Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝዓሰወ እንጀራ ኣብ ሓድሽ መሶብ

ናይ ሕጊ ምሁርን ብዓል ጸጋ ዕድመን ስለዘይኮንኩ፡ ብዛዕባ ዘመናዊ  ወይ እንዳባ ሕጊታት ብዙሕ ክዛረብ ኣይክእልን’የ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝዓበኹሉ ከባቢ፡ ዓዲ እትምሓደረሉ ሕግታት እንዳባ (ልምዳዊ/ባህላዊ) ንኣብነት ሕግታት ሳዕሪ ብላዕ፡ ሕዛእቲ፡ መጓሰ፡ ቀለብ ቆልዓ፡ መንገዲ ኣርብዓ፡

ናይ ሕጊ ምሁርን ብዓል ጸጋ ዕድመን ስለዘይኮንኩ፡ ብዛዕባ ዘመናዊ  ወይ እንዳባ ሕጊታት ብዙሕ ክዛረብ ኣይክእልን’የ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝዓበኹሉ ከባቢ፡ ዓዲ እትምሓደረሉ ሕግታት እንዳባ (ልምዳዊ/ባህላዊ) ንኣብነት ሕግታት ሳዕሪ ብላዕ፡ ሕዛእቲ፡ መጓሰ፡ ቀለብ ቆልዓ፡ መንገዲ ኣርብዓ፡ ምጥዋርን ምኽባርን ዓበይቲ፡ ጤሳ፡ መውስቦ፡ ፍትሕ፡ ዕርቂ ብኡሳት ዝኣመሰሉ ጉዳያት ኣምር ኣለኒ። በዞም ሕግታት እዚኣቶም ድማ ንነዊሕ ዓመታት፡ ዓዲ ንዘጋጥምዋ ጸገማትን ኣብ ዕለታዊ ጉዳያታ ከተሳልጦም እትደልዮም ነገራትን ትምራሕን ትቅየድን ነይራ። ዝሓለፉ ገዛእቲ’ውን ንሕግታት እንዳባ ህዝቢ ከምዝመሐደረሉ ብምፍቃድን ብምብርዓምን’ዮም ረብሓታቶም ከምዝሕሎን ስልጣኖም ከምዝዕቀብን ጌሮም። መበገሲ ጽሑፈይ፡ ሕግታት እንዳባ ንምግላጽ ዘይኮነ፡ በቲ ንቡር ኣካይዳ፡ ዝኾነ መንግስቲ ወይ ህዝቢ ብዘይ ሕጊ ክመሓደርን ክነብርን ከምዘይእል ንምምልካት’ዩ። ስርዓት ኢሳያስ ግን ዘይንቡር ኣሰራርሓ ስለዝኽተል ክሳብ ለይቲ ሎሚ ብሕጊ ዘይግዛእ መንግስቲ ኢዩ። ህግደፍ ዋላ ነቲ ህዝብና ብተለምዶ ዝመሓደረሉን ዝዳነየሉን  ዝነበረ ሕግታት’ውን ከምዝመክን ገይርዎ። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት’ዚ፡ ድሕሪ 17 ዓመታት ንምዃኑ’ዩ፡ ሃጸይ ኢሳያስ “ቅዋም ዝበሃል የለን፡ ቅዋም መይቱ’ዩ” ኢሉ ነቲ ሓንጎልን ገንዘብን ዝባኸነሉን ብባይቶ ጸዲቁ ኣብ ተግባር ክውዕል ዝነበሮን ቅዋም ኤርትራ ብወግዒ ድሕሪ ምድርባዩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ልሳን ህግደፍ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ቅዋም ለፍሊፈን። ብፍላይ መደበር ተለቭዥን ኤርትራ፡ ከምቲ ልሙድ ብዘብለጭልጭ ቃላት ሃጸይ ኢሳያስ ዝበሎ ጥቅሲ’ያ ከተኮማስዕ ፈቲና። ሃጸይ ኢሳያስ፡ ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመታት መንግስትን መሪሕነትን ኤርትራ ኣገዳሲ ተሞኩሮ ከምዝቀሰመ፡ ኩሉ ዜጋ ዝሰማምዓሉ፡ መጻኢ ሕልምታትን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ቅዋም ኣገዳሲ ምዃኑ ድማ ዘርዚራ። ኣብ ርእሲኡ ቲቪ ኤረ፡ ቅድሚ 20 ዓመታት፡ ሕግታት ኤርትራ ንምንዳፍ፡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ክኢላታት ሕጊ፡ ዓበይቲ ዓዲን ምሁራትን ዝተሳተፍዎ ኩሉ መዳያዊ ዘተታትን ሰሚናራትን፡ ካሴታን ቪድዮታትን ካብ ተቀቢርዎ ዝነበረ ውሻጠ ብምውጻእ፡ ንዘይፈልጥ ሓድሽ ዝመስል መልእኽቲ ከተመሓላልፍ ሃቂና።

ከምቲ ኣብ መእተዊ ጽሑፈይ ዘተምባህክዎ፡ ኣገዳስነት ህላወ ቅዋምን ብሕጊ ምምእዛዝን እምነ ኩርናዕ ናይ ሓደ ህዝብን ሃገርን ምዃኑ ዘዛርብ ኣይኮነን። ብፍላይ’ኳ ኤርትራ ከም ሓዳስ ሃገር፡ ትግባረ ቅዋም ውዓል ሕደር ዘየድልዮ ዕማም’ዩ ነይሩ። እንተኾነ ከምቲ ዘራጊ እንከሎ ጽሩይ ማይ ነይስተ ዝብሃል፡ ሃጸይ ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ሰላም፡ ብልጽግናን ማዕርነትን ህዝቢ ኤርትራ ኣይረጋገጽን’ዩ። ሃጸይ ኢሳያስ፡ ከም ተባዕን ለባምን መራሒ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ጠጠው ክብል ዝኽእል እንተኾይኑ ድማ፡ እቲ ኣብ 1997 ኣብ ጥቃ መወዳእታ ዝበጽሐ መስርሕ ቅዋም ስለምንታይ ጉሒፍዎ ክምልስ ኣለዎ። እንተ’ቲ ሕጂ ኣብ ድሮ  መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ጻድቕ ንምምሳልን ኣብ ኤርትራ ብህዝቢ ዝተወከለ ባይቶ ኣብዘይብሉን ብባይቶ ከይጸደቀን፡ ጉዳይ ቅዋም ኣልዒልካ ሸበድበድ ምባል ግን፡ ንህዝቢ ኤርትራን ዓለምን  ንምድንጋርን ዕድመ ስልጣን ኢሳያስ ንምንዋሕን እንተዘይኮይኑ ካልእ ጣቋ የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ነዚ ብሃጸይ ኢሳያስ ዝህንደስ ዘሎ ተንኮልን ኣሽካዕላልን ክነቅሓሉን ሓቢሩ ንመሰሉ ክጣበቅን ኣለዎ። ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ሕጂ ተሓሲቡ ዘሎ ትያትሮ ድማ፡ መታን ነቲ ኣቀዲሙ ብሃጸይ ኢሳያስ ተባሪኹ ዘሎ ንድሌት ህዝቢ ኤርትራ ዘየንጸባርቅን ግን ከኣ ንዕድመ ስልጣንን ደረት ኣልቦ ሓላፍነትን ሃጸይ ኢሳያስ ዘገልግል ቅዋም ንምጥጃእ፡ ክኢላታት ሕጊ ኣግሊልካ ወይ’ውን ሞያዊ ስነ-ምግባሮም ረጥሪጦም ንኢሳያስ ዝምእዘዙ ሰብ ሞያ፡ ምስ ሕጊ ኣፍልጦ ዘይብሎም ኣባላት ጸጥታ፡ ስለያን ጀነራላትን ስማዊ መዝነት ምሃብ’ዩ። ሃጸይ ኢሳያስ እተን ዘይዓበያ መጼንኦን ካብ ምድቃሱ ምስተንስአን፡ “ቅዋም ኣየድልን’ዩ” እንተዘይሉ ድማ፡ ገለ ዜጋታት ወደስቲ ሃጸይ ኢሳያስ፡ ዝተደናገሩ ወይ ብግዝያዊ ረብሓ ዝዓወሩ ንውራይ ሃጸይ ኢሳያስ ዘዳምቁ ናይ ደገ ማዕከናት ዜናን ጋዜጠኛታትን’ውን፡ ኣብ ኤርትራ፡ ለውጢ፡ ሰላምን ፍትሕን ከምዘሎ ክጽሕፉ ትጽቢት ዝግበረሉ’ዩ። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ክውንነት ግን ብኣንጻር’ቲ ሃጸይ ኢሳያስ ዝብሎ ስለዝኾነ፡ ወጽኢቱ ካብ ዝዓሰወ እንጀራ ኣብ ሓድሽ መሶብ ካልእ መለክዒን ትርጉምን የብሉን።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Simon G. May 12, 2015

    After I finished reading this fine article, I was surfing to other websites and saw an article (if you can call that) written by this guy named Keleta Kidane at Meshrefet.net. It was much bluff as usual but this time, he start admiring himself, on how good he is. He always criticize the opposition about 98% and pretends to complain about HGDF for ~2%. No wonder he likes meshrefet.

    • Mesinas May 13, 2015

      ሓው ስምኦን ጽቡቕ ኣስተውዒልካ ኣለኻ። ሓደ ሓደ ግዜ ብዘውጽኡዎ ጽሑፋት፡ ኣብ ክንዳኡን ኣብ ክንዲ ወናኒ መሽረፈት ኔትን ብልቢ እሓፍርን እሓዝንን’የ!
      ማማ ጽላል ካብ ሕ.መ.ኣ ከም ወትሩ ምስጋናና ልዑል’ዩ። የቐንየልና። ተሳትፎኺ ኣይፈለየና!

  • YERHWO May 12, 2015

    tzlaL.

    your tiles stay it all- to the point.
    thanks.

POST A COMMENT