Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እንታይ ተረኽበ?

ጒንበት 30/2018 ብረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ህግደፍ መደረኻ ሰሚዕናዮ ናይ ለብዘበን ኣሕጽር አቢልካዮ ወያነ-ወያነ ገዲፍካዮ ጀማሚርካ ዲኻ ባይታ-ባይታ ዝተሓብአት እምኒ ከም ብርኲታ ከም ኣመልካ ክትጻወት ካርታ እንታይ ተርኽበ? ‘ተደለኻ ዓሻ ትጠባብር ‘ተደለኻ ኣንጊህካ ተዕገርግር እንታይ’ሞ ’ስኻ ዘይትገብር ‘ተደለኻ ነብስኻ ትጸርፍ ‘ተደለኻ ሃንደበት ተዕርፍ ናብ ቃሕ ዝበለካ ሕልፍ-ሕልፍ እንታይ ተርኽበ? መልሓስካ ረቒቑ ብወያነ እንታይ

ጒንበት 30/2018

ብረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ህግደፍ መደረኻ ሰሚዕናዮ

ናይ ለብዘበን ኣሕጽር አቢልካዮ

ወያነ-ወያነ ገዲፍካዮ

ጀማሚርካ ዲኻ ባይታ-ባይታ

ዝተሓብአት እምኒ ከም ብርኲታ

ከም ኣመልካ ክትጻወት ካርታ

እንታይ ተርኽበ?

‘ተደለኻ ዓሻ ትጠባብር

‘ተደለኻ ኣንጊህካ ተዕገርግር

እንታይ’ሞ ’ስኻ ዘይትገብር

‘ተደለኻ ነብስኻ ትጸርፍ

‘ተደለኻ ሃንደበት ተዕርፍ

ናብ ቃሕ ዝበለካ ሕልፍ-ሕልፍ

እንታይ ተርኽበ?

መልሓስካ ረቒቑ ብወያነ

እንታይ ድኣ ረኸብካ ለንቅነ

ሕሹዂ ናይ ውሻጠ ናይ ክሽነ

ተቐቢልካ ዲኻ ጋሻ ጸላም

ህግደፋዊት ዋህዮ ተለግራም

ገለስ ኣላትካ ኣንታ ጠላም

እንታይ ተረኽበ?

ወዮም ዓሳክርካ ገሪሙዎም

ኩሉ ነገር ሃንደበት ኮይኑዎም

ኣፎም ሒዞም ደርፊ ጠፊኡዎም

መዝሙር ደኾን ተቐይራ ዀይና

እንታይ ድኣ ዀይኑ ደንጒዩና

ከምታ ናቱ ስቕ ምባል ’ሕሸና

እንታይ ተረኽበ?

ተሸጊሮም ጠፊኡዎም ቂጡ

ኣካይዳ ሰይጣን ዘይፈለጡ

ኣእምሮኦም ንህግደፍ ዝሸጡ

ወያነ ክትብል ጒዳም ኣውሎ

ናይ በተኽስያን ዝጥዕም መደሎ

‘ዚኹሉ መለኸት ኣበይ ኣሎ

እንታይ ተረኽበ?

“ሳግላ ብላዕ ኣይትቕላዕ” ገርካያ

ንበይንኻ ምስጢር ውሒጥካያ

ሰለይ ምባል ግርም ክኢልካያ

ጠባይ ግበር ደኾን ተባሂልካ

ብየማነ ጸጋም ተኸቢቢካ

ንለንቅነ ሕራይ ተላሚድካ

እንታይ ተረኽበ?

ተኸርዲንካ ኢኻ ሎምስ ህግደፍ

ተፈሪድካ ብዂርማጅ ክትግረፍ

ወይ ሃዲምካ ምስ ደርጊ ክትስለፍ

ረድኢ ክፍላ (ባሻይ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Simon G. May 31, 2018

    Well ባሻይ!
    —————————
    ስለምንታይ ትግረም
    ብ ናይ ኤርትራ ነገር
    ኢሳያስ ሎሚ ድዩ ዝገማጠል ዘሎ
    ዶ ዋላስ ሓድሽ ኴኑካ ምምሕዳር ዓዲ ሓሎ
    —————————————–
    ንጉሆ ‘ተዛረቦ ፋዱስ ዘይደግሞ
    ናይ ወጋሕታ ዓርኩ ናይ ምሸት ዝጠልሞ
    ከም መሰረት ዘይብሉ ገዛ
    ተበታተኸ ቆርበት ዘንጽፍ ኣጎዛ
    ዘይመቀረ ጸብሒ ዘይብሉ መኣዛ
    ሆ ጥራይ በላ! በለን ተን ዝፈዘዛ
    ንሳተን በሃማት ሰቡኡተን ጨጓር ዳንጋ
    ክንደይባ ክብዕልጋ!

    ——ከላእ! ብላሽ————-
    ህግደፍ ምባል ንግደፎ
    ህግደፍ ኢሳያስ’ዩ ኢልና ንሕለፎ

    ስለምንታይ?
    ንሱ ኣካቢ ንሱ በታኒ
    ንሱ መካኒክ ንሱ ዓዳሊ ባኒ
    ንሱ ተዃቢ ንሱ ለማኒ
    መሬት ዘሪኡዋ ብሰብ እዝኒ

    ————ስለዚ———–

    ንሱ ዝበላ ትኸውን
    ንሱ ዘይበላ ትበንን
    ንሱ: ንሱ: ንሱ ንሱ…. ኩሉ ናቱ
    ህዝቢ ኤርትራ በደዉ ሞይቱ
    ——————————

    ይኣክል! በጃኻ ይኣክል
    ተኻኣልና ንቃለስ: ተዘይኮይኑ ትም ንበል
    ስጋዕ ዝውሕጠና ዓቢ ገበል
    በዓል ጎደፋ ‘ኳ ደቂ ሰምበል (have great respect for this guy btw)
    ደሃዮም ዘጥፍኡ
    ተሸርቡ ዝተሓብኡ

    ——-ምስ ዝኹሉ ርእሲ———-
    ተሸክሞሞ ኣትዮም ነዚ ከይሲ
    ናይ ሃጼ ዮውሃንስ ወራሲ
    ንደቀባት ኣብራሲ
    ————————–

    ሃይለ ድሩዕ ጴጥሮስ ሰለሙን
    ስብሓት ኤፍረም ዶታ ‘ኸውን
    ዑቕበ ኣብርሃ: ማሕሙድ ሸሪፎ
    —–ኣበይ ኔሮም ?????—–
    ናይ ግዜ መንካዕ ‘ሞ ንግደፎ
    ንግዜኡ ነውንዝፎ
    ንዓፋ ክግልፎ
    ንወዲ ፍላንሳ ክግልፎ
    ——————————-

    ዓወሩ ዶ ምስ የዒንቶም
    ጸመሙ ዶ ‘ታ ምስ የእዛኖም
    ኣንታ ታይ ኮይኖም
    ናይ ሽዑኡ ጌጋባ ለከሞም
    —————————–

    ኣሰና ካብ ጠለመኒ
    ግጥምታትካ ኣይቅበሎን ‘የ ካብ በለኒ
    ሓው መረጸ ሓግዘኒ

    ———-ተዘይኮይኑ———-
    ሃክ ክገብራ ‘የ ንኣሰና
    ክሰብራ ኣስናና
    ኔራ ከምዘይ ነበረት ክገብራ
    እንዳረ ኣየት ከዕውራ

    —-ግን fair ስለዘይኮነ ገዲፈዮ—-

    • Danilo June 2, 2018

      ሓው Simon G,
      ግጥሚታትካ ምስ ናይ ማዓል ባሻይን ኣማኔል ኢያሱን ከወዳድሮ ብቅዓት የብለይን ገጣማይ ስለ ዘይ ኮንኩ።ግጥሚ ግን ሓያል ኣንባብይ ኣንተ ረኺቡ ይበል የብል።ከም ዝዝከረኒ ፡ግጥምታትካ ከም ርእይቶ ስለ ዝነውሕ ኣሰና post ግበሮ ኢላትካ ነይራ።እሞ፡ ሕጂ’ድኣ ተረኽበ ? ብዝኾነ፡ንግጥሚታትካ ብስምዒት ስለ ትጽሕፎ ኣነ ውን ብቀሊሉ ዘንብቦን ዝዝይሞን ወሰደ ጂጂ ሓቂ-ጉዛይ!!!

      • Simon G. June 3, 2018

        Brother Danilo,
        You are very observant guy, beside all those other qualities you have.
        Yes, I agree with you. Taht’s makes us wonder!

  • merhawit June 5, 2018

    ብቀደሙስ እንዳ ጠጅ’ንድዩ ዓብዩ ምስ ቀጣሮ ፡
    ክፍኣት እናተማህረ ብኹማሮ፡
    ሕጂ ‘ነሀልኩም ንህዝቢ ‘ምሲሉዎ ሓረሮ።
    ንሱ ‘ንታይ ዘይገበረ ክእለቱ ንሳ ኮይና፡
    ካብ መጀመርያ ‘ቲ ጌጋ ናይ’ቶም ኣሕዋትና፡
    ረሲዖም ምዃኑ ጸላኢ ወዲ ስግር ጓና፡
    ኣብ ርእሶም ኣቐሚጦሞ ነዚ ደመኛና።
    ተቓላሳይ መሲሉ ሓቀኛ ሓርበኛ፡
    ፈራዳይ መሲሉ ናይ ብሓቂ ዳኛ፡
    ጠበቓ መሲሉ መዳሪ ፍትሐኛ፡
    ቀልብና ሰሊቡ ብጽሩይ ትግርኛ
    ኣብ መወዳእትኡ ‘ንሆ ጸሎሎ ‘ቕቢኡና።
    ዋላ ግን ይተዓጠቕ በብዓይነቱ ጩቤ፡
    ጭፍራ’ውን የብዝሕ ከም ኣባሓጎኡ ውቤ፣
    ኩሉ ካባና’ እዩ፡ ካባኺ ዎ ካባይ፡
    መወዳእታ ክንገብረሉ ነዚ ርጉም ኣባይ፡
    ንሓንሳብን ሓዋሩን ዘይብሉ ይግባይ፡
    ህዝቢ መታን ከይድገስ እንደገና ዳሕራይ።
    ሆ! ንበሎ ብሓባር, ብሽጉጥ ብጠበንጃ፡
    ብሴፍ፡ ብጉራዴ፡ ብዝሰሓለ ሳንጃ፡
    ሽዑ ጥራሕ’ዩ ዘኸትም ናይ ህዝብና ቃንዛ።

POST A COMMENT