Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብሸርሒታት ዝተጠርዩ ዝናን ኣምልኾትን ኣብ ልዕሊ ኢሳያስ ክቕንጠጡ ጭካኔ ህግደፍ ዝፈጠሮ ራዕዲ ክውገድ ከይሰልከኻ ምጽዓር – ብ ገ. ወልደሚካኤል

ብሸርሒታት ዝተጠርዩ ዝናን ኣምልኾትን ኣብ ልዕሊ ኢሳያስ ክቕንጠጡ ጭካኔ ህግደፍ ዝፈጠሮ ራዕዲ ክውገድ ከይሰልከኻ ምጽዓር   ብ ገ. ወልደሚካኤል   DICTATORS AND THEIR FOLLOWERS: A THEORY OF DICTATORSHIP By Dr. Gustav Bychowski – University of Warsaw   “There exists a particular interrelationship between

ብሸርሒታት ዝተጠርዩ ዝናን ኣምልኾትን ኣብ ልዕሊ ኢሳያስ ክቕንጠጡ

ጭካኔ ህግደፍ ዝፈጠሮ ራዕዲ ክውገድ ከይሰልከኻ ምጽዓር

 

ብ ገ. ወልደሚካኤል

 

DICTATORS AND THEIR FOLLOWERS: A THEORY OF DICTATORSHIP

By Dr. Gustav Bychowski – University of Warsaw

 

“There exists a particular interrelationship between the dictator and his subjugated collectivity. The latter submits to the dictator not only because of fear but because it worhips him and sees in him an ideal. That image thus may replace former ideals and principles regulating people’s ideas, emotions and activity. They believe his promises and in their misery and anxiety rely on him uncritically.”

 

ዶር ጉስታቭ ባይኮውስኪ- ዋርሳው ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ‘ውልቀመለኽትን ስዓብቶምን ክልሰሓሳብ ምልካውነት ዘርእስቱ ጽሑፉ ብሓጺሩ፡ ኣብ መንጎ ወልቀ-መላኽን ስዓብቱን ፍሉይ ዝምድና ከምዘሎ እዩ ዝሕብር። ስዓብቲ ውልቀ-መላኺ ኣብ ትሕቲኡ ዝንብርከኹ ብፍርሃት ጥራይ ዘኮነ፡ ስለ ዘምልኹዎ’ውን እዩ ዝብል። ንሱ ንዖኦም ሓደ ዝኽተልዎ ‘ኣምር’ እዩ ዝኾኖም። እዚ ‘ኣምር’ እዚ ናይ ቅድም ዝኽተሉዎም ዝነበሩ ኣምራትን መትከላትን ክትክእ፣ ንሓሳባት ደቂ-ሰብ ፡ ስምዒታቶም፡ ንጥፈታቶም ከማሓድር/ክመርሕ ተኽእሎ ኣሎ። (ንሱ) ዝገብረሎም መብጽዓታት ይኣምኑ፡ ኣብ ግዜ ሽግሮምን ጭንቀቶምን ክኣ ካብ ጸበባ ከድሕኖም ወይ ከውጽኦም ብዘይ ውልውልን/ነቐፌታን ካብኡ ይጽበዩ።

 

ውልቀ-መለኽቲ ብሓፈሻ ናይ ባዕሎም ደራኺ ባህርያት ወይ ድፍኢት ናይ ስልጣን ምጭባጥ ሕልሚ ይሃልዎም እምበር፡ ብዘይ ናብኡ ዘምርሕ ምቹእ ኩነታትን፡ ጎስጓስ ደገፍቶምን፡ ኣብ ስልጣን ክድይቡ ተኽእሎ የብሎምን። ንኣብነት፡ ብዘይ ፍትሓዊ ምርጫ ኣብ ስልጣን ንዓመታት ተኾይጡ ዘሎ መራሒ ሃገርና፡ ኢሳይስ ኣፈወርቂ፡ እቲ ኣገባብ ብረታዊ ቃልሲ ሃገርና፡ ሓደ ምቹእ ኩነታት ፈጢሩሉ እዩ። ስለምንታይ ኩሎም ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ መሳርሕቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ውድባዊን ወታሃደራዊን ግንባራት ስርሒታት ተዋፊሮም ኲናት ክመርሑን ከወሃህዱን ላዕልን ታሕትን ክብሉ ከለዉ፣ ሸርሐኛ ኢሳያስ ኣብ ትሕቲ ብዓቲ ውይ ትሕቲ ጽላል ኦም ንበይኑ ኣራጢጡ ኮፍ ኢሉ ምምርሒ ከውጽእን ክውስንን ዕድል ረኺቡ። ካብዚ ሓሊፉ ድማ፡ ብሕታዊ ስልጣኑ ንምድልዳል ፈላላዪ ሜላታትን ስልትታን ክጥጅእን ክኣልምን ምቹእ ግዜን ዕድልን ፈጢርሉ እዩ። እቲ ካልእ ምቹእ ኩነታት ግን ባዕሉ ዝኣጎዶን ዘናፍሶን ዘንበድብዶን ዝነበረ ብዋጋ ካልኦት፡ ዝንኡ ሰማይ ዘዕርግ፡ ንመሳርሕቲ ብጾቱ ድማ ዘቃልልን ዝድውንን ወረ ብምዝርጋሕ ዝፈጠሮ ምቹእ ሃዋሁው እዩ።

 

