Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓይነይ ከስድድ! (ብሓቂ ዝተፈጸመ ዛንታ) – ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል፥

ዓይነይ ከስድድ! (ብሓቂ ዝተፈጸመ ዛንታ) ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል፥ “እዋእ! እንታይ ክገብሮ ደኣ ምስ ኣዕሩኽቱ፡ ኣብ ሓደ ባር ጸወታ ኩዕሶ እናረኣዩ ከለዉ መጺኡስ፡ ነታ ኩዕሶ ዝሪኡላ ዝነበሩ ተለቪዥን ‘ክወስዳ’የ’ ኢሉ ብሓይሉ ሓፍ ምስ ኣበላ፡ እዚ ወዲ ወደይ

ዓይነይ ከስድድ! (ብሓቂ ዝተፈጸመ ዛንታ)
ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል፥
“እዋእ! እንታይ ክገብሮ ደኣ ምስ ኣዕሩኽቱ፡ ኣብ ሓደ ባር ጸወታ ኩዕሶ እናረኣዩ ከለዉ መጺኡስ፡ ነታ ኩዕሶ ዝሪኡላ ዝነበሩ ተለቪዥን ‘ክወስዳ’የ’ ኢሉ ብሓይሉ ሓፍ ምስ ኣበላ፡ እዚ ወዲ ወደይ ከኣ ከምቱ ዝበልኩኻ ጠንቃም’ዩ። ካብ ኮፍ መበሊኡ ብድድ ኢሉ፡ ‘ኣታ ሓወይ፡ ሕራይ እታ ተለቪዥንስ ውሰዳ፡ እቶም ተጻወትቲ ኩዕሶ ጊን ግደፈልና?’ ምስ በሎ፡ ብጽፍዒት ኣላሂሙ ቀቲሉዎ ነሩ።” ምስ በሉኒ ብሰሓቕ ክርትም በልኩ’ሞ፡ “ኣንታ ወደይ እዚይዶ የስሕቕ’ዩ የብኪ’ምበር! ኣቦታትካ ክምስሉ እንታይ ይብሉ ይመስለካ፥ “ዓሻስ ወርዊሮም እንተ ሰሓቱዎ፡ ዘይወግኡዎ ይመስሎ!” ይብሉ። ከምዚይ ዝበለ ሓደገኛ ፈተነታት ምስ በዝሐ፡ ብድሕሪኡ ሞት ከም ዘሎ ኣይተረድኦን ዝወደይ” በሉኑ ርእሶም ብኣሉታ ንየማነ ጸጋም እናነቕነቑ።
‘ስምዑ’ንዶ ግን ክሓቶኩም ኣቦ’ በልኩዎም ድፍረቶም ገሪሙኒ።
“ሕራይ ሕተተኒ ዝወደይ”
‘ከመይ ጌርኩም ኣሚንኩሙኒ ኢኹም ደኣ እዚ ኹሉ ዘረባ ብዛዕባ’ዚ መንግስቲ!?’ እንታይ ከም ዝብሉኒ ናብ መልሶም እናተሃንጠኹ።
“ሓቂ ንምዝራብ፡ እንታይ ምእማንን ዘይምእማንን ኣድልዩኒ! ብእምሆይ እንዶ ግዳ ካብ ማሕቡስ ከውጽኡኒ ከለዉ ኣብ ኣፎም እንታይነቶም ኣይነገርኩምዎምን!” ምስ በሉኒ፡ ‘እንታይ ኢልኩም?’ በልኩዎም ህውኽ ኢለ።
“ኤህ! መስጣና መስጣ’ዞም ወለዲ ስውኣት የውርደልኩም! ብኣኻትኩም ትጽልምት’ምበር ብኣኻትኩም ትወግሕ ለይቲ የላን!’ ኢለ እንተ ረገምኩዎምስ ዝምርቖም ዘለኹ ግዲ መሺሉዎም እናሰሓቑ ኣፋኒዮሙኒ! ሙዃን እዚኣቶም እንታይ ፈሪሃ እግዚኣቢሄር ኣሊዩዎም እሞ መርገመይ ክስምዖም! እምነቶም ኣብ መራሒኦም እምበር ኣብ ኣምላኽ መዓስ ኮይኑ!” ብምባል ርእሶም ብምግራም ነቕነቑ።
“ሓቁ እኮ’ዩ እዚ ወደይ ‘እዚኣ ጸሓይና ኣይኮነትን ጸሓይ ይግደፍ’ያ!’ ክብለኒ!” ኢሎም እንደገና ዝን ምስ በሉ፡ ‘ከመይ ማለቱ’ዩ ደኣ ጸሓይና ኣይኮነትን ኢሉኩም?’ በልኩዎም ቅልጥፍ ኢለ።
“እዋእ! ትማሊ ምሸት ካብ ስራሕ ናብ ገዛይ ቅድሚ ምእታወይሲ እዞም ደቀይስ ከይረኣኹዎም ቀኒየ፡ እስከ ሕጂ ንእግረመገደይ ደሃዮም ገረ ክሓልፍ ኢለ፡ ናብቲ እንዳ ወደይ ይእለየልካ። እዚ መከረኛ ወዲ ወደይ ከኣ ኣብ ደገ ንበይኑ ኮፍ ኢሉ ይጸንሓኒ’ሞ ኣነ ኸኣ ምስ ስድራኡ ዝተባኣሰ መሺሉኒ ስንብድ ኢለ፡ ‘ኣታ እንታይ ትገብር ለይቲ ምድሪ ንበይንኻ ኣብ ግዳም?’ እንተበልኩዎስ እናሰሓቐ ‘ወርሒ ይጽሎ ኣለኹ ኣቦይ’ ኣይብለንን፤”
“እዋእ! ጸሓይ ገዲፍካስ ወርሒ ክትጽሎ?’ ኢለ ዘረባኡ ኣስደሚሙኒ እንተ ሓተትኩዎስ፡ ‘ኣየነይቲ ጸሓይ?’ ኢሉ ተገምጢሉ ንኣይ ሓቲቱኒ። ‘ኣየነይቲ ጸሓይ ደኣ እዛ ጸሓይና’ምበር ይብሎ ኣለኹስ፡ ‘ኣየ ኣቦይ እዛ ንሳ ከክትበርቕ ዝሕበኣላ ዘለኹ ጸሓይስ ጸይሓካ ትብለኒ ኣለኻ!’ ምስ በለኒ፡ ነቲ ሃንደበት መጺኦም ከይወስዱዎ ንኽሕባእ ዘሕልፎ ምሽቑራር ዘኪረ፡ ከብደይ በሊዑኒ ዝወደይ። ‘ሓቅኻ ኢኻ፡ ጸሓይናስ ቅድሚ ዓሰርተው ሽዱሽተ ዓመት ምስ ኣዕረቡዋ ክሳዕ ሕጂ ኣይተመልሰትን! ኣይበረቐትን’ወ!’ ብምባል፡ ነዞም ርጉማት ሃገርና ኣጸልሚቶም ዘለዉ ፋኖታት፡ እቲ ኹሉ ዚከኣሎ ልዑል ፈጣሪ፡ ካብዛ ብርኽቲ መሬትና ብተኣምር ክኣልየልና ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪረ ለሚነ። ሰማዕ ድማ’ዩ ክሰምዓኒ’ዩ!” ምስ በሉኒ ናብቲ ናሕሲ ማኪናኦም ኣንቃዕሪሮም እናጠመቱ፤
“በሉ ክቡር ኣቦ፡ ኣብታ ዝደለኹዋ ቦታ በጺሐ ኣለኹ’ሞ ክወርድ ኣዝየ እየ ዘመስግነኩም። የቐንየለይ። ሓደራ ግን ክብለኩም፡ ዋርድያ ክትሓድሩ ከለኹም፡ ከየዕረፍኩም ማለት፡ ከይደቀስኩም ናብ ስራሕ ኣይትውፈሩ ኢኹም?’ ምስ በልኩዎም። “ከመይ ገረ’ሞ ክድቅስ ኣታ ወደይ? “ደርሆ እንተ ዘይጻሕተረ፡ ድኻ እንተ ዘይዞረ፡ እንታይ ምተደረ!’ ይብሉ ወልድኻ ክምስሉ፡ ኣነ እንተዘይ ወፊረ ደኣ’ሞ ስድራ እንታይ ክትዕንገል!? ብኣምሆይ ስራሕ ሰሲዐ ሓንቲ መዓልቲ ስለ ዘብኮርኩ’ንድዮም ነታ ብግዲ ዘሐንገጡኒ ብረት መንጢሎም፡ ሰሙን ምሉእ ኣሲሮሙኒ! ስድራ ጫቚጫቚ ኢለን። ‘ካልኣይ መዓልቲ እንተደጊምካ ክትጠፍእ ኢኻ!’ ብምባል ከኣ ኣጠንቂቖም ሰዲዶሙኒ። ከም ሰበይ ንሓዋሩ ከየሕቕቑኒ ፈትየ ከይፈተኹ ክኸዶም ኣለኒ’ምበር። “ብዘበን ገበል ዝሃቡካ ተቐበል’ዩ” ዝወደይ” ምስ በሉኒ ኣስናኖም እናሓርቀሙ፡ በዚ ንህዝቢ ኤርትራ ወሪዱዎ ዘሎ ከቢድ ኣደራዕ ሓዚነ፡ ሕሳቦም ክልተ ሚእቲ ናቕፋ ጌረ ምስ ሃብኩዎም፡ ካብ ማኪናኦም ወሪዶም፡ ሰፍ ዘይብል ምርቓ መሪቖም ኣፋነውኒ።
እቲ ‘ብዙሕ ድቃስ’የ’ ዝፈቱ’ ብምባል፡ ከም ቁስጣንጌ (ኣርጊት ከልቢ) ክድቅስ ዚውዕል ጋኔን መራሒ ህግደፍ፡ ንገዛእ ርእሱ ከም ልቡ እናደቀሰ፡ ንወለዲ’ቶም ኣብቲ ንሱ ህዝቢ ዝረግጸሉ ዘሎ ኮረሻ ስልጣን ንክሓኩር መስዋእቲ ዝኸፈሉ ጀጋኑ ድማ ኣብ ሽምግለናኦም ምጥዋር እንተ ተረፎምስ ሰለይ እናበሉ ሰሪሖም ንኽነብሩውን ዕድል ብምኽላእ፡ ኣብ እርጋኖም ብረት የሐንጊጡ፡ ብለይቲ ‘ዋርድያ ውጹ! ብቐትሪ ዲጋ ስርሑ’ እናበለ ድቃስ ከሊኦዎም ከም ዘሎ ብዓይነይ ምስ ተዓዘብኩ፡ ኣብቲ መላኺ ዝነበረኒ ጽልእን ንዕቐትን መሊሱ ሰማይ ዓሪጉ፡ ፍጹም ፈንፈንኩዎ! ነዚ ካብ ሰብዓታት ኣትሒዙ ክሳዕ ለይቲ ሎሚ፡ ደም ንጹሃት ኤርትራውያን ዝጭልጥ ዘሎ ኣሰለት ከኣ ብዝሓየለ ቃልሲ ንኽምክቶን በጃ ህዝብን ሃገርን ከምቶም ቀዳሞት ኣሕዋተይ መስዋእቲ ንኽከፍልን ምስ ነብሰይ ቃል ኣተኹ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ኣስመራ ናብቲ ተሰዲደ ዝነብረሉ ዘለኹ ዓዲ ተመሊሰውን ነዛ ትስዕብ ንሃለዋት ወለድና ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ህግደፍ እተንጸባርቕ ናዕታ ክጽሕፍ ተገዲደ።
ጠወርቲ ስኢኖም መሳኪን ወለዲ
*ኲስሒ ተመን ኮይኑ መንእሰይ ኣብ ዓዲ  *ቀልቀል
መርዑ ክሕጸና ንበይነን ኣብ ንእዲ
ኣብ ዘበነ ህግደፍ ንቡር ኮይኑ ልምዲ!
መሳኪን *እቤራት እናተሳለዩ         *ሽማግለታት
ናብ መሮር ወፊሮም ኣሓ ክጓስዩ
ግራቶም ሓሪሶም ዘሪኦም ከፍርዩ
ምስ ደበናን ቁርን ወትሩ ክጓየዩ
ዝናብ የጀብጅቦም ኣብ ነብሶም ጽሕዩ!
ክሳዕ ሕልፈት ኮይኑ ብሞት ዝስወሩ
ምስቶም ደቂ ደቆም ንሽቕለት ክወፍሩ
መሳኪን ወለዲ እንታይኮን’ዮም ክገብሩ
ኣብዛ ሓላል መሬት ሰይጣን ተፈጢሩ
ወለዲ ዘዘኽትም ደቆም ኣባሪሩ!
ዘይኢዶም ረኺቦም’ወ ወለዲ ጀጋኑ
ደምበኦም ዝኸፍት ምቕሊ ተሳኢኑ
ንበይኖም ተሪፎም ከምዛ ዝመኸኑ
እዚ ርጉም *ደማሒ እምብዛ ሰይጢኑ   *መላኺ
ብዶብ ኣመኽንዩ ኪዕቅብ ስልጣኑ
እዚ ኹሉ በጽሒ ድራር ዓረር ኮይኑ
ሓድጊ ከይገደፈ ሓመድ ተደቢኑ!
እዞም ወለድና’ወ ተጻወርቲ ጸገም
ዕረፍቲ ዘይብሉ ናብራኦም ገልጠምጠም
ናጽነት ኮይኑዎም ኣይምርቓ ኣይመርገም
ዘለውዎ ህይወት መሊሱ ከይድገም
ጠንቂ ናይዚ ሕሰም ተመርሚሩ ይገምገም!
እዛ ተፈታዊት ሃገርና ኤርትራ
ካበይ እዩ መጺኡዋ እዚ ኹሉ መከራ?
መኣውይትን ቀብርን ኮይኑ’ቲ ሓዳራ
ጸላም ንኽትክደን ኣዒንታ ዘዕውራ
*ኣብሊስ ነጊሱዋ ፈላላዪ ስድራ!       *ድያብሎስ
ሰላም ንኽሰፍና ነዛ መሬት ሕድሪ
እቲ ጽልእን ቅርሕንትን ክትካእ ብፍቕሪ
ወለዲ ምስ ደቆም ክነብሩ ብኽብሪ
ድያብሎስ ኪእለ ርጉም ክፉእ ግብሪ
ይኣክል ይበለና’ወ እቲ ልዑል ፈጣሪ!
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 28-02-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • ahmed saleh February 28, 2014

    “EZA XAHAY, XAHAY HGDF EMBER XEHAYNA
    AYKONETN ” .
    The saying represents many national service
    youngsters . I am sure many of us heard same stories of some we know or close family in hiding to end up arrested .

    • Hakim February 28, 2014

      What a sad story eighty years old working like a dog instead enjoying his life. Isias would not let anybody sleep while he is sleeping like a baby. I have a question to the person who wrote this article after he told you all the sad story you pay him only 200 Nakfa what kind cheap person are you? what do you think he will do buy for 100 Nakfa to me you are worse than Isias and you have the nerve to write this story stupid.

  • afro February 28, 2014

    እዚአ ጽሓይና አይኮነትን ጸሓይ ህግደፍ ኢያ፡ ዝገርም ኢዪ፣ኩሉ ኤርትራዊ ነዚ ንሃገርና ዘዕኑን ንህዝብና አብ ከቢድ ሕሰምን መክራን አብጺሑዏ ዘሎ ነቀዝ ህግደፍ ዓቅሙ አዋሃሂዱ ብዝለዓለን ብዝሐየለን መንገዲ ክድህኾን ካብ ሱሩ ከጥፍኦን አለዏ፡እዚ አብ ነብሲወከፍ ስድራቤት ኮነ ኢልካ ብህግድፍ ተፈጢሩ ዘሎ ሃጓፍን ጥፋአትን ናብ ቦታኡ ክንመልሶ ተሪር ዝኾነ ስጉምቲ ክንወስድ አለና፡ እዚ ከአ ብፖለቲካ ኢኮነሚ ሚዲያ ትንፋስ ዘይህብ ጌርና ከነፍሽሎ አለና።

  • sebey March 1, 2014

    As artist you have done nothing.

  • ERITRAWIT March 1, 2014

    Dear, Mesinas
    This devil man is controlling everything even the sun. This time life in Eritrea is hell this is been done deliberately.
    America,Weyane ka ybahaleley kndmntay asha eyom hasebomo hzbey Eritrea? Thank you Mesinas Hawna.

  • Haile G. Tensae March 1, 2014

    Thank you Mesina and keep doing the good work.
    haile
    indianapolis

  • yohannes March 1, 2014

    Mesina
    I read your articles and I could not believe a person you just meet will tell his life story in a short period of time you said the ride was not far I assume maybe the ride was ten to fifteen minutes and you said the driver was not well rested how in the hell can he tell you all this story even after you arrived in your destination you guys did not park to chat because you said you told him this is were I get off so when did he get the time for all this story? I really don’t believe the story is true you just made it up if it is true how come you give him 100 Nakfa you are a big tipper and were is your humanity do you think he can buy anything for 100 Nakfa? if you felt so bad for the driver to write this kind of story how come you did not try to help him? I hope you will respond to this one

  • marcia March 1, 2014

  • Mokonen March 1, 2014

  • Mesinas March 2, 2014

    ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ብመጀመርያ እቲ ለዋህ ልቢ ኤርትራዊ ዝወነንኩም ሰብ ሕልና ብምዃንኩምን ብሕሰም እዞም ኤርትራዊ ወላዲ ስለ ዝተቐንዘኹምን ዝደንገጽኩምን ንምሕጋዞምውን ምውንዋንኩምን ባህታይ ወሰን ከምዘይብሉ ክገልጸልኩም እፈቱ። ካብዚ ብምቕጻል ነቶም ብሓቅነት ናይዚ ዛንታ’ዚ ትጣራጠሩ ዘለኹም ወሃብቲ ርእይቶ ብዛዕባ’ዚ ዛንታ ከነጽረልኩም ፍቐዱለይ? ብመጀመርያ እዚ ዛንታ ኣቀራርባኡም’በር ትሕዝቶኡ ልብ ወለድ ከምዘይኮነ ከረጋግጸልኩም እደሊ። ካልእ ናይ ግዜ ዓቀን’ዩ፤ ሓደ ተሳፋሪ ምስ ኣሳፋሪ ብገንዘብ ክኳናተር ከሎ ዋላ ናይ ሓደ ኪሎ ሜተር ይኹን ርሑቕ ምዃኑ’ዩ ዝእምት። ብተወሳኺ ንበጽሓሉ ቦታም’በር ዝተበገስናሉ ቦታ ካበይ ምዃኑ ኣይሓበርኩን። ከምኡውን ነዘን ኣብ ሰለስተ ክፋል ብጽሑፍ ኣስፊረየን ዘለኹ ቃላት (ተራ ምልልስ ማለተይ እየ) ኣብ ክንደይ ደቓይቕ ክዛረቡወን ከም ዝኽእሉ እስከ ገምቱ፤ እቲ ሳልሳይ ዝያዳ ዘሐጐሰኒ ድማ ብዋሕዲ’ቲ ናይ ኣገልግሎቶም ዝኸፈልኩዎም ገንዘብ ማለት 200 ናቕፋ ምቕንዛውኩም’ዩ። እወ ንሓደ ከምዚ ዓይነት መከራ ዘሕለፉን ገና ዘሐልፉ ዘሎውን ወላዲ ኣዝዩ ውሑድ’ዩ። እንተኾነ ኣብቲ ሃገር ካብናቶም ብዓሰርተ ዝተዓጻጸፈ ሕሰምን መከራን ዘሎዎም ስድራይ ይኹኑ ጎረባብተይ ከም ዘለዉ ከመይ ዘንጊዕኩም!? ዓቕመይን ዘሎኒ ናይ ውልቂ ዋኒነይንውን ኣብ ግምት ኣየእተኹምን። ብርግጽ ኣነውን ነቲ ዛንታ ምስ ሰማዕኩ ከምቲ ንኣኻትኩም ዝተሰማዓኩም ከቢድ ጓሂ ተሰሚዑኒ’ዩ። ካብ ዓቕመይ ንላዕሊ ክገብር ስለ ዘይክእል ግን ዚኾነ ነገር ኣይገበርኩሎምን። መልእኽቲ ናይዚ ጽሑፍ ከኣ እቲ ብመራኸቢ ብዙሃኑ ጥራይ ኣብ ጦብያ ማለት ኣብ ዓለም ዘየሎ ኣእምሮ ዝቐረጾ ገነት ዘቕርብ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍን ኣገልገልቱን ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቀኛ መነባብሮ ህዝብና ብመርትዖ ንምቕራብ’ዩ። ንሃናጺ ዓለቕኩም ደጊመ አመስግን።

    ሓውኩም መሲናስ

  • Morroso March 2, 2014

    Mesanias
    any way nice LibWeled to me,
    the distance was not far from you the place you pick the taxi you said it,on you said kabey pick kemzigeberku ayfeltekumn ilka imo check this >>>>ማኪናኦም ተጸጊዖም፡ ኣስናኖም ዝምውጹ ዝነበሩ እቤር (ኣረጊት ሰብኣይ) ቅርብ ኢለ። “መዓልካ ዝወደይ” በሉኒ ሓንሳብ ናባይ፡ ሓንሳብ ድማ ናብታ ሕቖኦም ሂቦማ ዝነበሩ ማኪናኦም እናጠመቱ። ‘ኣብዛ ሹቕዶ ከተብጽሑኒ ምኸኣልኩም ኣቦ?’ ሓተትኩዎም ብየማናይ ኢደይ ናብ ሹቕ ገጸይ እናኣመልከትኩ። “ሕራይ ንዓናይ ዝወደይ” ምስ በሉኒ ቅልጥፍ ኢሎም ከኣ፡ “ክንደይ ኢኹም እሞ ተኽፍሉኒ ኣቦ?’ በልኩዎም ዓይኒ ዓይኖም እናጠመትኩ። “ሚእቲ ቅርሺ ክገብረልካ’የ ዝወደይ” በሉኒ መፍትሕ ማኪናኦም ካብ ጁባኦም እናውጽኡ። “እዋእ! ሚእቲ ደኣ ከቢሩ ኣንቱም ኣቦ! ሹቕ ኣብዚኣ’ንድያ!” በልኩዎም ደጊመ፡ ብኢደይ ሹቕ ካብቲ ዝነበርናዮ ቦታ ርሑቕ ከምዘይኮነት እናኣመትኩ።እወ ሓቕኻ ዝወደይ ቀረባ’ያ። ርሕቕትስ ኣይኮነትን። እንተኾነ ጊን “ግዜ ርኢኻ ሕለበኒ” ድያ ዝበለት ላም ሃኪክ (ክፉእ ዘመን)፡ ኣነውን ግዜ ርእየ እየ ሚእቲ ዝብለካ ዘለኹ ዝወደይ። ሚእቲ ቅርሺ’ኮ ሎሚ ሓደ ቈልዓ ኣይተቁርስን’ያ!” ብምባል፡ ትኩር ኢሎም ምስ ጠመቱኒ
    Mekinom texegiom nerom am sure it was close to downtown aymeslenin taxi line ab Modoshto hizen ayxibeyan iyen flut iyu dew ziblalu slezi neay buzuh neger zeyiteassaser alewo xhufka izi kulu hakiyomkas 200Nakfa hmmmmmmmm btami zehfeer iyu ane tezikowun tewahade 1000Nakfa mihabkuwom b’zey huset $10=500Nkfa any way nice try, 200Nakfa n kola kursi aytgezin will not buy for kidd breafast they already are telling 100nafa you can give it to Lemani only

POST A COMMENT