Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

The short prose is an introduction to the 10 years old poem which I got in my archive: ተባዕ ቢተወደድ፡ ከማኻስ ኣይሓድ!

ተባዕ ቢተወደድ፡ ከማኻስ ኣይሓድ! (ግጥሚ - ቅድሚ 10 ዓመት) ኣንታ ሕቡእ ጅግና መን ቀበረካ ብህይወትካ ገና፡ ንስኻ ኣብ ማዕቡጥ ምስ ምሉእ ልቦና ሃገርናስ ቓዚና ዓሪቑ ዝባና ንዓኻን ከማኻን ስኢና። ብሽመት ዘይጥበር ብፍርሒ ዘይሽደድ ብግዜ ዘይቅደም ብገንዘብ ዘይእበድ፡ ተባዕ ቢተወደድ ከማኻስ ኣይሓድ ሽሕ ኮይኑ ይወለድ! ምስ ተጋዳላይ ጎያዪ ምስ መንእሰይ ተላሃዪ ምስ ምሁር ዘታዪ፤ ኣብ

ተባዕ ቢተወደድ፡ ከማኻስ ኣይሓድ!

(ግጥሚ – ቅድሚ 10 ዓመት)

ኣንታ ሕቡእ ጅግና
መን ቀበረካ
ብህይወትካ ገና፡
ንስኻ ኣብ ማዕቡጥ
ምስ ምሉእ ልቦና
ሃገርናስ ቓዚና
ዓሪቑ ዝባና
ንዓኻን ከማኻን ስኢና።

ብሽመት ዘይጥበር
ብፍርሒ ዘይሽደድ
ብግዜ ዘይቅደም
ብገንዘብ ዘይእበድ፡
ተባዕ ቢተወደድ
ከማኻስ ኣይሓድ
ሽሕ ኮይኑ ይወለድ!

ምስ ተጋዳላይ ጎያዪ
ምስ መንእሰይ ተላሃዪ
ምስ ምሁር ዘታዪ፤
ኣብ ኵናት ኣላዪ
ኣብ ዋዕላ ዘይመናሕሰዪ
ጠዋር-ሰላም ጎብለል ሓዊ።

ጣቋኻ ዲዩ ተጸሊኡ
ወይ ድፍረትካ መሊኡ
ዓይኒ ብዙሓት ብዕዉሩ
ቀዲሙዎም ወጺኡ?

ካብ ካናለታት ሳሕል ቀጺላ
ዝዓምጸጸትካ ናይ ካርሸሊ ሸላ
ዓለም ሓርቢቱዋ ‘ሎ
ቀይድኻ ምስጢራ።

ኣንታ ሕቡእ ጅግና
ብራኢ በእምሮ
ኩሉ ከየስተውዓሎ
ንኹሉ ትውዕሎ
ኣበይ ኣርከብካሉ
ኣይወፍርካን ዶ ድሮ!

ንቐዳማይ ምቕዳም
ዶ ኣይኮነን ‘ቲ መንቂ
ዘእተወካ ኣብ ጸገም
ኣብ ጭንቂ!

ዘሪእካ ዝዓጸድካዮ ፍረ
ሓድሽ እኽሊ ጭቁን ዘዐንገለ
ከይለኸፍካዮ ኢድካ ዝኣሰረ፡
ክንደይ ከ ይጭክን
ዝመሃዘ ምቑሕ ዓረ
ክንዲ ዝሸመካ ‘ሓኔታይ!’
ክንዲ ዝኣስረልካ ፋረ።

ወጺዕናካ ኢና ኣየድመጽናን ተሎ
ሕቡእ ጅግንነትካ ርእሲ ኩሎም ከሎ
መን ‘ሞ ደፊሩ ስቓይካ ከልዕሎ
ባዕሉ ዝፈተናስ ‘ንካ ጣዕሳ ምስኡ ‘ሎ
ሕቡእ ግዳይ ኢኻ ሓቂ ምሳኻ ‘ሎ
ዓቕመይ እናሃልካ ሓፋሽ ይካፍሎ
ኣይ ወየ ኣይ ኣውሎ።

ተባዕ ቢተወደድ
ከማኻስ ኣይሓድ
ሽሕ ኮይኑ ይወለድ
መቛሒኻ ይዕበድ!

ኣማኑኤል ኢያሱ
23/09/2005

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • k.tewolde October 13, 2015

    Is anyone out there!

  • AHMED SALEH October 13, 2015

    Too bad our unsung heroes became history while still breathing air among the living dead fellow men .
    But it had been that way for long time in Eritrean politcs culture where corrupted mind acts the loudest
    mouth piece to dominate any voice of fairness and reasonable doubt of perpetuated wrongs .
    For so long they silenced people with fear and they can’t destroy truth indefinitely to disappear .
    Our people must wake to smell the aroma of self destruction .
    For how long HGDf clowns and jokers will play to dictate our lives depends on people willingness .
    Propaganda machines of 03 or eri-tv get opportunity because we enjoyed tranquility comes from
    foolishness than involving at consuming and frustrating political process hardships .
    It took less than ten courageous Eritreans volunteered to raise guns for Eritrean revolution . And
    few men will also lead the fight for liberty and social justice . That is facts , you will see .

  • Dehai October 13, 2015

    ንሕና ንኢሳያይስ ምርጋም ገዲፍናዮ ኢና። ንሱ ጋሻ (ተምቤናይ) እዩ እንታይ ሓልዮት ኣለዎ ኣብ ኤርትራና። እንተቶም ኣብ ልዕሊ መሬት ዘለዉ ዝሞቱ ጀነራላት ኢና በሃልቲ ግን ሓዊ አብ ኢዶም ኮሎ ንህዝቦም ከየርህዉሉ ኣብዮም ኣለዉ። በዓል ጀነራል ርእሲ ምራክ፤ በዓል ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል ሲ እንታይ ይሓስቡ ይኾኑ ብዛዕባ ጉዳይ እቲ ንናጽነት ተቃሊሱ ናጽነት ዘይርኣየ ዉጹዕ ቢተዉ??? ዘስደምም ግፍዒ ሰይጣዉንቲ እዩ እዚ።

  • Simon G. October 13, 2015

    Nice poem and well deserving!

  • sussun October 13, 2015

    Ema you are a great hero and VOICE OF THE OPRESSED ALSO . OUR GREAT HERO BITWEDED IS IN OUR HEART WE ARE NOT GOING TO FORGTT HIM.GIGNA WEDI MAY TEKELA GOITA HAKI WEDI ADKEMEMILIGAI ABO FITHI.

  • oromay October 14, 2015

    He stood up for Eritrea public right from the beginning

POST A COMMENT