ኣብ መጀመሪያን መፋርቕን ሰማንያታት (80th) ኣባል ሓፋሽ ውድባት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ(ህግሓኤ) ከለኹ ዘጋጠሙኒ ክልተ ኣብነታት ክጠቅስ። 1) ሓደ ተጋዳልይ ህግሓኤ ነበር፡ ኣብቲ ሓፋሽ ወድብ ምሳና ኣባል ዝነበረ ክምዚ ክብል ኣዕሊሉና። ” ሓደ እዋን ኣብ ቤት ትምህርቲ ካድራት ከልና፡ ነቲ ዝምህረና ዝነበረ ሃይለ (ድሩዕ) ሓደ ከቢድ ሕቶ ሓቲትናዮ ክምልሶ ስለ ዘይክኣለ ተወጢሩ ከሎ ዝዕዘብ ዝነበረ፡ ብንሃደበት ዝተጽንበረና ድሕር ኢሉ ኣብ ሓደ ኩርናዕ ኮፍ ኢሉ ዝነብረ ወዲ ኣፈወርቂ (ኢሳያስ) ነቲ ሕቶ ትርትር፡ ትርትር ኣቢሉ መሊስዎ ሽዑ ንሕና ተገሪምና ኣታ ወዲ ፈወርቂ፡  ምልሲ ከለካ ድኣ ስልምታይ  ስቕ ኢልካ ክትርእየና ጸኒሕካ ኢልናዮ እዚ ዝና ኢሳያስ ሰማይ ምዕራግን፡ ንሃይለ ድሩዕ ምቅላልን ዝቐንዐ ንጹር መልእኽቲ እዩ።  ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ከዕልለና እዝክር። “ሓደ እዋን ሐደ ተጋዳላይ ብጻይ ንወዲ ኣፈወርቂ ትንባኾ’ንዶ ካብቲ ናትካ ሃበኒ ምስ ብሎ፣ ብጻይ ኢሳያስ ከምዚ ክብል መሊስሉ፡’ እቲ ሞቕንና ሓደ እኮ እዩ፡ ከማኻ እየ ትዓዲለ ፡ ኪድ ኣይህበካን እየ፡ ከተካውኖ ወይ ከተተኣኻኽሎ ነይሩካ” ብዘስምዕ መልሲ ዓጽዩዎ ኢሉና። እቲ ፍጻሜታት ሓቅነቱ ብዘየገድስ፡ እቲ ዘማሓላልፎ ኣገዳሲ ድርብ መልእኽቲ ግን፡ ኢሳያስ ተሪርር ርእሰዲሲፕሊን ከምዝነበሮን፡ ከም ተራ ተጋዳልይ፡ ብናይ ተራ ተጋዳላይ ሞቕንን ይነብር ከም ዝነበረን ንምሕባር እዩ። 2) ሓደ ካልእ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጸ ኣባል ሓፍሽ ውድብ ዝነበረ ብጻይ፡ ናብ ዓመታዊ ጉባኤ ውድብና ናብ ከተማ ስቱትጋርድ ጀርመን ብባቡር እንዳ ተጓዓዝና ከሎና ኣብ መንጎ ዕላና፡”ኣይግበሮ እምበር ፡እዚ ብጻይ ኢሳያስ እንተ ተሰዊኡ፡ ሰውርና ኣብ ሓደጋ ክወድቕ እዩ” ክብል ስክፍታኡን ሻቕሎቱን ገሊጹለይ። ብወገነይ ከምዚ ክብል እዝክሮ፡” ታሪኽ ብውልቀ-ሰብ ዘይኮነ ብህዝቢ ከም ዝስራሕ ኢና እኮ ተማሂርና። ስለዚ፡ ሓደ ኢሳያስ እንተ ተሰውአ፡ ማዕሪኡ ወይ ካብኡ ዝበልሑ፡ ካልኦት ኣሻሓት ሰውራ ከፍሪ ተኽእሎ ስለዘሎ ዘሻቕል የብልካን’፡ ኢለ ከጸናንዖ ፈቲነ ። ሕጂ ንድሓር ተመሊሰ ክሓስቦ ከለኹ፡ እዚ’ውን ካብቲ ቀዳማይ ዕላል ብዘይፍለ፡ ዝና ኢሳያስ ሰማይ ኣንዳዕረካ፡ ኣብቲ ውድብ ህግሓኤ ሓደ ካልእ ብቑዕ ክመርሕ ዝኽእል ከምዘይነበረ ዝእምት ፕሮፓጋንዳ ኮይኑ እርኣየኒ። እዚኣቶም ኩሎም ምስቲ ኢሳይስ ብበግዚኡ ዘካይዶ ዝነበረ ጽዑቕ ጎስጓሳት፡ ‘መሳርሕቲ ስኢነ፡ ብልሹዋት መራሕትኹም’፡ እንዳበለ ከምኡ ድማ ኣብ ወግዓዊ ጉባኤታት ኣብ ዓመታዊ ጸብጻባቱ ዘዋርዶምን ዝቐልጦም ዝነበረ ተፈላልዮም ክርአዩ ዘይብሉም ፍጻሜታት እዮም። ስለምንታይ ካብ ብጊሓቱ፡ ኩሉ መደባት ኢሳያስ ብዋጋ ካልኦት መሳርሕቱ ስሙን ዝንኡን ንምዕባይ እዩ ዝነበረ። እዚ ብሓሶት ዝረኸቦ ዝና እዩ ድማ ካብ እምነት ደገፍቱ ፈጺሙ ክንቀል ዘለዎ።

 

ደገፍቲ ፕረሲደንት ኢሳያስ ሓደ ኣጸቢቖም ክርድዎ ዘለዎም ጠባዩ ወይ ባህሪኡ ኣሎ፡ ኢሳያስ ብሕጊ፡ ብሰነ-ምግባር፡ ብሰውራዊ ወይ ሃገራዊ መትከል፡ ብብጻይነት፡ ብውዕለት/ሞያ ውልቀ-ሰብ ወይ ህዝቢ፡ ብእሙንነት፡ ብፈሪሃ-እግዚኣብሄር ዘይቅየድ፡ ምድራዊን መሎኮታዊ/መንፈሳዊ ሕጋጋት ረጊጹ ክነብር ዝመረጸ ውልቀ-መላኺ እዩ።

 

ከምቲ ኣርእስቲ’ዚ ጽሑፍ ዘመልክቶ፡ ብርግጽ ንኢሳይስ ዘምልኹን ንህግደፍ ዝፈርሑን ክፋል ሕብረ-ተሰብ ገና ኣለዉና። ብዙሓት ገርህታት ብቕንዕና፡ ስኣን ዓሚቚ ኣፍልጦ ክኸውን እንከሎ፣ ካልኦት ክኣ ብኣምልኾትን፡ ብጥቕምን፡ ፍርሕን ዝዓወሩ እዮም።

 

  1. ብዙሓት ገርህታት፡ ህግሓኤ ዘምጽኦ ናጽነት ከም ውዕለት ኢሳያስን ህግደፍን ጌሮም ብጌጋ ስለዝርድኡ እዩ። ዘስደምም ግን፡ ቀንዲ ሰረታት ህግሓኤ ድኣ’ሞ እቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለው (ጉጅለ 15) እንድዮም። ግርህነቶም እዩ እምበር፡ ኢሳያስ ድኣ ውዕለት ህዝቢ ወይ ውልቀ-ሰብ ዝግድሶ ዘይኮነ። እቶም ሕጂ ዘለዉ መንደልሃቕቲ ተረፍ-መረፍ ህግደፍ፡ ብዓል የማነ ገብርኣብ፡ ሓጎስ ክሻ፡ የማነ ገብረመስቀል ክኣ ኲናት መሪሖም ዓዲ ናጻ ዘውጽኡ ኣይኮኑን።
  2. ዝኾነ ኮይኑ፡ እቲ ብሓሶትን ሸርሕታትን ዝጠፍጠፎ ዝና ድማ፡ ኣብዚ ምስ ኢትዮጵያ ዘገብሮ ዝነበረ ወደኽደኽ “ኣይከሰርናን፡ ሓደ ህዝቢ ኢና፡ ዶብ ኣየድልየናን እዩ፡ ንስኻ ዶር ኣቢይ ምርሓና፡ ከም ዶር ኣቢይ መራሒ ብምህላዉ ደጊም ቀሲነ እየ፡” ብዝብሉ ሃልውለዋት ኢሳያስ ፈጺሙ ሓሺሽዎ እዩ። እወ፡ መራሒ ሃገርና ንህዝቢ ኤርትራ ዕድሚኡ ምሉእ ዘየርኣዮ ክብርን ፍቕርን ናይ ሕጎስ ፈገግታን ስሓቕን ንህዝቢ ኢትዮጵያ(ኣዲኣ ገዲፋ ሓትንኣ ትንፍቕ) ከርእዮ ከሎ መን ዝይተዓዘበ። ብመትከል ይኹን ብውዕለቱ ንኢሳያስ ክኣምንዎን ክስዕብዎን ዝጸንሑ፡ ኣብ ክድዓት ልዕላውነት ሃገር ይመጣጠር ስለ ዘሎ፡ መትከል ወይ ውዕለት ዝብሃል ዝቕይድ ነገር ስለዘየለ ደጊም ፎእ ክብልዎ ይግባእ።
  3. ብውልቃዊ ጥቕሚን በለጽን ዝዓወሩ ፡ ልዕሊ ልዕላውነት ሃገርን ሓልዮት ህዝቦም፡ ንብረቶም ዝሰርዕዎ ዜጋታት፡ ብዘይ ሃገር ክብረት ይኹን ንብረት ስለዘይህሉ፡ ቀዳምነታቶም(priorities) ዳግመ-ምትዕርራይ ክገብርሉ ይግባእ። ኣምላኽ ተዓሪቕዎም ናብ ልቦም ክምለሱ ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ህዝቦም ክስለፉ እትስፎ።
  4. እቶም ውሕዳት እሙናት ኣገልገልትን ተለኣኣኽትን ወለቀ-ምላኺ ግን፡ ዕድሎም ምስ ኢሳያስ ስለ ዘተኣሳሰርዎ፡ ንሃገሮምን ህዝቦምን ከዲዖም፡ ንዑኡ ዝረኸበ ይርከበና ኢሎም ስለዝነቐጹ፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዶር ጉስታቭ ዝበሎ ‘ዝኽተልዎ ኣምር’ ስለዝኾነ ዝግበር ካልእ የልቦን።
  5. ምክልኻል ሰራዊት ኤርትራ ዝምልከትድማ፡ በዘይካ ውሑዳት ሰብ ጽሩራታት ሐለውቲ ስልጣን ኢሳያስን ንጥቕሞም ዝሰርሑን ሓዲካ፡ እቶም ዝበዝሑ ግዳያት ስርዓት ህግደፍ ስለዝኾኑ ኣዚዮም ዘተበደሉን ዝተጠልሙን እዮም። ኮይኑ ግን፡ ሞይኦም ወይ ሓልፍነቶም ብቐዳምነት ምውሓስ ልዕላውነት ሃገርን ድሕንነት ህዝቦምን ስለዝኾነ፡ ኣብዚ ዝኸይድ ዘሎ ቅጥዒ ዘይብሉን ዘይግሉጽን ውዕላት ምስ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ፡ ከይተዳህለሉ ንቒሖም ክከታተልዎ ምዝኽኻር ኣድላዪ እመስለኒ።
  6. ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና’ውን እንተኾነ፡ ኣብ ልዕላውነት ሃገር ምውሓስን፡ ዶብካ ምሕላውን፡ ለውጢ ኣብ ምምጻእን ምስ ሃገራዊ ሰራዊት ምክልኻል ኢድን ጓንትን ኮይኖም ክሰርሑ ይግባእ። ስለምንታይ ከምቲ ኣዚዩ ዝተጠልመን ዝተረግጸን ዝተዳህከን ሰራዊት ምክልኻል፣ መላእ ህዝቢ’ውን ዝተጠልመ ክፋል ሕብረተ-ሰብ ስልዝኾነ፡ ህዝቢ ንመሰሉ ክቃለስ ብህሪያዊን ማሕበራዊን ግብኡ እዩ።
  7. ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ዜጋ’ውን፡ እቲ ካብ ቃልሲ ርሒቑ ዝዕዘብ ዘሎ ኣካል ብሕልፊ፡ ኣነ እንታይ ገዲሱኒ መጸግዒ ሃገር ረኺበ ኣለኹ፣ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ እንተደልዩ፡ ባዕሉ ንመሰሉ ይቃለስ ዝብል ውሑድ ኣይኮነን። ክንዝንግዖ ዘይግባእ ግን፡ ብዘይ መሬት ዓደቦን፡ ሓረግ ወለዶ ህዝብታትን፡ ሃገራዊ መንነትን፡ ክብረትን ኩርዓትን ኣይርከቡን እዮም። ምስ ህዝብኻ ሓደ ኮይንካ፡ ሓቢርካ ንሃገርካ ምቅላስ መንፈሳዊ ዕግበት ዝህብ፡ ሞራላውን ሕልናውን ግዴታ ኮይኑ ይስምዓኒ። ንመጻኢ ወለዶታት፡ ልዑላዊት ሃገር ከነውሕሰሎምን ከነውርሶምን ድማ ሸለል ዝይብሃል ግዴታና ስለዝኾነ።

 

 

ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ ጉባኤ ዝጸደቑ ደሞክራስያዊ ውሳኔታት ዝኻደ፡ ባይቶ ዘጽደቖ ሃገራዊ ቅዋም ዝጓሓፈ፡ ብሰነዳት ውድብን ወከልቲ ህዝብን ዘይቅየድ ንነገዛእ ርእሱ ልዕሊ ሕጊ ዝገበረ ወልቀ-መላኺ እዩ። ንብጸቱ ተጋደልቲ ደጋጊሙ ዝጠለመ፡ ንስልጣኑን ዕላምኡን ዝተቓወሙን፡ ናብራና ይምሓየሽ ዝበሉን፡ ከም ምንቅስቓስ መንካዕ፡ የሚን፡ ኣከለ-ስንኩላን ብዘይ ምሕረት ዝረሸነ እዩ። ኣይንጽዓድን ዝበሉ ሃገራውያን ከም ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ መንፈሳዊ ምራሒ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን፡ ቅዋማዊ መንግስቲ ስለ ዝጠለቡ ጉጅለ 15፡ ብቕሉዕ ንስልጣኑ ዝተቓወሙ ተጋድልቲ ቢተወደድ ኣብርሃን፡ ብርሃነ ኣብርሀን፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝዳጎነ መራሒ እዩ። መራሕቲ ኣድማ ሰላማዊ ሰልፊ ተጋደልቲ፡ ተኻፈልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ቤት ትምህርቲ ኣልድያ- ኣኽርያን፡ ብጅምላ ክእሰሩ ዝኣዘዘ መራሒ እዩ። ከምኡ’ውን ብእምነቶም ምኽንያት ንስዓብቲ እምነት ጰንጠቖስጠን ናይ ይሆዋ መሰኻኽርን ዘእሰረ መራሒ እዩ። ኣብዚ ዘይተጠቕሱ ዝተረሸኑን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣሽሓት፡ ምስኪኖት ኣዴታቶም ይቑጸርኦም። ስለዚ መራሒ ሕግደፍ ንስልጣኑ እንተዘይኮይኑ ንህዝብን ሃገርን ተገዲሱ ኣፍልጥን እዩ። ደገፍቲን ስዓብትን ህግደፍ ነዚ ዓይነት መራሒን ስርዓትን ኢኹም ሰልጣኑ ተናውሑ ዘለኹም

 

ንህዝብን ሃገርን ፈጺሙ ከምዘይግደስ ተወሳኺ መርኣያ ዝኸውን፡ ኣብ ኤርትራ ዝተገብረን ዘይተገብረን ልውጢታት፣ ብመንጽር እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብግብሪ ተነጺፉ ዘሎ ትሕተ- ቅርጻ፡ ዘበናዊ መጓዓዓዚ ባቡራት፡ ተደኲነን ዘለዋ ዘበናውያን ከተማታት፡ ተሃኒጹ ዘሎ መንበሪ ኣባይቲን ርሻናትን፡ ዓመት ዓመት ክዓቢ ዝጸንሐ ቁጠባ ሃገርን፡ ተኻዕቢቱ ዘሎ ሃገራዊ ሃብቲን ተዓዚብካ፥ ኣብ ኤርትራ ንድሓር እምበር ንቕድሚት ዝሰጎመ ልውጢ ዘይምህላዉ ምግንዛብ፡ ከም ኤርትራዊ ዘሕፍርን ምዓንጣኻ ዘሕርር ጉዳይ እዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተኣታቲዩ ዘሎ ናይ ነጻ ሓሳብካ ምግላጽ፡ መስርሕ ፖለቲካዊ ምርጫታት፡ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ምውሳን ዕድሉን፡ ክፉትን ነጻን ናይ ዜና መድያታትን፡ ተኸፊቶም ዘለዉ ቤት ትምህርታትን ኮለጃትን ምዕዛብ፣ ኣብ ምዕባይ ቁጠባ ሃገር ጥራይ ዘኮነ፡ ኣብ ምምዕባልን ምንቃሕን ሃብቲ ሰብ’ውን ኣቶኲሮም ይሰርሕሉ ከምዘልዉ እዩ ዘመልክት። ኣብ ኤርትራ ግን በንጻሩ፡ ኩሉ ትሕተ-ቅርጻታትን ከተማታትን ክዓኑ፡ ቁጠባ ሃገር ከንቆልቊል፡ ኣብ ክንዲ ኮለጃት ቤት ማእሰርትታ ከም ቃንጢሻ ክራብሑ፡ መንእሰያት ሃገሮም ገዲፉ በሽሓት ናብ ስደት ሃጽ ክብሉ ይርኣዩ ኣለዉ። መሰል ምዝራብ፡ መሰል ሰላማዊ ሰልፊ፡ መሰል መድያ፡ መሰል ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ምርጫ መራሕቲ ሃገሩ ተንፊግዎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ከይሳተፍ ተሓሪሙዎ ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ሃገሩ ብህግደፍ ኣብ ዋጋን ዕዳጋን እንዳወደቐት ከላ፣ ኢትዮጵያ ብደማዊ ቃልሲ ብማዕጾ ወጺኣ ከተብቅዕ፡ ሕጂ ብሸርሒን ክድዓትን መራሕትና ብሑጓ ሰሊዃ ክትምለስ ትገማገም ኣላ።  እቲ ኣዚዩ ዘስድምም ድማ፡ ነቲ ብመገዲ ረፈረንዱም ብልዑል ድምጺእምቢ ምስ ኢትዮጵያ፡ እወ ንናጽነትኢሉ ዘጽደቖን ዝጸንበሎን ልዕላውነት ሃገሩ፡ ብዘይ ኣፍልጦን ውሳኔን ህዝቢ፡ ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ምህላዉ እዩ። ስዓብቲ ህግደፍ ነዚ ህዝቢ ዘደንቆረን ዝጭቆንን ዝኣስርን ዝርሸንን ንሃገር ዘጠፈሸን፡ ልዑላውነት ኣብ ዋጋን ዕዳጋን ዘውረደን፡ ስርዓት ኢኹም ትንፋስ ትልቅብሉ ዘለኹም።

 

እቲ ሓቂ እዚ ይኹን እምበር፡ ኣብ መደምደምታ ከየብራህኩዎ ክሓልፍ ዘይደሊ፡ እቲ ኩሉ ዝሓለፈን ዘሎን ገበናት ናብ ኢሳያስን ህግደፍን ጥራይ እዩ ዝግደፍ ከስምዕ የብሉን። ብርግጽ መበገሲ እቲ ጠንቂ፡ ኣብ እዋን ሰውራ ስለ ስኾነ፡ እቶም መራሕቲ ሰውራ ዝነበሩ ብሓብርን/ብእኩብን፡ በብውልቆምን ጉድለት ስለዝፈጸሙ ንኢሳያስ ጥራይ ዝምልከት ኣይነበረን። ብተመሳሳሊ ክኣ፡ እዚ ናይ ሕጂ ውድቀትን ድኽነትን ኤርትራ’ውን፡ ንኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕትት እዩ። ብፍላይ ግን ነቶም ከም መሓውር ውልቀ-መላኺ ኮይኖም ንኤርትራ ክድህካ ከሎ፡ መሳለጥትን መጣቓዕትን መሳውርትን፡ ኮይኖም ዝትሓባበሩ ዘልዉ እዩ ዝምልከት። ምኽንያቱ ድማ፡ ከም ኣፍን ዓይንን እዝንን እግርን ኮይኖም ዝልኣኽዎን ዘገልግልዎን ዘለዉ ንሳቶም እዮም። ስለዚ ኣብ ምንዋሕ ዕድመ ስልጣን ህግደፍ ወሰንቲ(crucial) ተራ ኮይኖምይጻወቱ ስለ ዘለዉ፡ ኩሎም ከዳዕቲ ህዝቦምን ሃገሮምን ብቐዳምነት ዘሕትቶም ተግባራት እዮም ዝፍጽሙ ዘለዉ።

 

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣት

ልዑላዊት ኤርትራ ንዘልኣለም

ውድቀት ንክድዓት ሃገር

 

 

ብ ገ. ወልደሚካኤል

 

ካብ ሕ.መ.ኣ.

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
28 COMMENTS
  • AHMED SALEH August 7, 2019

    Hi assenna friends
    I just visited to say hello . And I see
    these cockroaches still roaming freely to corrupt your forum .
    Remember when we warn ASSENNA
    staff not to fell victims of their conspiracy like they did to asmarino
    website .
    Wish you well my compatriots ..

POST A COMMENT