Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተመለሱ ተመለሳ ንመለስ

ተመለሱ ተመለሳ ንመለስ 6 ሰነ 1918 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ምሁራት ኤርትራ ተመለሱ ታሪኽ ጅግና ህዝቢ ተረሚሱ ካብ ክሳራ ስብከት ተጠዓሱ ነቶም ጀርመናውያን ምሂርኪሞም ንኣመሪካውያን’ውን ምሂርኩሞም ንኤርትራውያን ግን ረሲዕኩሞም ተመለሱ ዕንቅፋት ልማዱ እግሪ ዓሻ እንታይ ’ልኩሞ ዘይረብሕ መገሻ እዚ ኹሉ ፍልጠትሲ ኣልቦ ውርሻ ብረትና ደፊእኩም ጀሚርኩሞ ኣንቃዕሪሩ ኽኣ ርኢኹሞ ንኸንቱ ትደኽሙ

ተመለሱ ተመለሳ ንመለስ

6 ሰነ 1918

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ምሁራት ኤርትራ ተመለሱ

ታሪኽ ጅግና ህዝቢ ተረሚሱ

ካብ ክሳራ ስብከት ተጠዓሱ

ነቶም ጀርመናውያን ምሂርኪሞም

ንኣመሪካውያን’ውን ምሂርኩሞም

ንኤርትራውያን ግን ረሲዕኩሞም

ተመለሱ

ዕንቅፋት ልማዱ እግሪ ዓሻ

እንታይ ’ልኩሞ ዘይረብሕ መገሻ

እዚ ኹሉ ፍልጠትሲ ኣልቦ ውርሻ

ብረትና ደፊእኩም ጀሚርኩሞ

ኣንቃዕሪሩ ኽኣ ርኢኹሞ

ንኸንቱ ትደኽሙ ’ታይ ’ልኩሞ

ኣይፋልኩምን ተመለሱ ድኣ

እዚ ኹሉ መጽሓፍ ተነቢቡ

ኲምራ ፍልጠት ክኣ ተደሊቡ

ልሙጽ ከሎስ ሓርፋፍ ትቕርቡ!

መዓርግ ለቢስኩም ዓቢ ግርማ

ኤርትራ ሃገርኩም ተጸጊማ

እንታይ ’ይዓብስ ዘይረብሕ ድራማ

ተመለሱ ድኣ

(1)

ኣብ ሃገርኩም ሰይጣን ተወሊዱ

ህዝብኹም ንጥፍኣት ተፈሪዱ

ኮንትራርዮ ንድሕሪት ትኸዱ

ወለዶኹም ኰይኑ ድራር ዓሳ

ዓዲ ዘሎ ይህረም ብማሳ

ኣንጭዋ ዶ ንድሙ ትነኽሳ

ተመለሱ’ባ

ውሉድ ወለደኹም ተቓጺሉ

ሕብሪ ናይ ሃገርኩም ተበሊሉ

ኣብ ዘይዳስኩም ዘይከውን ተዕልሉ

ኮንፈደረሽን ዲዩ ፈደረሽን

ክትከድንዋ ዘይመጠና ሽንሽን

‘ታይ ይዓብስ ዘይትኲስ ካላሽን

ተመለሱ ድኣ

ንስኻትኩም ብኣየር ትበሩ

ዓዃይ ድማ ኩሉ ሳዕ ብእግሩ

ኣብታ ትሕቲ ገረብ ተሓይሩ

ዘይተነጽርዋ ’ታ ሕልምኹም

ሓዲግ መዲግ ንምንታይ ደሊኹም

ስለምንታይ ዕንቅፋት ሓሪኹም?

ተመለሱ

መሻይኽና ዓው ኢሎም መስኪሮም

ህዝቢ ተበዲሉ ኣንጸርጺሮም

ከይዶም ክኣ ረቢ ይቀበሎም

(2)

ተሓይሩ ካህን ምስ ፈላሲ

ህግደፍ እንድዩ ዀይኑ ኣባት ነብሲ

ንስኻትም ኮፍ ኢልኩም ኣብ ኲርሲ

ትመለሱ’ባ

ንመን ዲኹም ቍዋም ጽሒፍኩሞ?

እንታይ እዋን ድኣ ረሲዕኩሞ

ሓድሽ መዝሙር ካበይ ኣምጺእኩሞ?

ተጠዓሱ ድኣ ድሃይ ሃቡ

ኣብ ጽሓይ ምዕራባ ኣፈ’ርክቡ

ዝብላዕ ዘርባ ተዛረቡ

ተመለሱ ድኣ

መንእሰይና ተሸሚሙ ’ብ ጭቃ

ንስኻትኩም ጠፊኡኩም ቋንቋ

ህበይ’ኳ ትኽብኲቦም ደቃ

ኣቦታት እንዲኹም ምስ ትምህርቱ

ዘይብላዕ እንጌራ ትስንክቱ

መሶብ እንዳማትኩም ትጥምቱ

ተመለሱ ድኣ

ንኤርትራ ሕጊ ትጽሕፉላ

ጽንሕ ኢልኩም ክኣ ሻላ-ማላ

ትምድሩ ኣብ ዘይከውን ዋዕላ

ኣብ ዘይሰልጥ ውራይ ትጓየዩ

ኣብ መገሻ ሃገር ትህከዩ

ህዝቢ ዘይቅበሎ ትንበዩ

ኣይፋልክምን ተመለሱ ድኣ

(3)

ኩሉኻትኩም መራሕቲ ውድባት

እቶ-እቶ ተደዊሉ ስዓት

ግደፍዎ በይንኻ ምኽርታት

ምነውዎ ሕጅስ ይኣኽለኩም

ውድበይ-ውድበይ ይጽንሓልኩም

ካብ ምድቃስ ምትሳእ ’ሕሸኩም

ተመለሱ ድኣ

ኢትዮጵያ’ኳ ተመሊሶም ሎሚ

ጸሊኦሞ መንዮሞ ናይ ዓሚ

ይህንድሱ’ለዉ ሓድሽ ትልሚ

ኣይትቐንኡን ዲኹም ብጎረቤት

ኣይትሓልሙን ዲኹም ጽቡቕ ድሌት

ዋላ ሕጂ ስዓት ምስ ቀረበት!

ኣየፋልኩምን ተመለሱ ድኣ

እምቢ ይትረፍ ተላመዱ ሕራይ

ምእንቲ ክድምሰስ ህግደፍ ስራይ

ተመሃሩ ስልጣን ምብርራይ

ሕሰቡ’ሞ ዓመታት ቍጸሩ

ኣርብዓ ’ኮ ዀይኑ ተደሚሩ

ደይ ህግደፍሲ ክንድአን’ዩ ገይሩ

ተመለሱ ድኣ

ይመጸኩም ኣሎ ሓድሽ ዕማም

ንየው በልዎ ውድባዊ ሕማም

ጸረ ሰላም ናይ ሓድነት ልጓም

(4)

ውድባዊ ዕማም ኣወንዝፉ

ኣብ ናይ ሓባር ቅርጻ ተሰለፉ

ህግደፍ ድፍእ ክብል ቍልቍል ኣፉ

ተመለሱ’ባ

ንመንእሰይ እንታይ ተውርስዎ

ኣብ ግዳም ክሓድር ክትገድፍዎ

ከምቲ ናትኩም ገዛ ጠፊኡዎ

መስኪን ህዝቢ ህግደፍ ረጊጹዎ

ምሒር ብኽያት ንብዓት ነጺፉዎ

ተሰመርኩም ‘ታይ ሕማቕ ኣለዎ

ተመለሱ ድኣ

እንስሳ ኣሰለት ደም ልማዱ

ነቲ እከይ ሰይጣን ቦዂሪ ወዱ

ንሱ’ውን ከይወልድ ዝገደዱ

ርኢኹሞ ናይ ሃይለ ስላሰ

ደርጊ ’ኮ ’ዩ ዳሕራይ ዝነገሰ

ንኢትዮጲያን ኤርትራን ዘፍለሰ

ተመለሱ ተመለሱ፡ ተዳለዉ ክኣ

ደቀ ’ንስትዮ ኣዴታት ኣዋልድ

ይኣኽለክን ብድድ ድኣ ብድድ

ሰብ ኣይኮነን ምስ ሰይጣን ዝዓብድ

ፈቐዶ ዳስ ህግደፍ ኣይትዝለላ

ዙርያ ቀያይርክን ኣይትህለላ

እንታይ ትኹን ’ታ ጥራያ ዘላ?

ተመለሳ

(5)

ህጻውንቲ ጨኒቑዎም ኣቦ

ኣደ ሎሚ እንታዋይ ክረኽቦ

ይትረፈና ካላእ ትዛረቦ

ተደርሚሙ ርእሲ ናይ ’የሕዋትክን

ሰብ ጸኒቱ ኩሉ ቤተ ሰብክን

ዋይ ደቀይ ጠፊኡ ተዓቢስክን

ተመላሳ’ባ

ዝተወልደ ኰይኑ ጥሪት ህግደፍ

ወግሐ ጸብሐ ካብ ገዝኡ ’ግፈፍ

ኣብ በረኻ ከይፈተወ ’ስለፍ

ከተምስላ በተኽስያን ትኸዳ

ተደቢርክን ኣብ መስጊድ ትሰግዳ

ናይ ሎሚ ’ደስ ወረ ’ንታዩ ጒዳ

ተመለሳ ’ባ

ምድረ ሰማይ ተዀሚሩ ሬሳ

ተረሲዑ ትማሊ ክትጠንሳ

ዘክራ’ባ ደቅኽን ክትሓረሳ

ፍረ ማህጸን ሕጻ ተቐቢሩ

ከብዲ ወላድ ርሕሩሕ ’ንድዩ ነይሩ

ኣባኽን ክበጽሕ ተቐየሩ

ተመለሳ’ባ

ተበገሳ እዋይ ደቀይ ኢልክን

ንስኻትክን እንድሕሪ ጀሚርክን

ድሓን ውዓል ህግደፍ ኣብዛ ኢድክን

(6)

ደቀ ’ንስትዮ ተበገሳ ጥራይ

ኣቦታት ክብሉ ’ዮም ሕራይ-ሕራይ

ኣደ ’ኮ’ያ ሞተረ ናይ ሰብኣይ

ተመለሳ

ሙዚቀኛ ኤሪትራዊ ጅግና

ንስመር ኢልካ እስከ ድረፈልና

በበይንኻ መዝሙር ይትረፈና

ተጋጊኹም ምስ ህግደፍ ትደርፉ

ሕጅስ ምስ ህዝብኹም ተሰለፉ

ኣብ ዘይከውን ልሳንኩም ለፍሊፉ

ተመለሱ ድኣ

ነዚ መንደድ ህዝቢ ሓዊ ፌሮ

መስፈር ሓሶት ዘረብኡ ዜሮ

ተገሪህኩም ሂብኩሞ ጎሮሮ

ሕጅስ ይኣኽለኩም ገፈፍ-ገፈፍ

ወድ ሰብዶ መስ ህግደፍ ይስለፍ

እግሪ መሶብ ዝሰይሐ ተረፍ

ተመለሱ ድኣ

ኩልና ንመለስ ናብ ልብና

ሓያል መድረኽ እኮ መጺኡና

ዝሓዝና ዘይብልና ጥራይ ኢድና

ስእሊ ከይኮነና ጥራይ ምስሊ

ሕማቕ ፍሕሶ ተበታኺ ፈትሊ

ክርዳድ ምርዳድ ዘይተኣርየ እኽሊ

ንመለስ’ሞ ነስተውዕል ክኣ

(7)

ሕጂ ድማ ህግደፍ’ዩ ተረኛ

ሽማግለ ’ይፈልጥ ዋላ ዳኛ

ኣዂድር ልማዱ መጽዓኛ

ህግደፍ ዘታልሎ መሊኡ’ሎ

ከዳዕ ጠላም ብዕሙዂቲ ቆሎ

ኣይንዘንግዕ ንጽባሕ ንዳሎ

እወ ንመለስ’ሞ ኣይንዘንግዕ ክኣ

ናይ ዶብ ነገር ጽቡቕ ’ተሰማዕና

ንሱ ’ይኮነን ቀዳማይ ጭብጥና

ኣስተውዒልና ንኺድ ረጋእ ኢልና

ብጥዓሞት ከይንታለል መታን

ሕጂ ድማ ከይንኣቱ ’ብ ስሕታን

ዕጥቂ ከይነውርድ ሴፍን ዋልታን

ንመለስ’ሞ ኣብ ጭብጥና ደው ንበል

ምናዳ ምንእሰይ ወዲ ኤረ

ሸጥ ኣብሎ ናይ ሰውራና ስረ

ብየማነ ጸጋም ማዕረ-ማዕረ

ኣንታ ወዲ ጅግና ቆማሚጣ

ተዓጠቆ ናይ ብኣምሆይ ቍምጣ

ይኣክል በል ብሃገር ገበጣ

ተመለሱ ተመለሳ ኩላትና ንመለስ

ውልቃዊ ዕማም ይወንዘፍ ንበገስ

ኣብ ናይ ሓባር ቅርጻ ንቃለስ!!!

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Habte Kifle June 11, 2018

    Aghenaa Redi,
    Hiter ! Sewid !!
    Great and detailed approach to all the parties concerned that have a role in the Eritrean Arena.

    Please keep it up.

    Yours,
    H.K.

  • meretse June 11, 2018

    ደርፊ በይነይ ይግበሮ
    እምባሕ ዝተስእነን ተሰከምቲ ኣቅርንቲ
    ንስሙ “ኣሎዋና” ኣብ ደንበና ከብቲ
    ኣብቲ ዓቢ ደምበ በትሪ ከብቲ ኣሎዋ
    ኣጡባተን ዝነጸፈ እንከይ ተጣበዋ
    ጓጕድ’ውን ኔሩ ዘአንግድ ጸባአን
    ከይተጣበዋ እንደ’ሞ ነጺፉ ጕለአን
    “እምባሕ” ምስ ኣቛረጻ ግደፍ ጸባ
    ተስፋ ምስ ዝሰኣነ ተሰቂሉ ኣልባ
    ጎሮር ዝነቀጾ ማይ ዝሃረፈ
    ኣብ ገምገም ሩባ ኮይኑ እንተደረፈ
    ማይ ካበይ ይምጻእ ቀደም ዝሃፈፈ
    ብሓይሊ ዝትስኣ እምባሕ ዘቛረጻ
    እንታይስ ይዓብስ ሎሚ ‘ተ ተመርጻ
    ጸባ ነይስተ ካብ ማዕዶ ኣማዕዲካ
    ሓሬት ማይ ይሓይሽ መእተዊ ዓድካ
    ብዝሒ ቁጽረን በትሪ ዝሓለፋ
    ጥራሕ ኣይለክማ ነተን ዝተረፋ
    ምጽግባስ ይትረፍ ዘይብለን ጥዓሞት
    ሃሰስ ደኣ ንበል ካብ ብቍሊ ዳሕረዎት

    • Simon G. June 13, 2018

      ይበል! ይበል! ግጥሚ; ሃባርም!

      • meretse June 26, 2018

        Thanks Simon. You are in it too.

POST A COMMENT