Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ግዜ ሓዘን ጓይላ: ዓገብ!

ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ኣማኢት ኤርትራውያን ኣብ ሜዲተራንያን ከምዝሃለቁ ኣብ ማዕከናት ዜና ተኸታቲልናዮ ኣሎና። እዚ ኣስቃቂ ተረኽቦ እዚ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ መንግስቲ ድማ ብፍላይ ንስድራ መወቲ ብግቡእ ክርድኡ፡ ደበስ ክድበሱ፡ ሬሳ ደቆም

ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ኣማኢት ኤርትራውያን ኣብ ሜዲተራንያን ከምዝሃለቁ ኣብ ማዕከናት ዜና ተኸታቲልናዮ ኣሎና። እዚ ኣስቃቂ ተረኽቦ እዚ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ መንግስቲ ድማ ብፍላይ ንስድራ መወቲ ብግቡእ ክርድኡ፡ ደበስ ክድበሱ፡ ሬሳ ደቆም ንቡር ቀብሪ ክረክብ: ሃገራዊ መዓልታት ሓዘን ክእውጅ ሓላፍነት ኣለዎ። ናይ ኤርትራ ግና በንጻሩ እዩ። ሬድዮን ቲቪን ኩሉ ዓለም ብዛዕባ እዚ ክዛረባ ከለዋ፡ ቲቪ ኤረ ትኹን ድምጽ ሓፋሽ ነዞም ኤርትራውያን ከም ዜጋታት ክእመናሎም ከማን ኣይደለያን። “ዘይሕጋውያን ስደተኛታት” ክብላ እየን ገሊጸንኦም። እዚ ድማ መርኣያ መንግስቲ ንዜጋታቱ ዘለዎ ክቱር ንዕቀት እዩ።

ንሕና ኤርትራውያን ክቡር ባህሊ ኣሎና። ጎረቤትና ክሓዝን ከሎ ሓቢርና ንሓዝን፡ መቅርብና ክሕጎስ ከሎ ድማ ሓቢርና ንሕጎስን ንዕልልንን። ኣማኢት ኤርትራውያን ስድራቤታት ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ከቢድ ሓዘን ይርከባ ኣለዋ። ኩሉ ኤርትራዊ ድማ ተሳታፊ ናይዚ ሓዘን ክኸውን ይግባእ።

ብምኽንያት ናጽነት ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ወጋሕ ትበል ለይቲ መደብ ተዳልዩ ከምዘሎ ሰሚዕናዮ ኣሎና። ናጽነት ኤርትራ ብኽቡር ብሕይወት ኣሽሓት ደቃ እያ ተረኺባ። እዚ መስዋእቲ ድማ ዜጋታታ እተኽብር ሃገር ንምህናጽ ድኣ እምበር ዜጋታታ እተሕስርን እተዋርድን ኤርትራ ንምትካል ኣይነበረን።

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ): ዝኾነ ኤርትራዊ ኣብዚ ተዳልዩ ዘሎ ጓይላ ከይሳተፍ ብትሕትና ይሓትት። እዋኑ እዋን ሓዘንን እህህታን እምበር፡ እዋን ሳዕስዒትን ዝላን ዳንኬራን ኣይኮነን።

ንስድራቤት መወቲ ድማ ጽንዓት ይሃብ!

 

ኤምዲሰመ

22 ግንቦት 2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • rezen May 22, 2015

    ጽብቕ ምኽሪ፥ ካብልቢ ዝሰምዓኩም ኣንተረኺብኩም።

  • Simon G. May 22, 2015

    ኣሜን!

  • Yodit May 23, 2015

    I hope every body (All real Eritrean’s)are not happy with the death of thier brothers and sisters.I feel it not time to dance. It it time to boycott this kind of celebration. Enough is enough .

  • debesay May 24, 2015

    Disgraced people love dancing.how can our problem end ,how can God lisen our pray.by natural and moral laws people who dont have supper mental and make behavoural change ever and never bring politacal,social and economical change.we are so embraced by our people.while we have dead bodies still in the sea and our people have and pass hard life,how can dance.I am sure all we eritreans ,we dont know what the definition of freedom and indpendence mean.for us indpendence means dancing, and it means to us freedom is only deserve for land and waterbodies.we dont haveany clue of justis, freedom of life ,freedom of movement, rights etc.believe or not we still not get our indpendence.Even we opposition parties celebrate and say our indpendence .but still we are dependent people.we live in different refigee camps in thausands number in other countries,we still flee to western coutries .so is that our indpendence.we are colonized by brutal and savage mafiya groups .

POST A COMMENT