Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስነልቦናዊ ኵናት (PsyWar)

ብ ኣማኑኤል ሳህለ   ኣደይ ማኑ፡ ኣብ ውሽጢ ካንቸሎ በይነን ይቕመጣ ስለ ዝነበራ፡ ነቲ ዝርካቡ ንብረተን ከይስረቐን ብማለት፡ ከልቢ ኣጥርየን ነይረን። ይኹንምበር፡ ነታ ኸልበን  ጣይታ ጥራይ ይድርብያላ ብምንባረን፡ ዕባራን ውሕ ንኽትብል ድማ እኹል ሓይሊ ዘይነበራን ፍጥረት እያ

ብ ኣማኑኤል ሳህለ

 

ኣደይ ማኑ፡ ኣብ ውሽጢ ካንቸሎ በይነን ይቕመጣ ስለ ዝነበራ፡ ነቲ ዝርካቡ ንብረተን ከይስረቐን ብማለት፡ ከልቢ ኣጥርየን ነይረን። ይኹንምበር፡ ነታ ኸልበን  ጣይታ ጥራይ ይድርብያላ ብምንባረን፡ ዕባራን ውሕ ንኽትብል ድማ እኹል ሓይሊ ዘይነበራን ፍጥረት እያ ነይራ። ስለዚ፡ ኣደይ ማኑ እቲ ናይታ ከልበን ዝና ኣብ ልዕሊ ሰረቕትን ወጣማት ቆልዑን ፍጹም ራዕዲ ንኺፈጥር ብማለት፡ ስነልቦናዊ ኵናት ኪጥቀማ ተገዲደን።

 

ብመጀመርታ፡ ነታ ከልበን ዋዕሮ ዚብል ስም እየን ዘጠመቓኣ። ሽሕኳ ዋዕሮ ጌና ዘይተበኮረት እንተ ነበረት፡ ኣደይ ማኑ ግን ሰብ ንምድሃል ኣብቲ ናይቲ ካንቸሎአን ማዕጾ፡ ካብ ሓራስ ከልቢ ተጠንቀቑ፡ ዚብል ጽሑፍ እየን ኣቐሚጠን ዝነበራ። ኣብ ርእስዚ፡ ሰብ ምስ ዚዅሕኵሐን፡ ምስጢረን ንኸይቅላዕ ብማለት፡ ነቲ ማዕጾ ፍንቅቕ ከም ዚብል እምበር፡ ጋህ ኣቢልካ ምኽፋት ኣመለን ኣይነበረን። ዋዕሮ፡ መብዛሕትኡ እዋን ኣብቲ መደቀሲኣ ዝኾነ እተጋደመ በርሚል እያ ተዓምጺጻ ትድቅስ ዝነበረት።

 

በዝን ክንድዝን፡ ንቖልዑ፡ ናብ እንዳ ኣደይ ማኑ ክትልእኮም ከሎኻ ይሻቐሉ ነይሮም። ሰረቕትን ጐሓሉን ብወገኖም ንገዛ ኣደይ ማኑ ካብቲ ናይ ስርቂ መደባቶም  ከውጽኡዎ ተገዲዶም ነይሮም። ሓደ መዓልቲ ግን፡ ሓደ ቖልዓ ግድን ክትልኣኽ ኣሎካ ተባሂሉ፡ ከይፈተወን ብፍርሂ እናኣንቀጥቀጠን ኣብቲ ካንቸሎ እንዳ ኣደይ ማኑ ምስ ኳሕኵሐ፡ ኣደይ ማኑ ነቲ ማዕጾ ቅሩብ ክፍት ኣቢለን ተቐልቂለን። እቲ ቖልዓ ኣዒንቱ በቲ ማዕጾ ኣሕሊፉ እንተ ጠመተ፡ ካብ ዝኣረገ ነጸላ እተወስደ እድያት እተኣስረት ሕምትልትን ስልክይትን ከልቢ እዩ ዝረኣየ። ሽዑ ንኣደይ ማኑ፥ ኣደይ ማኑ፡ እዚኣ ድያ እታ ዋዕሮኽን ብምባል ንዕቀት ዝመልኦ ሕቶ ምስ ኣቕረበለን፡ ምስጢረን ስለ እተቐልዐ፡ ደስ ኣይበለንን። እቲ ኣብ ልዕሊ ሰረቕትን ደቂገዛውትን ዘካይዳኦ ዝነበራ ስነልቦናዊ ኵናት ድማ ካብቲ ግዜቲ ጀሚሩ እዩ ዘቋረጸ። ከቋርጽ ዝኸኣለ ድማ፡ እቶም ቆልዑ ብዘመሓላለፉዎ ሓበሬታ እዩ። እዚውን ንርእሱ ኣንጻር ኣደይ ማኑ ዝዓለመ ስነልቦናዊ ኵናት እዩ ነይሩ።

