድረኻዊ ግድንን ግዴታኦን ኢዩ።

ውሽጣዊ ጉዳይ ኤርትራ ብዝምልከት

ጠቕላሊ ሚኒስተር አብይ አሕመድ አብ ስልጣን ድሕሪ ምምጻእ፣ ከምቲ አቐዲሙ ዝተገልጸ አብ ኢትዮጵያ  ሃገራዊ ዕርቂን ስኒትን ሕድገትን ዝተሞርኮሰ፣  ዘይነዓቕ ዓበይቲ ደሞክራስያዊን ህዝባዊን ለውጢታት ተራእዮም ኢዮም።

ብመንጽሩ’ኸ አብታ ብሐደ ውልቀ መራሒ ድሌት ተወኒና እትምራሕ ኤርትራ እንታይ ሐዲሽ ምዕብልናታትን ለውጢን ኮን አሎ ? ነዚ ሕቶ’ዚ ኩሎም ኤርትራውያን ተቓወምቲ ኮነ ደገፍቲ ከስተማቕርዎ ይግባእ።  ነቲ ዝሐለፈ ሕድሕዶም ምግዝዛዕ ይአክል ኢሎም፣ ንልዑላዊ ሃገራዊ መንነትን ህልውና ኤርትራን ዝትንክፍ  ምዕብልናታት ይመጽእ ስለዘሎ፣ ህድእ ኢሎም ብግቡእ ከአ መዚኖም ሐድነቶም ከም ህዝብን ሃገርን ከደልድሉን ከወሃህዱን ዝሕተቱሉ እዋን ከአ ሎሚን ሕጂን  ኢዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያን መንእሰያቱን አብ መንጎኡ ዝነበረ ፍልልያት ወጊኑ ብሐደ ደሪጉ ስለዝተላዕለ ማንም ዘይክሕዶ ልዑል ለውጢታት አመዝጊቡ አሎ። ንኤርትራውያን ዘድልየና’ውን ክንዮው ውድባትን መንግስትን አሳጊርና ክንርኢን፣  ሃገር ልዕሊ ኩሉ ምዃና ክንጥምትን፣ ናይ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ  ዜጋ ትሕዝቶ ዓቕሚን ፍልጠትን ጸንቂቕና መጻኢና ከም ህዝቢ ክንውስንን እዋኑ ሕጂ ኢዩ።

አቶ ኢሳያስ ሐልዮት ኤርትራን ህዝባን እንተዝህልዎ፣ ከምቲ ናይ ዶክተር አብይ አብ ሃገራዊ ስኒትን ዕርቅን ሕድገትን ዝተሞርኮሰ መስርሕ ዝኸፈተ፣ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ወሲዱ ብውሽጣን ደጌአን  ናብ ፍጹም ሰላም ዘምርሔት ሃገር ከሰጋግራ ምኸአለ ኔሩ። ንሱ ግን ዋኒኑን ዕላማኡን  አይኮነን።  እቲ በልዩ ዘይበሊ  ብሕቱው ሃርጋፍ ባህርይ፣ አብ በረኻ ዝተለማመዶ ሕጊ ወዲ በረኻ ብቐሊሉ ክመሐደጎ ስለዘይክእል ከአ፣ እቲ አብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝኽተሎ ናይ ጥፍአትን ብርሰትን ፖሊሲታቱ ከምዘለዎ ክቕጽሎ ምዃኑ ኢዩ እቲ ምልክታት  ዘመላኽት። ስልጣን ገቢትካን ዓትዒትካን ብምሐዝ ክሳብ መጨረሻ ክቕጽሎ ከምዝኾነ ከአ ባዕሉ ብቓሉ ዓይኑ ከይሐሰየን ከይሐሰወን ደጊሙ ደጋጊሙ ንህዝቢ ኤርትራ ሐቢሩን ነጊሩን ኢዩ። እቲ አብ ዝተፈላለየ እዋናት ባዕሉ ዝሃቦ ቃለ መጠይቓት  ከአ ህያው ምስክር ኢዩ። እቲ “ ንዓይ ስልጣን ብኮንትራት ዝሃበኒ’ዶ አሎ ኢዩ” ድሕሪ ምባሉ፣  ብ23 ግንቦት 2008 ጋዜጠኛ አልጀዚራ፣   አብ ኤርትራ መአስ ምርጫ ክግበር’ዩ ተባሂሉ ምስ ተሐተ “ ድሕሪ 30 ወይ 40 ዓመታት ምናልባት’ውን ዝያዳ ዓመታት ይግበር ይኸውን”  ብምባል ባዕሉ ዝመለሶ እኹል መረጋገጺ ጭብጢ ኢዩ። ኢሳያስ ብሩህ ዘየጋጊ ብዘይውልውል ከአ ክሳብ ብሂወት ዘሎ  ከተብሮ ዝሐለኖ ንኤርትራውያን ብግልጺ ሐቢሩና አሎ።እቲ ጌጋ ናቱ አይኮነን። የግዳስ  ናይቲ ሰሚዑ ከምዘይሰምዔ ዘጽቅጥን፣ ብዝበሎ እሺ ኢሉ ብራዕዲ ዝተገዝኦ ህዝቢን ጥራሕ ኢዩ።  አንታ ኤርትራዊ ነዚ እንዳሰማዕካን እንዳረአኻን፣ አብ ትሕቲ ውልቀ አመራርሐ ኢሳያስ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ልዑላውነቱ  ዘውሕስ፣  ውሽጣዊ ቅሳነቱን ሰላሙን ከአ ዘረጋግጽ፣ ኩነት ክፍጠር’ዩ  ኢልካ ምሕሳብ ብሐቂ የዋህነት ጥራሕ ዘይኮነ’ስ፣ ነብሰ ጥበራን ምዕሻውን’ዶ አይኮነን?   ደጊም ሕድሕድ ፍልልያትካ አጽቢብካ ይአክል በል። ኤርትራዊ ግደፍ አብ ናይ ትማሊ ሐሸውየ አይትንበር፣ ብናይ ትማሊ አይትተአሰር፣ ንጽባሕ ኢኻ ትነብር ንጽባሕ ዘጠምት ሐሳብን አቕጣጫን ሐዝ። መጻኢ ወለዶታትካ ድንን አቢሉ ዘየሕፍር፣ እቲ ታሪኻዊ ቅያ ዝሰርሔ ኒሕን ሐቦን ዳግም ዘበራብር፣  ስሙር ኤርትራዊ ድምጽኻ ከአ ሃየ ደጊም ይሰማዕ።

ሕጂ’ውን አርእስቲ ምድማርን ምድራብን ብሐደ ወገን፣ “ዶብና ከይተሐንጸጸ …. ኢትዮጵያ ካብ መሬትና ከይወጸት” ኢሎም ካብ ኩሉ ሃገራዊ ቅሳነትካን ሰላምካን ሐሪሞም፣ ውሽጣዊ ምዕብልናኻ ከአ ዓጊቶም ከምዘይሐዙኻ፣ ብዓል ምሕል ጥልም ሎሚ’ውን ምልስ ኢሎም  “ዶባት ክሐጽረና የብሉን …. እንቋዕ ምቕሉል መራሒ ረኸብና” ዝብሉ ከአ ብካልአይ ሸነኽ፣  ዘልዕልዎ አርእስትን አጀንዳን፣ ዝገብርዎ ዘይግሉጽ አካይዳን ብምክትታል  ዓይንኻ ቋሕ አቢልካ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሕብረትካን ጥምረትካን አዕቍብካ፣ ነታ ብኽንደይ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲን ደምን ዝመጸት ኤርትራ ንልዑላውነታ ዝፈታተን ሐደጋታትን ወስታታን የንጸላልዋ ስለዘሎ ብአግኡ ነቒሕካ ሐሉ ተበራበር።

ሕውነታዊ ጉርብትናን ሰላምን ዕርቅን ባህግን ጽምኢን ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። መንገዱን አገባቡን ግን ብመንገዲ ምድማርን ምድራብን ዘይኮነ’ስ፣ ንክልተ ልዑላውያን ሃገራትና ረብሐ ብማዕረ ዘገልግል ናይ ሐባር ሮቛሒ ብምርካብ ጥራሕ ኢዩ ውሕስነቱ ዘረጋግጽ።

Subscribe to ASSENNA NEWS Channel

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Danilo July 4, 2018

    እተን 3ተ ጥሪት ኤሪትራ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተዋ ንገሊኤን በለስ፡ንግሊኤን ሳዕርን ግለትን ተቀሪቡለን እዩ።ብሳላ ሓኪም-ስሓ ስሓኤን ኣራጊፈን ከኣ ዓደን ተመሊሰን።እቲ ሓሬት ኣዲስ-ኣበባ ግን ገና ይሽትተን ኣሎ።እዚ ብዘየገድስ፡ቀይሕ መስመር ምጥሓሰን መን’ሞ ክሓተን?ኣይግዳደን፡ምስጋር ቀይሕ መስመር ፡ብሳላ እቲ ዑሉል ጓሳ ለሚደንኦ እየን።እምበኣር፡ሑንኩሊቢቶ ከየብዛሕኩ እቲ ጉዳይ ንጓሰኤን ይገድፎ።ግን፡እቲ ጓሳ ናይ ልዕሊ 50ዓመታት ተሞኩሮ ዘለዎ እቲ ቀይሕ መስመር ዘይፈልጥ ( ክፍልጥ’ውን ዘይደሊ ) ዑሉል ኢሰያስ እዩ።ንቅድም ቀዳድም ንተሓኤ ቀቲሉ፡ ሕጂ ድማ ሃገረ-ኢርትራ ይቀትል፡የብርስ፡የዑኑ፡ይሸይጥ፡ይልውጥ፡ዛንጣ ምዓንጣ ቀያይሩ ብሳላ ( systematic organ harvest ) እሞ ንሕና ከም ንሕና!!! ሱቅ! ምባልና፡ብቀደሙ’ውን ኣብ ህግ ክሳብ ኢትዮጲኣውያን ከምዝመርሑ እንዳፈለጥና ሱቅ ምባልና ነቲ ቀይሕ መስመር ጥሓስቱ ባዕልና ከይንኸውን ስግኣት ኣለኒ።

    • k.tewolde July 4, 2018

      Yes indeed Danilo,there were too many red lines crossed by the tyrant since he showed up in the Eritrean political scene.Nobody stood up to his scandalous,and robust appetite for absolute power ferociously except the ones he collaborated with his cousins(now archenemies) and got rid of early.This was the screaming red flag that was overlooked by the Eritrean people which paved the way and ushered the era of tyranny into our homeland.They continued to cheer him on as he slaughtered ,maimed and jailed innocent people including his close comrades who challenged the excessive concentration of power into his hands….the rest is history.One more time again in the history of this nation,the tyrant stands alone with no one to challenge him negotiating peace his way on behalf of the people who never elected him,just because he can.Do you think Dr.A.Ahmed is oblivious to this?Why does he continue reaching out to this megalomaniac character? stay tuned,the answer is not far away.

      • Tsehaye July 5, 2018

        You bloody asshole shit deserve a tyrant for life, all you do is lelelele bullshits. Fight back your tormentor the tyrant like a man instead of bullshiting like a woman all the time.

        • k.tewolde July 5, 2018

          Sorry T. I must have hit a nerve by simply saying the truth,it is uncomfortable, isn’t it? I did my fighting in my prime years,if you asking me physically along heroic women who you lamenting as bullshitters.A chauvinist pig like you only can post a comment like the one above and below.I suggest you go back to school.

  • Tesfai July 4, 2018

    Eritrea’s main political problems are not borders or markers. It is issue of justice, democracy, the future Eritrean own ethnic languages, history, tradition, Arabization and identity issues.

    • k.tewolde July 5, 2018

      Tesfai,your diagnosis is half wrong and so will be your cure.Justice and democracy? yes!…. We Eritreans we know our issues nobody has to tell us,nobody knows us better than us,and nobody has the key to solve our problem but us.So Tesfai as the American saying goes,I tell you, eat my shorts! and don’t chock on them.

      • Tsehaye July 5, 2018

        As garbage asshole shit, the Americans must be feeding you with their garbage pigs.
        Brother Tesfai, please ignore this asshole shit so-called k.tewolde garbage.
        It seems sadly that he is the only garbage who, if told to screw himself, could do it.
        This big/pig head shit suffers from diarrhea of the mouth and constipation of the ideas.

POST A COMMENT