Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ዳላስ ንመረብ ምላሽ

ኣብ ከተማ ዳላስን ፎርትዎርዝን ቴክሳስ ዝተዳለወ ሓድነታዊ ኣኼባን ናይ መዘናግዒ መደብን ብዓወት ተዛዚሙ:: ኣብቲ ብስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ጨንፈር ዳላስን ብደለይቲ ፍትሕን ዝተዳለወ መደብ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ቴክሳስን ካልኦት ክፍለ ግዝኣት ኣሜሪካን ዝመጹ ብዙሓት ደለይቲ ፍትሒ

ኣብ ከተማ ዳላስን ፎርትዎርዝን ቴክሳስ ዝተዳለወ ሓድነታዊ ኣኼባን ናይ መዘናግዒ መደብን ብዓወት ተዛዚሙ:: ኣብቲ ብስምረት
መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ጨንፈር ዳላስን ብደለይቲ ፍትሕን ዝተዳለወ መደብ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ቴክሳስን ካልኦት
ክፍለ ግዝኣት ኣሜሪካን ዝመጹ ብዙሓት ደለይቲ ፍትሒ ተሳቲፎም::

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Sina February 11, 2014

    መግለጺ ሰራዊት ሕድሪ … ሰራዊት ሕድሪ ዕለት 9/2/2014
    ሓፍሽ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ጽንኩር ኩነታት ተሕልፎ ዘለኻ ንህላወኻ ዝፈታተን መድረኽን ህይወት ንምድሓን ንሕና ካብ ኣብራኽካ ዝወጻናን ንህላወኻ ዝተፈጠርናን ደቅኻ ኣንጽር ገባትን ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ብረት ብምሓዝ መስዋዓቲ ንኸፍል ምህላውና ምግላጽ ዘድልዮ ኣይኮነን።
    እዚ ሎሚ ብምውህሃድን ሓድነት ወተሃደራዊ ክንፍን ናይ ክለተ ውድባት ማለት ግንባር ሃገራዊ ድሕነትን ከምኡ ድማ ምንቅስቃስ ዲሞክራስን ፍትሕን ኢርትራ ዝተመስረተ ኮይኑ ብመሰረት ስምምዓት እዘን ክልተ ሓይልታት ድማ ሰራዊት ሕድሪ ብዝብል ስያመ ይጽዋዕ ምህላዉ ኣብ ግዚኡ ተገልጹ ኣሎ። እንተኾነ ንሕና ተጋደልቲ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኢርትራ ካብ መሪሕነት ውድብና ካብ ነውሕ እዋን ክብጽሕ ዝጸንሐ ኣደራዓትን ዘይፍትሓውን ዘይሕጋውን ኣሰራርሓታት ብስርዒታዊ ኣገባብ ንምእራሙ ክንሰርሕ ምጽናሕናን ብፍላይ ድማ ኣብ ዉድብና ሓፈሻዊ ጸገማትን ብመሪሕነት ዝወርድ ዘሎ ኣደራዓትን ኣብ ዝተፈላልየ ኣጋጣሚታት ተገሊጹ እዩ።
    ሓፋሽ ህዝብና!!
    ሎሚ ነዚ መግለጺ ከነውጽእ ዘገደደና ህሉው ኩነት ህዝብና ኣብ ኣሰካፍን ሕማቅ ኩነታትን ኣብዘለወሉ ህሞት መድረኻዊ ኩነት ህዝብና ንሓድነትን ህይወት ኣድሕን ይጽውዕ ኣብ ዘለወሉ ህሞት ካብ ፈጻሚት መሪሕነት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኢርትራ ዘጋጥም ዘሎ ከብደቱን ብድሆታቱን ዓቅሊ ዘወድእን ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓን ክሳብ ንሓድነት ሰራዊት ዝፈታተን ንሰራዊት ሕድሪ ኣብ ክልተ ንምኽፋል ዝካየድ ዘሎ ተኻታኺ ነገራትን ንምፍላጡ ምኻኑ ንገለጽ።
    ኣብዚ ክንገልጾ ኣጸጋምን ኣሰካፍን ኣካይዳን መሪሕነትን ኣብ ሰራዊት ዝወርድ ዝነበረን ዘሎ ኣደራዓትን ንሰራዊት ኣመንጊካ ንምምርሑ ዝግበር ዘሎ ዘይሕጋዊ ዉሳነታት ክቃወም ጻዊዒትና ነቅርብ። ኣብ ማአዲ ቃልሲ ምስ ሰራዊት ዝነበሩን ከምሰራዊት ሓመድን እምንን ተተርኢሶምን ተነጽፎምን ዝሓድሩ መራሕቲ ሰራዊት ብምእላይ ካልኦት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ክሳብ ፈከራታት ብመሻርፍ ምእጋድን ካሳብ ነዚ ሓድነት ኣፍልጦ ዘይሃቡ ኣባላት ፈጻሚት ከም ኣዘዝቲ ንምግባሮም ዝካየድ ዘሎ ፈተነታትን ከምኡ ድማ ሃገራውን ህዝባውን ድልየታት ማእከል ዘይገበረ ባህግታት ውልቀ ሰባት ንምትግባር ዝካየድ ዘሎ ጡሙሓት ዕላማታቱ ምኻኑ ንገልጽ።
    ብዕለት 31/1/2014 ብብት ጽሕፈት ዚናን ባህልን ብምስያም ዝወጸ ጋዚጣዊ መግለጺ ባህግን ድልየትን ዉልቀ ሰባት ምኻኑ ብምግላጽ ዕላምኡ ንሓድነት ሰራዊት ንምህራም ማእከል ዝገበረ ሙኻኑ ውን ንገልጽ።
    ሓፋሽ ህዝብናን መሰረታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኢርትራን
    ንሕና እዞም መንእሰያት ኢርትራ ምእንቲ ህዝብናን ሃገርናን እንበር መርወይ ጽምኣት ስልጣን ውልቀ ሰባት ከምዘይኮናን ኣብ ዉሽጢ ውድብ ዝካየድ ዘሎ ዘይሕጋውን ሃላልን መንገድታት ሙኻኑ ውን ንገልጽ።
    ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት ድማ ነቅርብ፤
    1. ህጹጽ ኣኺባ ባይቶ ክካየድን ኩሎም ሕቶታት መሰረታዊ ፍታሕ ብዘይ ንሕስያ ብሕጋዊ መንገዲ መዕልቦ ክግበረሎም፤
    2. ክሳብ ህጹጽ ኣከባ ባይቶ ዝካየድ ፈጻሚት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሕድሪ ትገብሮ ዘላ ተካታኺ መንገዲታት ደው ከተብል፤
    3. ብዕለት 8/02/2014 ብገዛእ ስልጣና ብዘይ ምዝርራብ ምስ ምድፍአ ካብ ምምራሕ ሰራዊት ደው ዘበለቶ ተጋዳላይ ፍሳሃየ ሃይሉ ኣብ በትኡ ክምለስ፥
    4. ክሳብ ህጹጽ ኣኺባ ባይቶ ውድብና ፈጻሚት ካብ ተኻታኺ መግለኂታት ደው ክትብል፥
    5. ብገለ ኣባላት ፈጻሚት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኢርትራ ዝካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምንቅስቃስ ክሳብ መሻርፍ ሰራዊት ደው ንምባል ብጥምየት ንምቅጽዑ ዝካየድ ዘሎ ጎስጋሳት ደው ክብል: ዘይሕጋዊ በደላት ዝበጽሖ ዘሎን ድምጹ ካይስማዕ ድማ ዝተፈላልየ ተጽዕኖታት ዝፍጸመሉ ዘሎ ሰራዊት ደው ክብልን ንሓትት። ኣካል ሰራዊት ሕድሪ ዝኾነ ተጋዳላይ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኢርትራ በዛ ዘላ ፈጻሚት ውድብ ዓማጽን ዘይፍትሓውን ወገናውን ዉሳነታትን ኣካይዳታትን ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱን ዉፉያት ኣባላቱን ከተካይድ ምጽንሓን እዚ ድማ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዘሎ ገለ ካብ መለኪዒኣ ምኻኑን ደጊምና ብምግላጽ ንህጹጽ ፍታሕ ጻዊዒትና ነቅርብ።
    ሰራዊት ሕድሪ ዕለት 9/2/2014

  • Genet-orginal February 13, 2014

    Who are this people and who are they talking about?
    Genet-O

  • Genet-orginal February 13, 2014

    Guys, where are the Eritrean women?
    Genet-O

POST A COMMENT