 

ምኽንያት ናይዚ ከም ብዋዛ ዘምጻእኩዎ ኣብነት፡ ወድሰብ ኣብ ኩሉ መዓልታዊ  ክርክራቱን ውድድራቱን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ኣብ ንግዳዊ ወይ ፖለቲካዊ ምትህልላኹ፡ ስነልቦናዊ መጥቃዕትታትን መኸተን ምክያድ ከም ዚጥቀም ንምግላጽ እዩ። ወድሰብ ከበድትን ምዕቡላትን ኣጽዋር ካብ ምጥቃም ንላዕሊ፡ ደም ዘየፍስስ ስነልቦናዊ ሜላታት ብምጥቃም ንጸላኢኡ ከንበርክኽ ከም ዚኽእል ካብ ጥንቲ ፈሊጡዎን ተመኪሩሉን  እዩ።

 

እቲ ንመንግስቲ ሮማ ዘንቀጥቀጠ ብኣቲላ ዚብሃል ሓለቓ ዚምራሕ ዝነበረ ሽሾ ሰራዊት ወረርቲ ሃን፡ ከምኡውን ናይ ጀንጂስ ካን ሰራዊት ሞንጎል፡ ንሓንቲ ሃገር ቅድሚ ምውራሮም፡ ናብቲ ቦታ ሰባት ብምልኣኽ፡ ሃን ዚብሃሉ ወይ ሞንጎል ዚብሃሉ በላዕቲ ሰብ ይመጹኹም ኣለዉ ዚብል ሓበሬታ የመሓላልፉ ነይሮም። ካብቶም ብኣስያፍ ዝሞቱ ደቂ ሃገር ድማ፡ እቶም ኣቐዲሞም ብፍርሂ ዝሞቱ ይበዝሑ ነይሮም ይብሃል። ኣብ ስነልቦናዊ ኵናት፡ ብደዎም ዚሞቱ ብዙሓት እዮም።

 

ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ኣብ እንስሳታት ምስ እንርእይ፡ ንኣብነት፡ ሶርኒ ድራጎን እተባህለ ዓይነት ጠበቕ፡ ኣብ ኩሉ ኣካላቱ ኣቕርንትን ኣእሻዅን ኣለዎ። ግን እዚ፡ ንጸላእቱ ንኸፈራርህ እተዓደሎ ስነፍጥረታዊ ኣጽዋር ደኣምበር፡ ኪዋግኣሉ ዘኽእሎ መጋበርያ ኣይኮነን። ጸላእቱ ግን፡ ምስ ዚርእዩዎ ካብ ርሑቕ ኢዮም ዚሃድሙ። ድሙ እውን ብወገና ከልቢ ምስ ዚጓነፋ፡ ዓባይ ንኽትመስልን ነቲ ወደረኛኣ ንምድንጋርን ንኣካላታ ንላዕሊ ትመጦ እያ።  እዚ እተጠቕሰ፡ ኣብ እንስሳታ ዚረአ ናይ ስነልቦናዊ ኵናት ኣብነት እዩ።

 

ስነልቦናዊ ኵናት፡ ብውልቃዊ ወይ ብጉጅለኣዊ መዳዩ፡ ካብ ጥንቲ ዝነበረ ፍጻመ እዩ። ዕላማኡ፡ ነቲ ጸላኢ ጌና ከይገጠምካዮ ከሎኻ ንምድሃል፡ ራዕዲ ንምዝራእ ወይ ንምፍርራህ ወይ ንምድኻም ወይ ሞራሉ ንምስባር ከምኡውን ዓንድታትን ኣውታራትን ስልጣኑ ንምንቕናቕ ኪኸውን ከሎ፡ ኣገባባቱ ድማ ንነገራት ኣጋኒንካ ምቕራብን፡ ምጅሃርን፡ ምሕሳውን፡ ንነገራት ምጥምዛዝን ምግልባጥን ወዘተ ወይ ድማ ንኸምዚ ዝበለ መጥቃዕቲ ንምምካት እዩ።

 

ነዚ ንምግባር፡ ናይቲ ጸላኢኻ ሓያልን ድኹምን ጎድንታትን ዚጥቀመሉ ሜላታትን ኪፍሕሶ ዚውዕል ትልምታትን ተንኮላትን ብዕምቆትን ብዝርዝርን ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ነቲ እትፍጽሞ መጥቃዕቲ ይኹን መኸተ ድማ ኣብቲ ልክዕን ምዱብን ግዜ ምትግባሩ ይግባእ። ብኣንጻሩ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዚነብር ህዝቢ ናብ ካልእ ከየስግል ንምሓዝን ልቡ ንምስሓብን ኣእምሮኡ ንምውናንን፡ ሃገራዊ ደርፍታትን መዝሙራትን ኪዝውተር ከሎ፡ ብገለ ኣጋጣሚታት ድማ፡ ከምቲ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዚካየድ ፕሮፓጋንዳዊ ኵናት ዚመስል ናይ ኣጋኒንካ ምርቕራብን፡ ምጅሃርን፡ ምሕሳውን፡ ንነገራት ምጥምዛዝን ምግልባጥን ወዘተ ኣገባባት ይዝውተር አዩ።

 

ኣብ ዓለምና፡ እቲ ዝዓበየን ነዊሕ ግዜ ዝወሰደን ስነልቦናዊ ኵናት፡ ኣብ ግዜ ሶቬት ሩስያ እዩ ተኻይዱ። ኣብቲ እዋንቲ፡ ኣመሪካ ንኮሙኒስታዊት ሩስያን ተኸተልታን ንምውቃዕ ዘይፈንቀለቶ ፕሮፓጋንዳዊ ሜላታት ኣይነበረን። ኣብቲ ግዜቲ፡ ብረታዊ ኵናት ምክያድ ማለት፡ ብምኽንያት ኑክለስያዊ ኣጽዋር፡ ዘልኣለማዊ ህልቂት ምፍጻም ማለት ስለ ዝነበረ፡ እቲ እንኮ ምርጫ፡ ስነልቦናዊ ኵናት ምክያድ ጥራይ እዩ ነይሩ።

ኣብዚ እተጠቕሰ ስነልቦናዊ ኵናትዚ፡ እቲ ውሩይ ኣመሪካዊ ድምጻዊ፡ ኤልቪስ ፕረስሊ (ናይቲ ግዜቲ ማይክል ጃክሶን)፡ ንመንእሰያት ሩስያ ንምስሓብን፡ ልቦም ንምስላብን፡ ነቲ ብመስዋእቲ እተጠርየ ኮሙኒስታዊ ባህሊ ከም ዚጸልኡዎ ንምግባርን፡ ከም ሳዕቤን ድማ ነቲ ውዑይ ሶሻላዊ መንእሰያዊ ሓይሊ ንምብራዝን፡ ዓቢ ተራ ተጻዊቱ እዩ። ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ፡ ማና ኪዳነ (ኢታይ ምቁር) ኣንጻር ደርጊ ዝዓለመ ካብ ተወርዋሪ ሚሳይላትን ተዋጋእቲ ነፈርትን ዘይንእስ ሓይሊ ዝነበሮ ስነልቦናዊ ኣበርክቶ ገይራ እያ። ኣብዚ እዋንዚ ድማ በረኸት መንግስትኣብ፡ ነቲ ናይ ህግደፍ ፕሮፓጋንዳዊ ማሺን፡ ጎረሩኡን ጥዕናኡን ብምውፋይ፡ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ምዕዛምን ኣብ ምስጋልን፡ ናብ ደምበ ህግደፍ ተኾብኵቦም ከም ዚኣትዉ ኣብ ምግባርን ወሳኒ ተራ ተጻዊቱ እዩ፡ ይጻወትውን ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ናይቲ ስርዓት ስነልቦናዊ ኵናት፡ ወይጦታት ህግደፍ እውን ዘይሕለል ጻዕሪ ኣካይዶም እዮም፡ ቀጻሊውን የካይዱ ኣለዉ። ኣብ ፈቐዶ ባራትን እንዳሻህን ብምእታው መዓልታዊ ሕንዚ ምድንጋሮም የፍስሱ። ኣብቲ ዘካይዱዎ ናይ ምድንጋር ዕዳጋ፡ ንእተፈላለየ ሓበሬታታት ዘዘይናቱ ዋጋ ብምሽናን፡ ነቲ ኪእመን ዝግባኦ ከም ዘይእመን፡ ነቲ ላግጺ ከም ቁምነገር ገይሮም ብምቕራብ፡ ነቲ ዔላ ሓቂ፡ ብናይ ሓሶት ቀመማት ይብርዙዎ ኣለዉ። ከምኡውን፡ ኣብ እተፈላለዩ ናይ ተቓወምቲ ወብሳይታትን ኣብ ፈይስቡካትን ኣስማቶም ብምቕያርን፡ ንሰብ ምዝላፍን ምፍርራህን ከም ቅዱስ ዕላማ ገይሮም ወሲዶምዎ ኣለዉ።

ደርፊ፡ ኣብ ስነልቦናዊ ዅናት ወሳኒ ተራ ከም ዘለዎ ንምርዳእ፡ ነታ ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ዓቢ ዝና ዝነበራ ሊሊ ማርሊን እትብል ጀርመናዊት ፍቕራዊት ደርፊ ምጥቃስ ኣኻሊ እዩ። እታ ደርፊ ብመገዲ ራድዮ፡ ካብ በርሊን፡ ርእሰከተማ ጀርመን፡ ናብቶም ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዓሪዶም ዝነበሩ ወትሃደራት ጀርመን ትፍኖ ነይራ፡ ግን ኣዚያ ሰሓቢት ብምንባራ፡ ጀርመናውያን ወትሃደራት ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ኣመሪካውያንን  እንግሊዛውያን ወትሃደራት ከይተረፉ ኪደርፉዋ ጀሚሮም። እታ ደርፊ ኣብ መንጎ ተጻባእቲ ሓይልታት ናይ ሓድነት መንፈስ ክትዘርእ ቅሩብ ተሪፉዋ ነይሩ። እዚ ኩነታትዚ ዘሰምበዶም ናይ ኪዳን ሓይልታት (ኣላይድ ፎርስስ) መራሕቲ፡ ነታ ደርፊ ናብ እንግሊዝ ከም እትትርጎም ብምግባር፡ ኣብ ሓድሓደ ኣጋጣሚታት ድማ ነቲ ቃላት ብምልዋጥ፡ ነቲ ኩነታት መዕለቢ ከም ዚረክብ ገይሮምዎ ነይሮም።

ብተመሳሳሊ መገዲ፡ በታ ሽገይ ሃቡኒ እትብል ናይ ተወልደ ረዳ ደርፍን፡ በታ ወደባት ዓደይ እትብል ናይ የማነ ባርያ ደርፍን፡ ማእለያ ዘይብሉ መንእሰይ ኤርትራ፡ ኪጋደል ከም ዝወጸ ክንርስዕ ኣይግበኣናን።  ኣብዚ ቃልስዚ፡ ማትኣ (ማሕበር ትያትር ኣስመራ) ብወገና ዘይርሳዕ ተራ ተጻዊታ እያ።

ኣብዚ ዘለናሉ ግዜ፡ ሳላ ኢንተርነትን ሞባይልን፡ እቲ ስነልቦናዊ ኵናት መልክዑ እናቐየረን እናበርተዐን እዩ ዚኸይድ ዘሎ። ይኹንምበር፡ እቲ መጋበርያ፡ ነቲ ዘጥቅዕን ነቲ ግብረመልሲ ዚህብን ብማዕረ እዩ ዘገልግሎ ዘሎ። ህግደፍ፡ ኩሉ ኤለክትሮኒካዊ መንዝሒ ፕሮፓጋንዳ ኪጥቀም ከሎ፡ እቲ ተቓዋሚ ደምበ ድማ ማዕረኡ ኪቃለስ ይፍትን ኣሎ። ኢንተርነትን ሞባይልን ራድዮን፡ ዶብ ዘይዓጅቦን ርሕቀት ዘይድርቶን ሚሳይል ብምዃኑ፡ ንብዙሓት ውልቀመላኽያን ከሻቕሎም ካብ ዝጅምር ነዊሕ ገይሩ ኣሎ። ኣብዚ ኩነታትዚ፡ እቲ ስርዓት ነቲ ብተቓወምቲ ብእተፈላለየ ኤለክትሮኒካዊ ብልሓት ዚፍኖ ሓበሬታታት ደው ንምባል ዘይተሓለለ ጻዕሪ የካይድ ኣሎ። ግን ተክኖኖሎጂ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ኣብ ዚስጉመሉ ዘሎ ዘመን፡ ኪሰልጦ ኣይከኣለን።

ህግደፍ፡ ነቲ ሚኒስትሪ ዜናኡ ናብ ሚኒስትሪ ስነልቦናዊ ኵናት ካብ ዚልውጦ ነዊሕ ገይሩ ኣሎ። እቲ ዝዓበየን ዝእመነሉን ልቡ ዘውድቐሉን እንኮ መሳርያ ኵናት ድማ፡ እዚ ሚኒስትሪዚ እዩ። ሚኒስትሪ ዜና ንህግደፍ ቤተመቕደሱ እያ፡ ካብ ነታ ሃገር ንላዕሊ፡ ንኣኣ ኪሕልዋን ኪዕቅባን ይመርጽ። ብኣኣ ገይሩ የሽካዕልልን የታልልን፡ ብኣኣ ገይሩ ይሰብኽን የደናግርን፡ ብኣኣ ገይሩ ይቕድስን ይረግምን፡ ብኣኣ ገይሩ ኣብ ባይታ ዘየሎ ኩነታት የቕርብ ንዘይኣመኑ ድማ የደስክል። ብግዜ ውግእ መሐሰዊቱ፡ ብግዜ ሰላም ድማ ኵናት መጻሕተሪቱ እያ።

ህግደፍ፡ ፎቶሾፕን ካልእ ስእላዊ ስንዒታትን ብምጥቃም፡ ኣብ ናይ ቲቪ ዜናታቱ፡ ንጸሊም ከም ጻዕዳ፡ ንህውከት ከም ሰላም፡ ንዘለዉ ከም ዝሞቱ፡ ንዝሞቱ ድማ ከም ዘለዉ፡ ንትማሊ ከም ሎሚ፡ ንመጻኢ ከም ሕሉፍ ገይሩ ነቶም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ዘለዉ ህዝቡ ከደናግርን ንዘይተደናገሩ ድማ ኪጻረፍን ኪዝልፍን ዓጀውጀው ኪብልን ይነብር ኣሎ።

እምበኣር፡ እዚ ስነልቦናዊ ኵናትዚ ኣዚዩ ኣገዳሲ ብምዃኑ፡ ኩሉ ግዱስ ኤርትራዊ ንምሕያል መርበባት ሓበሬታን ማዕከናት ዜናን ተቓወምቲ፡ ልዑል ኣበርክቶ ንምግባር እዋኑ ሕጂ እዩ።

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Hagos May 5, 2018

    ዘይትሕለፍ ጥቕሲ፤
    “ህግደፍ፡ ፎቶሾፕን ካልእ ስእላዊ ስንዒታትን ብምጥቃም፡ ኣብ ናይ ቲቪ ዜናታቱ፡ ንጸሊም ከም ጻዕዳ፡ ንህውከት ከም ሰላም፡ ንዘለዉ ከም ዝሞቱ፡ ንዝሞቱ ድማ ከም ዘለዉ፡ ንትማሊ ከም ሎሚ፡ ንመጻኢ ከም ሕሉፍ ገይሩ ነቶም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ዘለዉ ህዝቡ ከደናግርን ንዘይተደናገሩ ድማ ኪጻረፍን ኪዝልፍን ዓጀውጀው ኪብልን ይነብር ኣሎ።

    እምበኣር፡ እዚ ስነልቦናዊ ኵናትዚ ኣዚዩ ኣገዳሲ ብምዃኑ፡ ኩሉ ግዱስ ኤርትራዊ ንምሕያል መርበባት ሓበሬታን ማዕከናት ዜናን ተቓወምቲ፡ ልዑል ኣበርክቶ ንምግባር እዋኑ ሕጂ እዩ”

  • k.tewolde May 5, 2018

    The quote above sums it all up what HGDEF is all about,fake as the hair weave of the women he parades in his staged ceremonies and their personalities,his phony baloney media outlet like Hagerawi filset who preys on the weak at heart subliminally,HGDEF is a sham,a gang of outcasts who couldn’t make it in the academic world and uses the poor peasantry and ignorance as tools of his repressive campaign to stay in power. HGDEF is reactionary, anti revolutionary by nature. HGDEF is a self consuming phagocyte which feeds upon his own kind.

  • Sol May 7, 2018

    The first contract ever signed by the regime was the contract of Ministry of Information’s (Forto) building which was signed with Chinese company for 44 million Ethiopian Bir and this proves how the mafia regime gives importance to the power of information through which the mafia regime struggles to beautify his ugly shape.

POST A COMMENT