Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወዲ ማህደረ!

ወዲ ማህደረ! ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ‘ንገባር ጽቡቕ ግበረሉ ወይ ንገረሉ” ዝብሃል ምስላ ወለድና ኣሎ። ስለዚ ድማ’የ ነዞም ሰለስተ ተባዓት ተቃለስቲ ሓርነት ማለት፥ ክቡር ሓርበኛን ኣቦናን ተስፋይ ተምነዎ (ወዲ ተምነዎ)፣ ክቡር ሓርበኛን ኣቦናን ተወልደ ተ/ማርያም (ወዲ ቫካሮ) ከምኡውን

ወዲ ማህደረ!
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ‘ንገባር ጽቡቕ ግበረሉ ወይ ንገረሉ” ዝብሃል ምስላ ወለድና ኣሎ። ስለዚ ድማ’የ ነዞም ሰለስተ ተባዓት ተቃለስቲ ሓርነት ማለት፥ ክቡር ሓርበኛን ኣቦናን ተስፋይ ተምነዎ (ወዲ ተምነዎ)፣ ክቡር ሓርበኛን ኣቦናን ተወልደ ተ/ማርያም (ወዲ ቫካሮ) ከምኡውን ክቡር ሓውና ዋርሳይ ኣማኑኤል ማህደረ ዝኣመሰሉ ሓያላት ተቓለስቲ፡ ዝግባእ ክብርን መጐስን ንምሃብ፡ ብልሒ ብርዐይ ኣብ ቅርጣስ (ንእሽቶ ቁራጽ ወረቀት) ዝተኸልኩ። በዚ መሰረት ድማ’የ ነቶም ዘለዉ በርትዑ ቀጽሉዎ ንምባል፡ ነቶም ዘየለዉ ኸኣ ደሃይ ግበሩ ንምባል ዝውርቕ (ዝጽሕፍ) ዘለኹ። ናይ ሎሚ ኣርእስተይ ከኣ ነቲ ብተኸታታሊ ንዓሰርተው ሓደ ክፋላት፡ ሓሶታትን ምትላልን ማዕከን ዜና ህግደፍ ዘዕለለና ሓው ኣማኑኤል ማህደረ ደሃይ ንምሕታት’ዩ።
ወዲ ማህደረ!
ኣንታ ወዲ ማህደረ መሃሪ ጽሑፉ
ካብ ትጠፍኣና’ምበር ኣዋርሕ ሓሊፉ
ኣሻቒሉና’ኮ እምብዛ ኣሰኪፉ
ኣለኹ ደኣ በል ልብና ክትስፉ!
ብዙሕ ህዝቢ’ኮ ኣሎ ድርሳንካ ዝጽበ
ሓቂ ንኽፈልጥ ታሪኽ እናንበበ
እዚ ጉጅለ ሕሰም ባዕሉ እናዓረበ
ብርዕኻ ዝዓግት ሎሚ እንታይ ተረኽበ?
ኣንታ መምህር ህዝቢ ትብዓት ዝቕናትካ
ድምጽኻ ኣይትጥፋእ፡ ይሰማዕ ደሃይካ
ህዝብኻ ርህዩዎ ክኾነሉ *ዋካ                *ብርሃን
ኣብ ቀብሪ’ዚ እኩይ ክትድርቢ ጸጸርካ
ቃልስኻ ቀጽሎ ከምቲ ናይ ቀደምካ!
ቅድሜኻን ድሕሬኻን ንግዳም ዝወጹ
ኣለዉ’ኮ ብዙሓት ቃሎም ዘየድመጹ
ኣብ መዓሙቕ ኣትዮም ከም ኣናጹ
ይቕሬታ ሓቲቶም ናብ ዓዶም ክመጹ
ግዜ ዝጽበዩ ትፋኦም ከልምጹ!
ንምእላይ መላኺ ጸጸር ከይድርብዩ
ቦምባ ተዓጢቖም ኣብ ሑጻ እተደብዩ
ህልቂት ናይ ኣሕዋቶም ብማዕዶ ዝርእዩ
ካብ ጉጅለ ሕሰም ራህዋ ዝጽበዩ
ኣለዉ እወ ብዙሓት ልቦም ዝተጨውዩ!
ኣቦኡን ውላዱን ብግፍዒ እተኣስሩ
ህዝቡ እናተሰደ ብምልኪ ኣማሪሩ
ኩሊት ህዝቦም ሸይጦም ገንዘብ ዝማእረሩ
ክንዲ ዘጋልጾም ክፍኣቶም ዘርዚሩ
ኣብ ማዓሙቕ ባሕሪ በይኑ ተሰዊሩ
እዚ ሚኒስተር ነበር እንታይ እዩ ምስጢሩ!?
ብህይወቱ ከሎ ካንድዩ ተቐቢሩ!?
*ጃለ’ኳ ብበትሪ ወስታ ዘይሓመቐ             *ዘይዓጠቐ ሰብ
ጎበዝዶ’ታ *ይገብሕ ኣጽዋር ዝዓጠቐ            *ይፈርህ
ህዝቡ ብመላኺ እናተጨፍለቐ
ዓገብከ ዘይብል ሽሕ እንተ ሓመቐ
እንታይ ኢሉ’ዩ ከመኽኒ ጸሓይ ምስ በረቐ!
ወዲ ማህደረ ግን ሓየት ኢኻ ጅግና
ትብዓት ዝዓጠቕካ ንድሕነት ሃገርና
ብላሽ ከይንጠፍእ መላኺ ኣሚንና
ክፍኣት ብዓል *ሓንዘር ሓቂ ገሊጽካልና     *ቅንፍዝ
የዋሃት ክንነቅሕ ኣስተውዑሉ ኢልካና
ሓቂ ፈሊጥናዮ’ወ ንኹሉ መዚንና!
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 05-12-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • sennay December 7, 2013

    hi mesinas meret keyweghe ziarebo amanuel mahdere dea adiu agame abu kea amharay eyu ab ketema aseb tewelidu hiji kea agame asiromo yimrmrwo alewu luk hgdef ilemo? imber beal wedivakaro kea miskin bigenzeb hager kisheyt tewafiru alo? gin abey keyselto wetemnewo wun kulu seb hasawi aderash geza wenewi tebahilu? inte hizbawi ginbar gin netom agame zekedimuka zelewu kisab zidmsisom kinber eyu long life to PFDJ!!!!!!

POST A COMMENT