Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መስርሕ ምቅላዕ መንእሰያት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ኣውሮጳ – -ራብዓይ ክፋል-

  ኩቡራት ኣንበብቲ፡ ኣብ ቀዳማይ ክፋልና፡ ነቲ ኣብ መላእ ኣውሮጳ ዝርከብ ጸረ ህዝቢ ዝኾነ ናዚዝታዊ ማሕበር መንእሰያት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣቃሊዕና ኔርና፡፡ ሓደ ካብቶም ኣስማቶም ጠቒስናዮም ዝነበርና ሰናይ ሰለሙን ለማ ዝተባህለ ኣብ ዴንማርክ መራሒ ማሕበር መንእሰያት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ

 


ኩቡራት ኣንበብቲ፡ ኣብ ቀዳማይ ክፋልና ነቲ ኣብ መላእ ኣውሮጳ ዝርከብ ጸረ ህዝቢ ዝኾነ ናዚዝታዊ ማሕበር መንእሰያት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣቃሊዕና ኔርና፡፡ ሓደ ካብቶም ኣስማቶም ጠቒስናዮም ዝነበርና ሰናይ ሰለሙን ለማ ዝተባህለ ኣብ ዴንማርክ መራሒ ማሕበር መንእሰያት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ሓደ በዓል ነብሱ ምቁጽጻር ሲኢኑ ንሰባት ስለ ዘጥቅዐ ን40 ምዓልታት ብዘይ ቅድመ ኩነት ንኽእሰር ተፈሪዱ፡፡ ኣብቲ ብዘይ ምኽንያት ዝተፈጥረ ዕግርግር፡ ዓበይቲ ህ.ግ.ዲ.ፋውያን ኣብ ክንዲ ነቲ ነገር ከዝሕሉዎ ዝፍትኑ “ዘይኩርምትኻስ ሑጻ ቆርጥመሉ” ከም ዝበሃል፡ ንበዓል ነገር ዝኾነ መንእሰይ ሰናይ ሰለሙን ለማ መሊሶም የነሃህሩዎ ከም ዝነበሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ፡፡ እዚ ከኣ ሓደ ካብ`ቲ ቀንዲ መለለዪ ባህርያት ህ.ግ.ዲ.ፋውያን እዩ፡፡

ካልኣይ ክፋልና፡ YPFDJ ኣብ መበል ሻውዓይ ኮንፈረንሶም ኣብ ኖርወይ፡ ከመይ ጌሮም ኣብ ኣውሮጳ ንዝነብር ኤርትራዊ ሕብረተ-ሰብ ብሓፈሻ፡ ንኤርትራዊ ንመንእሰይ ድማ ብፍላይ፡ ክቆጻጸሩዎ ከም ዝኽእሉ ንዝገበሩዎ ገምጋም ዘቃልዕ እዩ ኔሩ፡፡ ባዕሎም ከም ዝገልጽዎ ከኣ ድኹምን ሓያልን ጎድንታቶምኖ ንምልላይ ተባሂሉ ብምትሕብባር ናይ ህ.ግ.ዲ.ፍን ገለ ካድራት ናይ YPFDJን ዝተገብረ ገምጋም`ዩ፡፡ ስለ`ዚ ድማ ንሕና፡ ኣበይ ክበጽሑ ከም ዝደልዩ ኣዕሙቕ ኣቢልና ክንርእዮ እግባእ፡፡ ኢልና ኔርና፡፡

ኣብ ሳልሳይ ክፋልና ብተመሳሳሊ፡ YPFDJ ዕላምኡ ንምውቃዕን፡ ተግባራዊ ንምግባርን ናበይ ገጹ ክኸይድ ከምዘለዎ ንዝተለሞ መደባት ዘቃልዕ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ፡፡

ኣብ ናይ ሎሚ ራብዓይ ክፋልና እንበኣር፡ YPFDJ ነቲ ኣብ ኖርወይ ዝተገብረ ሻውዓይ ኮንፈረሶም ከም መምሃሪ ተጠቒሞም፡ ነቲ ዝብኢ ዝኾነ ዓማጺ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ቆርበት በጊዕ ብምኽዳን፡ ከም ኣመሎም ብምድንጋር ዘተኣማምን ቁጠባዊ ሓገዛት መታን ክረኽቡ ኢሎም ንዝገብሩዎ ፈተነታት ዘቃልዕ`ዩ፡፡

እነሆ እንበኣር፡ ሰናይ ንባብ፡፡

Click on this link to read more

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT