Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንጹር ራኢ ንብሩህ መጻኢ – ዘተ ምስ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ኮቨንትሪ (ዓባይ ብሪጣንያ)

ብምኽንያት 1 መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ኹሉ፣ ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም፣ መበል 55 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብዛዕባ ጉዳይ ሃገርና ክንዛተ ብዝገበርኩምለይ ዕድመ ንመንእሰያት ኮቨንትሪ ኣዝየ አመስግነኩም። 55 ዓመት መቸም ዳርጋ ካብ ኩላትና

ብምኽንያት 1 መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ቅድሚ ኹሉ፣ ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም፣ መበል 55 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብዛዕባ ጉዳይ ሃገርና ክንዛተ ብዝገበርኩምለይ ዕድመ ንመንእሰያት ኮቨንትሪ ኣዝየ አመስግነኩም።

55 ዓመት መቸም ዳርጋ ካብ ኩላትና እዞም ኣብዚ ተረኺብና ዘለና ኣሕዋት ይዓቢ ይኸውን። ምስኡ ካብ ሃገርና ኣሽሓት ማይላት ርሒቕና ኣብ ዓዲ ጓና እንነብር ስደተኛታት ምዃና ኣብ ግምት እንተደኣትዩ፣ ብምንጽር ዕድመ ናይቲ ፍጻሜ ጥራይ ዘይኮነ፣ ንርሕቀት መገሻና ደሚሮም ዝዓጀቦም ጓኖት ተዓዘብቲ፣ “እንታይ ገደሰኩም” ኢሎም ምሕታት ዋላ እንተዘይደፈሩ፣ ክግረሙ ይኽእሉ እዮም።

ሓደ እዋን’ ነዚ ብዝመሳሰል ዛዕባ ሓደ ንኤትራውያን ምስ ካልኦት ኣፍሪቃውያን ኣወዳዲሩ ዝጸሓፈ ወጻእተኛ ጋዜጠኛ፣ መብዛሕትኦም ካልኦት ኣፍሪቃውያን ሓደ ሰሙን ኣብ ሆቴል ምስ ደቀሱ ሃገሮም ከምዝርስዑ ብምጥቃስ፣ ኤርትራውያን ግን ዋላ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ስደት ምስ ስድርኦምን ሃገሮምን ዘለዎም ምትእስሳር ከምዘይበትኩ ዘስፈሮ ጽሑፍ ይዝከረኒ። ነንሕድሕድና፣ እንተ ብመርዓ እንተ ብሓዘን ኣብ እንራኸበሉ ኣጋጣሚ፣ ዘይሩ-ዘይሩ ጉዳይ ሃገርና ዓብላሊ ኣርእስቲ ዕላልና ከምዝኸውን እንተዘኪርናዮ ‘ውን፣ እቲ ትዕዝብቲ ሓቂ ምዃኑ እዩ ዝምስክረልና። ነዚ ጉዳይ ‘ዚ ብዕምቆት ንምፍላጥ ስነፍልጠታዊ ማሕበረሰብኣዊ መጽናዕቲ ዘድልዮ ‘ኳ እንተኾነ፣ ውጽኢት ናይቲ ስጡም ኮማዊ ጠባይ ዘለዎ፣ ብስድራቤት፣ ባህሊ፣ ሃይማኖትን ማሕበራዊ መነባብሮን ዝጽሎ ህይወትና ክኸውን ይኽእል ‘ዩ። ካብቲ ኩስቶ ንኹስቶ ወለደ እናበለ 7 ኣብሓጎታቱ ናይ ምጽብጻብ ያታ ዘለዎ ሕብረተሰብ ንዝመጽአ ወለዶ እምብኣር ዝኽሪ 55 ዓመታት ነዊሕ ኣይኮነን።

ሰብ ኣብ ዝኸደ ከይዱ፣ ስድራቤቱ፣ ህዝቡ፣ ሃገሩ ዘይርስዕ፣ ለዋህ፣ ፈቃር፣ ሃያብ እንተደኣኾይኑ፣ ንተጸባይኡ ጥራይ ዘይኮነ ንገዛእ ርእሱ ‘ውን ሕልናዊ ዕግበት ይፈጠሉ እዩ። ስለዚ፣ እዚ ንኽልቲኡ ወገን፣ ንወሃብን ተቐባልን ዘርብሕ ያታ ‘ዚ ዓቢ ጸጋ እዩ። ክዕቀብ ከኣ ኣለዎ። ጎኒ ጎኒ ‘ዚ፣ ከም ወለዶና፣ ታሪኽና ‘ውን ምትእስሳር ስለዘለዎ ንኹላትና ይብጽሓና እዩ። ብሕልፊ እቶም ተቐቢልና ናይ ምስግጋሩ ሓላፍነት ዘለና መንእሰያት፣ ብንቕሓት ክንፍልጦን ክንመሃረሉን ይግባእ።

ከምዚ ዝጠቐስኩዎ፣ ሎሚ ምኽንያት መራኸቢና ዋላ ሓደ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ‘ኳ እንተኾነ፣ ኣብ ታሪኽ ከየድሃብኩ ንሓደ ዝኣምነሉ ሓፈሻዊ ሓቂ ኣስሚረሉ ብምሕላፍ፣ ኣብ እዋናዊ ኩነታትናን ክንሕዞ ዘለና መጻኢ መኣዝንን ከተኵር።

ሃገርና ኤርትራ፣ ብመሪሕነት ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን፣ ሰፊሕ ተሳታፍነት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራን፣ ብ 24 ግንቦት 1991 ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ነጻ ወጺኣ። ኣብ 1993 ብዝተኻየደ ረፈረንደም ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ድሕሪ ምርካባ ድማ፣ ኣባል ማሕበረሰብ ዓለም ኮይና። ህዝባዊ ግንባር ኣብ መወዳእታ መስመር ናጽነት ረጊጹ ‘ኳ ጽዋእ እንተጨበጠ፣ ታሪኽ ገድልን ናጽነትን ኤርትራ ናይ ብሕቱ ኣይኮነን። ብዙሓት ኣበርከቲ ኣለውዎ። ነዚ ኩነት’ዚ ከም ናይ ሪለይ ቅድድም ጉያ ኣመሳሲልና እንተተመልከትናዮ ምናልባት ብቐሊሉ ክርድኣና ይኽእል። ካብቶም ኣርባዕተ ተቐዳደምቲ፣ እቲ ቀዳማይ ዝሑል፣ እቲ ናይ መወዳእታ ቅልጡፍ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ። እንተኾነ፣ ኣብ መጨረሽታ እቲ ዓወት እንተደኣ ተረኺቡ፣ ድምር ውጽኢት ናይታ ኣርባዕተ ዝኣባላታ ጉጅለ ወይ ጋንታ እዩ። እምበር፣ ነቲ ዝቐልጠፈ ወርቂ ማዳልያ፣ ነቶም ካልኦት ድማ ከከም ፍጥነቶም ነሓስን ብሩርን ኣይትስልሞምን ኢኻ። ነቲ ሸደድ ካብቲ ሓደ ናብቲ ካልእ ተቐዳዳማይ ብጽፉፍ ናይ ምርካብ ጥበብ ንርእሱ ማዕረ ‘ቲ ቅልጣፈ ሚዛን ኣለዎ። ነዚ ብመንጽር ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክትርእዮ ከለኻ፣ እቲ ኣብ 1961 ተጀሚሩ ብተጋድሎ ሓርነት ዝተሳለየ ብረታዊ ተጋድሎ፣ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኣርብዓታትን ሓምሳታትን ኣብሓጎታትና ዘካየዱዎ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት እዩ። ህዝባዊ ግንባር ድማ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ዝተወልደ ውድብ እዩ። እቲ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝተሰጋገረ ባህግን ዕላማን ናጽነት ከኣ፣ ልክዕ ከምቲ ሸደድ ወይ button ክምስል ይከኣል። ኣብ መወዳእታ፣ ከም ድምር ውጽኢት ናይዚ ተኸታተሊ ቃልሲ እያ ‘ምብኣር ኤርትራ ኣብ ታሪኻ ንመጀምርያ ግዜ ነጻ ሃገር ክትብሃል በቒዓ። እዚ ሓደ ታሪኻዊ ጭብጢ እዩ።

እዚ መድረኽ ‘ዚ ግን ሓደ ደረጃ እምበር ጥርዚ ወይ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ኣይኮነን። ናጽነት መጀመርያ ናይ ሓደ ነባሪ ጉዕዞ እዩ። ከምዚ ብስፖርት ዝመሰልናዮ፣ ኣውንታዊ ኣተሓሳስባን ምትእምማንን እንተዘይተወሲኹዎ ናብቲ ዝቕጽል መድረኽ ዘሰጋገር ውሑስ ድልድል ክኸውን ኣይክእልን። ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ኣብተን ክልተ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝተሳተፋ ውድባት ዝነበሩ ዝብዝሑ ተጋደልቲ፣ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ናይ ዕርቅን ምትሕቝቛፍን ኩነታት ክፉት ሽውሃት ነይሩዎም። ገና ቃልሲ ናጽነት ክይተዛዘመ ኸሎ ብዙሓት ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ነበር ኣብ መሳርዕ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፎም ዘርኣዩዎ ተወፋይነት ኮነ፣ እቶም ኣብቲ ደረጃ ‘ቲ ዘይበጽሑ ተጋደልቲ ነበር፣ ድሕሪ ናጽነት ነቲ ክዉንነት ብኣውንታ ምቕባሎም ከኣ መርኣያ ሃገራዊነቶም እዩ።

ይኹን ‘ምበር፣  ናይ ዕርቂ ባይታ ብምጥጣሕ ናይ ምትእምማን ሃዋህው ከንግሱ ዘይመረጹ ምግባት ስልጣንን ዕብለላን ዘቐደሙ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ስልጣን ዝነበሩ መራሕቲ ህግደፍ፣ ምስቲ ካብ ሰፊሕ ልቦና ህዝብና ዝበቖለ ምዕቡልን ኣርሒቑ ዘማዕዱን፣ ፍቕሪ ዝመበገሲኡ ኣውንታዊ ኣተሓሳስባ  ናይቲ ሓፋሽ ተጋዳላይ ዝዳረግ ዘንጸባርቕ ኣማራጺ ብምውሳድ ሃናጺ ባይታ ኣይፈጠሩን። እዚ ድማ ዘይተሓከመ ቁስሊ ገዲፉ እዩ።

ኣብዚ ካብቲ ሕሉፍ ታሪኽ ክንመሃረሉ ዝግባእ ጭቡጥ ተመክሮ፣ ውድባት ክም መሳርሒ ዕላማ ናጽነት ተራእየን፣ እቲ ናይ ድሕረ ናጽነት ኩሉንትናዊ ጉዕዞ ህንጸት ኣብ ክንዲ ውድባዊ ሃገራዊ ክኸውን፣ ንኹሉ ኤርትራዊ ክሓቍፍ ከምዝነበሮ እዩ። እቲ ናይ መወዳእታ ሸደድ ሒዙ ዝኣተወ ፖለቲካዊ ሓለፋ ክምነ ብዓቢኡ ድማ ስልጣን ክምንዝዕ ምርኣይ ምስ መንፈስ ህዝባውነት ናይቲ ቃልሲ ዝጋራጮ ስሱዕ ውሳነ ኢዩ።

ካብዚ ዝተጠቕሰ እዋን ክሳብ ‘ዚ ዘለናዮ ግዜ (ካብ 1993 ክሳብ 2016)፣ ኤርትራ፣ ግዝኣተ-ሕጊ፣ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ዘለዋ ሃገር ክትከውን ኣይበቕዐትን። ብውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ጭፍርኡን እትግዛእ ዘላ፣ ጻማ መስዋእቲ ተጋዳላይ ዘይተኸፍለት፣ ባህጊ ህዝቢ ንሓርነትን ራህዋን ዘየርወየት፣ መጻኢኣ ዘየተኣማምን ብፍሹል ስርዓት እትምራሕ ሃገር ‘ያ ኮይና። እዚ ሓደገኛ ፖለቲካዊ ኩነታት ‘ዚ ኣውራ ጠንቂ ኮይኑ ዘስዓቦ፣ ብደረት ኣልቦ ዋሕዚ ስደት መንእሰያት ዝጎልሐ ሰብኣዊ ፍልሰት፣ ብምረት መነባብሮ ህዝብን ድኽነትን ዝልለ ማሕበራውን ቁጠባውን ወድቀት፣ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ናጽነት ምግላጽ ሓሳባትን ጥሕሰት ሕግን ዝግለጽ ፖለቲካዊ ፍሽለት ተሓኒቓ፣ ብስቱር ውሽጣዊ ነውጽን ኣህጉራዊ ተነጽሎን እናተጠቕዐት ብሕሱም ቅልውላው ትሕመስ ኣላ። እዚ ንገዛእ ርእሱ ድማ ሓደ ካልእ ጭብጢ እዩ።

እዚ ክዉንነት’ዚ ኣብ ቅድሚ እዚ ናይ ሕጂ ወለዶ ኤርትራ ተገቲሩ ዘሎ ብድሆ ስለዘኾነ፣ ከም ሓደ ዓቢ ግድል ብንቕሓት ከጽንዖን ብጥበብ ክፈትሖን ኣለዎ። እዚ ዝጠቐስናዮ ኩነታት ከይተቐየረ፣ ማለት፣ ግዝኣተ-ሕግን ፍትሕን ከይነገሰ፣ እዚ ውልቀምልካዊ ወተሃደራዊ ኣሰላልፋ፣ ሰፊሕ ተሳታፍነት ህዝቢ፣ ግልጽናን ተሓታትነትን ዘረጋግጹ ተሓላለውቲ ትካላት ብዘቖሙዎ ዲሞክራስያዊ ማሕደራ ከይተተከአ፣ ሰብኣውን ቁጠባውን ሓርነት ህዝቢ ውሕስነት ከይረኸበ፣ ኤርትራ ሰላም ረኺባ ክትቀስን፣ ክትምዕብልን ክትስልጥንን ኣይትኽእልን እያ።

ነዚ ኩልና እንፈልጦ፣ ህዝቢ ኤርትራ ‘ውን ዝብህጎ ለውጢ ኣብ ምምጻእ፣ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኑ፣ ጉዳይና ኣብ ምትሕልላኽ ‘ውን ኣሉታዊ ተራ ዘለዎ ዓቢ ሽግር ግን፣ እቲ መምስ ዝቐርበና ብሕሽዅሹኽ እንዛረበሉ፣ ከም ህዝቢ ብጋህዲ ተዛቲና ክንፈትሖ ዘይከኣልና ሕድሕድ ናይ ዘይምትእምማን ወይ ብዓይኒ ጥርጣረ ናይ ምርእኣይ ጸገም እዩ።

ንማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ኣብ ዘራኽብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ሃገርና ኤርትራ፣ ጽልዋ ሃገራት ዓረብን እስልምናን ንምስፍሕፋሕ ብሓደ ወገን፣ በቲ ኻልእ ድማ፣ ነዚ ጽልዋ’ዚ ንምግታእ በታ ከም ናይ ክርስትያን ሃገር እትፍለጥ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ንምቍጽጻር ናይ ዝተኻየደ ክርክር ዓውዲ ኮይና ንነዊሕ ዓመታት ከምዝተሳቐየት ሃገር መጠን፣ እቲ ክርስትያናውን እስላማውን እምነታት ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራ ንገዛእ ርእሱ መርገጺታቱ በዚ ክልተ ዝንባሌታት ተጸልዩ፣ እቲ ሓደ በቲ ኻልእ ከይዕብለል ብዘለዎ ስግኣት ልቡ እናተፈርራረቐ፣ ሓደ ስጡም ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ክፈጥር  ኣይከኣለን። ዋላ ድሕሪ ‘ቲ ንመግዛእቲ ኢትዮጵያ ብምስዓር ዝተረኽበ ናጽነት፣ “ኤርትራ መን ‘ያ” ዝብል ሕቶ፣ ሓደ ቁርጺ መልሲ የብሉን። ካብ ወግዓዊ መድረኻት ግልል ኢልካ ብቕንዕና ዝወሃብ መልሱ፣ ካብዚ ዝጠቐስናዮ ክልተ ጽልዋታት ሓራ ኣይኮነን።

እዚ ንዜግነትካ ከም ኤርትራውን ኣስላምን፣ ከም ኤርትራውን ክርስትያንን ናይ ምግላጽ፣ ዕብለላን ስግኣትን ዘንጸባርቕ ማንታ-ኣተሓሳስባ፣ ድሕሪ ካልኣይ ኵናት ዓለም ኤርትራዊ ሃገራውነት ብዘበናዊ መልክዑ ክቀላቐል ካብ ዝጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ጎኒ ጎኒ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ክጓዓዝ ዝጸንሐ ዝንባለ እዩ። ሕልፍ ሕልፍ ኢልና እንተርኣናዮ፣-

–       ኣብ 1940ታት ነቲ ብኣንድነት ዝፍለጥ ደምበ፣ እስላማዊ ሊግ ዝብል መቐናቕንቲ ነይሩዎ።

–        ኣብ 1960ታት ብእስላማዊ እምነት ዝነበሮም ኤርትራውያን ዝጀመረ ብረታዊ ቃልሲ ንኤርትራ ዓረባዊት ሃገር ንምግባራ ከም ዕላማ ሒዙ ከም ዝተበገሰ ኣብ ጥርጠራ ስለዝወደቐ፣ ብሰንኪ ክርስትያናዊ እምነቶም፣ ወይ ‘ውን ኣመንቲ ምስልምና ክንሶም ሚዛናዊ መርገጺ ብምውሳዶም መቃለሲ ባይታ ዝተነፍጎም ዜጋታት ኣብ ፈለማ 1970ታት ተፈንጪሎም። ከም ውጽኢት ናይዚ ክልተ ኣርኣእያትት ከኣ፣ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ጀብሃ)፣ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ (ሻዕቢያ) ናይ ደሓር ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብምዃን ክልተ ተቐናቐንቲ ውድባት ፈጢሮም።

–       ጀብሃ ካብ ሜዳ ኤርትራ ወጺኣ፣ ብመሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ናጽነት ኤርትራ ምስ ተረጋገጸ ‘ውን፣ እቲ ስምዒት በቲ ናይ ናጽነት ሃዋህው ተዓቢሱ ድኣምበር ኣይጠፍአን። ናጽነት ኤርትራ ብምልካዊ ምሕደራ ኢሳይያስን ህግደፍን ምስ ተዳኸመ ‘ውን እዚ ማንታዊ ኣተሓሳስባ መሊሱ ክጓሃሃር ይርአ ኣሎ።

ኣብዚ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ውልቀምልካዊ ስርዓት ብምቅዋም ኣብ ወጻእን ጎረባብቲ ሃገራትን ዝንቀሳቐስ ዘሎ ደምበ ተቓውሞ ድማ እዚ ቃራና ኣተሓሳስባ ‘ዚ ጎሊሑ ይርአ። ንኣብነት፣-

–       ኣብ ደምበ ተቓውሞ እዉጅ እስላማዊ ኣጀንዳን ኣስማትን ዘለወን ውድባት ኣለዋ።

–       ኣብ’ቲ ከም ጽላል ተቓወምቲ ውድባት ዝጸንሐ ብ ኪዳን ዝፍለጥ ምሕዝነት ኮነ ኣብቲ ኣብ 2011፣ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብዝብል ስም ዝተመስረተ ባይቶ፣ በቲ ዝጠቐስናዮ ድርብ ኣተሓሳስባ ርኡይ ናይ ዕብለላን ስግኣትን ምስሕሓብ ኣሎ።

ብሓፈሻ ክርአ ኸሎ እቲ ብ ጀብሃ ነበር ዝዕብልል ደምበ ተቓውሞ እስላማዊ ዝንባለ ኣለዎ። ንኹሉ ‘ቲ ምስ ህዝባዊ ግንባር ምትእስሳር ዘለዎ ከም ናጽነት፣ ቅዋም፣ ባንዴራ ዝኣመሰለ ፍጻሜታትን ምልክታትን ከኣ ክነጽጎ ይፍትን።

እምብኣር ኣብዛ ሓንቲ ሃገር ክልተ ናጽነት፣ ክልተ ቅዋም፣ ክልተ ባንዴራ ይጥለብ ምህላዉ ልክዕ ከምቲ ዝሓለፈ ተመክሮ፣ ገና እቲ ክልተ-ጫፋዊ ናይ ዕብለላን ስግኣትን ኣተሓሳስባ ከምዘይሃሰሰ፣ ምስ ቀጻሊ ምድኻም ሃገርና መመሊሱ ክዓቢ ከምዝኽእል ዘመልክት እዩ።

እዚ ወገናዊ ዝንባለ ‘ዚ በዞም ዝጠቐስናዮም ርኡያት ስጉምታት ጥራይ ኣይኮነን ዝረጋገጽ፣ ኣብቲ ነዚ ጉዳይ’ዚ ብዝምልከት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዝካየድ ክትዓት ዘሎ ዘይስርዑነት ወይ Inconsistency ‘ውን መረጋገጺኡ እዩ።

ንኣብነት “ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ሽፍታ እዩ ነይሩ” ተባሂሉ ብገለ ወገናት ምስ ተዘርበ እምባጋሮ ተላዒሉ፣ ነቲ ከምኡ ኢሉ ዝጸሓፈ መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ኩናማ ክሳብ ካብ ባይቶ ደምበ ተቓውሞ ከምዝእለ ዝገበሩ፣ “ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ሽፍታ እዩ ነይሩ” ክበሃል ከሎ ከጣቕዑ ክትዕዘቦም ከለኻ ዘየገርም ኣይኮነን። ከምቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ቅድድም ጉያ ሪለይ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ እንተደኣ ንኣምነሉ ኴንና፣ ከምቲ ንሞገሰ ብማዕረ እንምነዮ ንወቐሳ ‘ውን ብማዕረ ክንቅበሎ ወይ ክነጽጎ ‘ዩ ዝግባእ።

ካብዚ ንላዕሊ ዘደንጹ ነዚ ርትዓውነት ዘይብሉ ወገናዊ ምጉት ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ብምውዕዋዕ ወይ ከኣ ብምክልኻል፣ ሽፋን ወገናዊ ዝንባሊኡ ዝኾኑ፣ እንተ ንውሓት ዓመታት፣ እንተ ቅርሕንቲ፣ እንተ ጸቢብ ረብሓ መንነቶም ዘረሰዖም ውሑዳት መሳርሒ ምህላዎም እዩ።

ብፍላይ እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ካብቲ ብሃገራዊ ኣገልግልሎት ዝጽዋዕ ደረት ኣልቦ ባርነት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣምሊጡ፣ መንነቱ ተናዒቑ፣ “ሓበሽ” ወይ ድማ “ዶላር” እናተባህለ ኣብ ሰሃራን ሲናይ ብራሻይዳን በደዊንን ዝተገፍዐ፣  ኣብ ሊብያ ካብ ማሕረዲ ኣይሰስ ዘምለጠ፣ ኣብ ስደት ኣንፈቱ ኣጥፊኡ ዘሎ መንእሰይ በዞም ንርእሶም መጋበርያ ሕቡእ ኣጀንዳ ዝኾኑ መሳርሒ ተደናጊሩ፣ እንደገና መጋበርያ ናይቲ መንነቱ ንምድኻም ወይ ንምዕብላሉ ዝካየድ ኣጀንዳ ከይከውን ‘ውን ክጥንቀቕ ኣለዎ።

ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝንባለታት ኣብ ኣጋጣሚታት ተቓወምቲ በብእዋኑ ኣብ እንዕዘበሉ እዋን ንቃወሞ ‘ኳ እንተኾና፣ ንህዝቢ ከይፈላልዮ ካብ ዝብል ስክፍታ ብዓውታ ካብ ምዝራብ እንቝጠበሉ እዋናት ይበዝሕ። እንተኾነ፣ እቲ በቲ ስርዓት ቅሒሩ ዝተሰደደ፣ ብፍላይ ድማ ናይ ንቕሓት ጉድለት ዘለዎ ገለ መንእሰይ፣ ነቲ ካልእ ገጽ ክርኢ ዝድርኾ ተጻራሪ ምጉት (Counter argument) ብዘይምርካቡ እቲ ካብቶም ጸበብቲ ኣጀንዳታት ዘለዎም ወገናት ዝሰምዖ፣ “ጀብሃ ኮ ቅንዕቲ ውድብ እያ ነይራ፣ እንተትዕወት ነይራ ኤርትራ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅልውላው ኣይምወደቐትን” ወይ ከኣ “ገድሊ ሽፍትነት እዩ ነይሩ፣ ብኻ ምስ ኢትዮጵያ ጸኒሕና፣ እንታይ ዝዓብስ ናጽነት እዩ” ዝብል ፕሮፖጋንዳ ሓቂ ኮይኑ ተራእዩዎ ገርሂ ኣእምሮኡ ክብከል፣ ኣብ ፈተነ ክኣቱ ጸኒሑ እዩ። እዚ ድማ ነቲ ምስ ዓረብን ኢትዮጵያን ኣተኣሳሲርና ዝጠቐናዮ ናይ ስግኣትን ዘይምትእምማን ጋግ ኣግፊሑ ንምህናጽ ሃገራዊ መንነት ዝኾልፍ፣ ዕድመ ናይዚ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ዘናውሕ ተርእዮ እዩ።

ከምዚ ዝተጠቕሰ እቲ ጥሩፍ እስላማዊ ናይ ምዕብላል ጥሙሕ ትጉሽተትካ ከይተባህለ ዝቕጽል እንተደኣኾይኑ፣ ብኣንጻሩ ካልእ ጥሩፍ ክርስትያናዊ ዝንባለ ክፍጠር ባህርያዊ እዩ። እንሆ ድማ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንኤርትራውያን ኣመንቲ ምስልምና ከም ካልኣይ ዜጋ ብምርኣይ፣ ኣብ ኤርትራ ዕብለላ ኣመንቲ ትግርኛ ወይ ክርስትና ዘረጋግጽ ኩነታት ክፍጠር ዝጉስጕስ ጋሻ ድምጽታት ክቀላቐል ንሰምዕ ኣለና። እዚ ‘ውን ዘይፍትሓውን ዘይክዉንነታውን ስለዝኾነ ሚዛኑ ዝሓለወ ተጻራሪ ምጕት ክንሕፎ የብሉን።

እንታይ ደኣ ‘ዩ ‘ሞ እቲ ፍታሕ?

ከምቲ ነዚ ዘተ ክንጅምሮ ከለና 55 ዓመታት ንድሕሪት ተመልሲና ዝፈለምናዮ፣ ካብ ኤርትራ ናብ ሲንጋፖር ልዕሊ 7000 ሽሕ ኪ ሜ ርሒቕና ክንውድእ። ብብዝሒ ህዝባ፣ ምሕዳሳን ሓደ ሓደ ታሪኻዊ ተመሳሳልነታን ገስጋሳን ‘የ ከም ኣብነት መሪጸያ።

እታ ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኵናት ዓለም፣ ብ 1945 ካብ ጃፓን ተገላጊላ ከምታ ካብ ጥልያን ነጻ ዝወጽአት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ  ወተሃደራዊ ምሕደራ እንግሊዝ ቁሩብ ዓመታት ዝጸንሐት ሲንጋፖር፣ ኣብ 1962 ፈደረሽን ኤርትራ ኣብ ዝፈረሰሉ እዋን፣ በንጻሩ፣ እታ ብንእስነታን ዋሕዲ ጸጋታታን ከም ሃገር ምቛም ዘሻቐላ ሲንጋፖር ረፈረንደም ብምክያድ ምስ ማሌዥያ ብፈደረሽን ተጸሚዳ ነበረት።  ይኹን’ምበር ድሕሪ ሒደት ዓመታት ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ሲንጋፖርን ማእከላይ መንግስቲ ማሌዥያን ኣብ ሓያለ ፖለቲካውን ቁጠባውን ስነሓሳባውን ጉዳያት ግጭት ስለዝተኸስተ፣ ፓርላማ ማሊዥያ ወከልቲ ሲንጋፖር ኣብ ዘይንበሩሉ ኣጋጣሚ፣ 126 ብ 0 ፣ ማለት ብምሉእ ድምጺ ካብቲ ፈደረሽን ክትስጎግ ብምድማጽ ኣባሪሩዋ። ብኣንጻር ‘ዛ ብዕጥቃዊ ቃልሲ ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ነጻ ዝወጽአት ሃገርና፣ እታ ከይፈተወት ካብ ፈደረሽን ማሌዥያ ዝተሰናበተት፣ ምስ ናይ ኤርትራ ዝዳረግ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ፣ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ብ 25 ዓመታት እትዓቢ፣ ከም ሃገር እትቝጸር ከተማ ሲንጋፖር፣ ኣብዚ ናይ 50 ዓመት ዕድሚኣ፣ ብባንክ ዓለምን ካልኦት ፍሉጣት ትካላትን “ኣብ ዓለም ቢዝነዝ ክትገብረላ ዝመቸአት፣ ብቴክኖሎጂ ድልውቲ፣ ዝበዝሑ ኣህጉራዊ ርክባት ዝካየዱላ ሃገር፣ ካብ ዓለም 2ይቲ ተወዳዳሪት ሃገር፣ 3ይቲ ማእከል ኣህጉራዊ ለውጢ ባጤራ፣ 3ይቲ ዝዓበየት ማእከል መጻረይን መናገድን ነዳዲ ዘይቲ፣ ካብ 1990 ኣትሒዛ ሓንቲ ካብተን ክልተ ዝጸዓቓ ናይ ኮንተይነር ወደባት፣ ካብ ክፍሊ ዓለም ኤሽያ ዝዓበየ ጽልዋ ዘለዋ፣ ካብ ዓለም ድማ ራብዐይቲ ከተማ ኮይና ብኣድናቖት ትጥቀስ ሃገር እያ። … ናእዳ ናይቲ ኣብ ኣህጉራዊ ንግድን ኣገልግሎታትን ዝተመርኮሰ ቁጠባዊ ዓወታታ መወዳእታ የብሉን።  ልዕሊ ኹሉ ዝዓጅብ፣ 84 % ህዝባ ኣብ ሃገራዊ መንግስቱ፣ 85 % ከኣ ኣብ ኣብያተ ፍርድን ስርዓተ ሕግን ‘ታ ሃገር ዘለዎ እምነት ብድምጹ ምርግጋጹ እዩ።

ሓደ ካብ ቀንዲ ረቛሒ ዓወት ናይዛ ብመጠን ምንኣሳ ኣዝዩ ዓቢ ናይ ቋንቋን ባህልን ብዙሕነት ዘለዋ፣ 5.5 ሚልዮን ህዝባ ኣብ ቡድሃ፣ ክርስትና፣ ምስልምና ከምኡ ሂንዱ ዝኣመሰሉ ልዕሊ ሓሙሽተ ሃይማኖታት ዝኣምን ሃገር፣ ካብ ሃይማኖት ነጻ ዝኾነ ብዙሕነት ዘኽብር ስርዓተ መንግስቲ ክትተክል ምብቅዓ እዩ።

ንሕና እዞም ክልተ ሃይማኖታዊ እምነታት ጥራይ ዘለና ኤርትራውያን፣ ከምቲ ናይ ሲንጋፖር ካብ ሃይማኖት ነጻ ዝኾነ፣ ኣብ ልዕልና ሕጊ እምነት ዘለዎ ራእይ እንተደኣ ኣማዕቢልና እምብኣር፣ ነዚ ብኣብነት ሲንጋፖር ነብሪ ኣፍሪቃ ክኸውን ተመባጺዑ ጭራ ኣፍሪቃ ኮይኑ ተሪፉ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ምቕያር ይኹን ኪኖኡ ቀጻልን ነባርን ፍታሕ ካብ ምርግጋጽ ዝዓግተና ኣይክህሉን እዩ።

ናብዚ ንምብጻሕ ግን፣ ካብቲ ክብ ኢልና ዝጠቐስናዮ፣ ኣብ ሃይማኖታዊ ወይ ኤትኒካዊ ፍልልያትና ተመርኵሱ ንሰሜንን ደቡብን ክመንዓና ዝከራኸር ዘሎ ጽልዋ ኣዕራብን ኢትዮጵያን ሓራ ኴንና፣ ነዚ ብቕልውላው መንነት ክግለጽ ዝከኣል ማንታ ኣተሓሳስባ ዝትክእ፣ ኣብ ግዝኣተ-ሕጊ ዝተመስረተ ሓባራዊ ሃገራዊ ኣተሓስስባ ከነማዕብል፣ ካብ ምጥርጣር ናብ ሕድሕድ ምትእምማን፣ ካብ ስግኣት ናብ ርእሰ ተኣማንነት ክብ ከንብል ኣለና።

እቲ ብኣዝዮም ውሑዳት መላገስቲ ዝዝውተር፣ ኣብ ክንዲ ንመጻኢ ዝኸውን ራእይን ውጥንን ሃሰው ምባል፣ ከም ገመል ምድረበዳ መጕስዕ ታሪኽ እናመለስካ ነገር ክትሓይኽ ምንባር መኣዛ የብሉን። ገድሊ ኤርትራ ብዙሕ ውረድ ደይብን ሕልኽላኽን ዝነበሮ፣ ካብ ጌጋታት ሓራ ዘይኮነ ቃልሲ እዩ። ሓሪኻ ናእዳ ሓሪኻ እገዳ ገዲፍና ግን፣ ኣብ መወዳእታ፣ እቲ ቃልሲ ነቲ ዘበገሶ ዕላማ ናጽነት ወቒዑ ብምህላዉ ስትራተጂካዊ ዓወት ምዃኑ ክንኣምነሉ ይግባእ። ካብኡ ሓሊፉ፣ ከም ዓንዲ ማእክል ናይቲ ጠፊኡና ዘሎ ሕድሕድ ምትእምማንን ሃገራዊ መንነትንን ደኣ ክንጥቀመሉ ኣለና ‘ምበር፣ ሕነ ናይቲ ዝዕምጸና ዘሎ ስርዓት ብስምዒት ከነባኽኖ ኣይግባእን።

ኣብ ውሽጢ ‘ዛ ኤርትራ እትብሃል ፖለቲካዊት ካርታ ዘሎ ህዝቢ፣ ሃይማኖቱ ናይ ብሕቲ ሃገር ግን ናይ ሓባር ምዃና ኣሚኑን፣ ብዙሕነት ሕድሕዱ ኣኽቢሩን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ብማዕርነትን ፍትሕን ምንባር ከም ራእይ ክሃርፎን ክቃለሰሉን ምእንቲ ኸኣ፣ እዞም ኣብ ወጻኢ እንነበር ዘለና ኤርትራውያን ብጭቡጥ ክንገብሮም ካብ ዘለና ዕማማት ሓደ፣ ነቲ ንዝኾነ ዓይነት ፍልልያት ዕድል ዘይህብ፣ ብንጡፍ ህዝባዊ ተሳታፍነት ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝካየድ ኣወዳድባ ብምዕዋት ህዝባዊ ምንቅስቓስ ምዕንባብ እዩ።

ኣብ መእተዊ ወስ ከምዘበልኩዎ፣ እዞም ኣብ ስደት እንነብር ኤርትራውያን ብቐሊሉ ህዝብና ዘይምርሳዕና፣ ናይ ስድራቤትን ህዝብን ሓልዮት ምዝውታርና ጸጋነቱ ኣብ ቦትኡ ኮይኑ፣ ከምቲ ሕማም ክፍውስ ዝውሰድ መድሃኒት ከይተረፈ ጎድናዊ ጽልዋ ወይ Side Effect ዘለዎ፣ ኣብ ክንዲ ከም ግለ-ሰባት ኣብ ንቕሓት ዝተመርኮሰ ነጻ መስመር ዝህልወና፣ ንጉጅለኣዊ ኣተሓሳስባ ‘ውን የቃልዓና ከይህሉ የሰክፍ እዩ። ሰብ ግን፣ ሰብ ምእንቲ ከይብሎ፣ ዘይኣምነሉ፣ ሕልናኡ ዝወቅስ ስጉምቲ ክወስድ ግቡእ ኣይኮነን። ብቕንዕና ምእንቲ ህዝቡን ሃገሩን ንጹር ራእይ፣ ጽኑዕ መትከል ክሳብ ዝሃለዎ፣ ደላዪ ፍትሒ ወይ ሃገራዊ ንምዃን ካብ ማንም ልቸንሳ ወይ ወረቐት ምስክር ክጽበ የብሉን። ንዘፍቅሮ ሕብረተሰብ ሰናይ ባህጊ ዘለዎ ዜጋ፣ ኣውንታዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝወሰዶ ምርጫ ከዐውት ብትብዓት ደው ክብለሉ ኣለዎ።

ኣብ መደምደምታ ክጠቕሶ ዝደሊ ኣገዳሲ ነጥቢ፣ ልክዕ ከምቲ ሕድሕድ ዘይምትእምማና ግዳማዊ ጽልዋ ከም ዘለዎ ዝዳህሰስናዮ፣ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ንነባሪ ሰላምን ራህዋን ተመንዩ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለሉ ናጽነት ብፍሹል ውልቀምልካዊ ምሕደራ ዘባኸኖ ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ‘ውን ኣብ ኤርትራ ብዝተኸተሎ ኣዕናዊ ፖሊሲ ነብሰ ቅትለት ፈጺሙ ኣብ ቃሬዛ-ውድቀት ተጋዲሙ ‘ኳ እንተሎ፣ ናይ ግዳም ረቛሕቲ ብዝልግሱሉ ዘለዉ ደገፍ ወይ ኢንፊዩዥን እዩ ዝጻናሕ ዘሎ። ካብቲ ቃሪዛ ሸተት ኢሉ ናብ መቓብሩ ከይወርድ ከም መጻንሒ ሃንቀው ዝብሎ ኣብ ናይ ወጻኢ ስጉምታት ዝምርኮስ ተስፋታት እዩ። ካብቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ሰብኣዊ ቅልውላው ፈሊፊሉ ብዝጎብአን ዘሎ ቀጻሊ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝሰንበዳ ሃገራት ኤውሮጳ ካብ ደብዳብ ስደተኛታት መታን ከዕርፋ ብስም ጽምዶ ገጽ ምሃበን፣ ኣህጉራዊ ኩባንያታት ዕደና ምዕራብን መንግስታተንን ማዕድናዊ ሃብቲ ኤርትራ ንምምዝማዝ ብስስዐ ተደሪኸን ዘይስነምግባራዊ ወፍሪ ምክያደን፣ ስዑዲ ዓረብ ኣብ የመንን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕርን ናይ ሺዓዊት ኢራን ጽልዋ ንምክልኻል ምሕዝነት ሱኒ መሪሓ ኣብ እትገብሮ ዘላ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ብዋጋ ወደብ ዓሰብን ደሴታት ኤርትራን ዝዓደጎ ደገፍ፣ ከምኡ ‘ውን ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዘለዎ ቅርሕንቲ ንምውጻእ፣ ብደገፍ ‘ታ ምስ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ተጠቃምነት ፈለግ ኒል ያታዊ ጽልኢ ዘለዋ ምስሪ፣ ኣብ ኤርትራ ዝመልመሎም ተቓወምቲ ኣዋፊሩ ንነዊሕ ዓመታት ከሳውሮ ዝጸንሐ ሕድሕዳዊ ግጭት ኣንፈት ምርካቡ ከም ኣብነት ናይዚ ጥፍሽናት ክጥቀስ ይከኣል። እቲ ስርዓት እምብኣር ካብዚ ብናይ ወጻኢ ድጎማ ዝረኽቦ ዘሎ መጻንሒ ሓሊፉ፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘምጽኦ ፖለቲካዊ ለውጢ ፍጹም የልቦን።

እምብኣር፣ ሃገርና ስኒት ህዝቢ ኣብ ምውሓስ ኮነ ቅኑዕ መንግስቲ ተኺላ ኣድማዒት ሃገር ምእንቲ ክትከውን ኣብ ውሽጣዊ ሓይላን ሰብኣዊ ዓቕማን ዘተኮረ ሓያል ራእይ ከተማዕብል ኣለዋ። እቲ ብኣብነት ዝጠቐስናዮ ዳርጋ ምሉእ ህዝባዊ ዕግበት ህዝቢ ሲንጋፖር ኣብ መንግስቱ፣ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ውሽጣዊ ዓቕሚ ዘድሃበ ሓያልን ጽኑዕን ራእይ ዝመንጨወ እዩ።

ኣብዚ ደጋጊመ ከስምረሉ ዝደሊ ነጥቢ፣ ነዚ እንጠቕሶ ዘለና ኣድማዕነት መሰረቱ ስኒት፣ ምትእምማን ህዝቢ እዩ። ውሑዳት ብግላዊ ረብሓታት ዝተደለሉ፣ ብጽልእን ቅርሕንትን ዝተመረዙ ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ንህዝቢ ኤርትራ ብሃይማኖት፣ ኣውራጃን ካልኦት ጸበብቲ ፍልልያትን ብምንቛት፣ ብዋጋ ህዝቢ ናይ ስልጣን ህርፋኖም ንምርዋይ ዘይሓለኑ ኣይኮኑን። ተመክሮ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘረጋግጾ ግን፣ ጸግዒ ኣብ ዝስኣነሉ ፈታኒ እዋን ‘ውን ከይተረፈ ሳላ ልቦኑኡን ዓቕሉን መሳርሒ ተበለጽቲ ክኸውን ኣይተራእየን።  ሕጂ ‘ውን ነዚ ጸጋ ‘ዚ ክንከናኸኖ ስለዘለና፣ ትካላዊ ረኺቡ ነባሪ ክኸውን ኢና ነልዕሎ ዘለና ‘ምበር፣ ሳላ ‘ዚ ውህሉል ልቦና ‘ዚ፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ እሳተጎመራ ከይነትጎሉ ዝፍራሕ ልሕሉሕ መላግቦ ዘይኮነ፣ ድልድል ሰናይ ጉርብትና ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ክኸውን ዓቢ ዕድል ዘለዎ ህዝቢ እዩ። ነዚ ዕድል ‘ዚ ናብ ክዉንነት ክንቅይሮ ግን ዕቱብ ጻዕሪ ከነካይድ ይግባእ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ;

ኮቨንትሪ ፣ ዓባይ ብሪጣንያ

3 መስከረም 2016

aseye.asena@gmail.com

Review overview
20 COMMENTS
  • Tesfazighi September 6, 2016

    The poor people of Coventry must be really so desperate to have used a lousy journalist called Amanuel Eyasu.
    This amatuer and lousy second hand journalist is not even highly educated or experienced politician but as in our tigrigna saying “ab Adi Ewurats baAl Hade Ayinu yinegis”, indeed.
    He can’t even change the same old Oxfam – Charity shop’s recycled second hand cloths ofworn out suit and a tie. I wish next time around the youth of Coventry or of anywhere else get a professional and credible speaker. DIA evolved into what he is because there was no meaningful voice to check and balance him with so many lousyand boot licking journalists. Last, I hope after hearing Amanuel the poor Eritrean youths are not more confused & lost.

    • Adonay September 7, 2016

      Ha Ha Ha tesfasghi,
      mskinay. Better think before you write. It is also good to read what you write. This guy Ema is cool, dude! tese jufjuf get a life. You smelling of envy and all that shit, man! You really jealous of him, hah? Pity pity..

    • Nur September 7, 2016

      tesfasghi,
      You are a 11 year old boy. You are talking about
      “He can’t even change the same old Oxfam – Charity shop’s recycled second hand cloths ofworn out suit”? He cannot change them asshole because he has other important things to worry about. Also he is not a thief and a cheat like you. Remember: his clothes may be old but his brain is as sharp as lightening. You get that? I doubt that. Because you are brain dead. You are in a coma. tesfazighi dinki. naaka men khafrelka yu. mekuatsrti. ms beal nska dina 5 million nbhal. aye nabra

  • Kaleb K. September 7, 2016

    K.tewelde,
    Don’t get me wrong when I say your comments say it all. It is good that you kept on posting your comments. Because now I have a clearer idea of what kind of person you are. I actually wouldn’t consult wedi hagher nor would I trust his judgement because he acts like a lunatic whenever islam or jebha are mentioned. Every time someone responds to his comments (poor wedi hagher) he tries to pin them to some or other fanatic or his look alike (a christian extremist) of his own caliber. I have no reason to insult Seraye my friend. I am a proud Seraye myself. I have no reason to insult anybody for that matter. By the way, it is good that you guys are trying your own medicine. You think the poor guy called Assena deserves to be insulted by morons like you? You probably think he would not be able to defend himself when he is strong enough to do what he does? You are slaves from another era. Liberate yourselves before you call yourselves opposition.

  • Nur September 7, 2016

    Brilliant as ever! What I love about this guy is what he says makes real sense. Thank you nebsi neger. Keep up the good work!

POST A COMMENT