Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ከምኡ `ውን መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ- ኡን ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ሰዓታት ኣብ ሲንጋፖር ታሪኻዊ ርክብ ብምክያድ ሓባራዊ ስምምዕ ተፈራሪሞም።

ዝርዝር ናይቲ ዝምምዕ ከምዘይተገልጸ፡ ቢቢሲ ዝርከቦም ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ክሕብሩ ከለዉ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ `ቲ ርክብ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ርክብ፡ ` ክፉት፡ ቅጥታውን ውጽኢታውን` ከምዝነበረ ሓቢሩ። ፕረዚደንት ትራምፕ፡ `ጸወታታት ኲናት` ደው ከምዘብል

ዝርዝር ናይቲ ዝምምዕ ከምዘይተገልጸ፡ ቢቢሲ ዝርከቦም ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ክሕብሩ ከለዉ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ `ቲ ርክብ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ርክብ፡ ` ክፉት፡ ቅጥታውን ውጽኢታውን` ከምዝነበረ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ `ጸወታታት ኲናት` ደው ከምዘብል ክገልጽ ከሎ፡ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን መደበር መፈተኒ ሚሳይላት ከዕኑ መብጽዓ ከምዝኣተወ ቢቢሲ ይጠቅስ።

ክልቲኦም መራሕቲ ቅድሚ ኣብ ቅድሚ ካሜራታት ብሰላምታ ክጨባበጡ ከለዉ፡ ድሕሪ`ቲ ኣኼባ ብኣማኸርቶም ተሰንዮም ኣብ ናይ ምሳሕ እንግዶት ተሳቲፎም።

እቲ ስምምዕ ክልቲአን ሃገራት ሓዱሽ ዝምድና ናብ ምምስራት ገጸን ከምዝሰርሓ፡ ኣመሪካ ድማ ንሰሜን ኮርያ ጸጥታዊ ውሕስነት ከምእትህባ ዝጠቅስ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ሚስተር ኪም ምክትታል ዝግበረሉ ካብ ኒኲሊየር ነጻ ናይ ምዃን መስርሕ ንምግባር ከምእተሰማምዐ `ውን ንጋዜጠኛታት ገሊጹሎም።

እዚ ጉዳይ`ዚ ቀንዲ ጠለብ ኣመሪካ ክኸውን ከሎ፡ ናይ  ሰሜን ኮርያ ድሌት ከኣ ኣምሳያኡ ንሰሜን ኮርያ ብቁጠባ ምምዕባል እዩ።

ኣብቲ ርክብ፡ ኣመሪካውያን፡ ሰሜን ኮርያ ካብ ኒኲልየር ነጻ ኮይና ዝምድና ክልቲአን ሃገራት እንተተመሓይሹ ፡ ሰሜን ኮርያ ከመይ ዝኣመሰለት ስልጥንቲ ሃገር ክትከውን ከም እትኽእል ዝትንበ ናይ ቢድዮ ትርኢት ን ኪም ጆንግ-ኡን ከምዘቕረብሉሉ `ውን ፕረዚደንት ትራምፕ ብተመስጦ ገሊጹ።

ኣመሪካን ሰሜን ኮርያን ን 70 ዓመታት ከም ተጻባእቲ ሃገራት ተተፋኒነን ድሕሪ ምጽናሕ እየን ከምዚ ዝኣመሰለ ታሪኻዊ ርከብ ዘካይዳ ዘለዋ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT