Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን – ውልቃዊ ትዕዝብቲ – ታደሰ ኪዳነ (በርሚንግሃም) – መበል 15 ክፋል

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን ውልቃዊ ትዕዝብቲ ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም                      መበል 15 ክፋል         15/12/2013   ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን

ውልቃዊ ትዕዝብቲ

ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም

                     መበል 15 ክፋል         15/12/2013

 

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተዘርበሉ መሊሱ ክገድድ እምበር፣ ትም ምባልና ዘምጽኦ ፍታሕ የለን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ።

 

ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።

 

ኣብ መበል 14 ክፋል በዚ ዝስዕብ ኢየ ተፋንየኩም …

 

“እቶም ሃገር ዘውሓሱ መኮነናትን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ‘ዝነበረና ድኽመታት ገምጋም ንግበረሉ’ ምስ በሉ፣ እቶም ብዓድን ዓውድን ክኣኻኽቦም ዝጸንሐ፣ ልዕሊ ክብሪ ሃገር፣ ክብሪ ውልቀ-ሰብ ዘገድሶም መኮነናት ኣብ ጎድኑ ኣሰሊፉ፣ ነቲ ቅኑዕን ሕጋውን ሕቶ ደቚሱዎ። እቶም ሓለፋ ብጾቶም ስልጣን ዝተዓደሉ መኮነናት ዑቕባ ኮይኖሞ። በቲ ንሓለቓኦም ዝገበርዎ ጉንዖ ድማ ሎሚ ናብ ጎይቶት ተቐይሮም ንርእዮም ኣለና። እቶም ልዕሊ ትእዛዝ ፕረዚደንት ክብሪ ሃገር ዘቐደሙን፣ ሃገር ዘውሓሱን መኮነናትን ሓለፍትን ብክሕደት ሃገር ተኸሲሶም፣ ተሃዲኖምን ይህደኑን ኣለዉ። እታ ንዓመታት ክሰርሓላ ዝጸንሐ ፖሊሲ ድማ ካብ ሞትን ተሓታትነትን ኣድሒናቶ። ኩሉ’ቲ በደላት ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ተፈጺሙ። በዚ ከኣ ኢየ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ተመክሮ ክመሃር ኣለዎ ዝበልኩ።

 

ብዛዕባ ፍሽለት ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ተዛሪብካ፣ ነቲ ተኸዲኑዎ ዝጸንሐ ካባ ዝቐንጠጠ ናይ ዶብ ኲናት ከየልዓልካ ምሕላፍ ስለ ዘይከኣል፣ ብዛዕባ’ቲ ብኢደ-ወነኑ ምስ ኢትዮጵያ ዝወለዖ ኲናት፣ ምስ ብቕዓት ናይቲ ወታደራዊ እዚ ኣዛሚደ ቁሩብ ክዛረብ ጽቡቕ ይመስለኒ።”

መቐጸልትኡ ድማ ይቕጽል …

 

ጉልባብ ፕረዚደንት ዝቐንጠጠ ናይ ዶብ ኲናት

ፕረዚደንት ብዛዕባ ዕላማን ውጽኢትን ናይቲ ኲናት ክዛረብ ከሎ፣ ነንሕድሕዱ ዝጋጮን ዝዋቓዕን መግለጺ ኢዩ ሂቡ። ‘ወያኔ ነቲ ኲናት ዘበገሰ፣ ኣብ ኤርትራ ከም ድላዩ ዝዝውሮን ዝእዝዞን መንግስቲ ንምትካል ኢዩ’ ክብል ጸኒሑ፣ ግምጥል ኢሉ ድማ፣ ‘ኣስመራ ኣትዩ ታንክታትን ወታደራዊ መካይንን ሰሪዑ፣ ጥሩምባ እናሃረመ ብዓወት ንምምላስ ኢዩ’ ኢሉና። ‘ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሞራልን መንነትን ንምድቛስ ኢዩ’ ክብል’ውን ሰሚዕናዮ። ብዛዕባ ውጽኢት ናይቲ ኲናት ክገልጽ ከሎ ድማ ‘ኢትዮጵያ መሬትና ሒዛ ኣላ፣ ዶብና ከይተሓንጸጸ ሰላም ክህሉ ኣይኮነን’ ክብል ጸኒሑ፣ ግምጥል ኢሉ ‘ጉዳይ ዶብ ተወዲኡ ኢዩ፣ ሕጋዊ መዕለቢ ስለ ዝተገብረሉ ብዛዕብኡ ምዝራብ ትርጉም የብሉን’ ኢሉና። እዚ ከኣ መርኣያ ናይቲ ዘይርጉእ መንፈሱን ፖለቲካዊ ጥፍሽንኡን ኢዩ። ርእይቶን ትዕዝብትን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ግን ካብዚ ፕረዚደንት ዝሃቦ ተዛባዒ መደረታት ኣዝዩ ዝተፈልየ ኢዩ።

እቲ ምስዚ ተኣሳሲሩ ዝመጽእ ሕቶ፣ ኲናት ምስ ተጀመረ ኣብ ውሽጢ’ቲ ወታደራዊ ኣመራርሓ ዝተራእየ ዘይብቕዓት ኢዩ። ፕረዚደንትን መሰልቱን ብሚሐ እናመመዩ ናብቲ ወታደራዊ እዚ ከደይብዎም ዝጸንሑ ጀነራላት፣ ‘ንዝተዋህቦም ሃገራዊ ሓላፍነት ብብቕዓት ሰሪሖሙሉ’ዶ’ ዝብል ኢዩ። ብወገነይ ‘ኣይፋሎምን’ እብል። ነዚ ዘረጋግጽ ሰለስት ኣብነታት ከቕርብ ኢየ።

 

  1. ኣብ ታሪኽ ህዝባዊ ግምባር፣ ቦታ ምሓዝን ምግዳፍን ሓድሽ ኣይኮነን። ኣብ 1978 ሰራዊት ህዝባዊ ግምባር ካብ ብሎኮታት ዓዲቀይሕን ጎቦታት ግርሁ ስርናይን ክሳብ ናቕፋ ኣዝሊቑ ኢዩ። ጸላኢ ነዚ ኩሉ ቦታታት ክቆጻጸር ከሎ፣ መሬት ብምሓዙ ጥራሕ ተሓጒሱን ጨዲሩን’ኳ እንተኾነ፣ ብዙሕ ክፋል ሰራዊቱ ተደምሲሱን ብዙሕ ካብ ንብረቱ ድማ ተሰሊቡን ዓንዩን ኢዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ሞራል ሰራዊቱ ባይታ ዘቢጡ ነይሩ።

 

ብኣንጻሩ ኣብቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዝተኻየደ ናይ ዶብ ኲናት ዝወረደ ክሳራን ፍሽለት ኣመራርሓን ግን፣ ኣብ ወታደራዊ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ መማዝንቲ የብሉን። ንኣብነት ኣብቲ ብ12 ግምቦት 2000 ዝጀመረ፣ ብስም 3ይ ወራር ዝተኻየደ ውግእ ጥራይ፣ እቲ ኣብ ግምባር መረብ ሰቲት ዝነበረ ሰራዊት ኤርትራ፣ ብዙሕ ክፋል ስንቁን ተዓጢቑዎ ዝነበረ ከበድቲ ኣጽዋሩን ኣረኪቡ ምውጽኡ፣ ምሉእ ብምሉእ ፍሽለት ናይቲ ዝነበረ ወታደራዊ ኣመራርሓ ኢዩ። እቲ ሰራዊት በቶም ጉድለታቶም ንደገ ከይወጽእ ነንሕድሕዶም ዝሸፋፈኑን፣ ሓደ ነቲ ካልእ ኣሕሊፉ ከይህብ ዝተማሓሓሉን መኮነናት ዝተዓብለለ ኣመራርሓ ኢዩ ነይሩዎ። ወያኔ ጀነራላት ደርግ ነበር ከይተረፊ ከሰልፍ ከሎ፣ ህግደፍ ግን ንገለ ካብቶም ምኩራት መራሕቲ ውግእ ካብ ስራሕ ወጻኢ ገይሩዎም፣ ወይ ድማ ትእዛዝ ናይቶም ፍሽለቱ ዝሽፍኑ ትሕት ዝበለ ዓቕሚ ዝነበሮም መኮነናት ከም  ዝቕበሉ ገይሩ።

 

ነዚ ክብ ኢለ ክዝርዝሮ ዝጸናሕኩ ብንጹር ዘብርህ ናይ ክልተ ገዳይም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ርእይቶ ከቕርብ ጽቡቕ ይመስለኒ። ኮሎኔል ተስፋገብሪኤል እምባየ (ሕፉን) “ሓደ ካብቲ ዘሕመካ” ኢሉ ብምጅማር፦

 

“እቲ ኲናት ምስ ኩሉ ጸገማቱን ኣተሓሕዝኡን…  ንሕና ሓንቲ መዓልቲ ተበግሶ ወሲድና ኣይንፈልጥን ኢና። ብወታደራዊ ዓይኒ ክረአ ከሎ፣ ንሱ ሓደ ካብቲ ናይ ስትራተጂ ጌጋ ኢዩ። እቶም ምኩራት ዝበሃሉ ደስኪሎም ኢዮም፣ ነቲ ኲናት ዝመርሕ ዝነበረ ኢሰያስ ኢዩ። ኢሰያስ ሓላፊ ወታደራዊ ኣዛዚ ምኒስትሪ ምክልኻል ኮይኑ፣ ወዲ ኤፍረም ከኣ ሓለቓ-ስታፍ ናቱ ነይሩ” ድሕሪ ምባል ኢሰያስ ዝኾነ ወታደራዊ ተመክሮ ከም ዘይነበሮ ይገልጽ።

      (ቃል ሌ/ኮ/ል ተስፋገብሪኤል እምባየ – ሕፉን – you tube 16/ 07/ 2012)

 

ብተመሳሳሊ መንገዲ፣ ኣባል ናይታ ሚስጢራዊት ሰልፊ ዝነበረ ተጋዳላይ የማነ ተኽለገርግስ’ውን ከምዚ ክብል ንሬድዮ ወጋሕታ ቃሉ ሂቡ፣-

   “ድሕሪ መስዋእቲ ኢብራሂም ዓፋ ኲናት ዝመርሑ ዝነበሩ ጴጥሮስ ሰለሞንን ዑቕበ ኣብርሃን ኢዮም። ኣብ ምፍራስ ናደው ነቲ ውግእ ዝመርሕ ዝነበረ ድማ መስፍን ሓጎስ ኢዩ።”

… ቃል ገዲም ተጋዳላይ የማነ ተኽለገርግስ፣ ምስ ሬድዮ ወጋሕታ 7ይ ክፋል

 

ሰለስቲኦም ድማ፣ ሃገር ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፣ ካብቲ ወታደራዊ እዚታት ተገሊሎም ነይሮም። ኣብ ምዝዛም ናይቲ ኲናት፣ ኣብ ኣተሓሕዛ ናይቲ ኲናት ንፕረዚደንት ዝነቐፉን፣ ክልተ ካብኣቶም ብትእዛዝ ፕረዚደንት ተኣሲሮም ሃለዋቶም ዘይፍለጥን ኢዮም።

 

  1. እቲ ካልኣይ ነጥቢ፣ እቲ ኣንጻርና ዝዋጋእ ዝነበረ ወያነ’ኸ፣ ብዛዕባ’ቲ ኲናት ዝሃቦ ገምጋም እንታይ ይመስል? ዝብል ኢዩ። ዳርጋ ኩሎም መኮነናት ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ወታደራቶምን ‘ተዓጻጻፊ’ ኣሰራርሓኦምን ዝንየቱ’ኳ እንተኾኑ፣ ብቐንዱ ግን ወታደራዊ እዚ ኤርትራ ምስቲ ናይ ህዝባዊ ግምባር ዝዳረግ ወታደራዊ ብቕዓት ኣይነበሮምን። ንሳቶም ነቲ ኣብ ህዝባዊ ግምባር ዝነበሮም ቅዲ-ኲናት ከም ዘለዎ ክጥቀምሉ ይፍትኑ ነይሮም” ይብሉ። ብዛዕባ ተወፋይነት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ናይ ሰራዊት ኤርትራ ክገልጹ ከለዉ ድማ፣ “ምስ ክውንነት ዘይከይድ ትእዛዝ ይህቡ፣ ኩነታት ክብድ ክብል ከሎ ድማ፣ ነቲ ሰራዊት ‘እቶ’ ዝብል ትእዛዝ ሂቦም፣ ንባዕሎም ዝሃድሙ ኢዮም ነይሮም” ይብሉ። ንኣብነት ሓደ ‘ኣብ ወታደራዊ ስለያ ኢትዮጵያ እሰርሕ ነይረ’ ዝበለ መኮነን፣ ንሓንቲ ፍጻሜ ጠቒሱ፣ ከምዚ ክብል ጽሒፉ ነይሩ፦

     “… ሓደ ንረዳት ዝተላእከ መራሕ ብርጌድ፣ ኣሃድኡ መሪሑ ናብቲ ግምባር እናኸደ ከሎ፣ ወታደራትና (ወታደራት ኢትዮጵያ ማለቱ ኢዩ) ንቕድሚት ናብ ባረንቱ ገጾም ፋሕ ኢሎም ክጎዩ ምስ ረኣየ፣ ዝሃድሙ ዘለዉ ብጾቱ መሲሉዎ ‘ተመለስ’ እናበለ ናብኦም ገጹ ጎይዩ። ኣብ ጥቕኦም ምስ ቀረበ ኢዱ ክህብ ምስ ሓተትዎ፣ ኩነታቱ ደንጽይዎ፣ ‘ብጾትና ናበይ ከይዶም?’ ክብል ሓቲቱዎም። … እቲ መራሕ ብርጌድ ካብቲ ቅድም ዝፈልጦ ድፋዓት ርሒቑ ስለ ዝነበረን፣ ብሓለፍቱ ድማ ረዳት ክኸይድ እምበር፣ እቲ ዝነበረ ሓድሽ ምቅይያራት ስለ ዘይተነግሮን ኢዩ ተዛንዩ ከሎ፣ ኣብ ከምዚ ዝበለ ሽግር ዝኣተወ” ይብል።

 

እዚ ኣበሃህላ’ዚ ብሓደ ናይ ጸላኢ መኮነን ዝተጻሕፈ ስለዝኾነ፣ ምግናን ክህልዎን ከይእመንን ይኽእል ይኸውን። ብዙሓት ኣብቲ ኲናት ብኣካል ዝነበሩ፣ ሕጂ ብሂወት ዘለዉ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ዝነበሩ መንእሰያት ዘዕልልዎ ዕላል ግን፣ ኣቀራርብኡ ጥራይ ኢዩ ዝፈላለ’ምበር፣ ካብዚ መግለጺ’ዚ ዝርሕቕ ኣይኮነን። ኣብቲ ኲናት ዝተራእየ ፍሽለት ኣመራርሓ እምበኣር፣ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን። ‘ናይዚ ፍሽለት’ዚ ተሓታቲ’ኸ መን’ዩ?’ ዝብል ሕቶ ግን መልሲ የብሉን።

 

  1. ነዚ ዝመሳሰል ካልእ ኣብነት’ውን ኣሎ። እቲ ኲናት ተወዲኡ ናይ ሰላም  ውዕል ምስ ተፈረመ፣ ሰለስተ ካብ ሓለፍቲ ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ኣዳራሽ ከተማ መንደፈራ፣ ንሲቪል ሰራሕተኛታት መንግስቲ (ተጋደልትን በርገስን) ብሓባር ኣኼባ ኣካይዶም ነይሮም። ካብ መግለጺኦም ከም ዝተረዳእኩዎ፣ ዕላማ ናይቲ ኣኼባ፣ ገምጋም ናይቲ ኲናት ንምቕራብን፣ ነቲ ኣብ ህዝቢ ዝነበረ ነድሪ ንምድዕዓስን ኢዩ ይመስል። ኣብቲ ኣኼባ ናተይን ናይ ብዙሓት ካልኦት ሰባትን ኣቓልቦ ዝሰሓበት ርእይቶ ነይራ። ሓደ ሰብ ካብ ማእከል’ቲ ህዝቢ ኢዱ ዊጥ ኣቢሉ ምስ ተፈቕደሉ፣ ከምዚ ክብል ተዛሪቡ።

“ኣነ ኣባል ወታደራዊ ስለያ ኢየ። 3ይ ወራር ቅድሚ ምጅማሩ፣ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ፣ ‘ጸላኢ ኣርባዓ ሽሕ (40,000) ኣድገ-በቕሊ ጽዒኑ፣ ናብ ትኹል ገጹ ይግስግስ ከምዘሎ፣ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ናይቲ ግምባር ኣዘዝቲ ደጋጊምና ሓቢርናዮም ኢና። እቶም ሓለፍቲ ግን ክሰትዩን መኽሰብ ናይቲ ከፊቶምዎ ዝነበሩ ድኳናት ክጽብጽቡን፣ ንዝሃብናዮም ሓበሬታ ኣይተገደስሉን…” ይብል። (ብትኹል ዝኣተወ ሰራዊት ወያኔ፣ ንመስመር መንደፈራ ባረንቱ ኣብ ሞልቂ በቲኩ ዓጽዩዎ ነይሩ ኢዩ።)

 

እቲ ከም በዓል ዓሊ ኢብራሂምን የማነ በርሀን ዝኣመሰሉ ሓለፍቲ ኣቐዲሙ ዝኸሰረ፣ ከም በዓል ጴጥሮስ ሰለሞን፣ ዑቕበ ኣብርሃ፣ ብርሃነ ገረዝጊሀርን መስፍን ሓጎስን ዝኣመሰሉ ምኩራት ሓለፍቲ፣ ብሂወቶም ከለዉ ኣገልግሎቶም ዝተነፍጎ፣ እቶም ኣብ ውሽጡ ዝነበሩ ምኩራት ሓለፍቲ ድማ፣ ትሑት ብቕዓት ብዝነበሮምን ነብሶም ዝፈትዉን ሓለፍቲ ተጸቒጦም፣ ርእሶም ኣድኒኖም ክኸዱ ዝተዓዘበ ሰራዊት እምበኣር፣ ኣብ ክንዲ ንጡፍ ተዋሳኢ ዝኸውን፣ ልኡም ተቐባሊ ትእዛዝ ናብ ምዃን ተለዊጡ ኢዩ። ኣብኡ’ውን ኣየብቀዐን። ካብ ልኡም ተቐባሊ ትእዛዝ ድማ ናብ ነብሱ ዘይውንን፣ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክጣበቕ ዘይክእል ጊላ ተቐይሩ።

 

እቲ ዝገርም ካብ ኩሎም ነቲ ግምባራት ዘወሃህዱ ዝነበሩ፣ ነንሕድሕዶም ዝቀራረቡ ላዕለዎት መኮነናትን ፕረዚደንት ባዕሉን፣ ዋላ ሓደ ሓላፍነት ናይቲ ፍሽለት ዝወሰደ ሰብ ዘይምንባሩ ኢዩ። ብኣንጻሩ ኣብ ኣመራርሓ ናይቲ ኲናት ኢድ ዘይነበሮም ‘ድኽመታትና ንገምግም’ ዝበሉ ሰበ-ስልጣን፣ ብዘይፈጸምዎ ገበን ክሕተቱ ተዓዚብና። ጉድለታቶም ንግዳም ከይወጽእ ዝዓብጡን ዝሰታተሩን፣ ብስጋን ዓድን ዝቀራረቡ ደቂ ሓደ ከባቢን ንሶም ዝሓረይዎም ሰባትን፣ ብጻዕቂ ኣብ ቀንዲ ሓላፍነት ምቕማጥ እምበኣር፣ ንረብሓ ብምሉኡ’ቲ ህዝብን ረብሓ ሃገርን ዝዘርግ ምዃኑ ካብዚ ንላዕሊ መረጋገጺ ዘድልየና ኣይኮነን። ንሳቶም ንዝኾነ ኣብ ውሽጦም ዝፍጸም ጌጋታት ክዓብጥዎ ኢዮም ዝፍትኑ። እቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ጉድለታት ኣብ ህዝቢ ከዛርብ እንተጀሚሩ ድማ፣ ካልኦት ኣብቲ ጉዳይ ኣፍልጦ ዘይብሎም ንጹሃት ሰባት ‘ተሓተቲ’ ይገብርዎምን ይኹንንዎምን። ከም ውጽኢቱ ድማ፣ ህግደፍ ቀተልትን ገበነኛታትን፣ ንንጹሃትን ውፉያትን ሃገራውያን እናኸሰሱ፣ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ጎዳጉዲ ከም ዝበልዩ ዝገብርሉ ስርዓት ኮይኑ ኣሎ። ሓደ ካብቲ ንነዊሕ ክስርሓሉ ዝጸንሐ፣ በሰላታት ኣውራጃዊ ፖለቲካ ድማ እዚ ኢዩ።

 

ካብዚ ተበጊሰ ድማ ነቶም ዕምሪ ህግደፍ ንምንዋሕ ዝሰርሑ ዘለዉ ደገፍቱን፣ ንኣወዳድባ ደምበ ተቓውሞን ዝምልከት ሕጽር ዝበለ ርእይቶ ከቕርብ ኢየ።

ብእኡ ድማ ነዚ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ብክፋላት ተመቓቒሉ ክጸሓፍ ዝጸንሐ ውልቃዊ ትዕዝብተይ ከብቅዕ ኢዩ።

 

…..  ይቕጽል

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
23 COMMENTS
  • Kabbire December 15, 2013

    The 5 Poorest Countries in the World

    by Dan Carroll, The Motley Fool Dec 14th 2013

    Eritrea is the fourth poorest in the world

    “4: Eritrea, $705 GDP per capita

    War-torn East African Eritrea has had its share of violence just like Liberia, but unlike the fifth-ranked member on our list, only rumors about Eritrea’s natural resources have sprung up. Major energy and materials companies haven’t moved into this country, which saw its economy slugged by war with neighboring Ethiopia to start the millennium. It hasn’t gotten much better for the Eritrean people since, as allegations of government corruption and abuse have turned the country into a top global producer of fleeing refugees, according to United Nations investigations.

    Unlike Liberia, the situation here isn’t likely to get much better fast — for either Eritreans or global companies with African ambitions, such as aforementioned ExxonMobil and PetroChina. With Eritrea’s oil and energy situation a virtual unknown and little in the way of economic or political stability, this is a country stuck in a rut. The IMF estimates that Eritrea’s per-capita GDP adjusted for purchasing power parity will grow only around 1.7% between 2013 and 2018, a mark that will lead to the nation being ranked as the second-poorest country in the world by that time.”

    Source: http://www.dailyfinance.com/2013/12/14/the-5-poorest-countries-in-the-world/?a_dgi=aolshare_facebook

  • Selam December 16, 2013

    Interesting article as usual and thank you Mr. Kidane.

  • tes December 16, 2013

    I like what I read.so deep beyond my knowledge.ur follower 24 hours every day.

  • Tes December 16, 2013

    Wonderful as usual. Thank you brother.

  • ERITRAWIT December 16, 2013

    Dear Tadese,
    I just wonder how many Deky hager been killed by Isaias and his useless Generals? they don’t even feel shame to blame others well we know the difference between hzbawey gnbar and hgdef gohaf sheyetey seb.

  • Thomas December 16, 2013

    Dear Tadese:

    I have followed your successive articles. It is good historical observation from your experience. I do really respect that. The times you and your thousands of colleague have spent for the good of the society brought us independence. I have just one idea/and question. It is very important how you will finish your article. Try to nail dawn the most important points. What we can learn from our mistakes and above all it is few gangs who are the designers, beneficiaries and finally responsible for the obvious dominance of military leaders in Eritrean defence force. But I have got this straight question to you. I really need straight answer in front of all eritreans. I can conclude from your article that the military generals are from specific area (presumably Hamassien), my colleague in asmara told me that majority of top Security officials are from Akeleguzay like Abraha kasa, Simon Woldedingle, Tesfalidet Habtesselasie, to mention but few. So can you share as your observation? Surely as you have studied who is who for long time, I hope the information I gave is not news to you. I really appreciate your work on the articles and hope you will answer my question.

    • kidane December 17, 2013

      Thomas wala tadese sirah albo kitkono allekom nizi kitsifu gize zelekum.awraga swraga awraga .shame on you.

    • tadesse kidane December 17, 2013

      Dear Thomas.
      I think your question is answered in part 12. please read it again. I hope you will find some clues. you may not pleased by it.
      if you want more information. please read a book written by DAN BROWN. Its title is “DIGITAL FORTRESS” I am sure you will understand how security agencies work especially in governments like Iseyas.

      Tadesse

      • thomas December 17, 2013

        Dear Tadesse

        I have read again part 12 but it doesn’t have an answer for my ‘National Security personnel from one region question’. Can you answer to this question as yes or no please? The question to rephrase is this:

        majority of military leaders are designed to be from Hamasien (according to your information) so is that true that majority of National Security leaders (like Abraha kasa, Simon Woldedingle, Tesfalidet Habtesselasie,to name but few) are designed to be from Akeleguzai?

        With respect

        Thomas

  • oromay December 16, 2013

    Mr. Taddesse, please try to compile these articles in book form. I didnot go through all your intetesting and factual articles, but those I read werevery informative. Documenting the crimes committed yesterday again the Eritrean generation would be evidence-base reference for future. Keep up the good work.

  • yonas December 16, 2013

    Mr. Tadesse,
    I wish if you can continue exposing the evil acts of Isayas and Cos….What you have written in all your articles is the FACT and the TRUTH and that is the key problem in Eritrean politics besides Religion….We all know that the place called “Dgsa( a village near Segeneyti) has the highest martyrs in the armed struggle but yet we don’t see military commanders in that area….We know that there were plenty of gallant fighters from Akeleguzay during the early days of EPLF but all of them were liquidated and that clearly indicates EPLF was Regionalist…..So, please go on and expose them and the Hamassien people should learn some thing from that if they really want a peaceful Eritrea.Otherwise, ERitrea will be a HELL like Somalia.

    • kidane December 17, 2013

      Dikom awragawi.siwoat bota meswaetom aymeresun.denkoro bidewo zimote.

  • Mahta December 16, 2013

    Ato Taddese, I guess you are about to finish you articles. So who is to blame for all the failure?? Is it regionalism within the organization the mother of all the problems we are facing? Or is it the misguided system? In your own words, in your last article you tell us that, the reason why we lost the war is because Isays failed to use the experience of those highly experienced individuals, like Wedi Solomon and mesfen hagos( who they happen to be from hamassien). So what is that to do with awrajan beseletatun?? I think you are contradicting yourself. Therefore, though your articles consists lots of truth I don`t think the title you choose would fit with the volume you wrote!!

    • haile-ab December 17, 2013

      Mahta ትቀርጸካ ዘላ ሕማም ፈውሲ ኣናድየላ።ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዘሎ ኩነታት’ዩ ታደሰ ዝጸሃፎ፡ወዲ ሰሎሙን ምእሳሩን መስፍን ሃጎስ ተቓዋሚ ምዃኑውን ንርእዮ ዘሎና ዘይሕባእ ሃቂ’ዩ።ታደሰ ዝኾነ ሰብ ዝጥርጥሮ’ዩ ዝቐልዐ።ነዚ ከኣ ብካልእ ኣገባብ ገይርካ ክትሽፍኖ ኣይትፈትን።ምናልባት ወዲ ሰሎሙን በዚ ደቂ ሃደ ከባቢ ጥራሕ ጀነራላትን ላዕለዎት ሃለፍትን ምህላዎም ህጉስ ክኸውን ኣይክእልን።ዝኾነ ኮይኑ እቲ ጌጋ፡እቲ ብፍርሂ ተሃቒኑ ናብ ክእዘዝዎ ጥራሕ ኣቢሉ ብምድሃብ፡ብቤተሰብን ስልጣን ዘመራቐሓ ኢሳያስ ኢዩ ዝከሰስ።ቀጺሉ ከኣ ንሕማቕ ስራሑ ፡የኽፍእ ኣሎ፡ነዐርዮ ከይበሉ ስቕ ኢሎም ምቕባሎም እቶም ተጠቂሶም ዘለው ሰባት ዝሕመይሉ’ዩ፡ሳልሳይ ዝኸውን ዘሎ ዘይፈልጡ ዘመዶም ኮነረል ወዲ ኦኣዶም ጀነራል ብምህላው ኣብዚ ኣጸጋሚ ግዜ ንዘይፈልጡዋ ኣኤርትራ ሃገርና፡ከመይ ኢሉ ከምዝመጸ ዝኾነ ይኹን መጽናዕቲ ዘይብሎም መንግስትና ዝብሉ ከኣ ዝከፍ አ በደል’ዩ።እቲ ሳዕቤን ከኣ ሎሚ ለውጢ ኣብዘድሊ ኣዋን ህዝቢ ኣኤርትራ ደጋፍን ተቓዋምን ኮይኑ ኣሎ።እቲ ሽግር ነታ ናይ ኩላትና ሃገር ኣናበልዐ ከሎ፡ገለን ብመስዋእቲ ቀያሕቲ ዝመጸት ሃገር ትጥእፍእ ኣላ ክብሉ፡እቶም ብስጋ ምስ ሰበስልጣን ዚተኣሳሰሩ ከኣ ነቲ መንግስቲ ይከላከሉ።ስለዚ ታደሰ ዘቕረቦ ኣብነት እዝን እትን ዝበሃለሉ ኣይኮነን፡ንሱ ዘቕረቦ ተረዳዲእና ጸገምና ከይንፈትሕ ቀዳማይ ጸገም’ዩ ኣቕሪቡ።ንስኻ ድፋዕ ከይኮንካ፡ህዝቢ ከይሓብር ዝከልከል ክተልግሶን ፈውሲ ክተናድየሉ ጀምር’ምበር ካልእ ጓል መንገዲ ኣምጺእካ ክትወቅስ ኣይትፈትን።ካብ ወቐሳን ጸርፍን ነገራት ኣይሕባእን’ዩ።ሕማቕ ምስተኦኣረየ ጥራሕ’ዩ ነገራት ዝመሃየሽ።

      • Sarah December 18, 2013

        Mahta asked Tadesse a question and we expect Tadesse to answer. You are the one who is becoming ‘defae’. What Taddesse wrote is not something people did not know. Many DID know about all what Tadesses wrote. What Tadesse did was, he organised it in his own selective way. There is a lot of information missing and in this last part it sounds like he is analysing why we lost the war but the conclusion is unclear.
        Questions like
        1. Did we lose because DIA is unskilled of leading the war?
        2. Did we lose because the military officers from one region were not good enough?
        3. Did we lose because Petros and Ogbe Abraha were not there?
        HAVE TO BE ANSWERED.
        My friend, these are very serious questions because the war has taken many young lives and has broken many mothers’ hearts. Someone has to be responsible.

  • Almaz Gual Asmera December 16, 2013

    ተጋዳላይ ታደሰ ትሕዝቶ ጽሑፍካ ይኹን ውሕሉልን ውርጹጽን እቀራርባኻ ካብቶም መሪሕን ጥዋፍን ሕዝቢ ምዃንካ ንጹር እዩ። እቲ ሓቂ ግን ከኣ ብልቦና ተሰንዩ ስለዝቐረበ ነቶም ብኣውራጃዊ ስምዒት ተገሪሖም ብዘይግዙር ልሳኖም ሰባት ዘሰንብዱ ከይተረፈ ከንብብዎ እንተበቒዖም ኣዝዩ መሃሪ እዩ። ሰፊሑ ብመልክዕ መጽሓፍ ኪጽሓፍ እላቦ። ብዛዕባ ተመሳሳሊ ሕማም ናይ ንቓወም ኣሎና ዝብሉ እሕዋትና ከይነሓፍካ ክትምህረና እምሕጸን። ምኽንያቱ ብዓቐኑ እዩ ዝፋላለ እምበር ንተቓወምቲ ሰንፈላል ጌሩዎም ዘሎ ሓደ ዓይነት ሕማም እዩ። ድሒሩ ዝተበገሰ ናይ ብዓል ወዲ ቫካሮ፣ መራሕቲ ኃይማኖትን ስቪላውያን (ደረፍቲ ከም ብዓል ወኢ ትካቦ) ዝያዳ ህርመት ልቢ ዝረክብ ዘሎ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። እቲ ብፍልስፍና ዴሳውያን ተበጊሱ ንቑፅ ምትዕጽጻፍ ዝጎደሎ ቃልስን፣ ኣቢሉ ኣቢሉ ኸኣ ናብ ሻራን ሕኸኸኒ ኪሓከካ ዝዓልብ ምትእኽኻብ ፍረ ከምጽእ ኣይክእልን እዩ። ፍትሒ ሻራ ኣይተፍልጥን እያ፣ ስለ ፍትሒ ርትዒ እናገብርካ ምቕላስ ጥራሕ እዩ ለውጢ ዘምጽእ። እዚ ውዳሓንካ ቀጽል ተረፍ ስዉኣት ከማኻ ዘይከላኣና ኣምላኽ/ረቢ ድማ ምስጋና ይብጽሓዮ፣ ዕድመን ጥዕናን ይሃብካ።

POST A COMMENT