Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዕረፍቲ ተቓላሲት – ኣራራት ኢዮብ

ዕረፍቲ ተቓላሲት - ኣራራት ኢዮብ                          ፍሥሓየ መብራህቱ ኣራራት ኢኺ ያታዊት እምባ ኣውሊዕ ዘጠጥዐት ዘብቆለት ዕማባባ ቅናት ኣደይ ማርያም ሕብሪ ዝዓጀባ ፈጣሪ  መሓለ ኣይሂ ከይድብባ ምድርና ክትሕደስ ወቕትታታ ሂባ። ዝጨቀየት መሬት ደም ተጀሊጣ ማይ ጓቝመን ክትሕጸብ ሕማማ ፈሊጣ ሓደ ኢላ ክትጅምር ዳግም ተወሊዳ ቀይሕ

ዕረፍቲ ተቓላሲት – ኣራራት ኢዮብ

                         ፍሥሓየ መብራህቱ

ኣራራት ኢኺ ያታዊት እምባ
ኣውሊዕ ዘጠጥዐት ዘብቆለት ዕማባባ
ቅናት ኣደይ ማርያም ሕብሪ ዝዓጀባ
ፈጣሪ  መሓለ ኣይሂ ከይድብባ
ምድርና ክትሕደስ ወቕትታታ ሂባ።

ዝጨቀየት መሬት ደም ተጀሊጣ
ማይ ጓቝመን ክትሕጸብ ሕማማ ፈሊጣ
ሓደ ኢላ ክትጅምር ዳግም ተወሊዳ
ቀይሕ ገበል መጸ ዘሊሉ ኪጎብጣ
ንዕሸል ሓርነት ክጥህራ ክውሕጣ።

ኣራራት ጓል ያቱ – ምዕቲ ከም ዋዕሮ
ቅኑዕ ኅልናኣ ንግፍዒ ዘይጸሮ
ወንጭፍ ገበርቶ ንሰንሰልት ሔሮ
ናብ ጎልያት ተኰረት ግንባሩ ክትወቕሮ
ብሰያፍ ቃላታ ክሳዱ ክትመትሮ።

ፍትሒ ዝኣሰራ ኣዘር ኣቦታታ
ሰላም ክተስፍን ቅናት ኣደታታ
ቃልሲ ዝመትከላ ከም በላሕቲ ኣኅዋታ
ሓርነት ዝናራ ከም ጀጋኑ ኣኃታ
ኣራራት ሓለፈት ሓዲጋ ምልካታ።

ኣብ ንኡስ ዕድመኺ ሰኒቕኪ ልቦና
ስፍሓት ኣእምሮኺ ፍልጠት ዘውረሰና
መቓልሕ ድምጽኺ ትብዓት ዝሃበና
ዝኽርኺ ሕያው’ዩ ሓበን ናይ ዓድና
ነቶም ስድራቤትኪ ጽንዓት ይሃበልና
ብሰላም ዕረፊ ሰላም ንሃገርና።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT